ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/6 ገጽ 3-4
  • ግብረ-ጸይቂ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ግብረ-ጸይቂ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ግብረ-ጸይቂ ደው ከብሎ ዝኽእል መን ኢዩ፧
  • ግብረ-ጸይቂ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ግዳያት ጽልኢ ፈቐዶኡ ኣለዉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • ንጽልኢ ኽንስዕሮ ንኽእል ኢና!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/6 ገጽ 3-4

ግብረ-ጸይቂ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

“ዝ ብሎ የብለይን።” እዚ ቓላት እዚ: ኣብ ሓደ ህዱእ ዝዀነ ከባቢ ናይ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ቀለም እተለኽየ መንደቕ እተጻሕፈ ኢዩ። እዚ ንባዕሉ ግብረ-ጸይቂ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣብ መንደቕ ምጽሓፍውን ሓደ ዓይነት ግብረ-ጸይቂ ኢዩ።

ሓላፍነት ዘይስምዖም ጸየቕቲ ነታ ሓዳስ ማኪናኻ ከም ዘበላሸዉልካ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ወይ ድማ እቲ ንብዙሓት ዝጠቅም ናይ ህዝቢ ንብረት ብጸየቕቲ ከም እተባላሸወ ወይ ዝዓነወ ኣስተብሂልካ ትኸውን። ስለምንታይ ኢዩ ግን ከምኡ ዝኸውን፧ ግብረ-ጸይቂ ስለምንታይ ከም ዝበዝሐ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጸየቕቲ ናይ ህዝቢ ተሌፎን ብምብልሻው ወይ ብምዕናው ባህ ዝብሎም ኢዩ ዝመስል። ከም ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ዝኣመሰሉ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያታት ከኣ እቲ ቀንዲ ዘተኵሩሉ ኢዩ። ጸየቕቲ: ብዛዕባ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይግደሱ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን ዝበዝሐ ናይቲ እንርእዮን ዘሳቕየናን ተግባራት ግብረ-ጸይቂ መበገሲኡ እንታይ ኢዩ፧

ሓደ ማርኩa እተባህለ በዓል ሪዮ ዲ ጃኒየሮ መንእሰይ እታ ናይ ኵዕሶ እግሪ ጋንትኡ ስለ እተሳዕረት ኣዝዩ ሓረቐ እሞ ናብቶም ኣብ ኣውቶቡስ ዝነበሩ ደገፍቲ ናይታ ዝሰዓረት ጋንታ ኣእማን ክድርቢ ጀመረ። ወይ ድማ ናይ ክላዉስ ኵነታት ንርአ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ሓመቐ: ኣዝዩ ተቖጥዐ እሞ ኣእማን ብምድርባይ መሳዅቲ ሰባበረ። ኣቦኡ ናይቲ ዝወረደ ጕድኣት ካሕሳ ክኸፍል ምስ ተሓተ ግን እዚ ‘ዋዛ’ ጥራይ ኰይኑ ኣይተረፈን። ካልእ ኣብነት ድማ ኤርቪን እተባህለ ዝማሃርን ዝሰርሕን ዝነበረ መንእሰይ ኢዩ። ንሱን እቶም መዛንኡን ከም ንፉዓት መንእሰያት ይርኣዩ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ከባቢኦም ግብረ-ጸይቂ ምፍጻም ግን መሕለፍ ግዜኦም ኢዩ ነይሩ። ወለዲ ኤርቪን ግን ብዛዕባ እዚ ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። ዋልተር ድማ ሓደ ኣብ ጽርግያታት ሳኦ ፓውሎ ምንባር እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ምርጫ ዘይነበሮ ዘኽታም መንእሰይ ኢዩ ነይሩ። እቶም ዝበለጹ ኣዕሩኹ ጕጅለ ጸየቕቲ ኢዮም ነይሮም: ኣብቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ድማ ሓበሮም: ርእስኻ ናይ ምክልኻል ክእለትውን ተማህረ። ከምዚ ዝበለ ኣብነታት: መበገሲ ግብረ-ጸይቂ እተፈላለዩ ሰባት ምዃኖም: ከምኡውን እቲ ግብረ-ጸይቂ ዘለዓዕል ምኽንያት ወይ እቲ ኣብ ግብረ- ጸይቂ ዘሎ ስምዒት ከም ዝፈላለ ኢዩ ዘርኢ።

ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ይብል:- “ግብረ-ጸይቂ ናይ ሕነ ምፍዳይ ተግባር ወይ መግለጺ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ መንእሰያትን ዓበይትን ንዋዛ ክብሉ ገበን ክፍጽሙ ይኽእሉ ኢዮም።” ይኹን እምበር: ግብረ-ጸይቂ ናይ ንእስነት ዋዛ ጥራይ ዘይኰነስ ኣዕናዊ: አረ ሞት ዘስዕብውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ጕጅለ መንእሰያት “ክስሕቁ” ደለዩ እሞ: ሓደ ደቂሱ ዝነበረ ሰብኣይ ምስ ረኣዩ ኣብ ኣካላቱ ነዳዲ ክዕዮም ኣንደድዎ። እቲ ዓሌቱ ህንዲ ዝነበረ ብራዚላዊ ግዳይ ጸኒሑ ኣብ ሆስፒታል ሞተ። ብመሰረት ሓደ ዝቐረበ ጸብጻብ “ብዙሓት ለማኖ ኣብ መገዲ እናነደዱ ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ስለ ዘይተወስደ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ዝግደስ ሰብ ይህሉ ኢዩ ኢሎም ከም ዘይሓስቡ ምዝራቦም” ይነግር። ግዳያት ግብረ-ጸይቂ ዝዀኑ ሰባት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ: እቲ ዘስዕቦ ናይ ገንዘብን ስምዒትን ክሳራ ጥራይ ክጽብጸብ ኣይክኣልን ኢዩ። ስለዚ ንግብረ-ጸይቂ ክቈጻጸሮ ወይ መወዳእታ ክገብረሉ ዝኽእል መን ኢዩ፧

ግብረ-ጸይቂ ደው ከብሎ ዝኽእል መን ኢዩ፧

ፖሊስን ኣብያተ-ትምህርትን ግብረ-ጸይቂ ክዓግቱ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ ሓደ ካብቲ ጸገም: ሰበ-ስልጣን ኣብ ክንዲ በቲ “ግዳይ ዘይብሉ” ገበናት: በቲ ከም ናይ ሓሽሽ ሸቐጥ ወይ ናይ ቅትለት ጕዳያት ዝኣመሰለ ከበድቲ ገበናት ትሑዛት ክዀኑ ይኽእሉ። ብመሰረት ሓደ ናይ ፖሊስ መኰነን ዝበሎ: ሓደ መንእሰይ ኣብ ሽግር ምስ ዝኣቱ እቶም ወለዲ መብዛሕትኡ ግዜ “ነቶም ዝሓበሮም ቈልዑ: ወይ ነታ ቤት ትምህርቲ: ወይ ድማ ስለ ዝሓዝዎ ነቶም ፖሊስ ኢዮም ዝወቕሱ።” ትምህርትን ሕጊ ብግቡእ ከም ዝፍጸም ምግባርን ግብረ-ጸይቂ ከም ዝንኪ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም፣ እንተዀነ ግን ናይ ወለዲ ኣረኣእያ ዘይልወጥ ምስ ዝኸውንከ፧ ሓንቲ ብቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቲ ንዝዀኑ መንእሰያት እትከታተል በዓልቲ ስልጣን ከምዚ ትብል:- “ምኽንያት ናይቲ ሽግር ምስልቻውን ኣጋጣሚ ምርካብን ኢዩ። [እቶም ቈልዑ] ደገ የምስዩ: ዝግበር ከኣ ይስእኑ። ምናልባት ድማ ኣብ ቤት ዝቈጻጸር ዘይብሎም ይዀኑ: ከምኡ እንተ ዘይከውን ኣብ ደገ ኣይመምሰዩን።”

ግብረ-ጸይቂ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ከቢድ ጸገም እኳ እንተዀነ: ነገራት ብኸመይ ክልወጥ ከም ዝኽእል ንርአ። እቶም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓንቀጽ እዚ ተጠቒሶም ዘለዉ መንእሰያት ሕጂ ነቲ ጸረ-ሕብረተሰብ ዝዀነ ባህሪ ፈጺሞም ገዲፎሞ ኢዮም። ነዞም ቅድም ስድታት ዝነበሩ መንእሰያት ህይወቶም ንኽልውጡ ዝሓገዞም እንታይ ኢዩ፧ ከምኡውን ግብረ-ጸይቂ ክንኪ ጥራይ ዘይኰነስ ፈጺሙ እንተ ዝጠፍእከ ምተገረምካዶ፧ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ከተንብብ ንዕድመካ ኣሎና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ