ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/9 ገጽ 2-4
  • ብዛዕባ ካልኦት ብሓቂ ዝግደስ ኣሎዶ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ካልኦት ብሓቂ ዝግደስ ኣሎዶ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብኻልኦት ዝግደስ ዝድለየሉ ዘሎ እዋን
  • ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ብዛዕባይ ብሓቂ ዚግደስ ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ በዴል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብዛዕባ ካልኦት ብሓቂ ዝግደስ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/9 ገጽ 2-4

ብዛዕባ ካልኦት ብሓቂ ዝግደስ ኣሎዶ ኢዩ፧

“ንብዓት እቶም ግፉዓት” ከም ውሕጅ ኰነ። እዚ ንብዓት እዚ: ግዳያት ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጸም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ “ግፍዒ” ዝዀኑ ሰባት ዝነብዕዎ ኢዩ። እቶም ዝግፍዑ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ “ኣጆኹም” ዝብሎም​—⁠ብዛዕብኦም ብሓቂ ዝግደስ ሰብ​—⁠ዘሎ ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ።​—⁠መክብብ 4:⁠1

ከምዚ ዝኣመሰለ ዋሕዚ ንብዓት እኳ እንተሎ ገሊኦም ብዛዕባ ናይ ብጾቶም ስቓይ ዋላ ሓንቲ ኣይስምዖምን ኢዩ። ልክዕ ከምቶም ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ እተቐጥቀጠ: እተዘርፈ: ዳርጋ ምዉት ኰይኑ ኸኣ ኣብ ደረት መገዲ እተደርበየ ሰብኣይ ዝሃቦ መብርሂ ዘለዉ ካህንን ሌዋውን ብምዃን ንስቓይ ካልኦት ግዲ ኣይገብርሉን ኢዮም። (ሉቃስ 10:⁠30-32) ንሳቶምን ስድራቤቶምን እንተ ዘይተሸጊሮም ብዛዕባ ካልኦት ቅጭጭ ኣይብሎምን ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ “ባዕ​ሎም ይፈልጡ: እንታይ ገዲሱኒ” ይብሉ ማለት ኢዮም።

በዚ ክንግረም የብልናን። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ብዙሓት ሰባት “ባህርያዊ ፍቕሪ ዘይብሎም” (NW ) ከም ዝዀኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1, 3) ሓደ ተዓዛቢ ብዛዕባ እዚ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ንኻልኦት ዘይምግዳስ ዘንጸባርቕ ኣረኣእያ ኣመልኪቱ ከምዚ ብምባል ጓሂኡ ገለጸ:- “እቲ ብዛዕባ ካልኦት ምግዳስን ንኻልኦት ምክፋልን ዝብል ናይ ጥንቲ ፍልስፍና ኣየርላንድ: በቲ ንገዛእ ርእስኻ ዝጥዕመካ ጥራይ ምግባርን ምርካብን ዝብል ሓድሽ ሓሳብ ይቕየር ኣሎ።” ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ካልኦት ዳርጋ ፈጺሞም ብዘይምግዳስ ንገዛእ ርእሶም ዝጥዕሞምን ጥቕሚ ዝረኽብሉን ጥራይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ።

ብኻልኦት ዝግደስ ዝድለየሉ ዘሎ እዋን

ብርግጽ ሎሚ ብኻልኦት ዝግደስ ዝድለየሉ እዋን ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ “ኣብ ግዜ በዓል ልደት ምስ ሞተ: ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቅድሚ ተሌቪዥኑ ኮፍ ኢሉ ኸሎ ነቒጹ እተረኽበ” ኣብ ጀርመን ዝነበረ ብጽምዋ እተበልዐ ሰብኣይ እሞ ሕሰብ። እዚ “ምስ ሰበይቱ እተፋትሐ: ብጽምዋ እተበልዐ ስንኩል:” በቲ ኣብ ህይወት ዘጋጠሞ ሕማቕ ተመክሮታት ከኣ እተማረረ: እቲ ኣብ ባንክ ዝነበረ ክራይ ገዛ ዝኸፍለሉ ገንዘብ ክሳዕ ዝውዳእ ኣበይ ከም ዘሎ ዝዘከሮ ሰብ እውን ኣይነበረን። ብዛዕብኡ ብሓቂ ዝግደስ ሰብ ኣይነበረን።

ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢድ ሓያላትን ስሱዓትን ገዛእቲ ዝወደቑ ረዳኢ ዘይብሎም ግዳያት እውን ሕሰብ። ኣብ ሓደ ቦታ 200,000 ዝዀኑ ሰባት (ርብዒ ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ) መሬቶም ብግፍዒ ምስ ተሓድጉ “ብጸቕጥን ጥሜትን ሞቱ።” ወይ ብዛዕባ እቶም ንኽትኣምኖ ዘጸግም ባርባራዊ ግፍዒ ንኽርእዩ እተቓልዑ ቈልዑ እውን ሕሰብ። ሓደ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ቍጽሪ ናይቶም ሓድሓደ ግዜ ብኻልኦት በጽሕታት ዝፍጸም እተፈላለየ ግፍዒ ማለት ቅትለት: ማህረምቲ: ጾታዊ ምዕማጽ ዝረኣዩ [ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘለዉ] ቈልዑ ዘደንጹ ኢዩ።” ሓደ ግዳይ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍትሒ ዝጐደሎ ኵነታት ዝዀነ ሰብ ስለምንታይ “ብዛዕባይ ብሓቂ ዝግደስ ኣሎዶ፧” ኢሉ ከም ዝሓትት ክርዳኣካ ይኽእል ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘለዉ 1.3 ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ንድራር ዕለቶም እትኸውን ሓንቲ ዶላር እኳ ዘይትመልእ ጥራይ ኢያ ዘላቶም። ብዛዕብኦም ዝግደስ ሰብ ምህላዉን ዘይምህላዉን ክሓስቡ ግድን ኢዩ። ኵነታት ናይቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት እውን ከምኡ ኢዩ። ብዛዕብኦም ዘ ኣይሪሽ ታይምስ ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ ዝዓነወ መዓስከራት ወይ ምቕባል ኣጋይሽ ኣብ ዘይፈልጥ ሃገር ክጸንሑ ተገዲዶም ኢዮም ወይ ከኣ ኣብታ ብዂናት ወይ ብቀቢላዊ ምክፍፋል ዝዓነወት [ወይ እተጐጃጀለት] ዓዶም ክምለሱ ፈቲኖም ኢዮም።” ቀጺሉ ነዚ ዝስዕብ ስምዒት ዝትንክፍ ጸብጻብ ይህብ:- “ዓይንኻ ዓሚትካ ክሳብ ሰለስተ ምስ እትቘጽር ሓደ ቈልዓ ይመውት። እዚ ማለት ከኣ ሓደ ካብቶም ብሰንኪ ዓጸቦ ወይ ክትከላኸሎ ዝከኣል ሕማም ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ዝሞቱ 35,000 ሕጻናት ኢዩ።” ስለዚ ብዙሓት ሰባት ብጭንቀትን ምረትን እንተ በኸዩ ዘገርም ኣይኰነን!​—⁠ምስ እዮብ 7:⁠11 ኣረኣእዮ።

እዚ ዅሉ ከምዚ ክኸውን ነይርዎዶ ኢዩ፧ ዝግደስ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ስቓይ ደው ከብል: ንዅሉ እቲ ንሰባት ዘጋጠሞም ጓሂ ኸኣ ከዐሪ ዝኽእል ኣሎዶ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Cover and page 32: Reuters/Nikola Solic/Archive Photos

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

A. Boulat/Sipa Press

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ