ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/7 ገጽ 7
  • ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ምምሃር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ምምሃር
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ናብ መንፈሳዊ ጥዕና ዝመርሕ ምንዛዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ብስነ-ምግባር ንጹህ ክትከውን ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ኣብ ቤት ዳዊት እተላዕለ ሽግር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/7 ገጽ 7

ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ምምሃር

ፈጣሪና ዝሰርዖ ስነ⁠-​ምግባራዊ ሕግታት ዘለኣለማውን ዘይልወጥን ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ኣብ ገላትያ 6:⁠7 ዝርከብ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ሎሚውን ዝውዕል ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ተሓታትነት ክኽሕዶ ዝኽእል እኳ እንተዀነ እቲ መለኮታዊ ሕጊ ግን ኣይልወጥን ኢዩ። ኣብ መወዳእታ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ናይ ተግባራቱ ሳዕቤናት ኣየምልጥን ኢዩ።

ሓደ ሰብ ፋሉል ዝዀነ ናብራ ክነብር ጸኒሑ: ተቐይሩ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምስ ዝኸውንከ፧ ገና እቲ ናይ ቅድም ኣነባብርኡ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ክትንክፎ ይኽእል ይኸውን። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣምላኽ ይቕረ ኣይበለሉን ማለት ኣይኰነን። እቲ ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት ኣብ ህይወቱ ብዙሕ መከራ ኢዩ ኣምጺኡሉ። ካብዚ ከምልጥ ኣይከኣለን። ግናኸ ተናሰሐ: ኣምላኽ ከኣ ይቕረ በለሉ።​—⁠2 ሳሙኤል 12:⁠13⁠-​19፣ 13:⁠1⁠-​3

ሳዕቤናት ናይቲ ዝገበርካዮ ጌጋታት ክወርደካ ኸሎ ተስፋ ምቝራጽ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ብኣወንታዊ መገዲ ክርአ ኸሎ: ጣዕሳ ‘ናብ ሓጢኣት ከይንምለስ ንኽንጥንቀቕ’ ከም መዘኻኸሪ ኰይኑ ክዓዪ ይኽእል ኢዩ። (እዮብ 36:⁠21) እወ: ጣዕሳ ንጌጋ ከይንደጋግሞ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ካብኡ ብዝበለጸ ግን ዳዊት ካብቲ ሓጢኣት ብምፍጻሙ ዝረኸቦ ተመክሮ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦትውን ከይተረፈ ክጠቅም ክኢሉ ኢዩ። “መገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ: ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም” በለ።​—⁠መዝሙር 51:⁠13

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]

ዳዊት ካብቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ተማሂሩ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ