ገሊኦም ሃይማኖቶም ዝልውጥሉ ዘለዉ ምኽንያት
ብዙሓት ሰባት ሃይማኖት ከም ምልክት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጕም የብሉን። ሓደ ሰብ ሰንበት ሰንበት ስሕት ኢሉ ዝኸደሉን ዝምርዓወሉን ዝቕበረሉን ቦታ ኣበይ ከም ዝዀነ ክሕብር ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀነ ወይ ከኣ እንታይ ከም ዝፈልጥን ከም ዝኣምንን ኣይነግርን ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝገለጾ ካብቶም ክርስትያናት ኢና ዝብሉ 50 ካብ ሚእቲ ነቲ ናይ ከረን ዝርርብ መን ከም ዘቕረቦ ኣይፈልጡን ኢዮም። እዚ ግን እቲ ውሩይ ህንዳዊ መራሒ ሞሃንዳስ ጋንዲ እኳ ከይተረፈ ዝመለሶ ሕቶ ኢዩ!
መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ እምነቶም ዝፈልጥዎ ስለ ዘይብሎም ካብ ሃይማኖት እንተ ዘበሉ ዘገርምዶ ኢዩ፧ ዘገርም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እዚ ክውገድ ዘይክኣል እውን ኣይኰነን። እቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ሓገዝ ዝረኸቡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዝረኸብዎ ብዙሕ ጥቕሚ ይግረሙ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉውን ከምዚ ይብለና:- “እግዚኣብሄር: እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ: ከምዚ ይብል፤ ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ኢሳይያስ 48:17
እቶም ዘይተዓንገለ መንፈሳዊ ጥሜት ዘለዎም ሰባት እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም፧ ንኣምላኽ ንምግልጋል ዘለዎም ድሌት ከጥፍኡ የብሎምን! ኣብ ክንድኡ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ክምርምሩን ኣምላኽ ኣዳልይሎም ዘሎ ነገራት ክግንዘቡን ይግባእ።
ንኣሸገርቲ ሕቶታት ዝኸውን መልሲ
በርንት: ኣብ ሸውዓተ ዓመቱ: ኣዲኡ ክትመውት ከላ ረኣያ።a እቲ ቀጺሉ ዝነበረ እዋን ቍልዕነቱ ‘ኣደይ ኣበይ ኢያ ዘላ፧ ብዘይ ብኣኣ ክነብር ዘሎኒ ስለምንታይ ኢየ፧’ እናበለ ይሓትት ነበረ። በርንት ኣብ ዕደመ ኰተቴ ምስ በጽሐ: ንጡፍ ኣባል ቤተ-ክርስትያን ኢዩ ነይሩ። ስቓይ ደቅሰብ የተሓሳስቦ ስለ ዝነበረ: ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ከም ናይ ወጻኢ ናይ ረዲኤት ሰራሕተኛ ኰይኑ ክሕግዝ ትምኒት ነበሮ። ገና ግን በቲ ቤተ-ክርስትያኑ ዘዕግብ መልሲ ክትህበሉ ዘይከኣለት ሕቶታት ይጭነቕ ነበረ።
ድሕርዚ በርንት: ንሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ መማህርቱ የዛርቦ። እቲ መንእሰይ ከኣ ኣዲኡ ንበርንት ሃለዋት ከም ዘይብላን ብሞት ደቂሳ ምህላዋን ዝገልጽ ሓሳብ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣዮ። በርንት ብዛዕባ እዚ ዝገልጽ ከም እኒ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ዝብል መክብብ 9:5 ዝኣመሰለ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ተማህረ። ስለዚ በርንት ኣዲኡ ኣብ ገለ ናይ መንጽሂ ቦታ ወይ ካብኡ ኣብ ዝኸፍአ ቦታ ትሳቐ ኣላ ኢሉ ዝጭነቐሉ ምኽንያት ኣይነበሮን። ሽሕ’ኳ እቲ ናይ ዘይትመውት ነፍሲ ሰረተ-እምነት መብዛሕትአን ሃይማኖታት ዝምህራኦ እንተዀና: በርንት ሰብኣዊ ነፍሲ እቲ ሰብ ንባዕሉ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ረኣየ። እቲ ሰብ ክመውት ከሎ ነፍሱ ኸኣ ትመውት። “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።”—ህዝቅኤል 18:4
በርንት ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ ተስፋ ምዉታት እውን ተማሂሩ ኢዩ። ኣብቲ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [ኢዩ]” ዝብል ኣንበበ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እዚ ትንሳኤ እዚ ኸኣ ኣብዛ ኣምላኽ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ናብ ገነት ዝልውጣ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ ክፍጸም ምዃኑ ምስ ተረድአ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እተሓጐሰ!—መዝሙር 37:29፣ ራእይ 21:3, 4
ድሕሪ ሓጺር እዋን: በርንት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ናይ ሓቂ ፍልጠት መንፈሳዊ ድሌቱ ዓገበ። በርንት ንሃይማኖት ካብ ሓሳቡ ኣየውጽኦን። ኣብ ክንድኡ ግን ነታ ንጥሜቱ ከተዐንግሎ ዘይከኣለት ቤተ-ክርስትያን ገዲፉ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣገባብ ኣምልኾ ሓዘ። ከምዚ ድማ በለ:- “እዚ ስጕምቲ እዚ ካብ ዝወስድ 14 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ: ፈጺመ ድማ ኣይጥዓሰሉን ኢየ። ፈጣሪ ስቓይ ከም ዘየምጽእ ሕጂ ፈሊጠ ኢየ። ኣምላኽ ናይዚ ኣገባብ እዚ ሰይጣን ኢዩ: ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኵነታት ዝውቀሰሉ ኸኣ ንሱ ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣምላኽ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ንዅሉ እቲ ብናይ ሰይጣን ዓለም ወሪዱ ዘሎ ጕድኣት ከዐርዮ ኢዩ። ኣደይውን ብትንሳኤ ክትምለስ ኢያ። ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ክኸውን!”
እቲ ዘሐጕስ ድማ: በርንት ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዝነበሮ ሸቶ በጺሕዎ ኢዩ። ንኻልኦት ብዛዕባ እታ ንመከራኦም ናይ ሓቂ መፍትሒ እተምጽኣሎም መንግስቲ ኣምላኽ ክመሃሩ ብምሕጋዝ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኢዩ ዘገልግል። ከም በርንት ዝኣመሰሉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንስቓይ ደቅሰብ መወዳእታ ክገብረሉ ምዃኑ ተማሂሮም ኢዮም። ንመንፈሳዊ ድሌቶም እተዕግብ ሃይማኖት ከም ዘላ ብምፍላጦም ተሓጒሶም ኢዮም።—ማቴዎስ 5:3
ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧
ምዕራባዊ ዓለም ዝያዳ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምህላው እናኣተኰረ ምስ ከደ: ብዙሓት ‘ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧’ ኢሎም ክሓቱ ጀመሩ። ከምቲ ማይክል ደልዩ ዝረኸቦ: መልሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዘሎ። ኣብ መፋርቕ 1970ታት ማይክል ምስ ሓደ ጕጅለ ግብረ-ሽበራውያን ክሓብር ደለየ። ኣብ ህይወቱ ሓደ ዕላማ ጥራይ ኢዩ ነይርዎ: ንሱ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ርእሰ-ማላዊ ስርዓት ንዝርአ ዘይፍትሓውነት ብሓላፍነት ይሕተቱ ኢዮም ኢሉ ዝግምቶም ሰባት ምጥቃዕ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ካብ ገዛይ ብዘይ ሽጉጥ ወጺአ ኣይፈልጥን ኢየ። መደበይ ብዝከኣለኒ መጠን ንብዙሓት ቀንዲ ፖለቲከኛታትን ርእሰ-ማላውያንን ምቕታል ኢዩ ነይሩ። ነቲ ዕላማ እቲ ህይወተይ እውን ከይተረፈ ምወፈኹ ነይረ።”
ማይክል ቤተ-ክርስትያን ዝመላለስ ሰብ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ካብቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያኑ ዘለዉ ሰባት: ቀንዲ ዕላማ ህይወት እንታይ ምዃኑ ክገልጸሉ ዝኸኣለ የለን። ስለዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዝኡ መጺኦም ናይ ሕቶታቱ መልሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣርኣይዎ ማይክል ጽን ኢሉ ብጥንቃቐ ሰምዖም። ኣብቲ ከባቢኡ ኣብ ዘሎ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝካየድ ናይ ኣምልኾ ኣኼባታት ክእከብ ከኣ ጀመረ።
ኣዕሩኽ ማይክል ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሕደሮ ሓድሽ ተገዳስነት ክፈልጡ ተሃንጠዩ። ማይክል ከኣ “ሎሚ ሰንበት ናብ ኣኼባ ምጹ። ንእተወሰነ ግዜ ኮፍ በሉ። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ባህ ምስ ዘይብለኩም ንገዛኹም ትኸዱ” በሎም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ናይ 45 ደቒቕ ዝርርብ ምስ ሰምዑ እቶም ዝበዝሑ ኣዕሩኹ ካብቲ ኣደራሽ ወጹ። ይኹን እምበር ሓንቲ ሱዛን ዝስማ ጥራይ ተረፈት። እዛ ጐርዞ እዚኣ በቲ ዝሰምዓቶ ተመሰጠት። ጸኒሖም ማይክልን ሱዛንን ተመርዓዉ እሞ ተጠሚቖም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ማይክል “ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘሎናሉ ዕላማ ፈለጥኩ። ብየሆዋ ኢና ተፈጢርና። ናይ ምንባርና ቀንዲ ዕላማ ንዕኡ ምፍላጥን ፍቓዱ ምግባርን ኢዩ። እዚ ኸኣ ኢዩ ናይ ሓቂ ዕግበት ዘምጽእ!”
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከምቲ ናይ ማይክል ምርዳእ ኢዩ ዘለዎም። ነቲ “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ከኣ የቕልብሉ ኢዮም።—መክብብ 12:13
ኣብ ህይወት ዘሎ ግድላት ብዓወት ምግጣም
ኵልና ፍጻመ ናይቲ ‘ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ክፉእ ዘመን ክመጽእ ኢዩ’ ዝብል ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1 ዝርከብ ትንቢት ኣብ ህይወትና ንምከሮ ኣሎና። ካብ ግድላት ናይዚ “ክፉእ ዘመን” ከምልጥ ዝኽእል ሰብ የለን። ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ክንጋጠሞ ይሕግዘና ኢዩ።
ስቲቨንን ኦሊቭን እተባህሉ ሰብ ሓዳር ንርአ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ክጅምሩ ከለዉ: ከም ብዙሓት ካልኦት ሰባት: ናይ ሓዳር ግድላት ነይርዎም ኢዩ። ስቲቨን “ናብ ምፍልላይ ገጽና ኢና ንኸይድ ነይርና። እተፈላለየ ሸቶታትን ባህግታትን ኢዩ ነይሩና” ይብል። ብሓደ ክነብሩ ዝሓገዞም ድኣ እንታይ ኢዩ፧ ስቲቨን ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ብኸመይ ኣብ ናብራና ከነውዕሎ ከም እንኽእል ኣርኣዩና። ንመጀመርታ ግዜና: ዘይምስሳዕን ሓልዮትን እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ተረዳእና። ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣብ ንሓድሕድና ከም እንጠብቕ ገይሩና ኢዩ። ሕጂ ሕጉስን ጽኑዕን ሓዳር ነስተማቕር ኣሎና።”
ምስ ኣምላኽ ጽኑዕ ርክብ ምግባር
ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ፍቕዲ ድምጺ 96 ካብ ሚእቲ ኣመሪካውያን ብኣምላኽ ይኣምኑ ኢዮም: መብዛሕትኦም ከኣ ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ካልእ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ናብ ቤተ-ክርስትያንን ቤት ጸሎት ኣይሁድን ዝኸዱ ሰባት ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ክፍለ-ዘበን ቍጽሮም ናብ ዝተሓተ ደረጃ ኢዩ ወሪዱ። ገለ 58 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ኣመሪካውያን ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኸዱ ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ወይ ካብኡ ዝውሕድ ምዃኑ ይዛረቡ። ሃይማኖት ናብ ኣምላኽ ከም ዘየቕረቦም እምበኣር ንጹር ኢዩ። እዚ ግድል እዚ ኸኣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን።
ሊንዳ ኣብ ባቬርያ ኢያ ዓብያ። ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ኢያ ነይራ: ስርዓታዊት ኰይና ኸአ ትጽሊ ነበረት። ምስናይዚ ግን ብዛዕባ መጻኢ ትፈርሕ ነበረት። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሰብ ዘለዎ ዕላማ ምንም ፍልጠት ኣይነበራን። ሊንዳ ገና ጓል 14 ዓመት ከላ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት: ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ድማ ትህብ:- “እቲ ዝበሉኒ ኣገዳሲ ስለ ዝነበረ: መጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳእ ዝሕግዝ ክልተ ጽሑፋት ተቐበልኩ: ብኡንብኡውን ኣንበብክወን።” ድሕሪ ክልተ ዓመት ሊንዳ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። “ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ኵሉ ነገራት ኣእምሮ ዝቕበሎ ኢዩ ነይሩ” ኸኣ ትብል። ሊንዳ ንቤተ-ክርስትያና ተሰናቢታ ወጸት: ኣብ መበል 18 ዕድሚኣ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃን ተጠምቀት።
ሊንዳ ሃይማኖታ ክትቅይር ዝደረኻ እንታይ ኢዩ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ቤተ-ክርስትያነይ ኣምላኽ ከም ዘሎ ክርዳእ ሓጊዛትኒ ኢያ: ብእኡ ክኣምን ከኣ ተመሃርኩ። ይኹን እምበር: ኣካል ዘይብሉን ክርከብ ዘይከኣልን ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንዐይ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረኒ እምነት ኣደልዲሉለይ ጥራይ ዘይኰነስ: ክፈልጦን ከፍቅሮን እውን ከይተረፈ ሓጊዙኒ ኢዩ። ሕጂ ምስ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ብሕታዊ ርክብ ኢዩ ዘሎኒ: እዚ ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነገራት ኣዝዩ ዝበልጽ ኢዩ።”
ሓቀኛ ሃይማኖት ካሕሳ ኣለዎ!
ሃይማኖትካ መንፈሳዊ መሪሕነት ትህበካን መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ህይወት ግድላት ክትዋጽኣሉ ብኸመይ ክሕግዘካ ከም ዝኽእል ተርእየካን ድያ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዝህቦ ተስፋ ትምህር ድያ፧ ምስ ፈጣሪ ኣብ ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጥብቂ ዝዀነ ብሕታዊ ዝምድና ክትገብር ትሕግዘካ ድያ፧ ከምዚ ዘይትገብር እንተድኣ ዀይና ተስፋ ኣይትቝረጽ። ሃይማኖት ዘበለ ፈጺምካ ኣብ ክንዲ እትሓድግ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ዓይነት ኣምልኾ ድለ። ድሕርዚ ከምቶም ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ዝዀነት መጽሓፍ ኢሳይያስ ብትንቢት እተነግረሎም ሰባት ክትከውን ኢኻ:- “ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፤ እንሆ: ባሮተይ ኪበልዑ: . . . ባሮተይ ኪሰትዩ: . . . ባሮተይ ኪሕጐሱ: . . . ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ [ኢዮም]።”—ኢሳይያስ 65:13, 14
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገለ ካብቲ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣስማት እተቐየረ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 4, 5 ዘሎ ስእልታት]
መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክንፈልጦን ከነፍ ቅሮን ይሕግዘና ኢዩ