እከይ ኣይገብርን ንምባል ዕጡቕ ምዃን
ቲሞቲ ከምዚ ብምባል ተመክሮኡ ይገልጽ:- “ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ኣብ ሓደ ድኳን እናሰራሕኩ ከለኹ: ሓደ መሳርሕተይ ናብ ገዝኡ ክመጽእ ዓደመኒ። ወለዱ ኣብ ገዛ ከም ዘይህልዉ ከምኡውን ኣዋልድ ስለ ዝመጻ ጾታዊ ርክብ ንምግባር ኣጋጣሚ ከም ዘሎ ሓበረኒ።” ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ከምዚ ዝኣመሰለ ዕድመ ክቐርበሎም ከሎ ሕራይ ንምባል ዕጥይጥይ ኣይብሉን ኢዮም። ቲሞቲ ግን እንታይ ኢሉ ኢዩ ዝመለሰ፧ “ከም ዘይመጽእ ከምኡውን ምስ ሓንቲ ዘይተመርዓኹዋ ጓል ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ክርስትያናዊ ሕልናይ ከም ዘየፍቅደለይ ብኡንብኡ ገለጽኩሉ።”
ቲሞቲ ከም ዘይመጽእ ክገልጽ ከሎ ሓንቲ ኣብኡ እትሰርሕ መንእሰይ ጽን ትብል ከም ዝነበረት ኣይፈለጠን። በቲ ቅንዕናኡ ተማረኸት: ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ንሳ ዘቕረበትሉ ዕድመ እውን ብተደጋጋሚ ክነጽግ ነበሮ። ብዛዕባ እዚ ጸኒሕና ክንምለሶ ኢና።
ምስ ፈተና ምግጣም ኣብዚ ግዜና ጥራይ እተራእየ ነገር ኣይኰነን። ቅድሚ 3,000 ዓመታት ኣቢሉ ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ወደየ: ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ: ሕራይ ኣይትበሎም። . . . እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል።” (ምሳሌ 1:10, 15) የሆዋ ባዕሉ ንህዝቢ እስራኤል “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ” ኢሉ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ዘጸኣት 23:2) እወ: ሓድሓደ ግዜ ክፉእ ንምግባር ዝቐርበልና ፈተና ዋላ እውን ኣይገብርን ምባል ዘይልሙድ እንተዀነ ክንኣቢ ኣሎና።
ብፍላይ ኣብዚ ግዜና እከይ ኣይገብርን ምባል ኣድላዪ ኢዩ
እከይ ኣይገብርን ምባል ቀሊል ኣይኰነን: ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ኣገባብ እዚ ዝብሎ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ልክዕ ከምቲ ብትንቢት እተነግረ: ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ሰባት ፈተውቲ ተድላን ዓመጽን ከምኡውን መንፈሳውነትን ስነ-ምግባርን ዘይብሎም ኰይኖም ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ሓደ ናይ ጀስዊት ዩኒቨርሲቲ ፕረዚደንት ከምዚ በለ:- “ነቲ ብልምዲ ዝቘመ ስርዓታትና ብድሆ የጋጥሞ ከምኡውን ዋጋ ዘይብሉ ወይ ግዜ ዝሓለፎ ይኸውን ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ስነ-ምግባራዊ መምርሒታት ዘሎ ኣይመስልን ኢዩ።” ብተመሳሳሊ: ሓደ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ከምዚ በለ:- “ቅኑዕን ጌጋን ዝበሃል ደጊም ተሪፉ ኢዩ። ኵሉ ነገር ላንግ ላንጋ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። . . . ኣብ መንጎ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎ ፍልልይ ዝፈልጡ ሰባት ሒደት ጥራይ ኢዮም። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ሓጢኣት ዝቝጸር ሕጊ ምጥሓስ ዘይኰነስ ሕጊ ጥሒስካ ምስ እትተሓዝ ኢዩ።”
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሳቶም ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቊርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም: ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ።” (ኤፌሶን 4:18, 19) እንተዀነ ግን መከራ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ። ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ:- “እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ: ንጸልማትሲ ብርሃን: ንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎ . . . ወይለኦም።” (ኢሳይያስ 5:20) ነቲ ዝዘርእዎ ክዓጽዱ ጥራይ ዘይኰነስ ድሕሪ ሓጺር እዋን እቲ ዝዓበየ ‘ወዮ’ ማለት የሆዋ ዘውርደሎም ፍርዲ ክቕበሉ ኢዮም።—ገላትያ 6:7
መዝሙር 92:7 “ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ: ኵሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡ: ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ” ትብል። ብኻልእ ኣዘራርባ: እዚ ንዅሎም ሰባት ህይወት ከም ዝመሮም ዝገብር ዘሎ ካብ መጠን ንላዕሊ ዘስፋሕፍሐ እከይ ንሓዋሩ ኣይክቕጽልን ኢዩ። አረ የሱስ ከም ዝገለጾስ ኣምላኽ ነዚ እከይ ዝገብር “ወለዶ” ኣብቲ ዓቢ “መከራ” ከጥፍኦ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:3, 21, 34) ስለዚ ካብቲ ዓቢ መከራ ክንድሕን እንተድኣ ደሊና: ብመሰረት ስርዓታት ኣምላኽ ቅኑዕን ጌጋን ፈሊና ክንፈልጥ ኣሎና። ብተወሳኺውን ኵሉ ዓይነት እከይ ንምግባር ምእንቲ ክንኣቢ ብስነ-ምግባር ጽኑዓት ክንከውን ከም ዘሎና እተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ: የሆዋ ግን ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብዚ ዘበንና ዝርከብን ዘተባብዕ ኣብነታት ቀሪቡልና ኣሎ።
ካብቲ እከይ ምግባር ዝኣበየ መንእሰይ ትምህርቲ ምውሳድ
ብፍላይ ምንዝርን ዝሙትን ኣይፍጽምን ምባል: ንገለ ካብቶም ኣብ ክርስትያን ጉባኤ ዝርከቡ ሰባት እውን ከይተረፈ ከቢድ ኢዩ ዝመስል። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ቲሞቲ ናይቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዘፍጥረት 39:1-12 ተመዝጊቡ ዘሎ ዮሴፍ ዝበሃል መንእሰይ ኣብነት ተጠቒሙሉ ኢዩ። ዮሴፍ: ሰበይቲ እቲ ግብጻዊ በዓል ስልጣን ዝነበረ ጶጢፋር ምስኣ ክድቅስ ብተደጋጋሚ ክትዕድሞ ከላ ብስነ-ምግባር ጽኑዕ ምንባሩ ኣርኣየ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ዮሴፍ “እናአበየ: . . . ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧ በላ።”
ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር መዓልቲ መዓልቲ ንኽኣብያ ዘኽኣሎ ናይ ስነ-ምግባር ጽንዓት ብኸመይ ኣጥረዮ፧ ብቐዳምነት: ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ካብ ግዝያዊ ተድላ ንላዕሊ ኣዝዩ የኽብሮ ነበረ። ብተወሳኺ: ኣብ ትሕቲ እቲ መለኮታዊ ሕጊ እኳ እንተ ዘይነበረ (እቲ ሕጊ ሙሴ ገና ኣይተዋህበን ነይሩ): ብዛዕባ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታት ግን ንጹር ምርዳእ ነበሮ። ምስታ ብናይ ሓሶት ፍቕሪ ሃነይነይ እትብል ዝነበረት ሰበይቲ ጶጢፋር ምንዝር ምፍጻም ኣብ ቅድሚ ሰብኣያ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እውን ሓጢኣት ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ።—ዘፍጥረት 39:8, 9
ዮሴፍ ነቲ ናብ ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ናይ ፍትወት ስምዒት ክመርሕ ዝኽእል ምልዕዓል ክጅምር ከም ዘይብሉ ተረዲእዎ ምንባሩ እተረጋገጸ ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ናይ ዮሴፍ ኣብነት እንተድኣ ስዒቡ ጥበበኛ ኢዩ። እታ ናይ 1 ሓምለ 1957 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ስጋዊ ድኽመታቱ ክፈልጥ ኣለዎ ከምኡውን ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ክሳዕ ዘይጠሓሰ ስጋዊ ባህግታቱ ከርዊ: ኣብ ደረት እቲ ስርዓታት ምስ በጽሐ ግን ርእሱ ክገትእ ከም ዝኽእል ገይሩ ክሓስብ የብሉን። ንእተወሰነ እዋን ከምዚ ምግባር እኳ እንተ ኸኣለ: ኣብ መወዳእታ ነታ ደረት ሰጊሩ ኣብ ሓጢኣት ይወድቕ ኢዩ። እዚ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥር ኢዩ: ከመይሲ ኣብ ልቢ ዝሓደረ ትምኒት እናሓየለን ነቲ ሰብ ኣጸቢቑ እናተቘጻጸሮን ኢዩ ዝኸይድ። ድሕርዚ ነቲ ሓሳብ ካብ ኣእምሮኡ ንምውጻእ ዝያዳ ኢዩ ዘጸግሞ። እቲ ዝበለጸ ናይ ምክልኻል መገዲ ብኣጋኡ ምቅላስ ኢዩ።”
ቅኑዕ ነገር እንፈቱ እከይ ድማ እንጸልእ እንተድኣ ዄንና ብኣጋኡ ክንቃለሶ ዝቐለለ ኢዩ ዝዀነልና። (መዝሙር 37:27) እንተዀነ ግን: እዚ ኣቕዋም እዚ ዘየቋርጽ ምእንቲ ክኸውን ብቐጻሊ ክንጽዕር ኣሎና። ከምዚ እንተድኣ ገይርና: የሆዋ እውን ስለ ዝሕግዘና ንቕኑዕ ነገራት ዘሎና ምፍታውን ንእከይ ዘሎና ምፍንፋንን እናሓየለ ክኸይድ ኢዩ። ከምቲ የሱስ ዝሓበረና ናብ ፈተና ንኸይንኣቱን ካብቲ ክፉእ ንኽንድሕንን ከየባተኽና ብምጽላይ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና።—ማቴዎስ 6:13፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17
ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ምእባይ
ካልእ ናብ እከይ ዝመርሕ ጽልዋ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ገዛን በበይኑ ዝዀነ ክልተ ዓይነት ናብራ ኢየ ዝነብር ዘለኹ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ዘረባኦም ጽዩፍ ቃላት ምስ ዝጥቀሙ ቈልዑ ኢየ ዝውዕል። ኣነ ድማ ከምኦም እኸውን ኣለኹ። እንታይ ክገብር ኣለኒ፧” ካብ ካልኦት እተፈለኻ ንምዃን ትብዓት ክህልወካ ኣድላዪ ኢዩ። ነዚ ትብዓት እዚ ክትረክብ እትኽእለሉ ሓደ መገዲ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ከም ዮሴፍ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሩ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ምንባብን ምስትንታንን ኢዩ። ካልኦት ኣብነት ክዀኑና ዝኽእሉ ኸኣ እቶም ካብ መዛኑኦም እተፈልዩ ንምዃን ትብዓት ዝነበሮም ዳንኤል: ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ ዝበሃሉ ኣርባዕተ መንእሰያት ኢዮም።
እዞም ኣርባዕተ እስራኤላውያን መንእሰያት እዚኦም ኣብ ቤተ-መንግስቲ ናይ ባቢሎን ምስ ካልኦት መንእሰያት ክማሃሩ ከለዉ ‘ካብቲ ብልዒ ንጉስ ኣብ ጸጽባሕ ድርጎ’ ክበልዑ ነበሮም። ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጻሒፉ ዝነበረ ንመግቢ ዝምልከት ስርዓት ምእንቲ ከይጥሕሱ ምብላዕ ኣበዩ። እዚ ጽንዓት ይሓትት ነበረ: ከመይሲ እቲ መግቢ ካብ ‘ብልዒ ንጉስ’ ብምዃኑ ብዘይጥርጥር ፈታኒ ኢዩ ነይሩ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነዞም ኣልኮላዊ መስተ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኽሰትዩ ወይ ሓሽሽን ትንባኾን ንኽጥቀሙ ፈተና ወይ ጸቐጢ ዘጋጥሞም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ክርስትያናት: ኣየ ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን ኢዮም ዝሓደጉሎም!—ዳንኤል 1:3-17
ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ድሓር የሱስ “ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ” ዝበሎ ሓቂ ምዃኑ እውን ኣርእዮም ኢዮም። (ሉቃስ 16:10) ኣብቲ ብዛዕባ መግቢ ዝምልከት ብተዛማዲ ንእሽቶ ዝዀነ ጕዳይ ዝነበሮም ትብዓት ዝመልኦ ኣቕዋም ከምኡውን እቲ የሆዋ ዝሃቦም በረኸት ነቲ ደሓር ዝመጸ ዝኸበደ ፈተና ከም ዘዕጠቖም ዘጠራጥር ኣይኰነን። (ዳንኤል 1:18-20) ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ክካፈሉ: እንተ ኣብዮም ግን ብሓዊ ነዲዶም ክሞቱ ምዃኖም ምስ ተነግሮም ተፈቲኖም ኢዮም። እዞም ሰለስተ መንእሰያት ብትብዓት ንየሆዋ ጥራይ ከምልኹ ወሰኑ: ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ተኣመኑ። የሆዋ ካብቲ ተደርብዮምሉ ዝነበሩ ጕሁር እቶን ሓዊ ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ከይበጽሖም ብተኣምራታዊ መገዲ ብምድሓን ነቲ ዘርኣይዎ እምነትን ትብዓትን እንደገና ባሪኽዎ ኢዩ።—ዳንኤል 3:1-30
ቃል ኣምላኽ: እከይ ምግባር ዝኣበዩ ካልኦት ብዙሓት ኣብነታት እውን ሒዙ ኣሎ። ሙሴ ኣብ ግብጺ ‘ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ንኽብሎ’ እኹል ኣጋጣሚ እኳ እንተ ነበሮ: “ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሀል” ኣበየ። (እብራውያን 11:24-26) ነብዪ ሳሙኤል መማለዲ ብምቕባል ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ምጥቃም ኣበየ። (1 ሳሙኤል 12:3, 4) ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ስብከት ንኸቋርጹ ምስ ተኣዘዙ ብትብዓት ከም ዘየቋርጹ ገለጹ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29) የሱስ እውን ዝዀነ ዓይነት እከይ ንኸይገብር ኣብዩ ኢዩ። እቶም ወተሃደራት “ምስ ከርበ እተሐወሰ ወይኒ” ምስ ሃብዎ እውን ከይተረፈ ክሳዕ መወዳእታ ትንፋስ ህይወቱ ንጽህናኡ ሓልዩ ኢዩ። ነቲ ዝቐረበሉ ዝስተ እንተ ዝቕበል ነይሩ ምናልባት ኣብቲ ጽንኩር እዋን ነቲ ውሳነኡ ከዳኽሞ ምኸኣለ ነይሩ ይኸውን።—ማርቆስ 15:23፣ ማቴዎስ 4:1-10
እከይ ኣይገብርን ምባል: ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ኢዩ
የሱስ ከምዚ በለ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።”—ማቴዎስ 7:13, 14
እታ ገፋሕ መገዲ ንኽትጓዓዘላ ቀላል ስለ ዝዀነት ብዙሓት ሰባት ኢዮም ዝኸዱላ። እቶም ብኣኣ ዝጓዓዙ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም: ስጋዊ ኣተሓሳስባን ኣነባብራን ዘለዎም: ከምኡውን ካብ ካልኦት ፍሉያት ክዀኑ ዘይኰነስ ምስ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ተሰማሚዖም ክኸዱ ዝደልዩ ኢዮም። ንስነ-ምግባር ዝምልከት ሕጋጋትን ስርዓታትን ኣምላኽ ዝኣስሮም ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። (ኤፌሶን 4:17-19) የሱስ ግን እታ ገፋሕ መገዲ “ናብ ጥፍኣት” ኢያ እትወስድ ብምባል ፈልዩ ጠቒሱ ኣሎ።
እንተዀነ ግን: የሱስ ነታ ቀጣን መገዲ ዝመርጹ ሒደት ከም ዝዀኑ ዝገለጸ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብቐዳምነት: እቶም ሕጋጋትን ስርዓታትን ኣምላኽ ንህይወቶም ክመርሖ ከምኡውን ነቲ እከይ ንኽገብሩ ዝደፋፍኦምን ዘጋጥሞምን ፈተና ንኽቃወምዎ ደገፍ ክገብረሎም ዝደልዩ ሰባት ሒደት ስለ ዝዀኑ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ነቲ ክፉእ ባህግታት: ናይ መዛኑ ጸቕጢ: ከምኡውን ብሰንኪ እታ ዝመረጽዋ መገዲ ክመጾም ንዝኽእል ላግጺ ክቕበሉ እተዳለዉ ብተዛማዲ ሒደት ጥራይ ስለ ዝዀኑ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 3:16፣ 4:4
እዞም ሰባት እዚኣቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ሓጢኣት ንኸይገብር ክቃለስ ከሎ ከመይ ይስምዖ ከም ዝነበረ ምሉእ ብምሉእ ይርድኦም ኢዩ። ልክዕ ከምዛ ናይ ሎሚ ዓለም: እቲ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበረ ናይ ሮሜን ግሪኽን ዓለም እውን እከይ ብምግባር ንኽትረዊ ብዙሕ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝኸፍት ነይሩ። ጳውሎስ እቲ ኣየናይ ቅኑዕ ምዃኑ ዝፈልጥ ኣእምሮኡ ምስቲ እከይ ንምግባር ዝደሊ ዝነበረ ስጋኡ ብቐጻሊ ‘ይዋጋእ’ ምንባሩ ገለጸ። (ሮሜ 7:21-24) እወ: ስጋኡ ንፉዕ ኣገልጋሊ እኳ እንተዀነ ሕማቕ ጐይታ ከም ዝዀኖ ግን ይፈልጥ ነበረ: ስለዚ ንስጋዊ ድሌቱ ምእባይ ተማህረ። “ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 9:27) ከምዚ ዝኣመሰለ ገዛእ ርእሱ ናይ ምቍጽጻር ክእለት ብኸመይ ከጥርዮ ከኣለ፧ በቲ ነዚ ዕማም እዚ ኣብ ምፍጻም ድኹም ዝዀነ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይሊ ዘይኰነስ መንፈስ ኣምላኽ ብዝገበረሉ ደገፍ ኢዩ ከጥርዮ ክኢሉ።—ሮሜ 8:9-11
ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ጳውሎስ ዘይፍጹም እኳ እንተ ነበረ ክሳዕ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናኡ ሓልዩ ኢዩ። ቀቅድሚ ሙማቱ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ . . . ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ” ኢሉ ክጽሕፍ ከኣለ።—2 ጢሞቴዎስ 4:7, 8
ምስ ዘሎና ዘይፍጽምና ክንቃለስ ከሎና ጳውሎስ ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ንዕኡ ኣብነት ዝዀኑዎ ከም እኒ ዮሴፍ: ሙሴ: ዳንኤል: ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ: ከምኡውን ብዙሓት ካልኦት ከመይ ዝበሉ ዘተባብዑ ኣብነታት ኰን ኢዮም ዘለዉና። እዞም ናይ እምነት ሰብኡት እዚኣቶም ዘይፍጹማት እኳ እንተ ነበሩ: እከይ ምግባር ኣብዮም ኢዮም። እዚ ዝገበሩ ነቓጻት ወይ ተረርቲ ስለ ዝዀኑ ዘይኰነስ መንፈስ የሆዋ ዘፍረዮ ናይ ስነ-ምግባር ጽንዓት ስለ ዝነበሮም ኢዩ። (ገላትያ 5:22, 23) መንፈሳውያን ሰባት ኢዮም ነይሮም። ነቲ ካብ ኣፍ የሆዋ ዝወጽእ ቃል ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ነይሮም ኢዮም። (ዘዳግም 8:3) ቃሉ ህይወቶም ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 32:47) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንየሆዋ የፍቅርዎን ይፈርህዎን ነበሩ: ብናቱ ሓገዝ ድማ ንእከይ ዘለዎም ጽልኢ እናገደደ ኸደ።—መዝሙር 97:10፣ ምሳሌ 1:7
ንሕናውን ከምኣቶም እንኸውን ይግበረና። ኵሉ ዓይነት እከይ ምግባር ምእንቲ ክንኣቢ: ከምቲ ንዓኣቶም መንፈስ የሆዋ ዘድለዮም ንዓና እውን ከም ዘድልየና እተረጋገጸ ኢዩ። መንፈስ የሆዋ ምእንቲ ክንረክብ ካብ ልብና እንተድኣ ለሚንናዮ: ቃሉ ነጽንዕ እንተድኣ ዄንና: ከምኡውን ስርዓታውያን ብምዃን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንካፈል እንተድኣ ዄንና የሆዋ መንፈሱ ብልግሲ ክህበና ኢዩ።—መዝሙር 119:105፣ ሉቃስ 11:13፣ እብራውያን 10:24, 25
እቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ ቲሞቲ ብመንፈስ ዘድልዮ ነገራት ሸለል ዘይምባሉ ሕጉስ ኢዩ። እታ ምስ መሳርሕቱ ክዘራረብ ከሎ ዝሰምዓቶ ሰራሕተኛ መንእሰይ በቲ ንጽህናኡ ተማረኸት: ደሓር ቀስ ኢላ ሰብኣያ ኣብ ዘይብሉ ግዜ ገዝኣ ክመጽእ ዓደመቶ። ቲሞቲ ነቲ ዕድመ ኣይተቐበሎን። ተስፋ ኸይቈረጸት ልክዕ ከም ሰበይቲ ጶጢፋር ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዓደመቶ። ቲሞቲ ብጽንዓት ግን ከኣ ሕያውነት ብዝመልኦ ኣዘራርባ ብተደጋጋሚ ኣበያ። ካብ ቃል ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ጽቡቕ ገይሩ መስከረላ። ቲሞቲ እከይ ኣይገብርን ንምባል የሆዋ ብስነ-ምግባር ስለ ዘዕጠቖ ኣዝዩ መማሰዊ ኢዩ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሓንቲ ምጭውቲ ክርስትያን ብጸይቱ ተመርዕዩ ብሓጐስ ይነብር ኣሎ። የሆዋ ንዅሎም እቶም እከይ ምግባር ብምእባይ ክርስትያናዊ ንጽህናኦም ክሕልዉ ዝደልዩ ክባርኾምን ከዕጥቖምን ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ።—መዝሙር 1:1-3