ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • dg ክፋል 1 ገጽ 2-3
  • ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ሕቶ 3፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺበጽሓኒ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ካብ ስቓይ ናጻ ዝዀነት ምድሪ
    ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
dg ክፋል 1 ገጽ 2-3

ክፍሊ 1

ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧

1, 2. ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ኢሎም ይሓቱ: ስለምንታይከ፧

ገለ ግዜ ኣብ ህይወትካ ‘ብዛዕባና ብሓቂ ዝግደስ ኣምላኽ እንተድኣ ኣልዩስ ስለምንታይ ደኣ ክንድዚ ዝኣክል ስቓይ ክህሉ ዘፍቅድ፧’ ብምባል ሓቲትካ ትኸውን ኢኻ። ኵልና ስቓይ ኣሕሊፍና ኢና ወይ ድማ ስቓይ ዘሕለፉ ንፈልጥ ኢና።

2 ብሓቂ ኣብ ኵሉ ዛንታ ወዲ ሰብ: ብዙሓት ሰባት ውግእ ዘምጽኦ ቓንዛን ሕማም ልብን ጭካነን ዓመጻን ምቕናን ፍትሕን ድኽነትን ሕማምን ከምኡውን ብሞት ናይ ዘፍቅርዎም ተሳቕዮም ኢዮም። ኣብዚ መበል 20 ዘበንና ጥራይ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ብውግእ ተቐቲሎም ኢዮም። ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ዝሰንከሉ ወይ ቤቶምን ንብረቶምን ዝሰኣኑ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜናውን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ነገራት ይፍጸም ስለ ዘሎ: ቝጽሪ ዘይብሎም ሰባት ዓቢ ሓዘንን ንብዓትን ተስፋ ምቝራጽን የጋጥሞም ኣሎ።

3, 4. ኣምላኽ ንእከይ ብምፍቃዱ ብዙሓት ከመይ ይስምዖም፧

3 ገለ ሰባት ኣብ ምምራር ስለ ዝበጽሑ: ኣምላኽ እንተድኣ ኣልዩ ዀይኑ ብዛዕባና ብሓቂ ኣይግደስን ኢዩ ይብሉ። ወይ ከኣ ኣምላኽ ዝብሃል የለን ኢሎምውን ይሓስቡ። ንኣብነት: ሓደ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብምኽንያት ዓሌታዊ መስጐጕቲ ኣዕሩኹን ቤተሰቡን ብሞት ዝሰኣነ ሰብኣይ “እቲ ክንደልዮ ኸሎና: ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧” እናበለ ሓተተ። ሓደ ካልእ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብቲ ብናዚ እተፈጸመ ናይ ሚልዮናት ህልቂት ዘምለጠ ሰብ: በቲ ዝረኣዮ ስቓይ ብምስቁርቋር “ልበይ እንተ ትልሕስዎስ ምመረዘኩም ነይሩ” ይብል።

4 በዚ ኸኣ ኢዩ: ብዙሓት ሰባት ሓደ ሕያዋይ ኣምላኽ ስለምንታይ ክፉእ ነገራት ክፍጸም ከም ዘፍቀደ ክርድኦም ዘይከኣለ። ካብዚ ተበጊሶም ድማ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስ ምዃኑን ብዛዕባ ህላዌኡን ይሓቱ። መብዛሕትኦም ድማ ስቓይ ክፍሊ ናይ ወዲ ሰብ ኰይኑ ንዘለኣለም ዝቕጽል ኢዩ ዝመስሎም።

[ኣብ ገጽ 2, 3 ዘሎ ስእሊ]

ስቓይ ዘይብላ ሓዳስ ዓለም ቀሪባ ድያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ