ንስኻውን ጽቡቕ ተሞክሮታት ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ!
ገለ ኣስፋሕቲ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ሓጐስ ዘምጽኣሎም ምብጻሕ ወይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ጽቡቕን ዘተባብዕን ተሞክሮታት ዘለዎም ይመስሉ። መብዛሕትኡ ግዜ ደስ ዘብሉ ተሞክሮታት ብኣጋጣሚ ኣይርከቡን ኢዮም። ዝበዝሑ ውጽኢት ናይ ህርኩትን ዘየቋረጽን ጻዕሪ ኢዮም። ግድን ከኣ ኣብቶም ብብቕዓት ዝዛረቡ ወይ ድማ ዝያዳ ክእለት ዘለዎም ኣስፋሕቲ እተወሰኑ ኣይኰኑን።
ገለ ካብቲ ኣብቶም ዝለዓለ ዓወት ዝረኸቡ ሰባት እተራእየ ነገራት እንሆ:- (1) ኣብ ግራት ኣገልግሎት ስርዓታውያን ኰይኖም: ወትሩ ሓያሎ ግዜ ኣብ ሰሙን ይሳተፉ: እዚ ድማ ምስ ግዱሳት ሰባት ክራኸቡ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይኸፍተሎም፣ (2) ናብቶም ሰብ ቤት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኣለዎም: ጽቡቕ መልሲ ኣይህቡን ኢዮም ኢሎም ኣቐዲሞም ኣይድምድሙን ኢዮም፣ (3) ኣብቶም ዝሰምዑ ምዉቕን ናይ ሓቂ ተገዳሰነትን ብምርኣይ: ዕርክነታዊ ዝዀነ ጠባያት ኣለዎም፣ (4) ንተመላሊስካ ምብጻሕን ነቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡን ተመሊስካ ኣብ ምብጻሕ ጻዕረኛታትን ዘየቋርጹን ኢዮም፣ ከምኡውን (5) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ንምጅማር ሸቶ ኣለዎም።
ንጥፈታትካ ድሕሪ ምግምጋም: ምናልባት ካብቶም ነቲ ኣገልግሎት ውጺኢታውን ኣዕጋብን ዝገብርዎ ደስ ዘብሉ ተሞክሮታት ብኸመይ ዝያዳ ከተስተማቕሮም ከም እትኽእል ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።