ነቶም ‘ኣመንቲ ስድራቤት’ እተራእየት ፍቕሪ
ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ንሓድሕዶም ከም ናይ ስድራቤት ዝበለ ምትእስሳር ኣለዎም። እወ: ካብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም ኣብ ንሓድሕዶም ‘ሓውና: ሓብትና’ እናተበሃሃሉ ኢዮም ዝጸዋውዑ። (ማርቆስ 3:31-35፣ ፊልሞን 1, 2) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣፍኣዊ ጥራይ ኣይኰናን፣ ንኣምላኽ ዘምልኹ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ስምዒት ከመይ ምዃኑ ዝገልጻ ኢየን። (ምስ 1 ዮሃንስ 4:7, 8 ኣረኣእዮ።) የሱስ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 13:35
ኣብ ሓምለ 1997 እዛ ፍቕሪ እዚኣ ኣብ ቺለ ተራእያ ኢያ። እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ደርቂ ብርቱዕ ዝናብን ምዕልቕላቕ ማይን ምስ ሰዓቦ: ብሃንደበት ብዙሓት ሰባት ተጸበይቲ መግብን ክዳውንትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ኰኑ። ዕንወት ከጋጥም ከሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” ብምባል ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ዝሃቦም ምዕዶ ክስዕቡ ኢዮም ዝጽዕሩ።—ገላትያ 6:10
ስለዚ ኸኣ ኢዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ነቶም ኣሕዋት ዘድልዮም ዝነበረ ንምምላእ ብቕልጡፍ ምድላዋት ዝገበሩ። መግብን ክዳውንትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ተኣኪቡ በብዓይነቱ ምስ ተፈልየ: ተጠርኒፉ ናብቲ ዕንወት ዝወረዶ ከባቢ ተላእከ። ቈልዑ እውን ከይተረፉ መጻወቲ ለጊሶም ኢዮም! ሓንቲ ሓብቲ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ረዲኤት መሊኡ ምስ ረኣየቶ ደንጸዋ። “ኣይሓጐስ ኣይብኽያት ኰይነ ቀዚዘ ተረፍኩ” ትብል። ቀጺላ ኸኣ “እዚ እቲ እንደልዮ ዝነበርና ኢዩ” በለት።
ነዊሕ ከይጸንሐ ሃንደበት ገለ ክፋል ናይቲ ማይ ኣዕለቕሊቕሉ ዝነበረ ከባቢ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ተናወጸ። ብዙሕ ኣባይቲ ኸኣ ፈረሰ። እቲ ዘድሊ ነገራት ንምምላእ ተወሰኽቲ ኮሚቴታት ረዲኤት ቈማ። ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝእከብሉ ኣደራሻት ንምህናጽ ዝግበር ዕዮ ዝኣልያ ከባብያዊ ናይ ህንጻ ኮሚቴታት እውን ካብቲ ንቡር ዕማመን ወጻኢ ዝዀነ ኣበርክቶ ንኽገብራ ተበግሶ ወሰዳ። እንታይ ውጽኢትከ ተረኽበ፧ ኣሕዋት ዝነደፍዎን ዝሃነጽዎን ገዛውቲ ነቶም ኣባይቶም ዝፈረሶም ተዋህቦም። እዚ ኣዝዩ ውቁብ ኣባይቲ እኳ እንተ ዘይነበረ: ምስቲ ብዓለማውያን ገበርቲ ሰናይ ተሃኒጹ ብመልክዕ ልቓሕ እተዋህበ ምድሪ ቤትን መሳዅትን ዘይነበሮ ከምኡውን ዘይተለቕለቐ ኣባይቲ ክነጻጸር ከሎ ግን ርኡይ ፍልልይ ነበሮ።
ገለ ኣሕዋት ሓገዞም ንምውፋይ ካብ ርሑቕ ቦታታት መጹ። ሓደ ኣቦ መንበር ናይ ሓንቲ ከባብያዊ ናይ ህንጻ ኮሚቴ: ምንም እኳ ብዘይ ብሽክለታ ስንኩላን ክንቀሳቐስ ዘይክእል እንተዀነ ንኽልተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ነቲ ዝዓነወ ከባቢ እናዞረ ተዓዘቦ። ሓደ ዓይነ- ስውር ሓው: ኣግማል ተሰኪሙ ናብቲ በብዓቐኑ ዝቘርጾ ዝነበረ ጸራቢ ናይ ምምጻእ ኣድካሚ ዕዮ ይዓዪ ነበረ። ሓደ ጸማም ዝእዝኑ ሓው ከኣ ነቲ በብዓቐኑ እተቘርጸ ኣግማል ኣኪቡ ኣብቲ ዝድለየሉ ቦታ የብጽሖ ነበረ።
እቶም ኣሕዋት ብዝገበርዎ ሓገዝ ብዙሓት ተዓዘብቲ ተመሲጦም ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ኣብ ጥቓ እትዕረ ዝነበረት ናይ ሓንቲ ሓብቲ ቤት ናይ ፖሊስ ማኪና ደው ኢላ ነበረት። እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣተኲሮም ይርእዩ ነበሩ። ሓደ ኻብኣቶም ንሓደ ሓው ከምዚ ኢሉ ሓተቶ:- “እዞም ተሓጒሶም ዝዓዩ ዘለዉ ሸቃሎ እንታዎት ኢዮም: ክንደይከ ኢዩ ውዕለቶም፧” እቲ ሓው ከኣ ኵሎም ወለንተኛታት ምዃኖም ገለጸሉ። ሓደ ካብቶም መኰንናት ንቤተ-ክርስትያኑ ወርሓዊ ዕሽር ከም ዝኸፍል: እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ግን እቲ ካህን ክሕግዞስ ይትረፍ ክርእዮ ኢሉ እውን ከም ዘይመጸ ተዛረበ! ንጽባሒቱ እታ ሓብቲ ካብ ሓደ ናይ ፖሊስ መኰነን ስልኪ ተደወለላ። ንሱውን ነቶም ወለንተኛታት ክሰርሑ ከለዉ ርእይዎም ነይሩ ኢዩ። በቲ እቶም ወለንተኛታት ዘርእይዎ ዝነበሩ ውዕዉዕ መንፈስ ኣዝዩ ከም እተመሰጠ እሞ ንኽሓብሮም እውን ድንዕ ኢሉ ኸም ዝነበረ ገለጸ!
ብርግጽ: እቲ ኣብ ቺለ እተሰላሰለ ረዲኤታዊ ንጥፈት ነቶም ወለንተኛታት ዘሐጕስ ተመክሮ ንተዓዘብቲ ኸኣ ብሉጽ ምስክርነት ኢዩ ነይሩ።