ርእስኻ ኣይትጠብር
ሄዋን ካብታ እተኸልከለት ኦም ምስ በልዐት፡ ኣምላኽ፡ “ስለምንታይ እዚ ገበርኪ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ኸኣ፡ “ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩ” ኢላ መለሰት። (ዘፍ. 3:13) እቲ ንኣምላኽ ንኸይትእዘዞ ዘስሓታ ተመን ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን፡ ጸኒሑ፡ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ . . . ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ኣሎ።—ራእ. 12:9።
እዚ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ንሰይጣን፡ ከም ሓደ ንገርህታት ንኼታልል ኢሉ ሓሶት ዚኣልም ተንኰለኛ ፍጡር ገይሩ እዩ ዚገልጾ። ሄዋን ብርግጽ ተታሊላ እያ። ኰይኑ ግን፡ ሰይጣን ጥራይ ኬስሕተና ኸም ዚኽእል ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ርእስኹም ኣይትጠብሩ’ ኢሉ እውን የጠንቅቐና እዩ።—ያእ. 1:22።
ርእስና ኽንጥብር ዚብልዎ ሓሳብ፡ ዘይከኣል ወይ ዘይከውን ይመስል ይኸውን። ኣምላኽ ግን ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን ከምኡ ኢሉ ዘጠንቀቐና። ስለዚ፡ ብኸመይ ርእስና ኽንጥብር ከም እንኽእልን እንታይ ዓይነት ግጉይ ሓሳባት ኬታልለና ኸም ዚኽእልን ክንምርምር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዚርከብ ጸብጻብ መለበሚ ኪዀነና ይኽእል እዩ።
ርእሶም ዝጠበሩ ሰባት
ብ537 ቅ.ክ. ኣቢሉ፡ እቲ ኣብ ፋርስ ነጊሱ ዝነበረ ቂሮስ እቲ ዓብዪ፡ እቶም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወሲዶም ዝነበሩ ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ነታ ቤተ መቕደስ እንደገና ኺሃንጽዋ ኣወጀ። (እዝ. 1:1, 2) ኣብታ እትቕጽል ዓመት፡ እቶም ህዝቢ ምስ ዕላማ የሆዋ ብምስምማዕ፡ መሰረት እታ ሓዳስ ቤተ መቕደስ ኣንበሩ። እቶም እተመልሱ ህዝቢ፡ የሆዋ ነቲ ኣፈናዊ ኽፋል እቲ ኣገዳሲ ዕዮ ኺባርኾ ብምርኣዮም፡ እናተሓጐሱ ኣመስገንዎ። (እዝ. 3:8, 10, 11) ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ኣብ ዕዮኦም ተጻብኦ ስለ ዘጋጠሞም፡ ፈርሁ። (እዝ. 4:4) ናብ ዓዶም ካብ ዚምለሱ ድሕሪ 15 ዓመት ኣቢሉ፡ ሰበ-ስልጣን ፋርስ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ህንጸት ኣገድዎ። ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን እውን፡ ናብ የሩሳሌም ከይዶም፡ “[ንኣይሁድ] ብቕልጽምን ብሓይልን ካብ ምዕያይ ኣብኰርዎም።”—እዝ. 4:21-24።
ኣይሁድ፡ እዚ ኸቢድ ዕንቅፋት እዚ ምስ ኣጋጠሞም፡ ርእሶም ጠበሩ። “እቲ ጊዜ፡ ቤት እግዚኣብሄር እትስርሓሉ ጊዜ፡ ኣይበጽሔን” በሉ። (ሃጌ 1:2) ኣምላኽ፡ እታ ቤተ መቕደስ ብኡንብኡ ኽትህነጽ ከም ዘይደሊ ደምደሙ። ፍቓዱ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ መገዲ ኣብ ክንዲ ዜናድዩ፡ ነቲ ቕዱስ ዕዮኦም ሓዲጎም ኣባይቶም ኣብ ምምሕያሽ ኣተኰሩ። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሃጌ፡ “እዛ ቤት እዚኣ [ቤተ መቕደስ የሆዋ] ዖንያ ኸላስ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፧” ኢሉ ብንጹር ሓተቶም።—ሃጌ 1:4።
ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚፍጸመሉ ግዜ ግጉይ ኣረኣእያ እንተ ኣሕዲርና፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ዕሽሽ ክንብልን ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት ከነተኵርን ንኽእል ኢና። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ኣጋይሽ ትጽበ ኣለኻ ንበል። ነቶም ኣጋይሽካ ዜድልዮም ዘበለ ምእንቲ ኸተማልኣሎም፡ ብዙሕ ሸበድበድ ከም እትብል ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ከም ዚድንጕዩ መልእኽቲ በጽሓካ። ነቲ ኽትገብሮ ዝጸናሕካ ምድላዋት ምሓደግካዮዶ፧
ይኹን እምበር፡ ሃጌን ዘካርያስን ንኣይሁድ፡ ድሌት የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ ብቕልጡፍ ኪሃንጽዋ ምዃኑ ኸም ዘረድእዎም ክንርስዕ የብልናን። ሃጌ፡ “ኵልኹም ህዝቢ እታ ሃገርውን ጽንዑ፡ . . . ዕየዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሃጌ 2:4) እቶም ህዝቢ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዚድግፎም ብምትእምማን፡ ዕዮኦም ኪቕጽሉ ነበሮም። (ዘካ. 4:6, 7) እዚ መለበሚ ኪዀነና እተጻሕፈ ዛንታ እዚ፡ ብዛዕባ መዓልቲ የሆዋ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ንኸይንበጽሕ ኪሕግዘና ይኽእልዶ፧—1 ቈረ. 10:11።
ንግጉይ ሓሳባት ብቕኑዕ ሓሳባት ተክኣዮ
ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ፡ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ዚምስርተሉ ግዜ ገሊጹ እዩ። (2 ጴጥ. 3:13) ገሊኦም መላገጽቲ፡ ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ጣልቃ ዚኣቱ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ጥርጣረታት ከም ዘበገሱ ሓቢሩ እዩ። ንሳቶም ከኣ፡ “ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ” እናበሉ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይከውን ተማጒቶም እዮም። (2 ጴጥ. 3:4) ጴጥሮስ ነዚ ግጉይ ሓሳባት ኪቃወሞ ደለየ። ንብጾቱ ክርስትያናት፡ “እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ [“ቅኑዕ፡” ትርጕም 1990] ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም። እቶም መላገጽቲ ኸም እተጋገዩ ኣዘኻኸሮም። ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ጣልቃ ብምእታው፡ ማይ ኣይሂ ኣዝኒሙ ነይሩ እዩ።—2 ጴጥ. 3:1, 5-7።
ብ520 ቅ.ክ.፡ ሃጌ ነቶም ብሰንኪ ፍርሂ ኻብ ዕዮኦም በዂሮም ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣተባብዖም። “እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ” ኢሉ መዓዶም። (ሃጌ 1:5) ሓሳባቶም ንምንቃሕ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዘለዎ ዕላማታትን ዝኣተዎ መብጽዓታትን ኣዘኻኸሮም። (ሃጌ 1:8፣ 2:4, 5) ድሕሪ እቲ መተባብዒ እቲ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ወግዓዊ እገዳ እናሃለወ ኽነሱ፡ እቲ ዕዮ ህንጸት ከም ብሓድሽ ተጀመረ። ተጻባእቲ እንደገና ነቲ ዕዮ ህንጸት ኪዕንቅፉ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ኣይሰለጦምን። እቲ እገዳ ተሰረዘ፣ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ድማ፡ እታ ቤተ መቕደስ ተሃንጸት።—እዝ. 6:14, 15፣ ሃጌ 1:14, 15።
ብልብና መገድና ንሕሰብ
ንሕና እውን ከምቶም ብግዜ ሃጌ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ፡ እንደሃልዶ ይመስለካ፧ ብጸገማት እንተ ተዳሂልና፡ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበረና ቕንኣት ዓቂብና ምምልላስ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። እንታይ ግን እዩ ኺድህለና ዚኽእል፧ ምናልባት፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ንግፋዕ ንኸውን። ብዛዕባ ኣንባቆም እሞ ሕሰብ። ንሱ፡ “ንስኻ ኸይሰማዕካንስ፡ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ፡ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ኣየድሓንካን” በለ። (ኣን. 1:2) ገሊኦም ክርስትያናት፡ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝደንጐየት ስለ ዚመስሎም፡ ናይ ህጹጽነት መንፈሶም ኬጥፍኡን ኣብ ናብራ ንዚረኽብዎ ምሾት ቀዳምነት ኪህቡን ይኽእሉ እዮም። ከምኡ ኼጋጥመካ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ ከምዚ ዓይነት ሓሳባት እንተ ኣሕዲርና፡ ርእስና ኢና እንጥብር። እምበኣር፡ ነቲ ‘ብልብና መገድና ኽንሓስብን’ ‘ቅኑዕ ሓሳብና ኸነንቅሕን’ እተዋህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና። ‘እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኻብቲ እተጸበኽዎ ዝነውሐ ግዜ ምጽናሑ፡ ብዙሕ ኬተሓሳስበኒ ግቡእ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ንኽእል ኢና።
መጽሓፍ ቅዱስ እተጸበዮ እዋን
ብዛዕባ እቲ የሱስ ነዚ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ኣመልኪቱ እተዛረቦ ቓላት እሞ ሕሰብ። ኣብቲ ማርቆስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት ዝጸሓፎ ትንቢት፡ የሱስ ንኽንነቅሕ ብተደጋጋሚ ኸም እተላበወና ገሊጹ ኣሎ። (ማር. 13:33-37) ኣብ መንጎ እቲ ብዛዕባ እታ ኣብ ኣርማጌዶን እትውዕል ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ዚገልጽ ትንቢት እውን፡ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ንረክብ ኢና። (ራእ. 16:14-16) ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት እተዋህበ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ካብቲ ዝሓሰብዎ ዚነውሕ እዋን ከም እተጸበዩ ዀይኑ ኺስምዖም ከሎ፡ ናይ ህጹጽነት መንፈሶም ኬጥፍኡ ስለ ዝኽእሉ እዩ ኸምዚ ዓይነት መዘኻኸሪታት ዘድለየ።
የሱስ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብንቕሓት ክንጽበ ኸም ዜድሊ ብምሳሌ ገይሩ ኣብሪሁልና እዩ። ኣብታ ምሳሌኡ፡ ሓደ ቤቱ እተሰርቀቶ ብዓል ቤት ጠቐሰ። እቲ ብዓል ቤት ንኸይስረቕ፡ እንታይ ኪገብር ምኸኣለ፧ ምሉእ ለይቲ ነቒሑ ኺሓድር ምኸኣለ። የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ኢሉ ብምምዓድ፡ ነታ ምሳሌኡ ዛዘማ።—ማቴ. 24:43, 44።
እታ ምሳሌ እቲኣ፡ ንነዊሕ ግዜ እውን ክንጽበ ድሉዋት ክንከውን ከም ዘሎና እትሕብር እያ። እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ካብቲ እተጸበናዮ ዝነውሐ ግዜ ኸም ዝጸንሐ እንተ መሰለና፡ ብዙሕ ኬተሓሳስበና የብሉን። ‘እቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኣይበጽሐን’ እናበልና ርእስና ኽንጥብር የብልናን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዘሎና ድሌት የዳኽሞ እዩ።—ሮሜ 12:11።
ንግጉይ ሓሳባት ምሓዎ
ንግጉይ ሓሳባት ብዚምልከት፡ እቲ ኣብ ገላትያ 6:7 ዚርከብ፡ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ይዓዪ እዩ። ሓንቲ ግራት እንተ ቓዲራ፡ ብጻህያይ እያ እትመልእ። ብተመሳሳሊ፡ ንቕኑዕ ሓሳብና እንተ ዘየንቂሕናዮ፡ ግጉይ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮና ሱር ኪሰድድ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ‘መዓልቲ የሆዋ ምምጻኣ ዘይተርፍ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ ግን ኣይትመጽእን እያ’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። በዚ ኸምዚ፡ ትጽቢትና ንውዝፎ እንተ ዄንና፡ ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታትና ኣጽኒዕና ኣይንሕዞን ኢና። በብቝሩብ፡ ንመንፈሳዊ ልማድና ዕሽሽ ክንብሎ ንጅምር። ሽዑ፡ መዓልቲ የሆዋ ብድንገት ትመጸና።—2 ጴጥ. 3:10።
ይኹን እምበር፡ “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ ኣዘውቲርና እንምርምር እንተ ዄንና፡ ግጉይ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮና ሱር ኣይኪሰድድን እዩ። (ሮሜ 12:2) ሓደ ኻብቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ዚጠቕመና ንጥፈታት፡ ስሩዕ ንባብ ቃል ኣምላኽ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ የሆዋ ወትሩ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ዘሎና እምነት ኬደልድለልና ይኽእል እዩ።—ኣን. 2:3።
መጽናዕትናን ጸሎትናን ኣኼባናን ስብከትናን ምስቲ ብሕያውነት እንገብሮ ተግባራት ተደሚሩ፡ ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ከነቀላጥፎ’ የኽእለና እዩ። (2 ጴጥ. 3:11, 12) የሆዋ ነቲ ኸየባተኽና እነቕርበሉ ኣገልግሎት ኣይርስዖን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ኢሉ ኣዘኻኺሩና ኣሎ።—ገላ. 6:9።
ሎሚ፡ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዝደንጐየት ጌርና ርእስና እንጥብረሉ እዋን ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ ስለ ዘላ፡ ልብና ጽኑዕ እንገብረሉ እዋን እዩ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ሃጌን ዘካርያስን ንኣይሁድ፡ ኪሃንጹ ኣተባብዕዎም
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ብዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ግዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ እንታይ ምገበረ፧