ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
የሱስ ክርስቶስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ኺሰብኩ ኺልእኮም ከሎ፡ በትሪ ኺማልኡን ኣሳእኖም ኬእትዉን ኣዚዝዎም ድዩ፧
ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ ዝለኣኸሉ ዚገልጽ ጸብጻባት ሰለስተ ወንጌላት ንሓድሕዱ ኸም ዚጋጮ ይማጐቱ እዮም። ነዚ ጸብጻባት እዚ ኸነረኣእዮ ኸለና ግን፡ ኣብ ዜገርም መደምደምታ ኢና እንበጽሕ። ፈለማ፡ ነቲ ማርቆስን ሉቃስን ዝጸሓፍዎ ነረኣኢ። ማርቆስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ከምዚ በለ፦ “ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ አዘዞም። ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉ፡ ክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም።” (ማር. 6:7-9) ሉቃስ ድማ፡ “ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሀሉኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (ሉቃ. 9:1-3) ኣብዚ፡ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ዚመስል ሓሳባት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ማርቆስ፡ እቶም ሃዋርያት በትሪ ኺማልኡን ኣሳእኖም ኬእትዉን ከም እተነግሮም ኪገልጽ ከሎ፡ ሉቃስ ግን ገለ እኳ ኸይማልኡ፡ ዋላ እውን በትሪ ኸይህልዎም ከም እተነግሮም ጽሒፉ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሉቃስ ብዛዕባ ኣሳእን ዋላ ሓንቲ ኣይበለን።
ነቲ የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኼመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ ነጥቢ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ኣብተን ኣብ ሰለስቲአን እተን ወንጌላት ዚርከባ ቓላት ነተኵር። ኣብተን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ጥቕስታት ኰነ ኣብ ማቴዎስ 10:5-10፡ እቶም ሃዋርያት፡ “ክልተ ቐምሽ” ወይ “ክልተ ኽዳን” ከይማልኡ ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። መቸም፡ ነፍሲ ወከፎም ሓሓደ ቐምሽ ከም ዚኽደኑ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ ካልኣይ ክዳን ከይማልኡ እዩ ተነጊርዎም። ኣሳእን እውን ወድዮም ነይሮም እዮም። ማርቆስ፡ “ኣሳእንኩም ኣእትዉ” ኸም እተባህሉ ሓቢሩ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ድሮ ዚወድይዎ ዝነበሩ ኣሳእን እዩ ዜመልክት። በትሪኸ ኺማልኡ ነይርዎም ድዩ፧ ዘ ጂውሽ ኢንሳይክሎፔድያ፡ “ጥንታውያን እብራውያን በትሪ ናይ ምምላእ ልማድ ዝነበሮም እዩ ዚመስል” ይብል። (ዘፍ. 32:10) ማርቆስ፡ እቶም ሃዋርያት ሒዞምዎ ዝነበሩ ‘በትሪ ጥራይ እምበር፡ ገለ እኳ ኸይማልኡ’ ኸም እተነግሮም ገለጸ። እምበኣር፡ ጸሓፍቲ ወንጌል፡ የሱስ ንሃዋርያቱ፡ ንመገዶም ተወሳኺ ነገራት ከይማልኡ ኸም ዝኣዘዞም እዮም ዜጕልሑ ነይሮም።
እዚ ነጥቢ እዚ፡ በቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝነበረ እሞ፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ሰሚዑ ዝመዝገቦ ማቴዎስ ጐሊሑ ኣሎ። የሱስ፡ “ወርቂ ዀነ፡ ብሩር ኰነ፡ ኣስራዚ ዀነ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ [ኣይትሓዙ]” በሎም። (ማቴ. 10:9, 10) እቲ እቶም ሃዋርያት ወድዮምዎ ዝነበሩ ኣሳእንን ሒዞምዎ ዝነበሩ በትርንከ እንታይ እዮም ኪገብርዎ፧ የሱስ ካልእ ከይሕዙ ደኣ እዩ ዚእዝዞም ነይሩ እምበር፡ ነቲ ዝነበሮም ኪድርብዩ ኣይኰነን። ከምኡ ኢሉ ዝኣዘዞም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ “ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ።” እቲ የሱስ ኬመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ ቐንዲ ነጥቢ እዚ እዩ ነይሩ፣ ምስቲ ብዚበልዕዎ፡ ብዚሰትይዎ፡ ወይ ብዚኽደንዎ ኸይጭነቑ ኢሉ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እውን ይሰማማዕ እዩ።—ማቴ. 6:25-32።
እቲ ጸብጻባት ወንጌል ኣብ ፈለማ ንሓድሕዱ ዚጋጮ እኳ እንተ መሰለ፡ ኵሉ ግን ሓደ ነጥቢ እዩ ዜመሓላልፍ ዘሎ። እቶም ሃዋርያት ከምታ ዝነበርዋ ዀይኖም ኪኸዱን ተወሳኺ ነገራት ከይሕዙን እዩ ተነጊርዎም። ስለምንታይ፧ የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ስለ ዜማልኣሎም።
ሰሎሞን ብዛዕባ እንታዎት “ኣንስቲ” እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧—መክ. 2:8።
ርግጸኛታት ክንከውን እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ምናልባት ብዛዕባ እተን ኣብ ቤተ መንግስቱ ዘጓነፋኦ ምርኡያት ኣንስቲ እዩ ዚዛረብ ነይሩ ዚኸውን።
ኣብ መክብብ ምዕራፍ 2፡ ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ እተፈላለየ ነገራት፡ እንተላይ ብዛዕባ ሰፊሕ ዕዮ ህንጸቱ፡ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ብሩር፡ ወርቂ፡ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከኣ መዝገባት አከብኩ፡ ደራፎን ዚደርፋን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከኣ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ” በለ።—መክ. 2:8።
ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ፡ እተን ሰሎሞን ዝጠቐሰን “ኣንስቲ፡” እተን ናብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝመርሓኦ ብግዜ እርግናኡ ዘእተወን ብዙሓት ጓኖት ኣንስትን ኣንስቲ ወሰንን ከም ዝዀና ይግምቱ እዮም። (1 ነገ. 11:1-4) ኰይኑ ግን፡ እዚ ሓሳባት እዚ ጸገማት ይፈጥር እዩ። ሰሎሞን ነተን ቃላት እቲኣተን ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ ምስተን “ኣንስቲ” ኢልወን ዘሎ ይፋለጥ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ይጽሕፍ ብምንባሩ፡ ሞገስ የሆዋ ነይርዎ እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ብኣማእታት ዚቝጸራ ጓኖት ኣንስትን ኣንስቲ ወሰንን ዝነበራኦ እሞ፡ ናብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘዘንበላኦ እዋን ኪሰማማዕ ኣይክእልን እዩ።
ኣብ መጽሓፍ መክብብ፡ ሰሎሞን፡ “ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ [ከም ዝደለየ]፡ እቲ ጽሑፍ ከኣ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (መክ. 12:10) ነተን “ሰበይቲ፡” “ንግስቲ፡” “ዕቁባት” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ናይ እብራይስጢ ቓላት፡ ኣብቲ ንሱ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ስለ እተጠቕመለን፡ ይፈልጠን ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። (ምሳ. 5:18፣ 12:4፣ 18:22፣ መክ. 9:9፣ መሃ. 6:8, 9) ኣብ መክብብ 2:8 ግን፡ ነዘን ፍሉጣት ቃላት እዚኣተን ኣይተጠቕመለንን።
እታ ኣብ መክብብ 2:8 “ኣንስቲ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ (ብንጽልን ብብዙሕን መገዲ ኽልተ ሳዕ ተጻሒፋ ዘላ) ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን እያ። ምሁራት፡ ትርጕማ ብርግጽ ከም ዘይፍለጥ ይኣምኑ እዮም። ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ኣብ መክብብ 2:8 እትርከብ ቃል ንደቂ ኣንስትዮ ኸም እተመልክት፡ ፈለማ ብንጽል፡ ድሕሪኡ ኸኣ ብብዙሕ ወይ ብኣኽብሮታዊ ኣገላልጻ ኸም እተጻሕፈት ገይሮም እዮም ዚወስድዋ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ “እመቤት፡ አረ እመቤታት እውን” ብምባል ነዚ ሓሳብ እዚ ኼመሓላልፎ ፈቲኑ ኣሎ።
ሰሎሞን ኣዝዩ ውሩይ ስለ ዝነበረ፡ ንግስቲ እታ ኣዝያ ሃብታም ዝነበረት መንግስቲ ሳባ ብዛዕባኡ ሰሚዓ ኽትበጽሖ መጸት እሞ፡ በቲ ዝረኣየቶ ተመሰጠት። (1 ነገ. 10:1, 2) እዚ ታሪኽ እዚ፡ ሰሎሞን ነተን “ኣንስቲ” ወይ “እመቤታት” ኪጠቅስ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ ምንባሩ ኺሕብረና ይኽእል ይኸውን። ብዛዕባ እተን ሞገስ ኣምላኽ ኣብ ዝነበሮ ዓመታት፡ ኣብ ቤተ መንግስቱ ዘጓነፋኦ ምርኡያት ኣንስቲ ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።