ትሕዝቶ
15 ታሕሳስ 2011
ሕታም መጽናዕቲ
ኣብዚ ሰሙናት ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ፦
30 ጥሪ 2012–5 ለካቲት 2012
ገጽ 8
ዚዝመር መዝሙራት፦ 29, 22
6-12 ለካቲት 2012
ገጽ 13
ዚዝመር መዝሙራት፦ 38, 18
13-19 ለካቲት 2012
ገጽ 18
ዚዝመር መዝሙራት፦ 54, 51
20-26 ለካቲት 2012
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ
ገጽ 22
ዚዝመር መዝሙራት፦ 11, 31
ዕላማ ዓንቀጻት መጽናዕቲ
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1 ገጽ 8-12
ገሊኣቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት፡ ሰናይ ኣብነት ኪዀኑና ይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ መለበሚ እውን ይዀኑና እዮም። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰሎሞን ብኸመይ ሰናይ ኣብነትን መለበምን ከም ዚዀነና ትገልጽ። እቲ ኻብኡ እንረኽቦ ኣወንታውን ኣሉታውን ትምህርቲ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትና ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2 ገጽ 13-17
ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኺመርሓና ዚኽእል ብርቱዕ ሓይሊ ኣሎ። እዚ ሓይሊ እዚ እንታይ እዩ፧ ብእኡ ኽንምራሕ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧ ካብ ጽልዋ እዚ ሓይሊ እዚ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
ዓንቀጻት መጽናዕቲ 3, 4 ገጽ 18-26
ብዙሓት ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም እዮም። መንፈስ ኣምላኽ ኣብኣቶም ዝዓየየ ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝመርሖም ምጽናዕና፡ ንኣምላኽ ከነገልግል ከለና ኣዝዩ ኼተባብዓና እዩ።
ካልእ ኣብዛ ሕታም እዚኣ
31 ትዝክሮዶ፧