ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/96 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥቅምቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥቅምቲ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 10/96 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንጥቅምቲ

መተሓሳሰቢ:- ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝግበር ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ከተውጽእ ኢያ። ጉባኤታት ኣብቲ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል ከምቲ ዘድሊ ምትዕርራያት ክገብራ ይኽእላ ኢየን። እቲ በብመዓልቱ ዝግበር ድግማ ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ፕሮግራም: ኣብቲ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ከተኵሩ ንዝኽእሉ ክልተ ወይ ሰለስተ ብቑዓት ኣሕዋት ኣቐዲምካ ክወሃብ ኣለዎ። እዚ ጽቡቕ ምድላው እተገብረሉ ድግማ እታ ጉባኤ ነቲ ኣብ ብሕቲ ዝውዕልን ንግራት ኣገልግሎት ዝጠቅምን ቀንዲ ነጥብታት ንኽትዝክሮ ክሕግዛ ኢዩ። ካብ ሰማዕቲ ዝቐርብ ሓሳባትን ተመክሮታትን ሓጺርን ነጥቢ ዝወቅዕን ክኸውን ኣለዎ።

7 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 47

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክ⁠ታ⁠ታት። ብዛዕባ ናይታ ሃገርን ናይታ ጉባኤን ናይ ወርሒ ሓምለ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት: ሓሳባት ሃብ። ግቡእ ዝዀነ ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታት ሃብ።

15 ደቒቕ:⁠- ሕቶ ሳጹን። ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ወይ ካልእ ብቑዕ ሽማግለ ነቲ ሓበሬታ ምስ ሰማዕቲ ይመያየጠሉ።

20 ደቒቕ:⁠- “ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽ​ሔት ኣዳሉ።” (ቍጽሪ 1⁠-​7) ካብ ቍጽሪ 1⁠-4 ሕቶታት ሕተት: ድሕርዚ ድማ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 5⁠-7 ዘሎ ሓሳባት ብምጥቃም: እዋናዊ መጽሔታት ብኸመይ ክዕደል ከም ዝከኣል ዝገልጽ ክልተ ወይ ሰለስተ ሕጽር ዝበለ መርኣያታት ኣዳሉ። ካብ ናይ 1 መጋቢት 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 17 ቍጽሪ 8⁠-9 ሓሳባት ወስኸሉ።

መዝሙር 222ን መዕጸዊ ጸሎትን

14 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 39

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:⁠- “ናይ ዝሓሸ ነገር ብስራት ምዝርጋሕ።” ሕቶን መልስን። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝርከብ ገለ ገለ ኣገዳሲ ነጥብታት ጥቐስ።​—⁠ናይ 1 መጋቢት 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 13 ርአ።

20 ደቒቕ:⁠- “ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽ​ሔት ኣዳሉ።” (ቍጽሪ 8⁠-11) ሕቶን መልስን። ካብቲ ኣብ ናይ ጥሪ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20⁠-21 ቍጽሪ 18⁠-21 ዘሎ ሓሳባት ወስኽ። ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝወጸ ናይዚ መጽሔታት እዚ ሕታማት ብምጥቃም: ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እተዳሉ ኣርኢ:⁠- (1) ኣብ ዞባኻ ተገዳስነት ከለዓዕል ዝኽእል ሓደ ዓንቀጽ ምረጽ: (2) እተቕርቦ ዘገድስ ነጥቢ ድለ: (3) ናብቲ ነጥቢ ቈላሕታ ንምስሓብ ክጠቅም ዝኽእል ሕቶ ሕሰብ: (4) ኣጋጣሚ እንተድኣ ረኺብካ እተንብቦ ጥቕሲ ሕረ: ከምኡውን (5) እቲ በዓል ቤት ነቲ መጽሔት ክቕበሎ ንኸተተባብዖ ዝሕግዝ መእተውን ብዛዕባ እቲ መጽሔት እትብሎ ቃላትን ኣዳሉ። ነናቶም ኣቀራርባ ዘርእዩ ክልተ ወይ ሰለስተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ኣዳሉ። ቅልል ዝበለ ናይ መጽሔት ኣተዓዳድላ ዘርኢ መንእሰይ እውን ሓውስ።

መዝሙር 82ን መዕጸዊ ጸሎትን

21 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 169

12 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ መጽ​ሔት ምብጽጻሕ ብኸመይ ከም ዝጅመር ግለጽ:⁠- (1) ነፍሲ ወከፍ እተዓደለን ኣብ ኣቀራርባ እተጠቐምካሉ ዓንቀጽን መዝግብ: (2) ነታ እትቕጽል ሕታም ሒዝካያ ክትምለስ መድብ: ከምኡውን (3) ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ኣገልግሎት መደብካ ነዚ ምብጻሕ እዚ እትገብረሉ ውሱን ግዜ መድብ። ኣብቲ ተገደስቲ ሰባት ዝረኸብካሉ እዋን ናይ መጽሔት ምዝገባ ግበር: ነፍሲ ወከፍ ናይ መጽ​ሔት ምብጽጻሕ ዝገበርካላ ግዜ ከም ተመላሊስካ ምብጻሕ መጠን ጸብጻብ ክትህብ ምዃንካ ዘክር።

8 ደቒቕ:⁠- “ንዞባኻ ምሉእ ብምሉእ ዕየዮ።” ነቲ ዓንቀጽን ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ንምዕያይ ኣብቲ ጉባኤ ዘሎ ምድላዋትን ተመያየጠሉ። ኣብቲ ዞባ ካብቲ ኣብ ናይ ቤተ⁠-ቤት ኣገልግሎት ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽበ ፍረ ጥቐስ። ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጅማር ሸቶ ብምግባር: ናይ ተገደስቲ ሰባት ጽቡቕ ምዝገባታት ክህልዎምን ቀልጢፎም ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብሩን ንዅላቶም ኣዘኻኽሮም። ሰማዕቲ ነቲ ኣብ ዞባኦም ዝርከብ ድኳናት ክዓይዎ ከለዉ ዘስተማቐርዎ ዘተባብዕ ተመክሮታት ከዘንትዉ ዓድሞም።

25 ደቒቕ:⁠- ካብቲ ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ፕሮግራም እተረኽበ ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት ድገም: ብብሕቲ ብኸመይ ከም ዝውዕል ድማ ኣጕልሕ።

መዝሙር 12ን መዕጸዊ ጸሎትን

28 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 27

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ከገልግሉ ዝኽእሉ እንተድኣ ኰይኖም ክሓስብሉ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን እዚ ናይ ጥቅምቲ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።

20 ደቒቕ:⁠- “ምቹእ ግዜ ብኸመይ ከም ዝዕደግ።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 23/12/110 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 10⁠-11 ቍጽሪ 7⁠-11 ሓሳባት ወስኸሉ።

15 ደቒቕ:⁠- ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝዕደል ጽሑፍ ተዛራረበሉ። መጽሓፍ ፍልጠት ክትዕደል ኢያ: ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅመር ዕላማ ብምግባር ንዅሉ እተዓደለ ጽሑፋት ንምክትታል ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ። ክልተ ወይ ሰለስተ ክኢላታት ኣስፋሕቲ ንኣገዳስነት እዛ መጽሓፍ እዚኣን ብኸመይ ክንጥቀመላ ከም እንኽእልን ይመያየጥሉ። እቲ ሒዛቶ ዘላ ሓበሬታ እተፈላለየ ማሕ​በራውን ቁጠባውን መበቈል ንዘለዎም ሰባት ዝትንክፍ ኢዩ። ነቲ ሓደስቲ ሰባት ቅድሚ ምጥማቖም ክርድእዎ ዘድልዮም መሰረታዊ ናይ መጽ​ሓፍ ቅዱስ ኣርእስትታት ስርዓታትን እትሽፍን ኢያ። ነቲ ጽንዓት ብጽቡቕ ከም ዝቕጽል እንተድኣ ገይርናዮ: እቲ ተማሃራይ ቅልጡፍ ለውጢ ክገብር ይኽ​እል ኢዩ። ቀጥታዊ ኣቀራርባ ብምጥቃም ብኸመይ ጽን​ዓት ከም ዝጅመር ተመያየጠሉ መርኣያ ድማ ኣቕርብ:⁠- ነቲ ኣብ ገጽ 4⁠-​5 ዘሎ ስእልን መግለጽን ድገሞ፣ ጽንዓት እንዓየሉ ኣገባብ ግለጽ፣ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 1 ዘሎ ናይ መጀመርታ ሓሙ​ሽተ ቍጽርታት ኣሕጺርካ ተመያየጠሉ፣ ዘለኣለማዊ ህይ​ወት ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧ ዝብል ሕቶ ንምምላስ: ካልእ ግዜ ተመሊስካ ነቲ ምይይጥ ክትቅጽሎ ቈጸራ ግበር። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምዕያይ መሰል ብምርካብ ዝመጽእ ሓጐስ ኣጕልሕ።

መዝሙር 162ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ