ቀደም ሞት እፈርህ ነይረ፡ ሕጂ ግን “ህይወት ምስ ተረፉ” እጽበ ኣለኹ
ፕዬሮ ጋቲ ዘዘንተዎ
እቲ ብማዕዶ ዚስማዕ ዝነበረ ዱድ ዚብል ድምጺ፡ እናቐረበ ይመጽእ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ሰባት ኣብ መዕቈቢ ንኺኣትዉ ዜጠንቅቕ ሲረና የእዊ ነበረ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ቦምባታት እናኣፋጸየ መጺኡ ኺትኰስን ኬዕኑን ከሎ፡ ከበሮ እዝኒ ዚቐድድ ደሃይ ይስማዕ ነበረ።
እዚ ብ1943/1944 ኣብ ሚላኖ፡ ኢጣልያ፡ ዜጋጥም ዝነበረ እዩ። ሽዑ፡ ኣብኡ እተመደብኩ ንእሽቶ ወተሃደር ስለ ዝነበርኩ፡ ብደብዳብ ነፋሪት እተቐብሩ ሰባት ፍሒረ ኸውጽእ ትእዛዝ ይወሃበኒ ነበረ። ፍሒርና ኸነውጽእ ከለና፡ ሰብነቶም ተቘራሪጹን ከም ዘይልለዩ ዀይኖምን ይጸንሑና ነበሩ። ካልኦት ኪሞቱ ኸለዉ ጥራይ ኣይኰንኩን እውን ዝርኢ ነይረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ሞት ንስክላ እየ ዘምልጥ ነይረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ፣ ካብቲ ህልቂት እቲ እንተ ድሒነ፡ ፍቓዱ ኸም ዝገብር ከኣ ተመባጻዕኩ።
ንፍርሂ ሞት ኣሰነፍኩ
ካብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ስዊዝ እትርከብ ከተማ ኮሞ፡ ኢጣልያ፡ 10 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ቍሸት እየ ዓብየ። ብንእስነተይ ሓዘን ስለ ዘጋጠመኒ፡ ፍርሂ ሞት ኣሕደርኩ። ክልተ ኣሓተይ ብሕማም ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ሞታ። ድሕሪኡ ብ1930፡ ገና ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሉዊጃ ዝስማ ኣደይ ሞተት። ካቶሊክ ኰይነ ስለ ዝዓበኹ፡ ሃይማኖታዊ ሕግታት እስዕብን ሰሙናዊ ናብ ቅዳሰ እኸይድን ነበርኩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘይኰነስ፡ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ እንዳ ቐምቃማይ እየ ፍርሀይ ከሰንፍ ክኢለ።
ብ1944፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዙሓት ይሃልቁ ነበሩ። ኣነ እውን ሓደ ኻብቶም ካብቲ ዞባ ውግእ ሃዲሞም ናብታ ገለልተኛ ዝነበረት ስዊዘርላንድ እተሰድዱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ወተሃደራት ኢጣልያ እየ ነይረ። ኣብኡ ምስ በጻሕና፡ ናብ እተፈላለየ ሰፈር ስደተኛታት ኣተና። ኣነ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር፡ ኣብ ጥቓ ሽታይናኽ ኣብ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት ኣተኹ። ኣብኡ እተወሰነ ናጽነት ነበረና። ኣብ ሽታይናኽ ዚነብር ዝነበረ ቀምቃማይ፡ እተወሰነ ሓገዝ ደለየ። ምስኡ እናነበርኩ ዝሰራሕኩሉ እዋን ሓደ ወርሒ ጥራይ እኳ እንተ ነበረ፡ ንህይወተይ ዚቕይር ሌላ ንምግባር ግን እኹል እዩ ነይሩ።
ሓደ ኻብቶም ዓማዊል፡ ኣዶልፎ ተሊኒ ዚበሃል ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብር ኢጣልያዊ እዩ ነይሩ። ንሱ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምሉእ ኢጣልያ ካብ 150 ዘይበዝሑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ስለ ዝነበሩ፡ ብዛዕባኦም ዘይምስማዐይ ዜገርም ኣይነበረን። ኣዶልፎ ብዛዕባ ዜደንቕ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ብዛዕባ ተስፋ ሰላም ኰነ ብዛዕባ “ህይወት ምስ ተረፉ” ነገረኒ። (ዮሃ. 10:10፣ ራእ. 21:3, 4) በቲ ውግእን ሞትን ከም ዘይህሉ ዚገልጽ መልእኽቲ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ናብቲ ሰፈር ስደተኛታት ምስ ተመለስኩ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ንሓደ ጁሰፔ ቱቢኒ ዚበሃል መንእሰይ ኢጣልያዊ ነገርክዎ፣ ንሱ እውን በዚ ተመሰጠ። ኣዶልፎን ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን፡ ብተደጋጋሚ ናብቲ ሰፈር እናመጹ ይበጽሑና ነበሩ።
ሓደ ግዜ፡ ኣዶልፎ ኻብ ሽታይናኽ 10 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ናብ እትርሕቕ ከተማ ኣርቦን ወሰደኒ፣ ኣብኡ ኸኣ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጣልያንኛ ኣኼባ ይገብሩ ነበሩ። በቲ ኣብኡ ዝሰማዕክዎ ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ፡ ኣብ እትቕጽል ሰሙን ብእግረይ ናብቲ ቦታ እቲ ኸድኩ። ኣብ ካልእ መዓልቲ፡ ኣብ ዙሪክ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣከብኩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ደምበታት ህልቂት ዝነበረ መዓት ሬሳ ተጸፍጺፉ ኸሎ ዜርኢ ስላይድ ፊልም ኣሰምቢዱኒ እዩ። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጀርመናውያን፡ ብምኽንያት እምነቶም ሰማእታት ኰይኖም እዮም። ኣብቲ ኣኼባ፡ ምስ ማሪያ ፒዛቶ ተራኸብኩ። ንሳ ብምኽንያት እቲ ኸም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ዝነበራ ንጥፈታት፡ ብሰበ-ስልጣን ፋሺስት ኢጣልያ ን11 ዓመት ተፈሪድዋ ነይሩ እዩ።
እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ፡ ናብ ኢጣልያ ተመሊሰ፡ ኣብ ኮሞ ምስ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ተጸምበርኩ። ብግቡእ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ዘይገበርኩ፡ መሰረታዊ ሓቅታት ግን ብንጹር ፈሊጠ ነበርኩ። ማሪያ ፒዛቶ እውን ኣብታ ጉባኤ ነበረት። ንሳ ድማ ብዛዕባ ኣድላይነት ክርስትያናዊ ጥምቀት ነገረትኒ፣ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ሶንድሪዮ እትርከብ ካስትዮነ ኣንዴቨኖ ንዚነብር ማርቸሎ ማርቲነሊ ክኸዶ እውን ሓሳብ ኣቕረበትለይ። ማርቸሎ ብግዜ እቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ን11 ዓመት ተፈሪድዎ ዝነበረ እሙን ቅቡእ ሓው እዩ ነይሩ። ናብኡ ንምኻድ፡ ን80 ኪሎ ሜተር ብብሽክለታ ኽጐዓዝ ነበረኒ።
ማርቸሎ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ፡ ንጥምቀት ኪማላእ ዘለዎ ብቕዓታት ገለጸለይ። ድሕሪኡ፡ ጸሊና ናብ ፈለግ ኣዳ ኸድና፣ ኣብኡ ድማ ተጠመቕኩ። እቲ ግዜ እቲ፡ መስከረም 1946 እዩ ነይሩ። እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ፍልይቲ መዓልቲ እያ ነይራ። ንየሆዋ ንኸገልግል ብዝገበርክዎ ውሳነን ብዛዕባ መጻኢ ብዘሎኒ ድልዱል ተስፋን ኣዝየ ስለ እተሓጐስኩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ 160 ኪሎ ሜተር ብብሽክለታ ኽጐዓዝ ከለኹ ኣይተፈለጠንን።
ኣብ ግንቦት 1947፡ ኣብ ኢጣልያ ድሕሪ እቲ ውግእ እተገብረ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ኣኼባ፡ ኣብ ሚላኖ ተገብረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ 700 እንኸውን ተኣከብና፣ ብዙሓት ካብ ፋሺስት ዝወረዶም መስጐጕቲ ዘሕለፉ እውን ኣብ መንጎና ነበሩ። ኣብቲ ኣኼባ፡ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ተገብረ። ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ዝመስከርኩሉ ጁሰፔ ቱቢኒ፡ መደረ ጥምቀት ኣቕረበ፣ ምስ ወድአ ድማ፡ ንሱ ባዕሉ እውን ተጠምቀ!
ኣብቲ ኣኼባ እቲ፡ ምስቲ ኣብ ብሩክሊን ካብ ዚርከብ ቤትኤል ዝመጸ ሓው ናታን ኖር ተራኸብኩ። ንሱ ኸኣ፡ ንዓይን ንጁሰፔን፡ ህይወትና ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከነሕልፎ ኣተባብዓና። ኣነ እውን፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጅምር ወሰንኩ። ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ፡ ንስድራ ቤተይ ብዛዕባ ውሳነይ ነገርክዎም፣ ንሳቶም እውን ኬጐናድቡኒ ጸዓሩ። ኣነ ግን ቈሪጸ ነበርኩ። ስለዚ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣብቲ ኣብ ሚላን ዚርከብ ቤትኤል ከገልግል ጀመርኩ። ኣብኡ ኣርባዕተ ሚስዮናውያን የገልግሉ ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፡ ጁሰፔ (ጆሰፍ) ሮማኖን ኣንጀሊና ሰበይቱን፡ ካርሎ በናንቲን ኮስታንዛ ሰበይቱን እዮም ነይሮም። እቲ ሓምሻይ ኣባል እታ ስድራ፡ ካብ ዚጽምበሮም ነዊሕ ዘይገበረ ጁሰፔ ቱቢኒ እዩ ነይሩ፣ ኣነ ድማ ሻድሻዮም ኰንኩ።
ኣብ ቤትኤል ንሓደ ወርሒ ድሕሪ ምግልጋለይ፡ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ተሸምኩ፣ ኣብ ኢጣልያ እተወልደ እሞ ኣብታ ሃገር ዘገልገለ ናይ መጀመርታ ሓላው ወረዳ ኰንኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብ1946 ናብ ኢጣልያ ዝመጸ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ዝዀነ ሓው ጆርጅ ፍሬድያነሊ፡ ድሮ ኣብ ዕዮ መገሻ የገልግል ነበረ። ንሒደት ሰሙናት ምስ ኣሰልጠነኒ፡ ነዚ ሓድሽ ዕዮ እዚ በይነይ ጀመርክዎ። ብሕልፊ ነታ ንመጀመርታ ዝበጻሕክዋ ጉባኤ ፋየንዛ ኣይርስዓን እየ። ሕስብ እሞ ኣብልዎ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ጉባኤ መደረ እውን እንተ ዀነ ኣቕሪበ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ፡ እንተላይ ንሓያሎ መንእሰያት፡ ብዛዕባ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪሓስቡ ኣተባባዕክዎም። ገለ ኻብቶም መንእሰያት፡ ጸኒሖም ኣብ ኢጣልያ ዓብዪ ሓላፍነት ተሰኪሞም እዮም።
ከም ገያሺ ሓላዊ ዀይነ ባህ ዜብል ህይወት ጀመርኩ። ቅያን ምትዕርራያትን ብድሆታትን ሓጐስን ዝነበሮ ህይወት እዩ ነይሩ፣ ካብ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ብዙሕ ፍቕሪ ረኺበ እየ።
ድሕሪ እቲ ውግእ ኣብ ኢጣልያ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ዅነታት
ብዛዕባ እቲ ሽዑ ኣብ ኢጣልያ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ዅነታት ክነግረኩም። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብዘይ መቐናቕንቲ እያ እትገዝእ ነይራ። ብ1948 ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ወይ ቅዋም ኪዓዪ እኳ እንተ ጀመረ፡ እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናጽነት ከይሰብኩ ዚኽልክል ዝነበረ ሕግታት ፋሺስት ግን ክሳዕ 1956 ኣይተወገደን ነይሩ። ካህናት ህዝበ-ክርስትያን ጸቕጢ ይገብሩ ብምንባሮም ድማ፡ ኣኼባታት ወረዳ ብዙሕ ሳዕ ይርበሽ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ግን፡ እቲ ጻዕርታቶም ይፈሽል ነበረ። ብ1948፡ ኣብታ ሱልሞና እትበሃል ኣብ ማእከል ኢጣልያ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ኣኼባ ኣብ ትያትር ይግበር ነበረ። ሰንበት ንግሆ፡ ኣነ ኣቦ መንበር ነበርኩ፣ ጁሰፔ ሮማኖ ኸኣ፡ ህዝባዊ መደረ ኣቕረበ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዙሓት እዮም ዚእከቡ ነይሮም። ኣብቲ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር 500 ዘይመልኡ ኣስፋሕቲ ዝነበሩሉ እዋን፡ 2,000 ሰባት ኣብቲ ትያትር ተኣኪብና ነበርና። ኣብ መወዳእታ እቲ መደረ፡ ሓደ ብኽልተ ኻህናት ዝሰልጠነ ኣብ መንጎ እቶም ተኣከብቲ ዝነበረ መንእሰይ፡ ናብቲ መድረኽ ደየበ። ሕንፍሽፍሽ ኪፈጥር ስለ ዝደለየ ድማ፡ ዓንቀሩ ኽሳዕ ዚጭደድ ኪጭድር ጀመረ። ኣነ ኸኣ ብኡንብኡ፡ “ትዛረቦ ነገር እንተ ኣልዩካ፡ ኣዳራሽ ተኻረ እሞ፡ ዝደለኻዮ ኽትዛረብ ትኽእል ኢኻ” በልክዎ። እቶም ተኣከብቲ እውን ከም ዘይተሓጐሱሉ ብዓው ዝበለ ደሃይ ገይሮም ገለጹሉ። ድሕርዚ፡ እቲ መንእሰይ ካብ መድረኽ ወሪዱ፡ ተሰወረ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ዚግበር ዝነበረ መገሻ፡ ብዙሕ ቅያ ነይርዎ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ ብእግረይ፡ ብብሽክለታ፡ ብኣውቶቡስ፡ ወይ ብባቡር እኸይድ ነበርኩ፣ ናይ ሽዑ ኣውቶቡሳት ከኣ ዝኣረጋን ብሰባት እተጨቓጨቓን እየን ነይረን። ኣብ ደምበ ወይ ናውቲ ኣብ ዚቕመጠሉ መጽለሊ ዝሓደርኩሉ እዋን እውን ነይሩ እዩ። እቲ ውግእ ካብ ዜብቅዕ ነዊሕ ስለ ዘይገበረ፡ መብዛሕትኦም ኢጣልያውያን ድኻታት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሒደት ኣሕዋት ጥራይ እዮም ነይሮም፣ ንሳቶም እውን ብዙሕ ኣይነበሮምን። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘተኰረ ህይወት ግን፡ ጽቡቕ እዩ ነይሩ።
ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብክዎ ስልጠና
ብ1950፡ ኣነን ጁሰፔ ቱቢኒን ኣብ መበል 16 ክፍሊ እቲ ንሚስዮናውያን ዚወሃብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ጻውዒት ቀረበልና። ካብ መጀመርታ ኣትሒዘ፡ እንግሊዝኛ ምኽኣል ከም ዜሸግረኒ ተፈሊጡኒ ነይሩ እዩ። ዚከኣለኒ ዘበለ እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ ብሓቂ እዩ ኸቢዱኒ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብእንግሊዝኛ ኸነንብቦ ነይሩና። ነዚ ንምፍጻም፡ ዓው ኢለ ንባብ ምእንቲ ኽለማመድ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ እዋን ምሳሐይ እጥቀም ነበርኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ መደረ ዝህበሉ ተራይ በጽሐ። እቲ መምህር ዝሃበኒ ርእይቶ፡ ክሳዕ ሕጂ ኸምዛ ትማሊ ዝሃበኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ፣ “ኣካላዊ ምንቅስቓሳትካን ውዕዉዕ ስምዒትካን ዚነኣድ እዩ፣ እንግሊዝኛኻ ግን ዋላኳ ኺርድኣና ኣይከኣለን!” በለኒ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ትምህርተይ ብዓወት ወዳእኩ። ድሕሪኡ፡ ኣነን ጁሰፔን ናብ ኢጣልያ ተመደብና። ተወሳኺ ስልጠና ብምርካብና፡ ንኣሕዋት ንምግልጋል ብዝሓሸ ተዓጢቕና ነበርና።
ብ1955፡ ነታ ቕድሚ ሸውዓተ ዓመት መደረ ጥምቀት ዘቕረብኩላ ሊድያ ተመርዓኽዋ። ዶመኒኮ ዝስሙ ኣቦኣ፡ ብስርዓት ፋሺስት መስጐጕቲ ዝወረዶን ንሰለስተ ዓመት ኪሕየር እተፈርዶን ክነሱ፡ ንዅሎም ሸውዓተ ደቁ ሓቂ ኺሕዙ ዝሓገዘ ፍቑር ሓው እዩ ነይሩ። ሊድያ እውን ምእንቲ ሓቂ ዚከኣላ እትቃለስ እያ ነይራ። ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድና ኽንሰብኽ ሕጋዊ መሰል ቅድሚ ምርካብና፡ ብሰለስተ ጕዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ተማጒታ እያ። ካብቲ እተመርዓናሉ ሽዱሽተ ዓመት ጸኒሕና፡ በዅሪ ወድና ቤንያሚኖ ተወልደ። ብ1972 ከኣ፡ ማርኮ ዝስሙ ኻልእ ወዲ ወለድና። ክልቲኦም ምስ ስድራ ቤቶም ንየሆዋ ብቕንኣት የገልግሉ ምህላዎም የሐጕሰኒ እዩ።
ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብንጥፈት እዓዪ ኣለኹ
ኣብቲ ንኻልኦት ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ዜሐጕስ እዋን፡ ብዙሕ ዘይርሳዕ ተመክሮታት ኣሕሊፈ እየ። ንኣብነት፡ ኣብ መጀመርታ 1980ታት፡ ሓሞይ ነቲ ሽዑ ፕረዚደንት ኢጣልያ ዝነበረ፡ ሳንድሮ ፐርቲኒ ጸሓፈሉ። ብግዜ ውልቀ-ምልኪ ፋሺስት፡ ክልቲኦም ተሓዪሮም ናብታ ጸላእቲ እቲ ስርዓት ዚለኣኹላ ደሴት ቨንቶቴኔ ተወሲዶም ነበሩ። ሓሞይ ነቲ ፕረዚደንት ምስክርነት ምእንቲ ኺህቦ ኢሉ፡ ቃለ-መጠይቕ ኪገብረሉ ሕቶ ኣቕረበ። ሕቶኡ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፡ ኣነ ምስኡ ኸድኩ። ኣብኡ ኸኣ ጽቡቕ ኣቀባብላ ተገብረልና፣ እዚ እውን ንዓና ዘይለመድናዮ እዩ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት ንሓሞይ ሓቚፉ ሰላም በሎ። ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እምነትና ተዘራረብና፡ እተወሰነ ጽሑፋት እውን ሃብናዮ።
ን44 ዓመት ገያሺ ሓላዊ ዀይነ ድሕሪ ምግልጋለይ፡ ብ1991 ንዕዮ ወረዳ ሓደግክዎ፣ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ኣብ ምሉእ ኢጣልያ ንዚርከባ ጉባኤታት በጺሐየን ነይረ እየ። ኣብተን ዚቕጽላ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ክሳዕ እቲ ብሰንኪ ኸቢድ ሕማም ዝነበረኒ ሓላፍነት ከፋዅስ እተገደድኩሉ እዋን፡ ሓላው ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ዀይነ ኣገልገልኩ። ይኹን እምበር፡ ሳላ ጸጋ የሆዋ፡ ገና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚደ ኣለኹ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ንምምሃርን ዚከኣለኒ ዘበለ እገብር እየ፣ ሕጂ እውን ንእተወሰኑ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሓሎም ኣለኹ። መደረታት ከቕርብ ከለኹ፡ ክሳዕ ሕጂ ውዕዉዕ መንፈስ ከም ዘሎኒ፡ ኣሕዋት ይዛረቡ እዮም። ብርታዐይ ምስ ምድፋእ ዕድመይ ዘይምንካዩ፡ ንየሆዋ አመስግኖ እየ።
ንእሽቶ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ሞት ኣመና እፈርህ ነይረ እየ፣ ቅኑዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ብምርካበይ ግን፡ ርግጽ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ወይ ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ህይወት ምስ ተረፉ” ኽረክብ ክኢለ እየ። (ዮሃ. 10:10) ሕጂ ነዚ ሰላምን ደሓንን ሓጐስን ብዙሕ በረኸት የሆዋን ዚርከቦ ህይወት እየ ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘለኹ። ክብሪ ነቲ ስሙ ኽንጸውር ፍሉይ መሰል ዝሃበና ፈቃር ፈጣሪና ይኹን።—መዝ. 83:18፡ NW።
[ኣብ ገጽ 22, 23 ዘሎ ካርታ]
For fully formatted text, see publication)
ስዊዘርላንድ
በርን
ዙሪክ
ኣርቦን
ሽታይናኽ
ኢጣልያ
ሮማ
ኮሞ
ሚላኖ
ፈለግ ኣዳ
ካስትዮነ ኣንዴቨኖ
ፋየንዛ
ሱልሞና
ቨንቶቴኔ
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ናብ ጊልዓድ ክንከይድ ከለና
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ጁሰፔ ኣብ ጊልዓድ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ብመዓልቲ መርዓና
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ፡ ንልዕሊ 55 ዓመት ካብ ጐድነይ ኣይተፈልየትን