‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ ሰባት ግበሩ’
“ስለዚ ኺዱ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ ሰባት ግበሩ።” ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19 ዝርከብ ናይ የሱስ ትእዛዝ ከምዚ ዝብል ትርጕም ኢዩ ዝህቦ። ይኹን እምበር: እዚ ትርጕም እዚ ተነቒፉ ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ሃይማኖታዊት ንእሽቶ ጽሕፍቲ “እታ ናይ ግሪኽ ጥቕሲ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ዝብል ትርጕም ጥራይ ኢዩ ዘለዋ” ብምባል ትዛረብ! ሓቂ ድዩ፧
እዚ ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቂ መዛሙርቲ ግበሩ’ ዝብል ትርጕም: ኣብ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ዝርከብ: ካብ ግሪኽ ድማ ቃል ብቓሉ እተተርጐመ ኢዩ። ስለዚ: ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ዝዀኑ ሰባት’ ተባሂሉ ከም ዝንበብ ንምግባሩ ድኣ እንታይ መሰረት ኣሎ፧ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ኢዩ። እቲ “እናኣጥመቕኩም” ዝብል መግለጺ ንኣህዛብ ብሓፈሻ ዘይኰነስ ንውልቀ-ሰባት ከም ዘመልክት ንጹር ኢዩ። ሃንስ ብሩንስ እተባህለ ጀርመናዊ ምሁር ከምዚ ይብል:- “እታ ‘ዘም’ እትብል ናይ እንግሊዝኛ [ቃል]: ንኣህዛብ ብሓፈሻ ዘይኰነስ (ቛንቋ ግሪኽ ንጹር ዝዀነ ፍልልይ ይገብር ኢዩ) ነቶም ኣብ ኣህዛብ ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት ኢያ እተመልክት።”
ብተወሳኺ: እቲ ናይ የሱስ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ዝወዓለሉ ኣገባብ እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ነቲ ጳውሎስን በርናባስን ደርቤ ኣብ እተባህለት ሓንቲ ናይ ንእሽቶ እስያ ከተማ ዝገበርዎ ኣገልግሎት ዝምልከት ከምዚ ነንብብ:- “ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት [“ሒደት:” NW ] ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ: ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ።” (ግብሪ ሃዋርያት 14:21) ጳውሎስን በርናባስን ንኸተማ ደርቤ ዘይኰኑስ ንገለ ካብቶም ኣብ ከተማ ደርቤ ዝነበሩ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝገበሩ ኣስተብህል።
ብተመሳሳሊ: መጽሓፍ ራእይ ነቲ መወዳእታ ግዜ ኣመልኪታ ክትንበ ኸላ: ኵሎም ኣህዛብ ዘይኰኑስ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ . . . ብዙሓት ሰብ ንኣምላኽ ከም ዘገልግልዎ ኢያ እትዛረብ። (ራእይ 7:9 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እምበኣር: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ካብ ኵሉ ትርጕማት ናይቲ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ’ ንላዕሊ ልክዕ ትርጕም ዝሓዘ ምዃኑ ሓቅነቱ ኣረጋጊጹ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16