ካብ ሓቂ ዝበልጽ ዋላ ሓንቲ የለን!
ብጂ. ኤን. ፋን ደር በይል እተዘንተወ
ሰነ 1941 ንጌስታፖ ኣሕሊፎም ሃቡኒ: ናብቲ ኣብ ከባቢ በርሊን: ጀርመን: ዝርከብ ዛክሰንሃውሰን ዝበሃል መዳጐኒ ደምበ ኸኣ ተወሰድኩ። እሱር ቍጽሪ 38190 ብምዃን ድማ ክሳዕ እቲ ሚያዝያ 1945 እተኻየደ ዘስካሕክሕ ናይ ሞት ጕዕዞ ኣብኡ ነበርኩ። ነቲ ፍጻመታት እቲ ቅድሚ ምግላጸይ ግን: ብኸመይ ከም እተኣሰርኩ ክገልጽ።
ቀዳማይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምጅማሩ ነዊሕ ከይጸንሐ: ብ1914 ኣብ ሮተርዳም: ሆላንድ: ተወለድኩ። ኣቦይ ኣብ መገዲ ባቡር ይሰርሕ ነበረ: እታ ንእሽቶ መንበሪ ገዛና ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ መገዲ ባቡር ነበረት። እቲ ውግእ ብ1918 ኣብ ኣጋ ምውድኡ ሓያሎ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ተባሂለን ዝጽውዓ ባቡራት ብብርቱዕ ድምጺ በቲ ጥቓ ገዛና ተሓምቢበን ክሓልፋ እርኢ ነበርኩ። ካብቲ ዓውዲ ውግእ ዝምለሱ ዝነበሩ ዝቘሰሉ ወተሃደራት መሊአን ከም ዝነበራ ኸኣ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰንኩ: ስራሕ ንምርካብ ትምህርቲ ኣቋረጽኩ። ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ ኣብ ሓንቲ ናይ ገያሾ መርከብ ከም ኣሳሳዪ ኰይነ ክሰርሕ ተቘጸርኩ: ኣብተን ዝቐጸላ ኣርባዕተ ዓመታት ድማ: ብመርከብ ካብ ሆላንድ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተመላለስኩ።
ኣብ ሓጋይ ናይ 1939 ወደብ ኒው ዮርክ ምስ በጻሕና: ካልእ ውግእ ዓለም ኣንጸላለወ። ሽዑ ሓደ ሰብኣይ ናብታ መርከብና መጺኡ ብዛዕባ ሓንቲ ጽድቃዊት መንግስቲ እትገልጽ ጋቨርንመንት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምስ ሃበኒ ተሓጕሰ ተቐበልኩዎ። ናብ ሮተርዳም ምስ ተመለስኩ: ናይ ባሕሪ ህይወት ድሕሪ ደጊም ሓደገኛ ኰይኑ ስለ እተራእየኒ ካልእ ስራሕ ክደሊ ጀመርኩ። 1 መስከረም ጀርመን ንፖላንድ ወረረታ: ሃገራት ድማ ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣተዋ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምሃር
ኣብ መጋቢት 1940 ሓደ ሰንበት ንግሆ: ነቲ እተመርዓወ ሓወይ ክበጽሖ ኢለ ኣብ ገዝኡ ከለኹ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደወል ናይቲ ገዛ ደወለ። እታ ጋቨርንመንት እትበሃል መጽሓፍ ድሮ ከም ዘላትኒ ነገርክዎ: ብዛዕባ ሰማይን ናብኡ ዝኸዱ ሰባት በዓል መን ምዃኖምን ድማ ሓተትክዎ። ንገዛእ ርእሰይ ‘ሓቂ እዚኣ ኢያ’ ከም ዝብላ ዝገበረኒ ንጹርን ምኽንያታውን መልሲ ረኸብኩ። ኣድራሻይ ሃብክዎ ገዛይ መጺኡ ክበጽሓኒ እውን ዓደምክዎ።
ሰለስተ ግዜ ተራኺብና ዓሚቝ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ድሕሪ ምግባርና ጥራይ: ነቲ ምስክር ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ስብከት ከሰንዮ ጀመርኩ። ኣብቲ ዞባ ምስ በጻሕና: በየን ከም ዝጅምር ኣርኣየኒ: በይነይ ብምዃን ድማ ሰበኽኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ነቲ ዕዮ ስብከት ብኸምዚ ኢዮም ዝጅምርዎ ነይሮም። ጽሑፍ ክዕድል ከለኹ ኣብ መገዲ ምእንቲ ኸይርአ ኵሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኮሪደር ክኸውን ተመኺረ ነበርኩ። ኣብተን መጀመርታ እዋናት ናይቲ ውግእ ምጥንቃቐ የድሊ ነበረ።
ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን 10 ግንቦት 1940 ሰራዊት ጀርመን ንሆላንድ ወረርዋ: 29 ግንቦት ድማ ራይኽ ኮሚሽነር ዛይሲንክቮርት ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም እተኣገደ ኣወጀ። ሒደት ጕጅለ ብምዃን ጥራይ ድማ ንእከብ ነበርና: ናይ መአከቢ ቦታታትና ምስጢር ገይርና ክንሕዞ ኸኣ ንጥንቀቕ ነበርና። ብፍላይ ናይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ምብጻሓት ኣዝዮም የተባብዑና ነበሩ።
ብዙሕ ሽጋራ አትክኽ ነበርኩ: ነቲ ጽንዓት ዝገብረለይ ዝነበረ ምስክር ከኣ ሽጋራ ምስ ሃብኩዎ እሞ ከም ዘየትክኽ ምስ ፈለጥኩ: “ሽጋራ ምትካኽ ፈጺመ ኸቋርጽ ኣይክእልን ኢየ” በልኩ! ይኹን እምበር ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ መገዲ ክኸይድ ከለኹ: ‘ምስክር ክኸውን እንተድኣ ዀይነ: ናይ ሓቂ ምስክር ክኸውን ኣሎኒ’ ብምባል ሓሰብኩ። ብድሕሪኡ ፈጺመ ሽጋራ ዝበሃል ኣየትከኽኩን።
ኣብ ሓቂ ጽኑዕ ኣቕዋም ምውሳድ
ነቲ ምስክር ኣብ ኣፍ ደገ ገዛ እንዳ ሓወይ ካብ ዝረኽቦ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ሰነ 1940 ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብጥምቀት ኣርኣኹ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ጥቅምቲ 1940 ድማ ፓይነር ብምዃን ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተኹ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ናይ ፓይነር ጃኬት ብምባል ዝጽዋዕ ዝነበረ ክዳን ተዋህበኒ። መጻሕፍትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ክሕዝ ዝኽእል ብዙሕ ጁባታት ነበሮ: ኣብ ልዕሊኡ ድማ ጁባ ክትድርበሉ ዝከኣል ኢዩ ነይሩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ካብቲ ናይ ጀርመን ጐበጣ ኣትሒዙ: ብብልሓት ተሃዲኖምን ተኣሲሮምን ኢዮም። ኣብ ለካቲት 1941 ሓደ ንግሆ: ምስ ካልኦት ሒደት መሰኻኽር ኣብ ግራት ኣገልግሎት ነበርኩ። ንሳቶም ነቶም ኣብቲ ሓደ ሸነኽ ናይቲ ጐደና ዘለዋ ኣባይቲ ንዝነብሩ ሰባት ክበጽሑ ኸለዉ: ኣነ ድማ በቲ ኻልእ ሸነኽ ናይቲ ጐደና እናዓየኹ ነቶም ኣሕዋት ክረኽቦም ሓሰብኩ። ጸኒሐ ግን: እንታይ ኰይኖም ከም ዝደንጐዩ ክፈልጥ ከድኩ: “ንስኻኸ ዝዀነ ከምዚ ዓይነት ንኣሽቱ መጻሕፍቲዶ ኣሎካ፧” ኢሉ ዝሓተተኒ ሰብኣይ ከኣ ረኸብኩ።
“እወ:” ብምባል መለስኩ። ሽዑ ሓዘኒ እሞ ናብ መደበር ፖሊስ ድማ ወሰደኒ። ዳርጋ ንኣርባዕተ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸናሕኩ። ዝበዝሑ ካብቶም መኰንናት ሕያዎት ኢዮም ነይሮም። ሓደ ሰብ ኣብ ኢድ ጌስታፖ ከይኣተወ ኸሎ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ድሕሪ ደጊም ከም ዘይዝርግሕ ኣብቲ ናይ ጽሑፍ ሰነድ ብምፍራም ጥራይ ክፍታሕ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሰነድ ክፍርም ምስ ተሓተትኩ: “ሓደ ወይ ክልተ ሚልዮን ጋልደን እንተ ትህበኒ እውን: ኣይፍርምን ኢየ” ብምባል መለስኩ።
ድሕሪኡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ምስ አሰሩኒ: ንጌስታፖ ኣሕሊፎም ሃቡኒ። ድሕርዚ ናብቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ዛክሰንሃውሰን መዳጐኒ ደምበ ተወሰድኩ።
ኣብ ዛክሰንሃውሰን ዝነበረ ህይወት
ሰነ 1941 ዛክሰንሃውሰን ምስ በጻሕኩ: ዝበዝሑ ካብኣቶም ጀርመናውያን ዝዀኑ ገለ 150 መሰኻኽር ድሮ ኣብኡ ነበሩ። እቶም ሓደስቲ እሱራት ዘበልና ናብቲ ኣይዞለሽን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊ ናይቲ ደምበ ተወሰድና። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያን ኣሕዋትና ሓልዮቶም ለገሱልና ነቲ ክመጸና ዘለዎ ነገር ድማ ኣዳለዉና። ሰሙን ጸኒሑ መሰኻኽር ዝጸዓነት ካልእ መርከብ ካብ ሆላንድ መጸት። ኣብ መጀመርታ ካብ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተ ክሳዕ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብ ቅድሚ እቲ ባራካታት ኣብ ሓደ ቦታ ደው ክንብል ተኣዘዝና። ሓድሓደ ግዜ እሱራት ሰሙን ምሉእ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከምዚ ክገብሩ ነበሮም።
እቶም ኣሕዋት እቲ ዝወርዶም ዝነበረ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ብዘየገድስ: እተመሓደርካ ምዃንን መንፈሳዊ መግቢ ምምጋብን ብህጹጽ ከም ዘድሊ ተገንዘቡ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓደ ሰብ ካብ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ንኸዳሉ ይምደብ ነበረ። ደሓር: ነፍሲ ወከፍ ምስክር ሓው ኣብቲ መአከቢ ቀጽሪ ናብቲ እተዳለወ ሓው ቀሪቡ ነቲ ዘዳለዎ ትምህርቲ ይሰምዖ። እንተ በዚ እንተ በቲ: ጽሑፋት ስርዓታዊ ዀይኑ ናብቲ ደምበ ሰሊኹ ይኣቱ ነበረ: ሰንበት ሰንበት ብምእካብ ድማ ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብሓባር ነጽንዖ ነበርና።
ቅዳሕ ናይታ ኣብ ሓጋይ ናይ 1941 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ሰይንት ሉዊስ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ዝወጸት ችልድረን እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ናብ ዛክሰንሃውሰን ብገለ መገዲ ሰሊዃ ኣትያ ነበረት። እታ መጽሓፍ ንኸይትርከብ እሞ ከይትህገር ነቲ ሓደጋ ንምንካይ ኢልና ፋላለናያ: እቲ እተመቓቐለ ጽሑፍ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በብተራ ምእንቲ ኸንብቦ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ይዘውር ነበረ።
ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣመሓደርቲ እቲ ደምበ ነቲ እነካይዶ ዝነበርና ኣኼባታት ፈለጥዎ። በዚ ኸኣ እቶም መሰኻኽር ናብ እተፈላለያ ባራካታታት ከም ዝብተኑ ተገብረ። እዚ ንኻልኦት እሱራት ንምስባኽ ብሉጽ ኣጋጣሚ ከፊቱልና ኢዩ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብዙሓት ደቂ ፖላንድ: ኡክረይን: ከምኡውን ካልኦት ንሓቂ ተቐበሉ።
እቶም ናዚ ንንጽህና ናይቶም ሽዑ ዝነበሩ ቢበልፎርሻር ተባሂሎም ዝጽውዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምብልሻው ወይውን ንምቕታል ዝነበሮም ዕላማ ኣይሓብእዎን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: እቲ አብ ልዕሌና ዝወርድ ዝነበረ ጸቕጢ መሪር ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ንእምነትና ዝኽሕድ ሰነድ እንተድኣ ፈሪምና ናጻ ክንወጽእ ከም እንኽእል ተነግረና። ገለ ኣሕዋት “ናጻ እንተድኣ ዀይነ: ኣብ ዕዮ የሆዋ ብዙሕ ክዓዪ ክኽእል ኢየ” ዝብል ምስምስ ከቕርቡ ጀመሩ። ዋላ እኳ ሒደት ዝዀኑ እንተፈረሙ: ዝበዝሑ ኣሕዋትና ግን ኵሉ እቲ ስእነት: ውርደትን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ከየገደሶም ብእምነት ጸንዑ። ካብቶም ዝፈረሙ ገለ ሰባት ኣበይ ከም ዝኣተዉ ደሃዮም የለን። እቲ ዘሐጕስ ግን: ካልኦት ጸኒሖም ተመልሱ: ገና ድማ ንጡፋት መሰኻኽር ኢዮም።
እሱራት 25 ግዜ ብበትሪ ከም ምውቃዕ ዝኣመሰለ ናይ ሕሱም መዝበጥቲ ግዳያት ክዀኑ ኸለዉ ንኽንዕዘብ ወትሩ ንግደድ ነበርና። ሓደ ግዜ: ኣርባዕተ ሰባት ብማሕነቕቲ ክቕተሉ ኸለዉ ከም እንዕዘብ ገበሩና። እዚ ተመክሮታት እዚ ኣብ ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ሳዕቤን ኣለዎ። ኣብቲ ኣነ ዝነበርክዎ ባራካ ዝነብር ዝነበረ ነዊሕ ዝቝመቱ ምልኩዕ ሓው: “ኣብዚ ቕድሚ ምምጽአይ: ደም ምስ ዝርኢ ቀልጢፉ ኢዩ ዕውልውል ዝብለኒ ነይሩ። ሕጂ ግን ስምዒተይ ደንዚዙ ኢዩ” በለኒ። ምንም እኳ ገና ስምዒትና ደንዚዙ እንተ ነበረ: ስቓይ ዘይስምዖም ሰባት ግን ኣይነበርናን። ፈጺመ ሕኒን ኣይበልኩን ወይ ኣብቶም ሰጐጕትና ጽልኢ ኣይሕደርኩን ክብል እኽእል ኢየ።
ንገለ ግዜ ምስ ኮማንዶ (ናይ ስራሕ ጕጅለ) ድሕሪ ምስርሐይ: ብርቱዕ ረስኒ ሓሚመ ሆስፒታል ኣተኹ። ሓደ ሕያዋይ ወዲ ኖርወይ ሓኪምን ሓደ ወዲ ቼኮዝሎቫክያ ኣላዪ ሕሙማትን ሓገዙኒ: እቲ ሕያውነቶም ድማ ኢዩ ንህይወተይ ኣድሒኑዋ ዝኸውን።
ናይ ሞት ጉዕዞ
ሚያዝያ 1945: ጀርመናውያን ኣብቲ ውግእ ከም እተሳዕሩ ንጹር ኢዩ ነይሩ። እቶም ምዕራባውያን ጥሙር ሓይልታት ብምዕራብ: ሶቭየታውያን ድማ ብምብራቕ ብቕልጡፍ ይግስግሱ ነበሩ። ናዚ ነቶም ኣብቲ መዳጐኒ ደምበታት ዝነበሩ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክቕንጽልዎም: ገለ ኣሰር ከይገደፉ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ነቲ ኣካላቶም ክጕሕፍዎ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ነቶም ሕሙማት ክቐትልዎም ነቶም ዝተረፉ እሱራት ድማ ናብቲ ዝቐረበ ወደባት ከግዕዝዎም ወሰኑ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ኸኣ ኣብ መራኽብ ክጽዕንዎም እሞ ነተን መራኽብ ኣብ ባሕሪ ከጥሕልወን ሓሰቡ።
እቲ ጉዕዞ ናይቶም 26,000 እሱራት: ለይቲ 20 ሚያዝያ ካብ ዛክሰንሃውሰን ተጀመረ። ነቲ ደምበ ሓዲግና ቅድሚ ምኻድና: እቶም ሕሙማት ኣሕዋትና ሓውዮም ካብቲ ሆስፒታል ወጺኦም ነበሩ። ክጐዓዙላ ዝኽእሉ ዓረብያ ድማ ተረኽበት። ኵሉዅሉና ካብ ሹድሽተ እተፈላለያ ሃገራት እተኣኻኸብና 230 ነበርና። ካብ መንጎ እቶም ሕሙማት ኣብ ሆላንድ ንምስፍሕፋሕ ዕዮ ዓቢ ሓገዝ ዘበርከተ ሓው ኦርቱር ቪንለር ይርከቦም ነበረ። እቶም መሰኻኽር ዘበልና ኣብ መወዳእታ እቲ ሰልፊ ተሰራዕና: ኣብቲ ጉዕዞ ንኽንቅጽል ድማ ኣብ ንሓድሕድና ብቐጻሊ ንተባባዕ ነበርና።
ካብ እንብገስ ኣትሒዝና: ብዘይ ምቍራጽ 36 ሰዓታት ተጓዓዝና። እናተጓዓዝኩ ከለኹ: ካብ ክቱር ስቓይን ድኻምን እተላዕለ ብሓቂ ድቃስ መጸኒ። ንድሕሪት ምትራፍ ወይ ድማ ከተዕርፍ ደው ምባል ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ድሮ በቶም ሓለውቲ ተቐቲሉ ነበረ። ለይቲ ኣብ ጐልጐል ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ደቀስና። መግቢ ዝበሃል ኣይነበረን። ነቲ ብጥሜት እተላዕለኒ ቅርጸት ምጻሩ ምስ ሰኣንኩ: ነቲ ናይ ሽወደን ቀይሕ መስቀል ሂቡና ዝነበረ መጽረዪ ስኒ ክሬም ለሓስኩዎ።
ኣብ ሓደ ቦታ ምስ በጻሕና እቶም ናይ ጀርመን ሓለውቲ: ናይ ሩስያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ወተሃደራት በየን ከም ዘለዉ ስለ እተደናገሮም ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ተቐመጥና። እዚ ናይ ኣምላኽ ምድላው ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ: ከም ውጽኢት ናይዚ: ናብ ወደብ ሉቤክ በይ: ናብተን ናብ ናይ ማይ መቓብርና ክወስዳና እተመደባ መራኽብ ኣይበጻሕናን። ኣብ መወዳእታ: ን12 መዓልትታት ንገለ 200 ኪሎ ሜተር ድሕሪ ምጕዓዝና: ኣብ ክሪቪትስ ዉድ በጻሕና። እዚ ቦታ እዚ ካብታ ካብ ሉቤክ 50 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ሽፌሪን እትበሃል ከተማ ብዙሕ ኣይርሕቕን ኢዩ።
ሶቭየታውያን ብየማንና: ኣመሪካውያን ድማ ብጸጋምና ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ዝስማዕ ዝነበረ ናይ ከቢድ ብረት ድምጽን ዘየቋርጽ ናይ ጠበናጁ ተዅስን ኣብ ጥቓ እቲ መስመር ውግእ ከም ዘለና ፈለጥና። እቶም ናይ ጀርመን ሓለውቲ ረዓዱ: ገለውን ሃደሙ: ካልኦት ድማ ንኸይልለዩ ተስፋ ብምግባር ናይቶም ዝሞቱ እሱራት ክዳን ገፊፎም ነቲ ወተሃደራዊ ክዳውንቶም ቀይሮም ተኸደንዎ። እቶም መሰኻኽር ዘበልና ኣብ ማእከል እቲ ሕንፍሽፍሽ: መሪሕነት ንምርካብ ክንጽሊ ተኣከብና።
እቶም ዝመርሑና ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ ብንግሁኡ ክንብገስ እሞ ናብቶም ብሸነኽ ጸጋምና ዝነበሩ ሰራዊት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ገጽና ኽንከይድ ከም ዘሎና ወሰኑ። ሽሕ እኳ ካብቶም ነቲ ናይ ሞት ጉዕዞ ዝጀመርዎ እሱራት ዳርጋ ፍርቂ ዝዀኑ ሞይቶም ወይውን ኣብ መገዲ ተቐቲሎም እንተዀኑ: ኵልና መሰኻኽር ግን ድሒንና ኢና።
ሓደ ካናዳዊ ወተሃደራዊ ፐርሰነል ናብቲ ሓብተይ እትነብረሉ ዝነበረት ከተማ ኒምቬጃን ተማላኣኒ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ ግን: ካብቲ ቦታ ግዒዛ ጸንሓትኒ። ስለዚ ኸኣ ናብ ሮተርዳም ብእግረይ ክኸይድ ተበገስኩ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ድማ: ኣብ መገዲ ሓንቲ ናብ ቦታይ ብቐጥታ እተብጽሓኒ ናይ ብሕቲ መኪና ተማላኣትኒ።
ሓቂ ህይወተይ ኢያ ነይራ
ኣብታ ሮተርዳም ዝበጻሕኩላ መዓልቲ: ንዕዮ ፓይነር እንደገና ሓተትኩ። ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን: ኣብታ ብድሕሪኡ ንዓመት መንፈቕን ዘገልገልኩላ ዛትፋን እትበሃል ከተማ ተመደብኩ። ኣብቲ እዋን እቲ: ኣካላዊ ሓይለይ ብመጠኑ ተመልሰለይ። ድሕርዚ ከምቲ ገየሽቲ ኣገልገልቲ ዝጽውዕሉ: ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀንኩ። ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ: ናብቲ ኣብ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ዝነበረ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተጸዋዕኩ። ኣብ ለካቲት 1949 ካብ መበል 12 ክፍሊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምምራቕ: በልጅየም ተመደብኩ።
ዳርጋ ንሸሞንተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ንዓሰርተታት ዓመታት ድማ ኣብ ናይ መገሻ ዕዮ ማለት ከም ናይ ወረዳ ተዓዛብን ናይ ኣውራጃ ተዓዛብን ምዃን ሓዊስካ: ኣብ በልጅየም ኣብ እተፈላለየ ናይ ኣገልግሎት መዳያት ኣገልጊለ ኢየ። ብ1958 ነታ መጋይሽተይ ዝዀነትኒ ዡስቲን ተመርዓኹ። ሕጂ: ዕድመ እናደፋእኩ እኸደሉ ኣብ ዘሎኹ እዋን: ከም ተተካኢ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ብመጠኑ ከገልግል ብምኽኣለይ ገና ሓጐስ ይስምዓኒ።
ነቲ ዝገበርክዎ ኣገልግሎት ምልስ ኢለ ክሓስቦ ከለኹ: ብርግጽ “ካብ ሓቂ ዝበልጽ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን” ክብል እኽእል ኢየ። ርግጽ ኢዩ: እዚ ዅሉ ግዜ ቀሊል ኣይነበረን። ካብ ጌጋታተይን ጕድለታተይን ክማሃር ከም ዘድልየኒ ፈሊጠ ኢየ። ስለዚ ኸኣ ምስ መንእሰያት ከዕልል ከለኹ: መብዛሕትኡ ግዜ “ንስኻትኩምውን ጌጋታት አረ ምናልባትውን ከቢድ ሓጢኣት ከይተረፈ ክትፍጽሙ ትኽእሉ ኢኹም: እንተዀነ ግን ብዛዕብኡ ኣይትሓስዉ። ነቲ ጕዳይ ምስ ወለድኹም ወይ ምስ ሓደ ሽማግለ ተመያየጥሉ: ድሕርዚ ኣድላዪ ምትዕርራይ ግበሩ” ብምባል እነግሮም።
ኣብተን ዳርጋ ን50 ዓመታት ኣብ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ በልጅየም ዘሕለፍክወን ሓደ ግዜ ቈልዑ ኸለዉ ዝፈልጦም ዝነበርኩ ሰባት ሽማግለታትን ናይ ወረዳ ተዓዘብትን ኰይኖም ከገልግሉ ንኽርእዮም መሰል ረኺበ ኢየ። ኣብታ ሃገር ቍጽሪ ኣወጅቲ መንግስቲ ዳርጋ ካብ 1,700 ናብ ልዕሊ 27,000 ክዓቢ ርእየ ኢየ።
“ካብ ንየሆዋ ከተገልግል ኢልካ ምንባር ንላዕሊ: ብዙሕ በረኸት ዘምጽእ ካልእ መገዲ ክህሉዶ ይኽእል፧” ብምባል ኢየ ዝሓትት። ፈጺሙ ኣይነበረን: ሕጂውን የለን: ንዝመጽእ ድማ ፈጺሙ ኣይክህሉን ኢዩ። ንዘለኣለም ንዕኡ ኣብ ምግልጋል ክንቅጽል ምእንቲ ኽንክእል: ንበዓልቲ ቤተይን ንዓይን ክመርሓናን ክባርኸናን ኢየ ናብ የሆዋ ዝጽሊ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ምስ በዓልቲ ቤተይ ብ 1958 ደድሕሪ መርዓና