ብዛዕባ ካልኦት ብሓቂ ዝግደስ ኣሎ
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብሓቂ ዝግደሱ ምዃኖም የርእዩ ኢዮም። ናይ ካልኦት ሽግር እንታይ ገዲሱኒ ዝብል ስሱዕ ኣረኣእያ ዘይብሎም: ንናይ ካልኦት ስቓይ ሸለል ዘይብሉ ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ ህይወቶም እውን ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንኻልኦት ካብ ስቓይ ንምንጋፍ ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ። እዚ በቶም ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ዝዀኑ ሓያላት እተሓላለኸ ዓቢ ዕዮ ኢዩ።
ከም ስስዐ: ፖለቲካዊ ውዲታት: ኲናት: ከምኡውን ባህርያዊ ዕንወታት ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ነቲ “ጥሜት ንምጥፋእ ዝግበር ኣዝዩ ምዕቡልን ቘራጽነት እተሓወሶን ጻዕርታት” ይዓናቕፎ ምዃኑ ሓደ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ ገለጸ። ጥሜት ምጥፋእ ሓደ ካብቲ ነቶም ዝግደሱ ሰባት ዘጋጥሞም ግድላት ኢዩ። ንኸም ሕማም: ድኽነት: ዘይፍትሓውነት: ከምኡውን ብዂናት ዝመጽእ ከቢድ ስቓይ ዝኣመሰለ ነገራት ክቃለስዎ ኣለዎም። እንተዀነ ግን ይዕወቱዶ ኣለዉ ኢዮም፧
እቶም ጥሜትን ስቓይን ንምጥፋእ “ኣዝዩ ምዕቡልን ቘራጽነት እተሓወሶን ጻዕርታት” ዝገብሩ ሰባት ከምቲ ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ መብርሂ ዘሎ ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃኖም ቀንዲ ፈጻሚ ስራሕ ናይ ሓደ ናይ ረድኤት ትካል ይዛረብ። (ሉቃስ 10:29-37) ዝገበሩ ይግበሩ ብዘየገድስ: እቲ ቝጽሪ ግዳያት ይውስኽ ምህላዉ ተዛረበ። ስለዚ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ይሓትት:- “እቲ ሳምራዊ ሰብኣይ በቲ መገዲ እቲ ኵሉ ግዜ ንብዙሕ ዓመታት ዝሓልፍ ምስ ዝኸውን እሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ግዳይ ናይ ሰረቕቲ ዝዀነ ሰብ ኣብ ወሰን እቲ መገዲ ምስ ዝረክብ እንታይ ኢዩ ክገብር ዝኽእል፧”
ኣብቲ ‘ዘይተርፍ ምስልካይ መጽዋቲ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ግድል ብምውዳቕ ብቐሊሉ ተስፋ ክቘርጽ ይኽእል ኢዩ። እቶም ብሓቂ ዝግደሱ ግን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ተስፋ ዘይቈርጹ ምዃኖም ዘንእዶም ኢዩ። (ገላትያ 6:9, 10) ንኣብነት ሓደ ሰብኣይ ናብቲ ናይ ብሪጣንያ ጅዊሽ ተሌግራፍ ዝበሃል ኣብ ዝሰደዶ ጽሑፍ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግዜ ናዚ ጀርመን “ንኣሽሓት ኣይሁዳውያን ካብቲ ናይ ኦሽዊትዝ ስቓይ ንኽድሕኑ ብምሕጋዞም” ንኢድዎም ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ከምዚ በለ:- “መግቢ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን: ነቲ ዝነበሮም መግቢ ምስቶም [ኣይሁድ] ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተኻፈልዎ!” እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዝነበሮም ዓቕሚ ዝከኣሎም ኵሉ ምግባር ቀጺሎም ኢዮም።
ይኹን እምበር: ንኻልኦት መግቢ ዝሃብካ እንተ ሃብካ እውን ንሰብኣዊ ሽግር ምሉእ ብምሉእ ከም ዝውዳእ ክገብሮ ኣይክእልን ኢዩ። ከምዚ ክንብል ከሎና ነቲ ደንገጽቲ ሰባት ዝገብርዎ ሓገዝ ነናእሶ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ንስቓይ ብዝግባእ ከቃልል ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ዝውሰድ ስጕምቲ ዋጋ ኣለዎ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሽግር ናይቶም ምስኦም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ኣቃሊሎምሎም ኢዮም: ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ናዚ ጠፍአ። ይኹን እምበር: እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ዝገብር ናይ ዓለም ኣገባብ ገና ይቕጽል ኣሎ: ብዛዕባ ካልኦት ቅጭጭ ዘይብሎም ሰባት ከኣ መሊኦም ኣለዉ። ብርግጽ “ንመሳኪን ካብ ምድሪ: ንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺውሕጦምሲ: ሰይፊ ዝስኑ: ካራታት ዝዅርምቱ ወለዶ አሎ።” (ምሳሌ 30:14) ከምዚ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ ኢልካ ከም እትግረም ርግጽ ኢዩ።
ድኽነትን ጸቕጥን ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
ሓደ ግዜ የሱስ ክርስቶስ “ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉ: ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ: ይከአለኩም እዩ” በለ። (ማርቆስ 14:7) ከምዚ ክብል ከሎ ድኽነትን ጭቆናን ፈጺሙ ኣየቋርጽን ኢዩ ማለቱ ድዩ፧ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ዝብልዎ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ እቶም ደንገጽቲ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝግደሱ ንኸርእዩ ኣምላኽ ኣጋጣሚ ንኽህቦም ዝገበሮ ኢዩ ዝብል እምነት ነይርዎዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን! የሱስ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ኣይነበሮን። እዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘሎ ድኽነት ክፍሊ ናብራ ሰብ ከም ዝኸውን ኢዩ ተዛሪቡ። ይኹን እምበር: የሱስ ኣብ ምድሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ክህሉ ናይ ኣቦኡ ናይ መጀመርታ ዕላማ ከም ዘይነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።
የሆዋ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ክትከውን ድኣ እምበር ብድኽነትን ዘይፍትሓውነትን ጸቕጥን ክትመልእ ኣይኰነን ፈጢርዋ። ኣብ ህይወት ሓጐስ ዝውስኽ እተፈላለየ ድንቂ ዝዀነ ምድላዋት ብምግባሩ ንደቅሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓልየሎም ኣርእዩ ኢዩ። እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ዝነበርዋ ገነት እትጽውዓሉ ስም እሞ ሕሰቦ! ኤደን ኢያ ትበሃል ነይራ። ትርጕሙ ድማ “ሓጐስ” ማለት ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:8, 9) ንሰባት ኣብ ሓደ ንምንባር ጥራይ ዘድሊ ነገራት ዝረኽብሉ ባህ ዘየብል ኣጸጋሚ ዝዀነ ኣከባቢ ኣይገደፎምን። ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ፍጥረት ስርሑ: ንዅሉ እቲ ዝገበሮ ረኣዮ እሞ “ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ብምባል ገለጾ።—ዘፍጥረት 1:31
እሞ ድኽነትን ጭቆናን ካልእ ስቓይን ኣብ መላእ ምድሪ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ዝመጸ እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኣንጻር ኣምላኽ ክዓልዉ ስለ ዝመረጹ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:1-5) እዚ ኸኣ ኣምላኽ ነቶም ዝፈጠሮም ክእዘዝዎ ክሓቶም ይግባእ ድዩ ኣይግባእን ዝብል ሕቶ ኣልዓለ። ስለዚ ድማ ኣምላኽ ንዘርኢ ኣዳም ባዕሎም ዝመሓደርሉ እተወሰነ ግዜ ፈቐደሎም። ገና ግን ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ነገራት ይግደስ ኢዩ። ኣንጻሩ ብምዕላዎም ንዝመጽእ ኵሉ ሕማቕ ነገራት ንምዕራይ ምድላው ገበረ። ድሕሪ ቀረባ እዋን ከኣ ንድኽነትን ጭቆናን ኵሉ ስቓይን መወዳእታ ክገብረሉ ኢዩ።—ኤፌሶን 1:8-10
ካብቲ ሰብ ከምጽኦ ዝኽእል መፍትሒ ንላዕሊ ዝዀነ ግድል
ካብቲ ሰብ እተፈጥረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ ክፍለ-ዘበናት ደቅሰብ ካብ ስርዓታት ኣምላኽ ኣጸቢቖም ርሒቖም ኢዮም። (ዘዳግም 32:4, 5) ንሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ብቐጻሊ ብምንጻጎም: ንሓድሕዶም ተቓተሉ ከምኡውን ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ሰልጠነ።’ (መክብብ 8:9) ሓደ ናይ ሓቂ ፍትሒ ዘለዎን ካብቲ ንብዙሓት ሰባት ዘሳቕዮም ዘሎ መዓት ናጻ ዝዀነን ሕብረተሰብ ንምምጻእ እተገብረ ኵሉ ጻዕሪ በቶም ንሉዓላውነት ኣምላኽ ብምግዛእ ዘይኰነስ ብናይ ገዛእ ርእሶም ስሱዕ መገድታት ዝኸዱ ሰባት ተዓናቒፉ ኢዩ።
ከም ሓደ ትርጕም ዘይብሉ ሓተታ መናፍስቲ ኢዩ ተባሂሉ ሸለል ዝበሃል ካልእ ግድል እውን ኣሎ። እቲ ንሰባት ኣብ መጀመርታ ኣንጻር ኣምላኽ ከም ዝዓልዉ ገይሩ ዝሓባበሎም ገና ንሰባት ናብ ክፍኣትን ስስዐን ይደፋፍኦም ኣሎ። እዚ ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ: የሱስ ክርስቶስ ከኣ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዮሃንስ 12:31፣ 14:30፣ 2 ቈረንቶስ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ኣብቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተዋህበ ራእይ: ሰይጣን ቀንዲ ምንጪ ናይ ወዮ—‘ንብዘላ ዓለም ብምስሓት’ ቀንዲ ተሓታቲ—ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 12:9-12
ገለ ሰባት ብዛዕባ ብጾቶም ክሳዕ ክንደይ ይሓልዩ ምዃኖም ብዘየገድስ ንሰይጣን ድያብሎስ ከልግስዎ ወይ ነዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግዳያት ከም ዝበዝሑ ዝገብር ዘሎ ኣገባብ እዚ ክቕይርዎ ፈጺሞም ኣይክእሉን ኢዮም። እሞ ሽግር ደቅሰብ ንምፍታሕ ድኣ እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧ እቲ መፍትሒ ስቕ ኢልካ ዝግደስ ሰብ ብምድላይ ኣይኰነን ዝመጽእ። ንሰይጣንን ንብምልኡ ዘይፍትሓዊ ኣገባቡን ንምጥፋእ ድሌትን ሓይልን ዘለዎ አካል ኢዩ ዘድሊ።
“ፍቓድካ . . . ኣብ ምድሪ ይኹን”
ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ንኸጥፍኦ ተመባጺዑ ኣሎ። ከምዚ ንኽገብር ድሌትን ሓይልን ኣለዎ። (መዝሙር 147:5, 6፣ ኢሳይያስ 40:25-31) ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት ዳንኤል ከምዚ ብምባል ኣቐዲሙ ተነጊሩ ኣሎ:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተፍጥኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:44) የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ብጸሎት ክልምኑ ክምህሮም ከሎ ብዛዕባ እዛ ነባሪትን ሰናይ ነገራት እተምጽእን ሰማያዊት መንግስቲ ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ።—ማቴዎስ 6:9, 10
የሆዋ ብዛዕባ ደቅሰብ ብሓቂ ስለ ዝግደስ ነዚ ጸሎት እዚ መልሲ ከም ዝረክብ ክገብር ኢዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ መዝሙር መበል 72 ዘሎ ትንቢታዊ ቃላት: ኣምላኽ ነቶም ግዝኣት የሱስ ዝቕበሉ ድኻታትን ጭቁናትን ጽቑጣትን ነባሪ ዝዀነ ዕረፍቲ ንኸምጽኣሎም ንወዱ የሱስ ክርስቶስ መዚዝዎ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ እቲ ብመንፈስ እተደረኸ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ዘሚሩ ኣሎ:- “[እቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣምላኽ] ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም: ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ: ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ። ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።”—መዝሙር 72:4, 12-14
ኣብቲ ብዛዕባ ግዜና እተዋህቦ ራእይ: ሃዋርያ ዮሃንስ ብኣምላኽ ዝመጽእ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ዝዀነ ኣገባብ ማለት “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” ርኣየ። ነዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቅሰብ ኣየ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ! ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ክገብሮ ዘለዎ ነገራት ኣቐዲሙ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፤ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ: ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ: በለኒ።”—ራእይ 21:1-5
እወ: እዚ ቓላት እዚ ዝፍጸምን ሓቅን ብምዃኑ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንምድሪ ካብ ድኽነትን ጥሜትን ጭቆናን ሕማምን ኵሉ ዘይፍትሓውነትን ንኸጽርያ ቀልጢፉ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። እዚ መጽሔት እዚ ብዙሕ ግዜ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ: ኣብቲ እዚ መብጽዓታት እዚ ዝፍጸመሉ እዋን ንነብር ከም ዘሎና ዘረጋግጽ ብዙሕ መርትዖ ኣሎ። እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ቀሪባ ኢያ! (2 ጴጥሮስ 3:13) ኣብ ቀረባ ግዜ የሆዋ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ . . . ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8
እዚ ክሳዕ ዝፍጸም ሕጂ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ካልኦት ብሓቂ ዝግደሱ ሰባት ምህላዎም ዘሐጕስ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ ብሓቂ ይግደስ ምዃኑ ምፍላጥ እውን ዝያዳ ዘሐጕስ ኢዩ። ድሕሪ ቀረባ ግዜ ንዅሉ ጸቕጥን ስቓይን ከልግሶ ኢዩ።
ኣብ መብጽዓታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክትውከል ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ እያሱ ከምዚ ገይሩ ኢዩ። ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ በሎም:- “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።” (እያሱ 23:14) ስለዚ እምበኣር: እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ክቕጽል ከሎ በቲ ክትጋጠሞ ዘሎካ ፈተናታት ኣይትተዓብለል። የሆዋ ብሓቂ ስለ ዝግደሰልካ ኵሉ ጭንቀትካ ናብኡ ደርብዮ።—1 ጴጥሮስ 5:7
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ምድሪ ካብ ድኽነት: ጭቆና: ሕማም: ከምኡውን ዘይፍትሓውነት ናጻ ክትከውን ኢያ