ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/10 ገጽ 26-27
  • መለኮታዊ ምስጢራትን ዕላማ ኣምላኽን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መለኮታዊ ምስጢራትን ዕላማ ኣምላኽን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣዝዩ ብዙሕ ምስጢራት
  • ነቲ ቅዱስ ምስጢራት ምፍታሕ
  • ነቲ “ዘይብሩህ ኣበሃህላታት” ምግላጽ
  • ነቲ ብርሃን ምጥማት
  • ጥበብ ኣጥሪ ተግሳጽ እውን ተቐበል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ‘ዎ ኣምላኽ ብርሃንካ ልኣኽ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • የሆዋ—እቲ ምስጢራት ዝገልጽ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ክርስትያናት ክዕቅብዎ ዘይብሎም ምስጢር!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/10 ገጽ 26-27

መለኮታዊ ምስጢራትን ዕላማ ኣምላኽን

ትርጕሙ እንተድኣ ዘይተፈሊጡ ምስጢር ኢዩ: እንተድኣ ተፈሊጡ ግን ተራ ነገር ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ሕንቅሕንቅሊቶይ።

ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ኣብ ጭብጥታት ጥራይ ዝኣምን ሕብረተሰብ: ሰባት ነቲ ምስጢራዊ ዝዀነ ሕንቅሕንቅሊቶይ ከም መጻወቲ ቈልዑ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ግን ሓደ ሰብ ክሳዕ ክንደይ “ጥበበኛ ምዃኑ ዝፍተነሉ ኣገባብ” ከም ዝነበረ ዘ ኢንተርፕረተርስ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል (እንግሊዝኛ) ዝበሃል መዝገበ​-⁠ቃላት ይገልጽ።​—⁠ምስ ምሳሌ 1:⁠5, 6 ኣረኣእዮ።

የሆዋ ንፍቓዱ ወይ ዕላምኡ ብንጹር ኣብ ክንዲ ዝገልጽ: ሓድሓደ ግዜ ኰነ ኢሉ ብምስላ: “ዘይብሩህ ኣበሃህላታት” ወይ ብእተሓላለኸ ሕንቅሕንቅሊቶይ ገይሩ ነቲ ትንቢታቱ ብቐሊሉ ከም ዘይፍለጥ ይገብሮ ነበረ። (መዝሙር 78:⁠2 ኪንግ ጀምስ ቨርሽን፣ ዘሁልቍ 12:⁠8 ዘ ኤምፋሳይዝድ ባይብል) እታ ንሕንቅሕንቅሊቶይ እተመልክት ናይ እብራይስጢ ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 17 ግዜ ጥራይ ትጠቐስ ድኣ እምበር ቅዱሳት ጽሑፋት ቃል ብቓሉ ኣዝዩ ብዙሕ ምስጢራትን ምስላታትን ሒዙ ኣሎ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣዝዩ ብዙሕ ምስጢራት

ንጉስ ሰሎሞን ንዝቐረበሉ ኣዝዩ ዝኸበደ ሕንቅሕንቅሊቶይ ወይ ምስጢራት ናይ ምፍታሕ ክእለት ከም ዝነበሮ ይዝረበሉ። (1 ነገስት 10:⁠1) እዚ ኸኣ ውጽኢት ናይቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥበብ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሰሎሞን ሓደ ግዜ ምስ ሒራም ንጉስ ጢሮስ ብሕንቅሕንቅ​ሊቶይ ተወዳዲሩ ተሳዒሩ ኢዩ ዝብል ናይ ቀደም ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝሃብዎ ጸብጻብ ሓቂ እንተ ዀይኑ: ድሕሪ እቲ ንኣምላኽ ብምኽሓዱ መንፈስ የሆዋ ዝሰኣነሉ ግዜ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ መስፍን ዝነበረ ሳምሶን እውን ብተመሳሳሊ ሕንቅሕንቅሊቶይ ይፈቱ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝመልኦ ብሓንቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ገይሩ ንልቢ ጸላእቲ ኣምላኽ ኣርዒዱ ኢዩ።​—⁠መሳፍንቲ 14:⁠12-19

ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሕንቅሕንቅሊቶይ ወይ ምስጢራት ብቐጥታ ምስ ዕላማ የሆዋ እተተሓሓዘ ኢዩ። ንኣብነት ዘፍጥረት 3:⁠15 እስከ ርአ። እዚ መሰረት ናይቲ ቀንዲ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ትንቢት: ከም ሕንቅሕንቅሊቶይ ዝዓይነቱ ቅዱስ “ምስጢር” ኢዩ። (ሮሜ 16:⁠25, 26) ሃዋርያ ጳውሎስ ራእያት እኳ እንተ ረኣየ ገለ መዳያት ዕላማ ኣምላኽ ግን ከም “ዋግዋጎ” ወይ ቃል ብቓሉ ከም “ዘይንጹር መግለጺ” ኰይኑ ኢዩ ተራእይዎ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠12፣ 2 ቈረንቶስ 12:⁠1-4) ብዛዕባ እቲ ብዘይ ዝዀነ ይኹን መግለጺ ሃንደበት ኣብ ራእይ 13:⁠18 እተገልጸ ቍጽሪ ናይቲ ኣራዊት​—⁠“ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን”⁠—⁠ዝወሃብ ማእለያ ዘይብሉ ግምታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ነዚ መለኮታዊ ምስጢራት እዚ መን ኢዩ ክፈትሖ ዝኽእል: ንምንታይ ዕላማኸ ኢዩ ዘገልግል፧

ነቲ ቅዱስ ምስጢራት ምፍታሕ

ንመብዛሕትና ካብቶም ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ኣዚና ኣኽቢርና እንምልከቶ ምርኣይ ኢዩ። ብዘይ ብርሃን ግን እቲ ደቅሰብ ዘለዎም ናይ ምርኣይ ክእለት ዋጋ ዘይብሉ ምዀነ: ብኻልእ ኣዘራርባ ዳርጋ ዕዉራት ምዀንና ነይርና። ኣእምሮ ወድሰብ እውን ከምኡ ኢዩ። ኣእምሮ ወድሰብ ተመክሮታት ናይ ምትእስሳር: ካብ ጭብጥታት ኣብ መደምደምታ ናይ ምብጻሕ: በዚ ተሓጊዙ ኸኣ ግድላት ናይ ምፍታሕ ዘደንቕ ክእለት ኣለዎ። ቅዱስ ምስጢራት ንምፍታሕ ግን ካብዚ ንላዕሊ ኢዩ ዘድሊ። ካልኦት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምስጢራት ወይ ሕንቅሕንቅሊቶይ መፍትሒ ክህቡ ዝኽእሉ እኳ እንተዀኑ: እቲ ኣምላኽ ብርሃን ተባሂሉ ዘሎ ደራሲኡ የሆዋ ጥራይ ኢዩ እቲ ልክዕ ትርጕሙ እንታይ ማለት ምዃኑ ክገልጽ ዝኽእል።​—⁠1 ዮሃንስ 1:⁠5

እቲ ዘሕዝን ግን ሰባት ካብ የሆዋ መልሲ ክወሃቦም ኣብ ክንዲ ዝጽበዩ ብትዕቢት ተነፊሖም ባዕሎም ኢዮም ዝፍትኑ። እቲ ምስጢራት መሲጥዎም ነቲ መፍትሒ ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ ክረኽቡ ሃለው ዝብሉ እውን ኣለዉ። ሃለው ዝብልሉ ምኽንያት ግን ፈላጣት ናይ ምዃን ድሌቶም ንምርዋይ ድኣ እምበር ንሓቂ ደልዮም ኣይኰኑን። ንኣብነት: ከምቲ ኣብ ካባላ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ኣይሁድ መናፍስትነት: እቲ ናይ እብራይስጢ ቍጽርታትን ፊደላትን ናይ ጥንቈላ ትርጕም ከም ዘለዎ ኢዩ ዝሕሰብ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቶም ኣብ ካልኣይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ኖስቲክ ምስጢራዊ ዝዀነ መግለጺታት ንምርካብ ንናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ይጥቀሙ ነይሮም ኢዮም።

እንተዀነ ግን: ዅሉ እቲ ዝገበርዎ ምምርማር ካብ መለኮታዊ ሓቂ ኣርሒቑ ናብ ኣረሜናዊ ልምድታት ወይ ሓተታ መናፍስቲ መርሖም። እቶም ኖስቲክ ‘ዓለም ብእከይ እተመልአት እንተድኣ ዀይና: ናይዚ ዅሉ ፈጣሪ ማለት ያህወህ ጥዑይ ኣምላኽ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ’ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጽሑ። እዝስ ከቕርብዎ ዝነበሮም ዝበለጸ መደምደምታዶ ኢዩ ነይሩ፧ ኣየ ከመይ ዝበለ ዕምቈት ዘይብሉ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኰን ኢዩ! እምበኣር: ነቲ ብናይ ኖስቲክ ኣንቆራ ድሕሪ ግዜ ዝማዕበለ ናይ ክሕደት ሓሳባት ዝቃወም ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽትታቱ “ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ” ብምባል ተሪር መጠንቀቕታ እንተሃበ ዘገርም ኣይኰነን!​—⁠1 ቈረንቶስ 4:⁠6

ነቲ “ዘይብሩህ ኣበሃህላታት” ምግላጽ

እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ብርሃን ስለምንታይ ኢዩ “ዘይብሩህ ኣበሃህላታት” ዝጥቀም፧ ምስጢራዊ ሓሳብ ወይ ሕንቅሕንቅሊቶይ ብመሰረቱ ንናይ ሓደ ሰብ ናይ ምሕሳብን ኣብ መደምደምታ ናይ ምብጻሕን ክእለት ዝብድህ ኢዩ። ስለዚ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ምዑዝ መግቢ ዝግበር ስልማት: ኣብ ብምሉኡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንተገዳስነት ናይ ኣንበብቲ ንምልዕዓል ወይ ነቲ መልእኽቲ ዝያዳ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ንምትሕልላፍ ተባሂሉ ሓሓሊፉ ምስጢራዊ ኣገላልጻ ተገይርሉ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ ደድሕሪኡ መግለጺታት ይወሃቦ ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 17:⁠1-18፣ ማቴዎስ 18:⁠23-35

የሆዋ ጥበብ ብልግሲ ዝህብ እኳ እንተዀነ ስቕ ኢሉ ብዘይ ኣፈላላይ ኣይኰነን ዝዕድሎ። (ያእቆብ 1:⁠5-8) ብዛዕባ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ብዙሕ እተሓላለኸ ምስላታት ዘለዎ ከምኡውን ገለ ሰባት ከም ሕንቅሕንቅሊቶይ ገይሮም ዝርእይዎ መጽሓፍ ምሳሌ እሞ ሕስብ ኣብል። ነቲ ምስላታት ንምርዳእ ግዜን ምስትንታንን ይሓትት ኢዩ። ጻዕሪ ዝገብሩ ግን ክንደይ ሰባት ኢዮም፧ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ነቶም ክፈልጡ ደልዮም ሃለው ዝብሉ ጥራይ ኢዩ ዝርከበሎም።​—⁠ምሳሌ 2:⁠1-5

የሱስ እውን ብተመሳሳሊ ልቢ ሰማዕቱ ከመይ ምዃኑ ንኸርኢ ምስላታት ተጠቒሙ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ከቢቦም ነቲ ዝነግሮም ታሪኽ ክሰምዑን ዝገብሮ ተኣምራት ክርእዩን ባህ ይብሎም ነበረ። እንተዀነ ግን: ኣነባብርኦም ቀይሮም ክስዕብዎ ዝደለዩ ክንደይ ኢዮም ነይሮም፧ ነዚኣቶም ምስቶም ናይ የሱስ ትምህርትታት ክርድኡ ዝጽዕሩ: ሰዓብቱ ምእንቲ ክዀኑ ኢሎም ከኣ ገዛእ ርእሶም ዝኸሓዱ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከነወዳድሮም ከሎናስ ኣየ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘለዎም!​—⁠ማቴዎስ 13:⁠10-23, 34, 35፣ 16:⁠24፣ ዮሃንስ 16:⁠25, 29

ነቲ ብርሃን ምጥማት

ሓደ ምንጪ ከም ዝሕብሮ “ኣብ ሕንቅሕንቅሊቶይ ተገዳስነት ምሕዳር ምስቲ ኣእምሮኣዊ ንቕሓት ዝርከበሉ እዋን እተተሓሓዘ ይመስል።” ሎሚ: ኣብቲ ንህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳዊ “ብርሃን” ዝበርሃሉ ዘሎ ግዜ ንነብር ብምህላውና ዓቢ መሰል ረኺብና ኢና። (መዝሙር 97:⁠11፣ ዳንኤል 12:⁠4, 9) የሆዋ ብመሰረት እቲ ናይ ግዜ ሰሌዳኡ ንዕላማታቱ ክሳዕ ዝገልጸልና ብትዕግስቲ ክንጽበዶ ንኽእል ኢና፧ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብኸመይ ተሰማሚዕና ክንከይድ ከም ዘሎና ምስ ተገንዘብና: ኣነባብራና ንምቕያር ብቕልጡፍ ስጕምቲ ንወስድ ዲና፧ (መዝሙር 1:⁠1-3፣ ያእቆብ 1:⁠22-25) ከምዚ እንተድኣ ገይርና የሆዋ ንጻዕርና ክባርኾ ኢዩ። ስለዚ ልክዕ ከምቲ መነጽር ነቲ ጽልግልግ ዝብለካ ዝነበረ ንጹር ከም ዝኸውን ዝገብር: መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንመንፈሳዊ ኣረኣእያና ብምስሓል ነቲ ብሉጽ ዕላማታት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከም እነስተውዕሎ ክገብር ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 2:⁠7, 9, 10

ብርግጽ እምበኣር: እቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምስጢራት: የሆዋ “ምስጢራት ዚገልጽ” ኣምላኽ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ። (ዳንኤል 2:⁠28, 29) ብተወሳኺ: ንኣልባብ እውን ይምርምር ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 28:⁠9) እቲ ምግላጽ መለኮታዊ ብርሃን ሓቂ ኵሉ ሳዕ እናወሰኸ ዝኸይድ ምዃኑ ምፍላጥና እምበኣር ክገርመና የብሉን። (ምሳሌ 4:⁠18፣ ሮሜ 16:⁠25, 26) ነቲ ዓሚቝ ፍልጠት ኣምላኽ ንምርካብ በቲ ናብ ከንቱነት ዝመርሕ መናፍስትነት ወይ ዕምቈት ዘይብሉ ሰብኣዊ ጥበብ ገይርና ኣብ ክንዲ እነናዲ: የሆዋ ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ እቲ ድንቂ ዝዀነ ዕላማታቱ ከም ዝፍለጥ ብምግባር ነቲ “ዘይብሩህ ኣበሃህላታት” ከም ዝገልጸሎም ርግጸኛታት ኴንና ንጸበ።​—⁠ኣሞጽ 3:⁠7፣ ማቴዎስ 24:⁠25-27

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Biblia Hebraica Stuttgartensia, Deutsche Bibelgesellschaft Stuttgart

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ