ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/6 ገጽ 4-7
  • ግብረ-ጸይቂ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግብረ-ጸይቂ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገለ ካብቲ ዓሚቝ ጠንቅታት ግብረ-ጸይቂ
  • ንመንእሰያት ዝኸውን ጥዑይ መምርሒ
  • ካብ ተቓውሞ ዝበልጽ ነገር
  • ካብ ግብረ-ጸይቂ ናጻ ዝዀነት ሓዳስ ዓለም ክትህሉ ኢያ
  • ግብረ-ጸይቂ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ግዳያት ጽልኢ ፈቐዶኡ ኣለዉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ዕላማ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ክፍጸም ኢዩ
    ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/6 ገጽ 4-7

ግብረ-ጸይቂ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ

ጀይን ኖርማን ከምኡውን ማይረን ዳብሊው. ሃሪስ እተባህሉ ደረስቲ “እቲ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝፍጸም ግብረ-ጸይቂ: ኵሉ ግዜ ንዓበይትን ንስርዓታቶምን ክብሪ ዘይምሃብን ጽልኢ ምሕዳርን ዘንጸባርቕ ገይርካ ኢዩ ዝሕሰብ” ኢሎም ይገልጹ። ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ኵነታት ንምልዋጥ ዋላ ሓንቲ ክግበር ኣይከኣልን ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ እኳ እንተዀኑ: ብመሰረት እቶም ደረስቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ግን “ካብ 3 መንእሰያት እቲ ሓደ ወለዲ ኣብ ደቆም ዝያዳ ቈላሕታ እንተ ዝገብሩ: እቶም ኰተቴ ድማ እንተ ዘይስልችዎም ናይ ዕድመ ኰተቴ ግብረ-ጸይቂ ክግታእ ምተኻእለ ነይሩ ኢሎም ይሓስቡ።” መንእሰያት ትሑዛት ከም ዝዀኑን ዝሓሸ ናይ ወለዲ ቍጽጽር ከም ዝረኽቡን ምግባር ግብረ-​ጸይቂ ንኽንኪ ዝሕግዝ እኳ እንተዀነ: እዚ ንበይኑ ግን ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ጕዳይ ክልውጦ ይኽእልዶ ኢዩ፧

ብዙሓት መንእሰያት ንበይኖም ክዀኑ ከለዉ ኣሸገርቲ ኣይኰኑን: ዝሓብርዎም ወይ ብጾት ክረኽቡ ከለዉ ግን ዕሽነት ዝመልኦን ጽዩፍን ተግባራት ብምግባር ቈላሕታ ክረኽቡ ይደልዩ ይዀኑ። ኵነታት ናይቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓሽሽ ወይ ኣልኮል ክኸውን ከሎ ሕርቃኑን ዘይምሕጓሱን ብግብረ-ጸይቂ ዝገልጽ ዝነበረ ኔልሰን ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ጆዘ በቲ ኣብ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ምሽንሻን መሬትን ናይ ሰራሕተኛታት መሰልን ዝወሃብ ዝነበረ ስብከት ተለዓዒሉ ኣብ ኣድማን ምስ ጕጅለ ጸየቕትን ብምሕባር ተቓውምኡ ንኸርኢ ተደረኸ። ይኹን እምበር: ክልቲኦም ኔልሰንን ጆዘን ካብ ኣድማ ወይ ግብረ-ጸይቂ ዝበልጽ ነገር ረኸቡ።

ገለ ካብቲ ዓሚቝ ጠንቅታት ግብረ-ጸይቂ

ገለ መንእሰያት ኣብ ግብረ-ጸይቂ ዝጽመዱሉ ምኽንያት እስከ ኣጸቢቕና ንመርምር። ብዙሓት መንእሰያት እተደናገሩ ኢዮም “ንዓለም [ድማ] ከም ሕንፍሽፍሽ: ብዕቡዳት ሰባት ዝመልአት ናይ ዕብዳን ቦታ ገይሮም ይገልጽዋ።” ይኹን እምበር: ሓደ ጸብጻብ ኣንጻር እቲ ገሊኦም ሰባት ዝኣምንዎ ከምዚ ይብል:- “ኰተቴታት ብዛዕባ ኣንፈት ህይወቶም ይጭነቑ ኢዮም። ብዛዕባ ህይወቶም ከኣ ካብቲ ዓበይቲ ይሓስቡ ኢዮም ዝብልዎም ንላዕሊ ይግደሱ ኢዮም።” ሓደ ኣብ ግብረ-ጸይቂ እተጸምደ መንእሰይ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ነቲ ክቱር ጭንቀቱ: መፍትሒ ዘይረኸበ ጸገሙ: ወይ ዘይተፈጸመ ድሌቱ ኢዩ ዝገልጽ። ብመሰረት እቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ መጽናዕቲ “ካብቶም ሓሳባቶም ዝሃቡ መንእሰያት: እቶም ኣብ ግብረ-​ጸይቂ እተጸምዱ እውን ከይተረፈ: ዋላ ሓደ ንግብረ-​ጸይቂ እተጣበቐ ወይ ምኽኑይ ክገብር ዝፈተነ የለን።”

ሓደ መንእሰይ ናይ ምምሳውን ምትብባዕን ቃላት ሳሕቲ ጥራይ ይሰምዕ ይኸውን። ትምህርቲ መመሊሱ ኣድላዪ እናዀነ ይኸይድ ስለ ዘሎን መብዛሕትኡ ስራሕ ድማ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ቴክኒካዊ ክእለት ስለ ዝሓትትን: እቲ መንእሰይ ወይ እታ መንእሰይ ርእሰ-ተኣማንነት ይስእኑ ይዀኑ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ወለዲ: መማህራን: ወይ መሳቱ ነቲ መንእሰይ ወይ ነታ መንእሰይ ከም ውልቀ-ሰብ መጠን ኣብ ክንዲ ዝርእይዎም: ዝያዳ ኣብቲ ንሱ ወይ ንሳ ዝበጽሕዎ ብምትኳር ወቐስትን ብዙሕ ትጽቢት ዝገብሩን ይዀኑ። ብዙሓት ዓለወኛታት ወይ ጸየቕቲ ዝዀኑ ተስፋ ስለ ዝቘርጹ ኢዩ። ናይ ወለዲ ፍቕርን ቈላሕታን ንኸምዚ ዝበለ ጭንቀት ኣጸቢቑዶ ኣይምነከዮን፧

ገለ ሰበ-ስልጣን ኣብ መንደቕ ምጽሓፍን ካልእ ዓይነት ግብረ-ጸይቅን ምቍጽጻር ዝገደፍዎ እኳ እንተመሰሉ: ግዱሳት ዜጋታት ግን መማህራንን ናይ ቤት ትምህርቲ ሰራሕተኛታትን ንግብረ-ጸይቂ ክቆጻጸሩ ትጽቢት ይገብሩሎም ኢዮም። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ሕጊ ብግቡእ ከም ዝፍጸም ምግባር ከምዚ ይብል:- “ጸየቕቲ ብሞልታ ወይ ብማእሰርቲ ኢዮም ዝቕጽዑ። ሕጊ ናይ ገሊአን መንግስታት: ወለዲ በቲ ደቆም ዝገበርዎ ግብረ-ጸይቂ ብሓላፍነት ከም ዝሕተቱ ይገብር። ዝበዝሑ ጸየቕቲ ግን ኣይቅጽዑን ኢዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጕዳያት ድማ ሕጊ ብግቡእ ከም ዝፍጸም ክትገብር ኣሸጋሪ ኢዩ: እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግብረ-ጸይቂ ዝወርድ ጕድኣት ዋግኡ ብዙሕ ስለ ዘይኰነ ሕጋዊ ስጕምቲ ክትወስድ ጠቓሚ ኣይከውንን።” ሓደ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ድማ ካብቶም ሕጊ ዝጠሓሱ እቶም 3 ሚእታዊት ጥራይ ኢዮም ዝተሓዙ።

ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ግብረ-ጸይቂ መፍትሒ ንምምጻእ: ግቡእ ኣተዓባብያ ቈልዓ እቲ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ ምስ ዝብል ሓሳብ ከም እትሰማማዕ ርዱእ ኢዩ። ናብራ ስድራቤት ክባላሾ ኸሎ ግን እቲ ማሕበረሰብ ከኣ ይሳቐ ኢዩ። እታ ኣና ሉይዝ ቪዩራ ደ ማቶስ እተባህለት ፕሮፌሰር ናይቲ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሳኦ ፓውሎ: ገለ ካብቲ ኣብ መንእሰያት ሽግር ዘምጽእ “ድኹም ናይ ወለዲ ምክትታል: መምርሒታት ዘይምህላው: ሓሳብ ንሓሳብ ዘይምልውዋጥ: ሸለልትነት: ዘይምግዳስ ወይ ስምዒት ዘይምህላው” ምዃኑ ትገልጽ።

ኣብዚ ግዜና መፈጸምታ ናይቲ “ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ . . . ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” ዝብል ቃላት የሱስ ብርግጽ ርኢናዮ ኢና። (ማቴዎስ 24:⁠12) እቲ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-4 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት: ሓቂ ምዃኑ ዝኽሕድከ መን ኣሎ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ።” ኣብ መንጎ እቶም ከምዚ ዝበለ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ምንባር ጥራይ ንርእሱ ንግብረ-ጸይቂ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ተስፋ ክንቈርጽ የብልናን። ሕብረተሰብ ብሓፈሽኡ ንግብረ-ጸይቂ ከጥፍኦ ኣይከኣለን: ይኹን እምበር: ህይወቶም ንምልዋጥ እተዓወቱ ኣደብ ዘይነበሮም ወይ ኣይግዶም ዝነበሩ ሰባት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚኣቶም ንግብረ-ጸይቂ ፈጺሞም ኢዮም ገዲፎሞ።

ንመንእሰያት ዝኸውን ጥዑይ መምርሒ

ንጸየቕትን ንኻልኦትን ባህርያቶም ንኽልውጡ ዝሓገዞም እንታይ ኢዩ፧ ንገለ መማህራንን ወለድን ዘይእመን ዝመስሎም እኳ እንተዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽን እዋናውን ዝዀነ መምርሒ ይህብ ኢዩ። ነዚ መምርሒ እዚ ብምስዓብ ድማ እቶም ቅድም ጸየቕቲ ዝነበሩ ሰባት ነቲ “ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብ” ዝብል ንጹር ዝዀነ ሕጊ ኣምላኽ ንኽእዘዙ ተደሪኾም ኢዮም። (ዘጸኣት 23:⁠2) ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሕጂ ፈጺሙ ዘይርድኦም ዝነበረ ሰረተ-​እምነታት: ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ብዝረኸብዎ ሓቂ ተማሪኾም ኢዮም: እቲ እተማህርዎ ድማ ጠቓሚኦም ኰነ። ተመክሮ ናይቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዝነብር ጆዘ እተባህለ መንእሰይ ንርአ። ኣብ ኣምልኾ ምስልታት ምጥቃም ግቡእ ኢዩ ዝብል እምነት ሒዙ ኢዩ ዓብዩ። ኣምላኽ የሆዋ ዝብል ስም ከም ዘለዎን ነቲ ብምስልታት ዝግበር ኣምልኾ ከም ዘይድግፎን ምስ ፈለጠ ድማ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ባህ ዘብል ነገራት ንኽገብር ለውጢ ገበረ።​—⁠ዘጸኣት 20:⁠4, 5፣ መዝሙር 83:⁠18፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠21፣ ራእይ 4:⁠11

ኔልሰን በቲ ሕሱም ዓመጽን ኣድማን ካብ ጸገም ናብ ጸገም እናተሳገረ ኣብ ክንዲ ዝነብር: ንመጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ዝህቦ ነገር ረኸበ እዚ ድማ ዓቢ ቅሳነት ኣምጽኣሉ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ብምኽንያት ሕማቕ ዕርክነትን ወልፊ ሓሽሽን ብስድራቤተይ ተነጺገ ኣብ ክንዲ ዝነብር: ሕጂ ኣብ ገዛ እቲ ዝያዳ ክብረት ዝረክብ ሰብ ኢየ ዀይነ ዘለኹ። ብዙሕ ግዜ ኣቦይ ነቶም ዓበይቲ ኣሕዋተይ ክምዕዶም ይሓተኒ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ካብ ዝጅምር ህይወተይ ዕላማ ዘለዎ ብምዃኑ ሓጐስ ረኺበ ኢየ።” ንሓደ ማርኩ እተባህለ ኣብ ዓመጽ ዝበዝሖ ከባቢ ምንባር ዝለመደ ወዲ ኸተማ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ክትገብራ ምዃና ምፍላጥ ሓጐስ ኣምጺኡሉ ኢዩ።​—⁠ራእይ 21:⁠3, 4

ኵነታት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣባል ናይ ሓደ ጭፍራ ዓመጽቲ: ኣብ ጽርግያታት ድማ ዝብኣስ: ጸይቂ ዝነበረ ሰብ ንርአ። ቫልተር ዘሕዝን ንእስነት ዘሕለፈ ዘኽታም ብምንባሩ: ኣምላኽ ኣብ ማእከል እዚ ብልሹውን እኩይን ኣገባብ ህዝቢ ዘለዉዎ ምዃኑ ኣስደሚምዎ ኢዩ። ንሳቶም ድንጋጽ: ሓልዮት: ከምኡውን ሕያውነት ብምርኣይ ብቕንዕና ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወቶም ክትግብሩ ዝጽዕሩ ሰባት ኢዮም። ቫልተር ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ልክዕ ከምቲ የሱስ እተማባጽዖ: ሎሚ ኣብታ ብዙሓት ኣባላት ዘለዉዋ ስድራቤት ‘ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ: ኣቦ’ ረኺበ ኢየ። ኣብ መጻኢ ኸኣ ነቲ ሰባት ብሓጐስን ሓድነትን ኣብ ትሕቲ እታ ጽድቃዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝነብሩሉ ግዜ ኣማዕድየ እጥምት ኣለኹ።”​—⁠ማርቆስ 10:⁠29, 30፣ መዝሙር 37:⁠10, 11, 29

ካብ ተቓውሞ ዝበልጽ ነገር

እዞም ቅድም ጸየቕቲ ዝነበሩ ሰባት ንብጾቶም ሓልዮትን ፍቕርን ኣብ ርእሲ ምርኣዮም: ‘እከይ ክጸልኡ’ እውን ተማሂሮም ኢዮም። (መዝሙር 97:⁠10፣ ማቴዎስ 7:⁠12) ንስኻኸ፧ ብሳዕቤን ናይቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ግብረ-ጸይቂ ትሳቐ እኳ እንተሎኻ: ቃል ኣምላኽ ምጽናዕካ ንየሆዋ ብዛዕባኻ ብሓቂ ዝግደስ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦ ገይርካ ንኽትርእዮ ክሕግዘካ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠6, 7) እቲ ዘሎካ ብሕታዊ ድኻም ወይ ድኽነት ብዘየገድስ ኣምላኽ ብመንፈስ ንኽትዓቢ ክድግፈካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ንርእሱ እውን ዘገርም ተመክሮ ኢዩ!

የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ኵሎም ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ናይ ምምሃር ኣጋጣሚ ክረኽቡ ኢዮም ዝደልዩ። ቃል ኣምላኽ ሰባት ሕጂ ጸየቕቲ ምዃን ከቋርጹ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ ዝገብር። መለኮታዊ ስርዓታት ኣብ ተግባር ንምውዓል ተወሳኺ ዕቤት ክገብሩ ክድርኾም ይኽእል ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣባላት ናይ ሓንቲ ኣህጉራዊ ሕውነት ዘለዋ ማሕበር ይዀኑ። እዛ ማሕበር እዚኣ እታ ብጽፈታን ብጽቡቕ ጠባያን ፍልጥቲ ዝዀነት ኣብ ብዘላ ዓለም እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢያ። ምስ ኤፌሶን 4:⁠24 ብምስምማዕ እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት እዚኣቶም ‘ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ለቢሶም’ ኢዮም። ድሕሪ ሓጺር እዋን ዓለም ብኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ክትመልእ ኢያ: ከመይሲ እቶም ድሒኖም ንዘለኣለም ዝነብሩ ሰባት ንሳቶም ጥራይ ኢዮም።​—⁠ምስ ሉቃስ 23:⁠43 ኣረኣእዮ።

ካብ ግብረ-ጸይቂ ናጻ ዝዀነት ሓዳስ ዓለም ክትህሉ ኢያ

ግብረ-ጸይቂ ብሓቂ ካብ ሱሩ ክጠፍእ ኢዩ ኢልካ ትኣምንዶ፧ ትኣምን እንተድኣ ኴንካ እዚ ኣገዳሲ ለውጢ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዝኸውን፧ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከተጥፍኦ ኢያ። እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኰነ ኢሎም ነቲ ጻድቕ ሕግታት ኣምላኽ ምስ ዝጥሕሱ ተሓተትቲ ክዀኑ ኢዮም። (ምስ ኢሳይያስ 24:⁠5, 6 ኣረኣእዮ።) ‘ኵሎም በደልቲ ክጠፍኡ’ እኳ እንተዀኑ: እቶም ጽድቂ ዘፍቅሩ ግና ክድሕኑ ኢዮም። ‘እግዚኣብሄር ክረድኦምን ከናግፎምን: ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ: ካብ ረሲኣን ከናግፎምን ከድሕኖምን ኢዩ።’​—⁠መዝሙር 37:⁠38-40

ብሓቂ ሱር ግብረ-ጸይቂ ፈጺሙ ክጠፍእ፣ ኵሉ ዓይነት ገበን: ግፍዒ: ስቓይን እከይን እውን ከልግስ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ድማ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ህይወት ሰላም: ናይ ሓቂ ጽድቂ: ህድኣትን ድሕንነትን ዝዓሰሎ ክኸውን ኢዩ። ኢሳይያስ 32:⁠18 ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም ነገር ቃል ብቓሉ ክትገልጽ ከላ ከምዚ ትብል:- “ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።” እወ: ነዛ ምልክዕቲ ዓለምለኻዊት ገነት እዚኣ እቶም ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕርን ሓልዮትን ዘርእዩ ሰባት ክነብርዋ ኢዮም።

እቶም ቅድም ጸየቕቲ ዝነበሩ ሰባት ምስ ሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ብምሕባር: ድሮ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣጥርዮም ኣለዉ። ኣብ ግብረ-​ጸይቂ ኣይካፈሉን ኢዮም። ንስኻኸ ኣምላኽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ህይወት ክትረክብ ንኽሕግዘካ ተፍቅደሉ ዲኻ፧ ነቲ “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ዝብል ናይ የሆዋ መግለጺ ዝመዝገበ ናይ ጥንቲ ጸሓፍ መዝሙር ምሰሎ።​—⁠መዝሙር 32:⁠8

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ወለዲ ቈላሕታን ፍቕርን ንመንእሰያት ዕቝባ ይዀኖም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ