ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/10 ገጽ 32
  • ‘ፍርሃት ኣምላኽ’ ነበረን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ፍርሃት ኣምላኽ’ ነበረን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/10 ገጽ 32

‘ፍርሃት ኣምላኽ’ ነበረን

እስራኤላውያን ኣብ ባርነት ግብጺ ከለዉ: ሺፍራን ጱዓን ዝበሃላ እብራውያን መሕረስቲ ዘጨንቕ ኵነታት ኣጋጢምወን ነበረ። ፈርኦን ነቶም ዝስስኑ ዝነበሩ ወጻእተኛታት ንምቍጽጻር “ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኽን . . . ወዲ እንተ ዀነ ቅተላኦ” ኢሉ ኣዘዘን።​—⁠ዘጸኣት 1:⁠15, 16

ሺፍራን ጱዓን “ንኣምላኽ ፈሪሄን” ብትብዓት “ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን።” ዋላ እኳ እዚ ንጹር ኣቕዋም እዚ ኣብ ሓደጋ ዘእትወን እንተዀነ ነቶም ዕሸላት ኣወዳት ብህይወት ሓደጋኦም። የሆዋ “ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገበረለን:” ህይወት ስለ ዘድሓና ድማ ዓስቢ ሃበን።​—⁠ዘጸኣት 1:⁠17-21

እዚ ጸብጻብ እዚ የሆዋ ነቶም ዘገልግልዎ ሞሳ ከም ዘርኢ የጕልሕ። እቲ ሺፍራን ጱዓን ዝገበራኦ ነገር ዋላ እኳ ትብዓት ዝመልኦ ተግባር እንተዀነ: የሆዋ ብቐሊሉ ከም መግለጺ ሰብኣዊ ርሕራሐ ጥራይ ገይሩ ክርእዮ ምኸኣለ ነይሩ። ደሓር ከኣ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዋ ሰበይቲ ዕሸላት ኣይትቐትልን ኢያ! ገና ግን የሆዋ ገለ ሰባት ብሰንኪ ፍርሂ ሰብ ኣረሜናዊ ተግባር ከም ዝፈጸሙ ኣብ ግምት ከም ዘእተዎ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዘን መሕረስቲ እዚኣተን ብሰብኣዊ ሕያውነት ተደሪኸን ጥራይ ዘይኰነስ ፍርሂ ኣምላኽን ተወፋይነትን ከም ዝነበረን ፈሊጡ ኢዩ።

ነቲ ብእምነት እንፍጽሞ ተግባራት ዝርኢ ኣምላኽ ምግልጋልሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ልክዕ ኢዩ: ምናልባት ዋላ ሓደ ካባና ከምቲ ንሺፍራን ጱዓን ዘጋጠመ ዓይነት እምነትና ዝፍትን ኵነታት ኣየጋጠመናን ይኸውን። እንተዀነ ግን ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ወይ ኣብ ዝዀነ ካልእ ኣጋጣሚታት ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ጽኑዓት ምስ እንኸውን የሆዋ ነቲ እነርእዮ ናይ ተኣማንነት ፍቕሪ ሸለል ኣይብሎን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ ‘ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ይህብ ኢዩ።’ (እብራውያን 11:⁠6) እወ: “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን።”​—⁠እብራውያን 6:⁠10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ