ንሃይማኖት ዝሓድግዎ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧
ኣብ መፋርቕ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን: ኣብ ፕረሽያ (ናይ ሕጂ ሰሜናዊ ጀርመን) ዝነብር ዝዀነ ይኹን ሰብ ሃይማኖት የብሉን ኢልካ ክትዛረበሉ ዳርጋ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ነገር ኢዩ ነይሩ። አረ: ካብ ሓንቲ ናይ ቀደም ሃይማኖት ወጺኡ ናብ ሓደ ሓድሽ ሃይማኖት ምስ ዝቕይር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ፖሊስ ክወድቕ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ግዜ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተቐይሩ!
ሎሚ ብዙሕ ዝቝጽሮም ጀርመናውያን ካብ ኣብያተ-ክርስትያን ብፍቓዶም ይሰናበቱ ኣለዉ። ብጸብጻብ ከም እተረኽበ ካብ 4 ሰባት 1 ፈጺሙ ሃይማኖት ዝበሃል ከም ዘይብሉ ኢዩ ዝዛረብ። ኣብ ኣውስትርያን ኣብ ስዊዘርላንድን እውን ተመሳሳሊ ናይ ኵነታት ለውጢ ተራእዩ ኢዩ። ኣባላት ናይ ሓደ ሃይማኖት ናይቲ እምነት እቲ ደም ህይወት እንተድኣ ዀይኖም: ከምቲ ሓደ ራይመ ግሮኔማየ እተባህለ ጀርመናዊ ጸሓፊ ዝገለጾ “ናይ ኣውሮጳ ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ሞት ዘብጽሕ መድመይቲ የጋጥመን ኣሎ።”
ንሃይማኖት ዝነጽግሉ ዘለዉ ምኽንያት
ብዙሓት ሰባት ዓበይቲ ሃይማኖታት ዝነጽግሉ ዘለዉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ: ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣባላተን ንቤተ-ክርስትያን ግብሪ ክኸፍሉ ዝሕተትሉ ሃገራት: ብናይ ገንዘብ ምኽንያታት ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ‘እቲ ብብርቱዕ ጻዕሪ ዘጥረኽዎ ገንዘበይ ስለምንታይ ንቤተ-ክርስትያን ዝዋሃብ፧’ ኢሎም ይሓቱ። እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ሃብትን ስልጣንን ንገሊኣቶም ከም ዝዓልዉ ገይርዎም ኢዩ። ምስቲ ናይ ኮሎን: ጀርመን: ካርዲናል ዮኣኺም ማይስነር ከም ዝሰማምዑ ፍሉጥ ኢዩ: ንሱ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሃብቲ ኣብ ስጋዊ ነገራት ብዙሕ ኣቓልቦ ንኽትገብርን “ኣብ ክርስቶስ ልባዊ እምነት ንኸይተሕድርን” ጽልዋ ገይሩላ ክኸውን ይኽእል ኢዩ በለ።
ገለ ሰባት ቤተ-ክርስትያን ዝገድፉ ዘለዉ: እተሰልክን ዘይትስሕብን ንመንፈሳዊ ጥሜቶም ከኣ ዘይተዕግብን ኰይና ስለ ዝረኸብዋ ኢዮም። በቲ ነብዪ ኣሞጽ “ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር: ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን” ብምባል እተነበዮ ጥሜት ከኣ ይሳቐዩ ኣለዉ። (ኣሞጽ 8:11) ሃይማኖቶም ከዐንግሎም ስለ ዘይከኣለ ይገድፍዎ ኣለዉ።
እቲ ዘጋጠመ ግድላት ናይ ሓቂ እኳ እንተዀነ: ሃይማኖት ንዘበለ ዅሉ ምግዳፉ ግን ቅኑዕ ምላሽ ድዩ፧ ሕብስቲ ዝመስል ነገር ዝርኢ ዘሎ ዝጠመየ ሰብኣይ እሞ ሕሰብ። ክበልዖ ኢሉ ምስ ፈተነ ግን ካብ ርሺ እተሰርሐ ኰይኑ ይረኽቦ። ናይ ምብላዕን ንጥሜቱ ናይ ምዕንጋልን ሓሳብ ካብ ኣእምሮኡ የውጽኦዶ፧ ኣይፋሉን: ገለ ናይ ሓቂ መግቢ እባ ድኣ ኢዩ ዝደሊ። ብተመሳሳሊ መገዲ: ሓንቲ ሃይማኖት ንመንፈሳዊ ጥሜት ናይ ኣባላታ ዘይተዕግብ እንተድኣ ዀይና ሃይማኖት ዝበሃል ካብ ሓሳቦም ከውጽእዎዶ ይግባእ፧ ወይስ ንመንፈሳዊ ጥሜቶም ከዐንግልሉ ዝኽእሉ መገድታት ሃሰስ ክብሉ ኢዩ ጥበባዊ ዝኸውን፧ ከምቲ እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ እተርእዮ ብዙሓት ከምኡ ኢዮም ገይሮም።