ኣዒንትን ልብን ኣብቲ ዓስቢ ከም ዘተኵራ ምግባር
ብኢደዝ ሚካኤል እተዘንተወ
ኣብ መጀመርታ 1930’ታት: ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትበጽሓና ኸላ: ኣብ ጥቓ ሰይንት ሉዊዝ: ሚዙሪ: ሕ.መ.ኣ. ኢና ንነብር ነይርና። ኣብታ እታ ምስክር ዝመጸትላ እዋን ድማ እቲ መስጥሕ ክዳውንቲ ስልኪ ተበጠሰ: እቲ ኣደይ ዝሰጥሓቶ ጻዕዳ ክዳውንቲ ድማ ኣብቲ ጭቃ ወደቐ። እታ ሰበይቲ ምእንቲ ክትከደላ ኢላ ድማ ነቲ ዘበርከተትላ መጻሕፍቲ ተቐበለቶ: ኣብ እንዳ መጻሕፍቲ ኣቐመጠቶ: ረስዓቶ ድማ።
እተን ዓመታት እቲኣተን ናይ ሽግር ዓመታት ኢየን ነይረን: ኣቦይ ድማ ካብ ስራሕ ወጺኡ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ገዛ ገለ ዝንበብ እንተሎ ሓተተ። ኣደይ ድማ ብዛዕባ እተን መጻሕፍቲ ነገረቶ። ከንብበን ጀመረ: ቑሩብ ጸኒሑ ድማ “እምበይተይ: እዚኣ እታ ሓቂ ኢያ!” በለ።
ኣደይ ድማ “ኣይይ: ከም ኵለን እተን ካልኦት ገንዘብ እትደሊ ሃይማኖት ኢያ” ኢላ መለሰት። ይኹን እምበር: ኣቦይ ኮፍ ክትብልን ምስኡ ኰይና ድማ ነቲ ጥቕስታት ክትርእን ግዲ በላ። ከምቲ ዝበላ ምስ ገበረት: ንሳውን ከምኡ ምዃኑ ተረድአት። ድሕርዚ መሰኻኽር ክደልዩ ጀመሩ: ኣብ ጥቓ ማእከል ሰይንት ሉዊዝ: ኣብ ሓደ ንሳዕስዒትን ንኻልእ ዕማማትን እውን ዝውዕል ናይ ክራይ ኣደራሽ ከም ዝእከቡ ድማ ፈለጡ።
ኣቦይን ኣደይን ምስኦም ተማልኡኒ—ሽዑ ዳርጋ ጓል ሰለስተ ዓመት ኢየ ነይረ—ነቲ ኣደራሽ ድማ ረኸብዎ: ግናኸ ሳዕስዒት ይካየደሉ ነበረ። ኣቦይ ኣኼባታት ዝካየደሉ ግዜ መዓስ ከም ዝዀነ ፈለጠ: ተመሊስና ድማ መጻእና። ኣብ ጥቓ እቲ እንነብረሉ ቦታ ድማ ሰሙናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ክንካፈል ጀመርና። ኣብ ቤት ናይታ ንመጀመርታ ግዜ ዝመጽኣትና ሰበይቲ ኸኣ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ። እታ ሰበይቲ “ነቶም ኣወዳት ደቅኹም ስለምንታይ ዘይተምጽእዎም፧” ኢላ ሓተተት። ኣደይ ሳእኒ የብሎምን ኢላ ክትምልስ ኣሕፈራ። ኣብ መወዳእታ ምስ ገለጸትላ ግን: እቶም መሰኻኽር ሳእኒ ሃቡና: ኣሕዋተይ ድማ ኣኼባታት ምሳና ክካፈሉ ጀመሩ።
ኣደይ ኣብ ጥቓ ገዛና ናይ ስብከት ዞባ ተዋህባ: በቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ድማ ጀመረት። ደድሕሪኣ ተሓቢአ እኸይድ ነበርኩ። ምምራሕ መኪና ቅድሚ ምምሃራ: ነታ ናብቲ ኣብ ሰይንት ሉዊዝ ዝግበር ኣኼባ ክንከይድ እትወስደና ኣውቶብስ ክንረኽባ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሜተር ብእግርና ንጐዓዝ ነበርና። ሕማቕ ኵነታት ኣየር እውን ይሃሉ ካብ ኣኼባታት ፈጺምና በዂርና ኣይንፈልጥን ኢና።
ብ1934 ኣደይን ኣቦይን ተጠምቁ። ኣነውን ክጥመቕ ደለኹ: ኣደይ ብዛዕባ ጥምቀት ምሳይ ክዛረብ ንሓደ ሽማግለ ክሳዕ እትሓቶ እጭቕጭቓ ነበርኩ። በቲ ኣነ ኽርድኦ ዝኽእል ኣገባብ ገይሩ ብዙሕ ሕቶታት ሓተተኒ። ድሕርዚ ድማ ንመንፈሳዊ ዕብየተይ ክጐድኦ ይኽእል ይኸውን ብምባል: ካብ ጥምቀት ክኽልከል ከም ዘይብለይ ንወለደይ ነገሮም። በዚ ኸኣ ጌና ጓል ሽዱሽተ ዓመት ከሎኹ: ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ክረምቲ ተጠመቕኩ።
ነታ ኵሉ ግዜ ካባይ ዘይፈልያ: ክድቅስ ከሎኹ እውን ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ትርኣሰይ ዘቐምጣ: ቤት ከምኡውን ሓጐስ (እንግሊዝኛ) እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ፈተኹዋ። ክሳዕ ዝሽምድዳ: ነደይ ከተንብበለይ ደጋጊመ እልምና ነበርኩ። ኣብ ድሕሪኣ ናይ ሓንቲ ምስ ኣንበሳ እትጻወት ንእሽቶ ጓል ስእሊ ነበራ። ኣነ እታ ጓል ኢየ ድማ እብል ነበርኩ። እታ ስእሊ: ነዒንተይ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝርከብ ዓስቢ ከም ዘተኵራ ንኽገብረን ሓጊዛትኒ ኢያ።
ኣዝየ ሓፋር ኢየ ነይረ: እንተዀነ ግን ዋላ ፈጥፈጥ እበል ኣብቲ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኵሉ ግዜ ሕቶታት እምልስ ነበርኩ።
እቲ ዘሕዝን ግና: ኣቦይ ስራሕ ከይወጽእ ስለ ዝፈርሀ: ምስ መሰኻኽር ምሕባር ኣቋረጸ። ኣሕዋተይ እውን ከምኡ ገበሩ።
ናይ ምሉእ-ግዜ ኣገልግሎት
ኣደይ ነቶም ፓይነራት: ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ: ተሰሓብቲ ማካይኖም ኣብቲ ናይ ድሕሪ ገዛና ዘሎ ቀጽሪ ደው ከብሉ ተፍቅደሎም ነበረት: ድሕሪ ትምህርቲ ድማ ምስኣቶም ኣብቲ ኣገልግሎት እሓብር ነበርኩ። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ፓይነር ክኸውን ደለኹ: ይኹን እምበር ኣቦይ ተወሳኺ ዓለማዊ ትምህርቲ ክማሃር ኣሎኒ ኢሉ ብምእማን ነዚ ተቓወሞ። ኣደይ ከኣ ኣብ መወዳእታ ፓይነር ክኸውን ከፍቅደለይ ኣእመነቶ። ስለዚ ሰነ 1943 ጓል 14 ዓመት ከሎኹ: ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመርክዎ። ነቲ ናይ ዋኒን ገዛ ወጻኢታት ምእንቲ ከበርክት: ናይ ክፍለ-ግዜ ዓለማዊ ስራሕ እሰርሕ ነበርኩ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ምሉእ መዓልቲ እሰርሕ ነበርኩ። ጌና ግን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ነቲ ወርሓዊ 150 ሰዓታት ናይ ምብጻሕ ሸቶ እወቅዕ ነበርኩ።
ድሕሪ ገለ እዋን: ጓል 17 ዓመት ከላ: ኣብ ጥሪ 1943 ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝጀመረት ዶረዚ ክረይደን እተባህለት ፓይነር መገላግልቲ ረኸብኩ። ዝወጸላ ካቶሊክ ኢያ ነይራ: ይኹን እምበር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ገበረት: ተጠምቀት። ንብዙሕ ዓመታት ምንጪ ምትብባዕን ብርታዐን ኰይናትኒ ኢያ: ኣነውን ንዓኣ ከምኡ ኢየ ነይረ። ካብ ብስጋ ኣሓት ዝዀና ንላዕሊ ተቐራረብና።
ካብ 1945 ጀሚርና: ኣብተን ጉባኤታት ዘይነበረለን ናእሽቱ ከተማታት ሚዙሪ ሓቢርና ኣብ ዕዮ ፓይነር ነበርና። ኣብ ከተማ ቦውሊንግ ግሪን መአከቢ ኣደራሽ ወጋገንና፣ ኣደይ ድማ መጺኣ ኣብቲ ምልዕዓል ሓገዘትና። ድሕርዚ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣባይቲ እታ ከተማ እናኸድና ናብቲ ኣሕዋት ካብ ሰይንት ሉዊዝ መጺኦም ህዝባዊ ዝርርብ ክህቡና ዝገበርናዮ ምድላዋት ንዕድሞም ነበርና። ካብ 40 ክሳዕ 50 ዝዀኑ ሰሙናዊ ተኣከብቲ ነበሩና። ጸኒሕና ድማ ኣብታ ናይ ሰዓብቲ እምነት ማሶን ቤት መቐደስ እተኻረናላ ከተማ ሉዊዝያና ልክዕ ከምኡ ገበርና። ናይቲ ኣደራሻት ክራይ ንምሽፋን ናይ ውጽኢት ሳጹናት ነቐምጥ: እቲ ወጻኢታት ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ይኽፈል ነበረ።
ቀጺልና ናብቲ ሓደ መኻዚኖ እተኻረናሉ ከተማ ሜክሲኮ: ሚዙሪ: ከድና። ነታ ኣብኡ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ክጠቕመና ኢልና ድማ ኣተዓራረናዮ። እቲ ህንጻ ምስኡ እተጸግዐ ክፍልታት ነበሮ: ኣብኡ ኸኣ ንቕመጥ ነበርና። ኣብ ከተማ ሜክሲኮ እውን ህዝባዊ ዝርርባት ክወሃብ ምድላው ገይርና ኢና። ድሕርዚ ንግሆ ንግሆ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ኣብ ዘሎ መዓልትታት ናብ ኣባይቲ ጽሕፈቶም እናኸድና ንሓለፍቲ ህዝባዊ ምምሕዳር እነዘራርበላ ዝነበርና ናይቲ ግዝኣት ርእሰ ከተማ: ጀፈርሰን ሲቲ ከድና። ምስታ ልክዕ ከም ኣዴና ዝነበረት ስቴላ ዊሊ: ኣብ ልዕሊ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ዝነበረ ሓደ ክፍሊ ተቐመጥና።
ካብኡ ድማ ሰለስቴና ናብተን ንሓድሕደን እተቐራረባ ከተማታት ፌስተስ ከምኡውን ክሪስታል ሲቲ ከድና። ኣብቲ ብሸነኽ ድሕሪት ሓንቲ ተገዳሲት ስድራቤት እትነብረሉ ቤት ዝነበረ: ናብ መንበሪ እተቐየረ ሰፈር ደርሁት ተቐመጥና። ጥሙቓት ሰብኡት ስለ ዘይነበሩ ንዅሉ እቲ ኣኼባታት ንሕና ንመርሖ ነበርና። ኣብ ትርፊ ግዜና ድማ ኵሕለ-ምሕሊ ንሸይጥ ነበርና። ስጋዊ ስእነት ነይሩና ኢዩ። አረ: ሳእንና ብታሕቲ ክቕደድ ከሎ መዐረዪ ገንዘብ ክንረክብ ስለ ዘይንኽእል: ንግሆ ንግሆ ሓድሽ ካርቶን ነእትወሉ ነበርና: ምሸት ድማ ነፍሲ ወከፍና ነታ ዝነበረትና ሓንቲ ቅያር ክዳን ንሓጽብ።
ኣብ መጀመርታ 1948: ጓል 19 ዓመት ከሎኹ ዶረዚን ኣነን ካብቲ መበል 12 ክፍሊ ናይቲ ሚስዮናውያን ዝስልጥንሉ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዕድመ ተቐበልና። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ትምህርቲ: እቶም ሓደ ሚእቲ እንኸውን ተማሃሮ 6 ለካቲት 1949 ተመረቕና። ኣዝዩ ዘሐጕስ እዋን ኢዩ ነይሩ። ስድራቤተይ ናብ ካሊፎርንያ ግዒዞም ነበሩ: ኣደይ ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ምእንቲ ክትርከብ ካብኡ ዝኣክል መጸት።
ኣብቲ እተመደብናሉ ቦታ
ዕስራን ሸሞንተን ምሩቓት ኣብ ኢጣልያ ተመደቡ—ዶረዚን ኣነን ሓዊስካ: ሽዱሽተ ሰባት ድማ ኣብ ከተማ ሚላኖ ተመደብና። 4 መጋቢት 1949: ቩልካኒኣ ብእተባህለት ናይ ኢጣልያ መርከብ ገይርና ካብ ኒው ዮርክ ተበገስና። እቲ ጕዕዞ 11 መዓልትታት ወሰደ: እቲ ዘይህዱእ ባሕሪ ድማ ንመብዛሕትና ኣሕመመና። ሓው በናንቲ ክቕበለና ናብ ወደብ ጄኖኣ መጸ: ብባቡር ድማ ናብ ሚላኖ ሒዙና ተመልሰ።
ኣብቲ ኣብ ሚላኖ ዝርከብ ናይ ሚስዮናውያን ገዛ ምስ በጻሕና: ሓንቲ መንእሰይ ኢጣልያዊት ጓል ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ክፍሊ ዘንበረቶ ዕንባባታት ረኸብና። ዓመታት ጸኒሑ እዛ ጓል እዚኣ: ማርያ መራፊና: ናብ ጊልዓድ ከይዳ ንኢጣልያ ተመልሰት: ኣብቲ ናይ ሚስዮናውያን ገዛ ድማ ንሳን ኣነን ሓቢርና ነገልግል ነበርና!
ኣብ ሚላኖ ምስ በጻሕና ንጽባሒቱ ንግሆ: በቲ ናይ ዓይኒ ምድሪ መስኮት ኣማዒድና ረኣና። ኣብቲ ብድሕሪ ገዛና ዝነበረ መገዲ ብቦምብ ዝፈረሰ መንበሪ ህንጻ ነበረ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1945 ድሕሪ ምውድኡ ብድንገት ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ንዅሎም እቶም ኣብኡ ዝነብሩ 80 ስድራቤታት ዝቐተለ ቦምብ ደርበየት። ካልእ ግዜ ድማ: ኣብ እዋን እቲ ውግእ: ንሓደ ፋብሪካ እተሓስበ ቦምብ ስሒቱ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ትምህርቲ ወደቐ 500 ቈልዑ ድማ ቐተለ። ስለዚ እቶም ህዝቢ ብኣመሪካውያን ሕጕሳት ኣይነበሩን።
ሰብ ብውግእ ደኺሙ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ካልእ ውግእ እንተድኣ ተጀሚሩ: ናብቲ መከላኸሊ ቦምባ ክኸዱ ዘይኰነስ: ኣብ ገዛ ኰይኖም ጋዝ ወሊዖም ኣብኡ ክሞቱ ምዃኖም ይዛረቡ ነበሩ። ንሕና ድማ: ኣብቲ ዓዲ መጺእና ዘሎና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወይ ካልእ ናይ ሰብ መንግስቲ ወኪልና ዘይኰነስ ነታ ንዅሉ እዚ ሰባት ዘምጽእዎ ውግኣትን ስቓይን እተጥፍእ መንግስቲ ኣምላኽ ወኪልና ምዃንና ኣረጋገጽናሎም።
ኣብታ ዓባይ ከተማ ሚላኖ: እታ ዳርጋ 20 ወይ ዝያዳ ዝዀኑ ሰባት ዘለዉዋ ጉባኤ ኣብቲ ናይ ሚስዮናውያን ገዛ ኢያ እትእከብ ነይራ። እተመደበ ናይ ስብከት ዞባታት ጌና ስለ ዘይነበረ: ኣብ ሓደ ዓቢ መንበሪ ህንጻ ክንምስክር ጀመርና። ኣብታ ናይ መጀመርያ ማዕጾ: በዓልቲ ቤቱ ቤተ-ክርስትያን ክትሓድጎ ዝደሊ ዝነበረ ኣቶ ጂያዲኖቲ እተባህለ ሰብኣይ ረኸብና: ሓደ ካብ ጽሑፋትና ድማ ተቐበለ። ወ/ሮ ጂያዲኖቲ ብዙሕ ሕቶታት እትሓትት ቅንዕቲ ሰበይቲ ኢያ ነይራ። “መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክትምህራኒ ቋንቋ ጥልያን እንተ ትማሃራ ደስ ምበለኒ” ኸኣ በለትና።
እቲ ናሕሲ ገዝኦም ነዊሕ: እታ መብራህቲ ድማ ሃሳስ ስለ ዝነበረት: መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ከተንብብ ጥቓ እታ መብራህቲ ክትከውን ኢላ ነቲ ሰድያ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ሰቒላ ኮፍ ትብል ነበረት። “ምሳኻትክን መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ኣጽኒዐ ጌና ንቤተ-ክርስትያን ክኸይድ እኽእል ድየ፧” ኢላ ሓተተትና። እቲ ውሳኔ ናታ ምዃኑ ነገርናያ። ሰንበት ንግሆ ንቤተ-ክርስትያን ትኸይድ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናብ ኣኼባታትና ትመጽእ ነበረት። ድሕርዚ ሓደ መዓልቲ “ድሕሪ ደጊም ንቤተ-ክርስትያን ኣይከይድን ኢየ” በለት።
“ስለምንታይ፧” ኢልና ሓተትናያ።
“ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰኑን ዝምህሩ: ምሳኻትክን መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ድማ ሓቂ ፈሊጠያ ኢየ” በለትና። ድሕርዚ ተጠምቀት ምስተን መዓልቲ መዓልቲ ንቤተ-ክርስትያን ዝኸዳ ዝነበራ ብዙሓት ኣንስቲ ድማ ጽንዓት ትገብር ነበረት። ጸኒሓ ከም ዝነገረትና: ንቤተ-ክርስትያን ኣይትኺዲ እንተ ንብላ ነይርና ምጽናዕ መቋረጸቶ ምናልባት ድማ ሓቂ ኣይምተማህረትን ነይራ።
ሓድሽ ናይ መደብ ቦታታት
ድሕሪ ገለ ግዜ: ዶረዚን ኣነን: ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ሚስዮናውያን ብምዃን ኣብታ በቲ እዋን እቲ ብወተሃደራት ብሪጣንያን ኣመሪካን ተታሒዛ ዝነበረት ትርየስተ እተባህለት ናይ ኢጣልያ ከተማ ተመደብና። ኣብታ ከተማ ዳርጋ ዓሰርተ ጥራይ ዝዀኑ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም: እዚ ቝጽሪ እዚ ግን ወሲኹ ኢዩ። ኣብ ትርየስተ ንሰለስተ ዓመታት ሰበኽና: ካብኡ ክንከይድ ከሎና 40 ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ነበሩ: 10 ካብኣቶም ድማ ፓይነራት ኢዮም ነይሮም።
ቀጺልና እተመደብናላ ቦታ: እታ ጉባኤ ዘይነበራ ከተማ ቨሮና ኢያ ነይራ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስትያን ኣብ ልዕሊ እቶም ዓለማውያን ሰበ-ስልጣናት ጸቕጢ ስለ ዝገበረት ካብኣ ክንወጽእ ተገደድና። ዶረዚን ኣነን ኣብ ከተማ ሮማ ተመደብና። ኣብኡ ኣቕሑ ዘለዎ ገዛ ተኻረና: ጥቓ ቫቲካን ኣብ ዝነበረ ዞባ ድማ ንዓዪ ነበርና። ኣብኡ ኸሎና ድማ ኢዩ ዶረዚ ንጆን ቺሚክሊስ ክትምርዖ ኢላ ንሊባኖስ ዝኸደት። ዳርጋ ን12 ዓመታት ዝኸውን ብሓደ ኢና ነይርና: ብሓቂ ኸኣ ናፈቕኩዋ።
ብ1955 ኣብ ካልእ ክፍሊ ከተማ ሮማ ኒው ኣፒያን ወይ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መገዲ ሓድሽ ናይ ሚስዮናውያን ገዛ ተኸፍተ። እታ ኣብ ሚላኖ ዝበጻሕናላ ምሸት ኣብ ክፍልና ዕንባባታት ዘንበረት ጓል: ማርያ መራፊና: ኣብቲ ገዛ ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ሓንቲ ነበረት። ኣብዚ ከባቢ ናይቲ ከተማ ድማ ሓዳስ ጉባኤ ቈመት። ኣብቲ ኽረምቲ እቲ ድማ ብድሕሪ እቲ ናይ ሮማ ኣህጉራዊ ኣኼባ እተገብረ ናይ ኑረምበርግ: ጀርመን: ዓቢ ኣኼባ ክካፈል መሰል ረኸብኩ። ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሂትለር ብዙሕ ስደት እተጸመሙ ኣሕዋት ክትረኽቦምስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!
ንኣመሪካ ተመለስኩ
ብ1956 ብምኽንያት ናይ ጥዕና ጸገማት: ናይ ዕረፍቲ ፍቓድ ወሲደ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተመለስኩ። ካብቲ ንየሆዋ ሕጂ ይኹን ኣብታ ሓዳስ ዓለም መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ብምግልጋል ዝርከብ ዓስቢ ግን ኣዒንተይ ፈጺመን ኣየልገሳን። ናብ ኢጣልያ ክምለስ መደብኩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዝርከብ ዓለምለኸ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘገልግል ኦርቬል ሚካኤል ረኸብኩዎ። ድሕሪ እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ እተኻየደ ናይ 1958 ኣህጉራዊ ኣኼባ ድማ ተመርዓና።
ድሕሪኡ ቑሩብ ጸኒሕና ናብቲ ምስ ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ ብምግልጋልና እተሓጐስናሉ ፍሮንት ሮያል: ቪርጂኒያ ገዓዝና። ብድሕሪ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ጸባብ ኣፓርትማ ድማ ንቕመጥ ነበርና። ኣብ መወዳእታ: ኣብ ሕዳር 1960 ወጻኢታትና ንምሽፋን ዓለማዊ ስራሕ ምእንቲ ክንረክብ ናብ ብሩክሊን ክንምለስ ኣድላዪ ኰይኑ ተረኽበ። ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምእንቲ ክንጸንሕ ምሸት ምሸት ኣብ እተፈላለየ ባንክታት ንሰርሕ ነበርና።
ኣብ ብሩክሊን ከሎና ኣቦይ ሞተ: ሓማተይ ከኣ ዘውድቕ ሕማም ነበራ። ስለዚ ጥቓ ኣዴታትና ምእንቲ ክንከውን ናብ ኦሪገን ክንግዕዝ ወሰንና። ክልቴና ናይ ትርፊ-ግዜ ስራሕ ረኸብና ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ድማ ቀጸልና። ኣብ መወዳእታ 1964: ናብቲ ኣብ ፒትስበርግ: ፐንሲልቫንያ ዝነበረ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዓመታዊ ኣኼባ ንኽንካፈል ምስ ኣዴታትና ናብቲ ሓደ ጫፍ ናይታ ሃገር ከድና።
ናብ ሮድ ኣይላንድ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን: ኦርለን ሚየር እተባህለ ናይ ወረዳ ተዓዛብን በዓልቲ ቤቱን: ናብታ ብዙሓት ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ዝድለዩላ ዝነበረት ናይቲ ግዝኣት ርእሰ ከተማ: ፕሮቪደንስ: ክንግዕዝ ኣተባብዑና። ኣዴታትና ነዚ ሓደሽ ናይ ዕዮ መደብ ክንቅበሎ ተማሕጸናና: ስለዚ ናብ ኦሪገን ክንምለስ ከሎና ካብቲ ናይ ገዛና ኣቕሑ ዝበዝሐ ሸይጥና ገዓዝና።
እንደገና ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ
ኣብ ክረምቲ ናይ 1965: ኣብ ያንኪ ስታድዩም ኣብ እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልና። ኣብኡ ድማ ከም ምርዑዋት ሰባት ብምዃን ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣመልከትና። ዳርጋ ሓደ ወርሒ ይኸውን ጸኒሑ: ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ክምለስ ዘለዎ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ምስ ተቐበልና ገረመና። ኣደይ ጥዕና ስለ ዘይነበራ ናብ ርሑቕ ሃገር ምኻድ የሻቕለኒ ነበረ። ይኹን እምበር ኣደይ “ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዕታት ምልእዮ። ርኢኺ: ነቲ የሆዋ ዝህቦ ዝዀነ ይኹን ናይ ኣገልግሎት መሰል ኵሉ ግዜ ክትቅበልዮ ኣሎኪ!” ብምባል ኣተባብዓትኒ።
እዚ ኸኣ ኣቕሰነኒ። ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዕታት መሊእና ለኣኽናዮ። ናብቲ 25 ሚያዝያ 1966 ዝጅምር: መበል 42 ክፍሊ ናይ መእተዊ ዕድመ ክንቅበልስ ከመይ ዝበለ ዘገርም ነገር ኰን ኢዩ ነይሩ! ኣብቲ እዋን እቲ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ ብሩክሊን ኒው ዮርክ ኢዩ ነይሩ። ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ: 106 እንኸውን ሰባት 11 መስከረም 1966 ተመረቕና።
ኣብ ኣርጀንቲና ተመደብና
ምስ ተመረቕና ድሕሪ ክልተ መዓልቲ: ብመገዲ ኣየር ፔሩ ገይርና ንኣርጀንቲና ከድና። ኣብ ቦይነስ ኣይረስ ምስ በጻሕና: ናይቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተዓዛቢ ቻርለስ ኣይዘንሃወር: ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ተቐበለና። ኣብቲ ጉምሩክ ሓገዘና: ናብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ድማ ወሰደና። ኣቑሕትና ከነራግፍን ከነጣጥሕን ሓንቲ መዓልቲ ነበረትና፣ ድሕርዚ እቲ ናይ ቋንቋ ስጳኛ ትምህርትና ተጀመረ። ኣብታ ናይ መጀመርታ ወርሒ ቋንቋ ስጳኛ ኣብ መዓልቲ 11 ሰዓታት ንማሃር ነበርና። ኣብታ ካልኣይቲ ወርሒ: ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ሰዓታት ቋንቋ ነጽንዕ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ድማ ክንካፈል ጀመርና።
ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቦይነስ ኣይረስ ተቐመጥና: ድሕርዚ ድማ ኣብታ ንሰሜን ብባቡር ዳርጋ መገዲ ኣርባዕተ ሰዓት ዝዀነት ሮዛርዮ እተባህለት ዓባይ ከተማ ተመደብና። ኣብኡ ን15 ኣዋርሕ ድሕሪ ምግልጋልና: እንደገና ናብ ሰሜን ናብታ ኣብ ናይ ምድረ በዳ ሃሩር ዝነበረት ከተማ: ሳንቲያጎ ዴል ኤስቴሮ ተላኣኽና። ኣብኡ ከሎና: ጥሪ 1973 ኣደይ ሞተት። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ኣይረኣኹዋን። ኣብ ሓዘነይ ዝሓገዘኒ ግን: እቲ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ትንሳኤን ኣብቲ ኣደይ ክዀኖ እትደልየኒ አገልግል ከም ዘሎኹ ምፍላጠይን ኢዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15
ሰብ ሳንቲያጎ ዴል ኤስቴሮ ምቑሉላት ኢዮም ነይሮም: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ድማ ቀሊል ኢዩ። ብ1968 ኣብኡ ክንኣቱ ከሎና: ዳርጋ 20 ወይ 30 ዝዀኑ ሰባት ኢዮም ኣኼባታት ዝካፈሉ ነይሮም: ይኹን እምበር ሸሞንተ ዓመታት ጸኒሑ ኣብ ጉባኤና ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ተኣከብቲ ነበሩ። ብተወሳኺ: ኣብተን ኣብ ጥቓና ዝነበራ ከተማታት ካብ 25 ክሳዕ 50 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ዝነበሩወን ክልተ ሓደስቲ ጉባኤታት ነበራ።
እንደገና ናብ ኣመሪካ ምምላስ
ብ1976: ብምኽንያት ናይ ጥዕና ጸገማት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ—ኣብ ፋይትቪል: ሰሜን ካሮሊና—ከም ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ተመደብና። ኣብቲ ቦታ ካብ ማእከላይን ደቡባውን ኣመሪካ: ሩፓብሊካዊት ዶሚኒካ: ፖርቶ ሪኮ: ካብ ስጳኛ እውን ከይተረፈ ዝመጹ ብዙሓት ተዛረብቲ ቋንቋ ስጳኛ ነበሩ። ብዙሓት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ነበሩና: ቀልጢፋ ኸኣ ናይ ቋንቋ ስጳኛ ጉባኤ ቈመት። ኣብቲ እተመደብናሉ ቦታ ዳርጋ ሸሞንተ ዓመታት ገበርና።
ይኹን እምበር: ጥቓ እታ ብዕድመ ዝደፍአትን ስንክልትን ዝነበረት ሓማተይ ክንከውን ተደልየ። ኣብ ፖርትላንድ: ኦሪገን: እያ ትነብር ነይራ፣ ስለዚ ኣብታ ካብ ፖርትላንድ ርሕቕቲ ዘይኰነት ኣብ ቫንኮቨር: ዋሺንግተን ዝነበረት ናይ ቋንቋ ስጳኛ ጉባኤ ክንዓዪ ሓድሽ መደብ ተቐበልና። ታሕሳስ 1983 ኣብታ ጉባኤ ክንበጽሕ ከሎና እታ ጉባኤ ንእሽቶ ኢያ ነይራ: ይኹን እምበር ሓደስቲ ሰባት ክመጹ ንርኢ ኣሎና።
ሰነ 1996 ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት 53 ዓመታት ገበርኩ: በዓል ቤተይ ድማ 1 ጥሪ 1996: 55 ዓመታት ገበረ። ኣብዚ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት: በማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ቃል ኣምላኽ ፍልጠት ሓቂ ክረኽቡን ህይወቶም ንየሆዋ ክውፍዩን ናይ ምሕጋዝ መሰል ረኺበ ኢየ። ካብዚኣቶም ዝበዝሑ ሕጂ ከም ሽማግለታትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ኰይኖም ይዓዩ ኣለዉ።
ሓድሓደ ግዜ ቈልዑ ዘይብለይ ብምዃነይ ይስማዓኒ እንተዀይኑ ንምፍላጥ ሕቶ ይቐርበለይ ኢዩ። ብርግጽ ግን: የሆዋ ብዙሓት መንፈሳውያን ደቅን ደቂ ደቅን ብምሃብ ባሪኹኒ ኢዩ። እወ: ህይወተይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትርጕምን ዓስብን ዘለዎ ዀይኑ ኢዩ። ኵነታተይ ምስታ ብምኽንያት እቲ ዝነበራ ዓቢ መሰል ኣገልግሎት ምሉእ ህይወታ ኣብ ኣገልግሎት ቤት መቕደስ ዘሕለፈቶ ጓል ይፍታሕ ኢየ ዘተሓሕዞ።—መሳፍንቲ 11:38-40
እቲ ንእሽቶ ጓል ከሎኹ ናብ የሆዋ ዝገበርኩዎ ወፈያ ጌና እዝክሮ ኢየ። እቲ ናይ ገነት ስእሊ ልክዕ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ ሕጂውን ኣብ ኣእምሮይ ድሙቕ ኢዩ ዘሎ። ኣዒንተይን ልበይን ጌና ኣብቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝርከብ ዓስቢ ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኢዩ ተተኺሉ ዘሎ። እወ: ንየሆዋ ከገልግል ዘሎኒ ባህጊ: ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቱ ንዘለኣለም ድኣምበር ን50 ዓመታት ጥራይ ኣይኰነን።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ዶረዚ ክረደን: ኣእዳዋ ኣብ መንኩበይ ሰቒላ ከላ: ከምኡውን ብ1943 ዝነበሩ መገላግልትና ፓይነራት
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሮማ: ኢጣልያ: ብ1953 ምስተን ሚስዮናውያን መገላግልትና
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ምስ በዓል ቤተይ