ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/12 ገጽ 3-7
  • ምትዕርራይ ብምግባረይ ዓስቢ ረኸብኩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምትዕርራይ ብምግባረይ ዓስቢ ረኸብኩ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብነት ዝዀኑኒ ሰባት
  • ጥምቀትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን
  • ናብ ጊልዓድ ተጸዋዕና
  • ዓሌታዊ ፍልልይ ዘምጸኦ ብድሆ
  • ሓድሽ ምድብ
  • ብፍላይ ምስ ጥዕና እተተሓሓዘ ጸገማት ኣጋጠመና
  • ብዛዕባ የሆዋ ኽምሃርን ክምህርን ምኽኣለይ ኣሐጒሱኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • የሆዋ ፍቓዱ ኽገብር ምሂሩኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መምርሒ የሆዋ ብሓጐስ ምቕባል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብ መጀመርታ ድኻ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሃብታም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/12 ገጽ 3-7

ምትዕርራይ ብምግባረይ ዓስቢ ረኸብኩ

ጄምስ ኤ. ቶምሰን ዘዘንተዎ

ብ1928 ኣብ ደቡባዊ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ እተወለድኩሉ እዋን፡ ንጸዓዱን ንጸለምትን ዚፈሊ ሕጊ ነበረ። ነዚ ሕጊ እዚ ምጥሓስ ከኣ፡ ማእሰርቲ ወይ ከኣ ካብኡ ዝገደደ ሳዕቤን እዩ ዜስዕብ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበሩ ጸዓዱን ጸለምትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጉባኤኦምን ወረዳኦምን ኣውራጃኦምን እተፈላለየ እዩ ነይሩ። ብ1937 ኣቦይ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት እታ ኣብ ቻትኑጋ፡ ተነሲ፡ ዝነበረት ናይ ጸለምቲ ጉባኤ ዀነ። ሄንሪ ኒኮላስ ከኣ፡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት እታ ናይ ጸዓዱ ጉባኤ ነበረ።

ምሸት ምሸት ኣቦይን ሓውና ኒኮላስን ኬዕልሉ ኸለዉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ በራንዳ ኾፍ ኢለ ኽሰምዖም ከለኹ፡ ክሳዕ ሕጂ እየ ዝዝክሮ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ዚዛረቡሉ ዝነበሩ ጕዳይ ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ፣ እቲ ዕዮ ስብከት ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ብኸመይ ኪዕየ ኸም ዚኽእል ኪዘራረቡ ኸለዉ ምስማዕ ግና ባህ የብለኒ ነበረ።

ካብዚ ኣቐድም ኣቢሉ ብ1930 ኣብ ስድራ ቤትና ዜሕዝን ፍጻመ ኣጋጠመ። እታ ጓል 20 ዓመት ዝነበረት ኣደይ ሞተት። ኣቦይ ከኣ በይኑ ዀይኑ ንዓይን ነታ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረት ዶሪስ ሓብተይን ኪኣልየና ጀመረ፣ ሽዑ ኣነ ወዲ ኽልተ ዓመት እየ ነይረ። ኣቦይ ካብ ዚጥመቕ ነዊሕ እኳ እንተ ዘይገበረ፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት እዩ ገይሩ።

ኣብነት ዝዀኑኒ ሰባት

ብ1933 ኣቦይ ምስታ ሊሊ ሜ ዌንድሊን ቶማስ እትበሃል ንፍዕቲ ክርስትያን ሓብቲ ተራኸበ፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ተመርዓዉ። ኣቦይን ኣደይን ንዓይን ንዶሪስን፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ብምግልጋል ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት እዮም ኰይኖምና።

ብ1938 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሽማግለታት ኣብ ክንዲ ኣብ ጉባኤታት ዚምረጹ፡ በቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኪሽየሙ ኸም ዘለዎም ንዚገልጽ ውሳነ ኺድግፋኦ ተሓትታ። ገሊኣቶም ኣብ ቻትኑጋ ዝነበሩ ኣሕዋት ነቲ ለውጢ ኻብ ምቕባል ድሕር ምሕር በሉ፣ ኣቦይ ግና ነቲ እተገብረ ውድባዊ ምትዕርራይ ምሉእ ብምሉእ ደገፎ። ተኣማንነቱ ምስ ልባዊ ምትሕብባር ኣደይ ተደሚሩ፡ ንዓይ ክሳዕ ሎሚ ሓጊዙኒ እዩ።

ጥምቀትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን

ብ1940 ብዙሓት ኣባላት ጉባኤና ኣውቶቡስ ተኻርዮም ናብቲ ኣብ ዲትሮይት፡ ሚሺጋን፡ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ኸድና። ካብቶም ምሳና ዝኸዱ ኸኣ፡ ሒደት ኣብቲ ኣኼባ ተጠምቁ። ገና ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ ኣብ ዕዮ ስብከት ብንጥፈት እካፈል ስለ ዝነበርኩ፡ ገሊኣቶም ሰባት ንምንታይ ኣብቲ ኣኼባ ኸም ዘይተጠመቕኩ ኺርድኦም ኣይከኣለን።

ብዛዕባ እዚ ምስ ሓተቱኒ፡ “ጥምቀት እንታይ ከም ዜጠቓልል ኣይፈልጥን እየ” ኢለ መለስኩሎም። ከምኡ ኽብል ከለኹ ኣቦይ ሰምዓኒ፡ ኣዝዩ ድማ ሰምበደ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዛዕባ ትርጕም ጥምቀትን ብዛዕባ ኣገዳስነቱን ምእንቲ ኽርዳእ፡ ዝያዳ ጻዕሪ ኺገብር ጀመረ። ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ፡ ማለት ብ1 ጥቅምቲ 1940 ኣብ ሓንቲ ቘራሪት መዓልቲ፡ ካብ ቻትኑጋ ወጻኢ ኣብ ዝነበረት ንእሽቶ ቐላይ ተጠመቕኩ።

ወዲ 14 ምስ ኰንኩ፡ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዚዕጸወሉ እዋን፡ ኣብቲ ሽዑ ናይ ዕረፍቲ ፈላሚ ዚብሃል ዝነበረ መዳይ ኣገልግሎት እካፈል ነበርኩ። ኣብ ተነሲ ኣብ ዚርከባ ንኣሽቱ ኸተማታትን ኣብታ ኣብ ጥቓና እትርከብ ግዝኣት ጆርጅያን እሰብኽ ነበርኩ። ኣንጊሀ ተንሲአ፡ ምሳሐይ ሒዘ፡ በታ ሰዓት 6:00 ቅ.ቀ. እትብገስ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ ገይረ ናብቲ ዜገልግለሉ ኽሊ እኸይድ ነበርኩ። ከባቢ ሰዓት 6:00 ድ.ቀ. ኸኣ እምለስ ነበርኩ። እቲ ሒዘዮ ዝኸይድ ዝነበርኩ ምግቢ ግና፡ ቅድሚ እዋን ምሳሕ ይውዳእ ነበረ። ገንዘብ እኳ እንተ ነበረኒ፡ ጸሊም ስለ ዝዀንኩ፡ ናብ ድኳን ኣትየ ተወሳኺ ምግቢ ኽዕድግ ኣይክእልን እየ ነይረ። ሓደ መዓልቲ ኮኖ ጀላቶ ኽዕድግ ደለየ ናብ ሓደ ድኳን ምስ ኣተኹ፡ ንኽወጽእ ነገሩኒ። ሓንቲ ጻዕዳ ሰበይቲ ግና፡ ሓንቲ ኮኖ ሒዛትለይ መጸት።

ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን፡ ኣብ ደቡብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚግበር ዝነበረ ምንቅስቓስ ሲቭላዊ መሰላት እናነሃረ ኸደ። ናሽናል ኣሶስየሽን ፎር ዘ ኣድቫንስመንት ኦቭ ከለርድ ፒፕል (ሃገራዊ ማሕበር ንምዕባለ ጸለምቲ ሰባት) ዚበሃል ውድብን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ውድባትን፡ ተመሃሮ ኣብ ምንቅስቓስ ሲቭላዊ መሰላት ንኺሳተፉ የተባብዕ ነበረ። ንሕና እውን ኣባላት እቲ ውድብ ክንከውን ጻውዒት ቀረበልና። ብዙሓት ናይ ጸለምቲ ኣብያተ ትምህርቲ፡ እንተላይ እታ ኣነ ዝመሃረላ ዝነበርኩ ቤት ትምህርቲ፡ ብምሉኦም እቶም ተመሃሮ ኣባላት እቲ ውድብ ኪዀኑ ሸቶ ኣውጺአን ነበራ። ንዓይ እውን “ንዓሌትና ንኽድግፍ” ጸቕጢ ይወርደኒ ነበረ። ኣነ ግና፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉን ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ዓሌት ኣብሊጹ ኸም ዘይርእን ብምግላጽ፡ ኣበኹ። ከመይሲ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ በደል ኬወግዶ ዚኽእል፡ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነ እየ ዝኣምን ነይረ።​—ዮሃ. 17:14፣ ግብ. 10:34, 35።

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኻብ ዝውድእ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናብ ኒው ዮርክ ሲቲ ኽግዕዝ ወሰንኩ። እግረ መገደይ ግና፡ ነቶም ኣቐዲመ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ እተፋለጥክዎም ፈተውተይ ክበጽሖም ስለ ዝደለኹ፡ ኣብ ፊላደልፍያ፡ ፐንስልቨንያ፡ ንእተወሰነ እዋን ጸናሕኩ። እታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤ፡ ካብተን ኣነ ዝኸድኩወን ጸዓዱን ጸለምትን ተሓዋዊሶም ዚእከቡለን ጉባኤታት፡ እታ ናይ መጀመርታ እያ ነይራ። ገያሺ ሓላዊ ነታ ጉባኤ ኺበጽሓ ኸሎ፡ ኣብ ዚቕጽል ኣኼባ ኽፍሊ ኸም ዘሎኒ ነገረኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣብ ፊላደልፍያ ኽተርፍ ወሰንኩ።

ካብቶም ኣብ ፊላደልፍያ እተፋለጥክዎም ፈተውተይ፡ ጀራልዲን ዋይት ዝስማ መንእሰይ ሓብቲ ትርከቦም፣ ጸኒሐ ነዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ጀሪ ኢለ ኽጽውዓ ጀመርኩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቓ ትፈልጦን ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ እነገልግለሉ እዋን ምስቶም ሰብ ቤት ብኽእለት ትዘራረብን ነበረት። ብቐንዱ ንዓይ ዘገደሰኒ ግና፡ ክልቴና ፈለምቲ ኽንከውን ንደሊ ምንባርና እዩ ነይሩ። ብ23 ሚያዝያ 1949 ድማ ተመርዓና።

ናብ ጊልዓድ ተጸዋዕና

ካብ ፈለማ ጀሚሩ ዝነበረና ሸቶ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንመሃርን ሚስዮናውያን ኴንና ኣብ ወጻኢ ሃገር ከነገልግልን እዩ ነይሩ። ናብ ጊልዓድ ምእንቲ ኽንኣቱ ድማ፡ ተሓጒስና ንዅነታትና ኣተዓራረና። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ናብ ሎንሳይድ፡ ኒው ጀርሲ ኽንግዕዝ ተሓተትና፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ናብ ቸስተር፡ ፐንስልቨንያ ኸድና፣ ድሕሪኡ እውን፡ ናብ ኣትላንቲክ ሲቲ፡ ኒው ጀርሲ ገዓዝና። ኣብ ኣትላንቲክ ሲቲ ኸለና፡ ካብ እንምርዖ ኽልተ ዓመት ስለ ዝገበርና፡ ናብ ጊልዓድ ከነመልክት ከኣልና። ጻውዒት ግና ኣይቀረበልናን። ስለምንታይ፧

ኣብ መጀመርታ 1950ታት፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣወዳት ኣብቲ ምስ ኮርያ ዚግበር ዝነበረ ውግእ ምእንቲ ኺካፈሉ፡ ንውትህድርና ይኽተቡ ነበሩ። እቲ ኣብ ፊላደልፍያ ዝነበረ ቦርድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ገለልትነቶም ዚጸልኦም ዝነበረ እዩ ዚመስል። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ሓደ ዳኛ፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ. ብዛዕባይ ምርምር ከም ዝገበሩን ገለልተኛ ምዃነይ ከም ዘረጋገጹን ሓበረኒ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብ11 ጥሪ 1952 እቲ ይግባይ ዚሰምዕ ፕረዚደንታዊ ቦርድ፡ ኣገልጋሊ ምዃነይ ዚገልጽ ፍቓድ ሃበኒ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ነሓሰ፡ ኣነን ጀሪን ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም እተጀመረ መበል 20 ኽፍሊ ጊልዓድ ንኽንካፈል ጻውዒት ቀረበልና። ኣብኡ ኸለና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክንምደብ ኢና እንጽበ ኔርና። ዶሪስ ሓብተይ ካብ መበል 13 ኽፍሊ ጊልዓድ ተመሪቓ፡ ኣብ ብራዚል ተገልግል ነበረት። ኣነን ጀሪን እውን ከምኡ እናተጸበና ጸኒሕና ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸነገልግል ምስ ተመደብና፡ ዘይተጸበናዮ ዀነና፣ ነተን ኣብ ግዝኣት ኣላባማ ዚርከባ ጸለምቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚርከቡለን ጉባኤታት ክንበጽሕ ድማ ጀመርና። ኣብ ወጻኢ ሃገር ከነገልግል ንደሊ ስለ ዝነበርና፡ እዚ ብእተወሰነ ኣጕህዩና እዩ።

መጀመርታ ነታ ኣብ ሃንትስቪል እትርከብ ጉባኤ ኢና በጺሕናያ። ኣብኡ ምስ በጻሕና፡ ናብ ቤት እታ እተቐበለትና ክርስትያን ሓብቲ ኸድና። ኣቕሑና ኸነውርድ ከለና ድማ፡ እታ ሓብቲ ኣብ ተሌፎን፡ “እቶም ቈልዑ መጺኦም ኣለዉ” ኽትብል ከላ ሰማዕናያ። ሽዑ ደቂ 24 ዓመት ኢና ኔርና፣ ንዚርእየና ሰብ እሞ ኸኣ፡ ካብ 24 ንታሕቲ ኢና እንመስል ኔርና። ኣብቲ ወረዳ ኸነገልግል ከለና ድማ፡ “እቶም ቈልዑ” ዚብል ሳጓ ወጻልና።

መብዛሕትኦም ኣብ ደቡብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ነዚ ዚስዕብ ስለስተ ነጥብታት ብምጥቃስ ኢና ዝርርብና ንጅምር ኔርና፦

(1) ብዛዕባ ዅነታት ዓለም ዚገልጽ ሓጺር ርእይቶ።

(2) መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ፍታሕ።

(3) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት ዚህቦ ሓሳብ።

ሽዑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፍ ነበርክት። እዚ ኣቀራርባ እዚ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ብ1953 ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ “ሕብረተሰብ ሓዳስ ዓለም” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ፡ ክፍሊ ተዋህበኒ። ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰለስተ ነጥብታት ተጠቒምካ ዚግበር ኣቀራርባ ኸኣ ብመርኣያ ኣቕረብክዎ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብ1953 ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ሓላው ኣውራጃ ዀንኩ፣ ነተን ኣብ ደቡብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበራ ጸለምቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚርከቡለን ወረዳታት ክበጽሐን ከኣ ተመደብኩ። ክልና፡ ካብ ቨርጂንያ ጀሚርካ ኽሳዕ እተን ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ዝነበራ ኣላባማን ተነሲን ነበረ። ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ተዓጻጸፍቲ ኪዀኑ ነበሮም። ንኣብነት፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ማይ ቡምባ ኣብ ዘይብሉ ቤት ንቕኒ፡ ብድሕሪ ኽሽነ ዄንና ኸኣ ኣብ ጥስቲ ነብስና ንሕጸብ ነበርና። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ካብ ብምሉኡ እቲ ቤት፡ እቲ ድሕሪ ኽሽነ ዘሎ ቦታ ይመውቕ ነበረ።

ዓሌታዊ ፍልልይ ዘምጸኦ ብድሆ

ኣብ ደቡብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምግልጋል፡ ኣርሒቕካ ምሕሳብን ተበላሓትነትን ዚሓትት እዩ ነይሩ። ጸለምቲ ኣብ ህዝባዊ መሕጸብ ክዳውንቲ ኺጥቀሙ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ጀሪ ናብቲ መሕጸቢ ኸይዳ፡ እቲ ኽዳውንቲ ናይ “ወይዘሮ ቶምሰን” ምዃኑ ትነግሮም ነበረት። ንብዙሓት ሰባት፡ ኣብ እንዳ “ወይዘሮ ቶምሰን” እትሰርሕ ሰራሕተኛ ገዛ እያ እትመስሎም ነይራ። ሓለውቲ ኣውራጃ ነታ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን፡ 1ይ ክፋል ዘርእስታ ፊልም የርእዩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንብዓል ቤት እታ ፊልም እትረኣየላ ድኳን እድውለሉ እሞ፡ ን“ሚስተር ቶምሰን” ዚኸውን ዓብዪ መርኣዪ ፊልም አሕዝእ ነበርኩ። ጸኒሐ ድማ፡ ናብቲ ድኳን ብምኻድ ነታ ፊልም እወስዳ ነበርኩ። ኵሉ ሳዕ ምእዙዛት ስለ ዝነበርና፡ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ጸገም ኣገልግሎትና ንፍጽም ነበርና።

ካልእ ዓይነት ጽልኢ፡ ማለት ዞባዊ ጽልኢ እውን ኣስፋሕፊሑ ነበረ፣ እዚ ጽልኢ እዚ ኸኣ፡ ኣብቶም ካብ ሰሜን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚመጹ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ሓደ እዋን፡ ሓደ ጋዜጣ፡ ጄምስ ኤ. ቶምሰን ጁንየር ዚበሃል ተወካሊ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ፡ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ኸም ዚምድር ጸብጸበ። ገሊኣቶም ሰባት፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ ምስ ረኣዩ፡ ወዲ ኒው ዮርክ ስለ ዝመሰልክዎም፡ ነቲ ኣብ መአከቢ ቤት ትምህርቲ ኽንእከብ ዝገበርናዮ ውዕል ኣፍረስዎ። ድሕሪኡ፡ ናብ ቦርድ እቲ ቤት ትምህርቲ ኸይደ ኣብ ቻትኑጋ ኸም እተመሃርኩ ምስ ነገርክዎም፡ ኣብቲ መአከቢ ዄንና ኣኼባ ወረዳ ኽንገብር ተፈቕደልና።

ኣብ መፋርቕ 1950ታት ዓሌታዊ ውጥረት እናነሃረ ይኸይድ፡ ሓሓሊፉ ኸኣ ዓመጽ ይለዓል ነበረ። ኣብቲ ብ1954 እተገብረ ሓያሎ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ጸለምቲ ኣሕዋት መደረ ብዘይምቕራቦም እተቐየሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ነቶም ጸለምቲ ኣሕዋት፡ ዓቕሊ ኺገብሩ ኣተባባዕናዮም። ኣብቲ ቐጺሉ እተገብረ ኣኼባ፡ ኣነ ኽፍሊ ተዋህበኒ። ካብኡ ንነጀው፡ ካብ ደቡብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ብዙሓት ጸለምቲ ኣሕዋት፡ ክፍሊ ኺወሃቦም ጀመረ።

ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበረ ዓሌታዊ ጽልኢ ጠፍአ፣ እተን ጉባኤታት ከኣ ቀስ ብቐስ ኪተሓዋወሳ ጀመራ። እዚ ኸኣ፡ ንኣስፋሕቲ እንደገና ናብ እተፈላለያ ጉባኤታት ምምዳብን ንኽልታት ጉባኤ ዀነ ንሓላፍነት እቶም መሪሕ ግደ ዝነበሮም ኣሕዋት ምትዕርራይን ዚሓትት እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ጸለምትን ጸዓዱን ኣሕዋት ነቲ ሓድሽ መሰናድዎ ኣይተሰማምዑሉን። መብዛሕትኦም ግና፡ ልክዕ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና፡ ኣየዳልዉን እዮም ነይሮም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ ሕብሪ ቘርበቶም ብዘየገድስ፡ ናይ ቀረባ ፈተውቲ ዀኑ። ኣብ 1930ታትን ኣብ 1940ታትን፡ ማለት ገና ንእሽቶ ኸለኹ፡ ስድራ ቤትና ኸምዚ ዓይነት ምሕዝነት ነበራ።

ሓድሽ ምድብ

ብ1969፡ ኣነን ጀሪን ናብታ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ጊያና እትበሃል ዓዲ ኽንከይድ ዕድመ ምስ ቀረበልና፡ ተሓጒስና ተቐበልናዮ። መጀመርታ ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ከድና፣ ኣብኡ ኸኣ ነቲ ኣብ ጊያና ዚግበር ዕዮ ስብከት ብኸመይ ብሓላፍነት ክከታተሎ ኸም ዘሎኒ ሰልጠንኩ። ኣብ ሓምለ 1969 ኣብ ጊያና በጻሕና። ኣብ ዕዮ መገሻ ን16 ዓመት ስለ ዘገልገልና፡ ኣብ ሓደ ቦታ ዄንካ ምግልጋል፡ ዓብዪ ለውጢ እዩ ነይሩ። ጀሪ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ኣገልግሎት እያ እትውዕል ነይራ፣ ኣነ ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እሰርሕ ነበርኩ።

ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ሳዕሪ እዓጽድ፡ ን28 ጉባኤታት ዚኸውን ጽሑፋት አዳሉ፡ ምስቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ድማ እጸሓሓፍ ነበርኩ። ኣብ መዓልቲ ኻብ 14 ክሳዕ 15 ሰዓት እሰርሕ ነበርኩ። እቲ ዕዮና ኣድካሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ንፈትዎ ነበርና። ናብ ጊያና ኣብ ዝኸድናሉ እዋን፡ 950 ኣስፋሕቲ ነበሩ፣ ሎሚ ግና፡ ልዕሊ 2,500 ኣስፋሕቲ እዮም ዘለዉ።

ኣብ ጊያና፡ ባህ ዜብል ኵነታት ኣየርን ቅድሚኡ ዘይንፈልጦ ዓይነት ፍረታትን ኣሕምልትን እኳ እንተሎ፡ ብቐንዱ ዜሐጕሰና ዝነበረ ግና፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኺፈልጡ ዚህንጠዩ ትሑታት ሰባት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመሃሩ ኸለዉ እዩ ነይሩ። ጀሪ ኣብ ሰሙን መብዛሕትኡ እዋን 20 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ነበረት፣ ብዙሓት ካብቶም መጽናዕቲ ዝመርሓትሎም ከኣ ዕቤት ገይሮም ተጠምቁ። ገሊኣቶም ድማ ጸኒሖም፡ ፈለምትን ሽማግለታት ጉባኤን ኰኑ፣ ናብ ጊልዓድ ከይዶም ሚስዮናውያን ዝዀኑ እውን ነይሮም እዮም።

ብፍላይ ምስ ጥዕና እተተሓሓዘ ጸገማት ኣጋጠመና

ብ1983 ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበሩ ወለደይ፡ ሓገዝ ኣድለዮም። ኣነን ጀሪን ዶሪስን ከኣ፡ ነቲ ጕዳይ ተዘራረብናሉ። እታ ሚስዮናዊት ኰይና ኣብ ብራዚል ን35 ዓመት ዘገልገለት ዶሪስ፡ ንኣቦይን ንኣደይን ክትኣልዮም ወሰነት። ነቲ ዕዮ ሓደ ሰብ ኪሰርሖ እናኸኣለ፡ ክልተ ሚስዮናውያን ዕዮኦም ዜቋርጹሉ ምኽንያት ከም ዘየልቦ እያ እትኣምን ነይራ። ኣቦይን ኣደይን ድሕሪ ሙማቶም እውን፡ ዶሪስ ኣብ ቻትኑጋ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ።

ብ1995 መንሽሮ ዓጽረ ሽንቲ ኸም ዘሎኒ ስለ እተፈልጠ፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኽምለስ ነበረኒ። ኣብ ጎልድስቦሮ፡ ኖርዝ ካሮላይና ድማ ክንነብር ጀመርና፣ እዚ ቦታ እዚ፡ ኣብ መንጎ እታ ስድራ ቤተይ ዚነብሩላ ተነሲን ኣብ መንጎ እታ ስድራ ቤት ጀሪ ዚነብሩላ ፐንስልቨንያን እያ እትርከብ። መንሽሮይ ቍሩብ ህድእ ስለ ዝበለለይ፡ ኣነን ጀሪን ኣብታ ኣብ ጎልድስቦሮ እትርከብ ጉባኤ፡ ዓቕምና ዚፈቕዶ እናኣገልገልና ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ንዓዪ ኣሎና።

ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 65 ዓመት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ የሆዋ ነቲ ኣነን ጀሪን ንዕኡ ንምግልጋል ዝገበርናዮ ምትዕርራይ ስለ ዝባረኾ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። እተን ዳዊት እተዛረበን፡ “ምስቶም እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” ዚብላ ቓላት ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ እየን!—2 ሳሙ. 22:26፡ ትርጕም 1990።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእልታት]

ኣቦይን ሓውና ኒኮላስን ጽቡቕ ኣብነት ኰኑኒ

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእልታት]

ብ1952 ምስ ጀሪ ናብ ጊልዓድ ቅድሚ ምኻድና

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእልታት]

ካብ ጊልዓድ ምስ ተመረቕና፡ ኣብ ደቡብ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዕዮ መገሻ ኸነገልግል ተመደብና

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብ1966 ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን ነቲ ጸለምትን ጸዓዱን ብሓባር ዝገበርዎ ኣኼባ ኣውራጃ ኺዳለዉ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጊያና ዘሕለፍናዮ ዕዮ ሚስዮናውነት ዜሐጕስ ነበረ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ