ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንወርሒ ግንቦት
1 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታትን ካብ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት እተመርጹ ምልክታታትን።
15 ደቒቕ:- “ንትሑታት ሰባት ዝኸውን ብስራት።” እታ ዓንቀጽ ምስ ተሳተፍቲ ተመያየጠላ: ብድሕሪኡ ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባታት ብተዋስኦ ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “ንዅሉ ሰብ እትኸውን ፍልይቲ ዜና ናይታ መንግስቲ።” ብዝርርብን ምስ ተሳተፍቲ ብምምይያጥን ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝወሃብ። ኣብ ምዝርጋሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ክሳዕ ሕጂ እተገብረ ድገም: ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ ኣገልግሎት ምድላው እተዋህበ ጽቡቕ ሓገዝን በቶም ሓደስቲ ሰባት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እተገብረ ተሳታፍነትን ኣመልክት። ምሽፋን ናይቲ ዞባ ከመይ ከም ዝነበረ ጸብጻብ ሃብ፣ ብኻልእ ጉባኤ ሓገዝ ምስ ዝድለ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ግለጽ። ነቲ እተመደበሎም ዜና ናይታ መንግስቲ ምእንቲ ክዝርግሑ ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብሩ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ናይቶም ተገደስቲ መዝገብ ክሕዙን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክጅምሩ ጻዕሪ ብምግባር ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብሩን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሕ። ናይቶም ተዋሂቦም ዘለዉ ኣቀራርባታት ተዋስኦ ኣዳሉ።
መዝሙር 55ን መዕጸዊ ጸሎትን።
8 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
15 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። “ንስኻውን ጽቡቕ ተሞክሮታት ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ!” ግዜ ዘፍቅድ እንተደኣ ኰይኑ ካብቶም ተሳተፍቲ ነታ ዜና ናይታ መንግስቲ ከበርክትዋ ከለዉ ዝረኸብዎ ዘተባብዕ ተሞክሮታት ክነግሩ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- “ገንዘብ ብግቡእ ገይርካ ምሓዝ።” ኣብ መንጎ ሓደ ሽማግለን ድያቆንን ዝግበር ምይይጥ። እታ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ክትንበብ ኣለዋ።
15 ደቒቕ:- “ስለምንታይ መዝገብ ናይቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ እንሕዝ?” ብሕቶን መልስን።
መዝሙር 60ን መዕጸዊ ጸሎትን።
15 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- “ከም ጸወርቲ ብርሃን ነቲ ኣርኣያና ምስዓብ።” ብሕቶን መልስን።
20 ደቒቕ:- ካብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ) ምዕራፍ 7 ገጽ 60–4 ብሕቶን መልስን ዝውሰድ።
መዝሙር 45ን መዕጸዊ ጸሎትን
22 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ኣተባብዕ። ነቲ ኣብ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተማሓደርና (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ) ገጽ 113–14 ዘሎ ብቕዓታት ተንትኖ።
35 ደቒቕ:- “ነቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምምሳው።” ካብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ) ገጽ 64–9 ዘሎ ብሕቶን መልስን ዝግበር ምይይጥ። ኵሎም ናይ ገዛእ ርእሶም እተጸንዐ ቅዳሕ ናይ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክህልዎም ክፍትኑ ኣጕልሕ።
መዝሙር 74ን መዕጸዊ ጸሎትን።
29 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ኣብ ማዕጾ ከም ክፍሊ ናይ ኣቀራርባኦም መጠን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ከንብቡ ሓሳባት ሃብ። ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ክብሪ ኣለዎም: ክንበብ ከሎ ክሰምዑ ድማ ፍቓደኛታት ኢዮም። እቲ ምኽሩ ረዚን ኢዩ: ነቲ ቅኑዕ ድማ ከለዓዕሎ ኢዩ። ናብቲ ማዕጾ ክትቀርብ ከሎኻ ኣብ ኢድካ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልወካ ግቡእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጥቕስታት ስሚዒት ብዘለዎን ብግቡእን ክንበብ ኣሎዎ።—ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ ገጽ 32–3 ቍጽሪ 12–15 ርአ።
12 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሕቶን መልስን። ኣቐዲምና ብምድላውናን ነቲ ዝጽናዕ ጽሑፋት ናብ ኣኼባ ሒዝና ብምኻድናን ስለምንታይ ካብ ኣኼባታት ዝያዳ ከም እንጥቀም ግለጽ።
23 ደቒቕ:- “ካብ ናይ መንጎ ሰሙናት አኼባታት ምጥቃም።” ሕቶን መልስን ካብ ኣገልግሎትና ገጽ 69–76። ነፍሲ ወከፍ ንትምህርቲ መጽሓፍ ዝኸውን ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ክህልዎ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሕ።
መዝሙር 63ን መዕጸዊ ጸሎትን