ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/1 ገጽ 22-24
  • ነቲ ናይ የሆዋ በረኸት ብሓቂ ተማስወሉ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ናይ የሆዋ በረኸት ብሓቂ ተማስወሉ ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብኣላይነቱ መዘና ዘይብሉ
  • እቲ ዘሀብትመና በረኸት
  • ብትዕግስቲ ንየሆዋ ምጽባይ
  • በረኸቱ ድለ
  • በረኸት የሆዋ የሀብትም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ብንጽህና ብምምልላስ ዚርከብ ሓጐስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንየሆዋ ኽትጽበዮ ፍቓደኛ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • የሆዋ የቕንዓልካ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/1 ገጽ 22-24

ነቲ ናይ የሆዋ በረኸት ብሓቂ ተማስወሉ ዲኻ፧

ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ኬኔቺ እተባህለ ሰብኣይ ገረፍታ ስለ ዝሓዞ ፈውሲ ክዕድግ ናብ ቤት መሸጣ መድሃኒት ከደ። ነቲ ፈውሲ ምስ ወሰዶ ኣብ ምሉእ ኣካላቱ ዘሳሕን ማይ ዝምዓጐን ኣለርጂ ወጾ። ኬኔቺ: እቲ ፋርማሲስት ንዅነታቱ ዘድሊ ቘላሕታ እምበርዶ ገይርሉ ኢዩ ብምባል ክጠራጠር እንተ ጀመረ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን።

ገሊኦም ሰባት ከምቲ ኬኔቺ ብዛዕባ እቲ ፋርማሲስት ዝሓሰቦ ገይሮም ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ይሓስቡ ይዀኑ። እቲ ዅሉ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ብብሕቲ ብዛዕባና ብሓቂ ዝግደስ ምዃኑ ይጠራጠሩ ኢዮም። ኣምላኽ ሕያዋይ ምዃኑ ዝፈልጡ እኳ እንተዀኑ: ብደረጃ ውልቀ⁠-ሰብ ይግደሰልና ምዃኑ ግን ኣይኣምኑን ኢዮም። ከምዚ ዝስምዖም ድማ ብፍላይ ነገራት ምስላጥ ክኣብዮም ከሎ ወይ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓቦም ግድላት ከምጽኣሎም ከሎ ኢዩ። ሰኣን ምስትውዓል: ልክዕ ከምቲ ንኬኔቺ ዝወጾ ዘሳሕን ማይ ዝምዓጐን ኣለርጂ: ንግድላቶም ብገለ መገዲ ናይ ኣምላኽ ጌጋ ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ።​—⁠ምሳሌ 19:3

የሆዋ ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ክወዳደር ዘለዎ ኣይኰነን። ሰባት ብፍልጠትን ክእለትን ዝመጸ ድሩታት ኢዮም። ከምቲ ንኬኔቺ ዘጋጠሞ ፋርማሲስት ንድሌት ካልኦት ምሉእ ብምሉእ ኣየስትውዕሉን ኢዮም። ብኣንጻሩ ግን: ካብ ኣዒንቲ የሆዋ ዘምልጥ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። የሆዋ ነዚ ሓቂ እዚ ዘየስተውዓልናዮን ዘየማሰናሉን ክነስና እውን መብዛሕትኡ ግዜ ይሕግዘና ኢዩ: ምኽንያቱ ኣብቲ ዘይብልና ነገራት ናይ ምትኳርን ነቲ ዝረኸብናዮ ብዙሕ በረኸት ሸለል ናብ ምባልን ንዘብል ኢና። በቲ ዘጋጥመና ዝዀነ ይኹን ግድላት ንየሆዋ ናብ ምውቃስ ኣብ ክንዲ እንጐዪ: ነቲ ካብ የሆዋ ዝረኸብናዮ እነስተማቕሮ ዘሎና በረኸት ከነስተውዕሎ ክንጽዕር ኣሎና።

ብመሰረት ወብስተርስ ናይንዝ ኮልጀይት ዲክሸነሪ “በረኸት” ክበሃል ከሎ “ሓጐስ ወይ ድሕንነት ዘምጽእ ነገር” ተባሂሉ ክግለጽ ይኽእል ኢዩ። እዚ ብፍላይ ኣብቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ በረኸት ከም ዝውዕል ትርድኦዶ ኢኻ፧

ብኣላይነቱ መዘና ዘይብሉ

ሓንቲ ሰበይቲ በዓል ቤታ ንፉዕ ኣላዪ ኢዩ ክትብል ከላ: ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ እታ ስድራቤት ሓጐስን ድሕንነትን ክትረክብ ኢሉ እኹል መግቢ: መጽለሊ: ከምኡውን ክዳን ብምድላው ብዛዕባ እቲ ነታ ስድራቤት ዘድልያ ነገራት ጽቡቕ ሓልዮት ዘርኢ ማለታ ኢያ። የሆዋ ከም ኣላዪና መጠን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሕያዋይ፧ ነዛ ማሕደር ሰብ ዝዀነት ምድርና እሞ ጽቡቕ ገይርካ ተዓዘባ። ካብ ጸሓይ 150,000,000 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኢያ እትርከብ: እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ህይወት ከም ዝህሉ ዝገብር ምቹእ ሙቐት ብልክዕ ዝሰማማዕ ርሕቀት ኢዩ። ምድርና ብ23.5 ዲግሪ ቅንን ዝበለት ምዃና ድማ ኣኽል⁠-ታርፍ ምህርቲ ንኽሕፈስ ኣበርክቶ ዘለዎ እተፈላለየ ወቕትታት ከም ዝህሉ ዝገብር ውሕሉል ንድፊ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ምድሪ ንልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ትምግብ። የሆዋ ብሓቂ ዘደንቕ ኣላዪ ኢዩ!

ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ኣባናን ኣብ ድሕንነትናን ብደረጃ ውልቀ⁠-ሰብ ኣዕሚቑ ዝግደሰልና ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: የሆዋ ነቶም ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ከዋኽብቲ በብስሞም ይፈልጦም ኢዩ: ዑፍ ገበላ እውን ትኹን: ንሱ ኸይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን ኢያ። (ኢሳይያስ 40:26፣ ማቴዎስ 10:29⁠-31) ነቶም ዘፍቅርዎን በቲ ኽቡር ደም ናይቲ ዝፈትዎ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝዓደጎምን ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዝያዳ ዝግደሰሎም! (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም: ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ምባሉ ሓቂ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 10:22

እቲ ዘሀብትመና በረኸት

ዓሚቝ ሞሳ ከነርእየሉ ዘሎና ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ነገር ኣብ ኢድና ኣሎ። እንታይ ኢዩ ንሱ፧ መጽ​ሓፍ ቅዱስ “ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒ” ብምባል ይገልጾ። (መዝሙር 119:72፣ ምሳሌ 8:​10) ዝኸበረ ዋጋ ከም ዘለዎ መጠን ወርቂ ይም​ረጽ ይኸውን: ሕጊ የሆዋ ግን ዝያዳ ክበሃግ ዘለዎ ነገር ኢዩ። ርጡብ ፍልጠት ሕጉ ምስቲ የሆዋ ኣብ ውሽጢ እቶም ቅኑዓት ደለይቲ ሓቂ ዘስርጾ ዓሚቝ ምርዳእን ምስትውዓልን ብምውህሃድ ኣኽቢርካ ክተሓዝ ዘለዎ ነገር ኢዩ። እዚ ገዛእ ርእስና ንምዕቋብ: ምስ ኣጸጋሚ ኵነታት ንምግጣም: ንግድላት ብዓወት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ: ከምኡውን ዕግበት ዘሎናን ሕጕሳትን ንኽንከውን ዘዕጥቐና ኢዩ።

እዚ ኣብቶም ኣዝዮም ንኣሽቱ ዝዀኑ ሰባት እውን ከይተረፈ ዝዓዪ ኢዩ። ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ንሕጊ የሆዋ ብምስዓብ ንግድላታ ብኸመይ ከም እተዋጽኣትሉ ርአ። እዛ ኣኬሚ ዝስማ ጓል ኣብ ከባቢ ቶክዮ ኢያ እትነብር። ኣቡኣን ኣዲኣን ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኢዮም ኣዕብዮምዋ: ብቓሎምን ብግብሮምን ድማ ጓሎም ንየሆዋን ንሰብን ፍቕሪ ከተርኢ ሓጊዞምዋ ኢዮም። ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከጋጥማ ዝኽእል ግድላት ኣቐዲሞም ብምርኣይ: ክሳዕ ዝከኣሎም ንምድላዋ ጽዒሮም ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣኬሚ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣተወት: ቅድሚ ምብልዓ ስለ እትጽልን ብሕልንኣ ተደሪኻ ድማ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብ ዘይኰነ ገለ ገለ ንጥፈታት ስለ ዘይትካፈልን ብገለ ካብቶም ደቂ ኽፍላ ከም “ፍልይቲ” ተራእየት። ብዙሕ ከይጸንሐት ድማ: ኣደዳ እቶም ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ መንደቕ ኣጸጊዖም ዝጸፍዕዋን ኢዳ ዝጠውዩዋን ዘላግጹላን ጕጅለ ዓንተራት ኰነት።

እዛ ብዕድመ ንእሽቶ ዝዀነት ኣኬሚ ሕነ ኣይፈደየትን: ኣብ ቅድሚ እቶም ዘሳቕይዋ ዝነበሩ ድማ ብፍርሂ ኣይተሸቝረረትን። ኣብ ክንድኡ: ነቲ እተማህረቶ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ጸዓረት። ጽቡቕ ጠባ​ይን ትብዓትን ስለ ዘርኣየት: ካብ ብዙሓት መማህርታ ክብረት ረኸበት። እቲ ነገር ከኣ ናይ መምህር ቈላ​ሕታ ከም ዝርከብ ተገብረ: ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣት​ሒዛ ድማ: ኣኬሚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተሸጊራ ኣይትፈልጥን።

ኣኬሚ ነቲ ኣሸጋሪ ኵነ​ታት ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ዝሓገዛ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ወለዳ ኣብ ኣእምሮኣ ዝሰረጹላ ካብ የሆዋ ዝር​ከብ ርጡብ ፍልጠትን ዓሚቝ ምርዳእን ጥበብን ኢዩ። ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ምጽ​ማም ጽቡቕ ገይራ ትፈ​ልጦ ነበረት: እዚ ድማ ኣብነቱ ኽትቀድሕ ኣለዓዓላ። መጽሓፍ ቅዱስ: ገሊኦም ሰባት ካብ ዘይምፍላጥ እተላዕለ ከም ዝብድሉ ንኸተስተውዕል ሓገዛ: ነቶም ዓንተራት ዘይኰነስ ነቲ ግጉይ ተግባሮም ንኽትጸልእ ዘኽእላ ትብዓት ከም እትረክብ ገበራ።​—⁠ሉቃስ 23:34፣ ሮሜ 12:​9, 17⁠-21

ርግጽ ኢዩ: ውላዱ ኣደዳ ላግጽን ማህሰይትን ክኸውን ዝፈቱ ወላዲ የለን። እንተዀነ ግን: ዝርዝር ናይ ኵሉ እቲ ዝዀነ ነገር ምስ ሰምዑ: ናይ ኣኬሚ ወለዲ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓበኑ እሞ ገምቶ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ውሉዳት ብሓቂ ናይ የሆዋ በረኸት ኢዮም።​—⁠መዝሙር 127:3፣ 1 ጴጥሮስ 1:​6, 7

ብትዕግስቲ ንየሆዋ ምጽባይ

በረኸት የሆዋ ቅድሚ ምርካብካ ግን: ሓድሓደ ግዜ ነቲ ባዕሉ ስጕምቲ ዝወስደሉ ግዜ ክትጽበ ኣሎካ። የሆዋ ንዅነታትካ ይፈልጦ ኢዩ: ንነፍሲ ወከፍ ዘድልየካ ነገር ድማ ኣብቲ ንዓኻ ዝያዳ ዝጠቕመካ እዋን ኢዩ ዝህበካ። (መዝሙር 145:16፣ መክብብ 3:1፣ ያእቆብ 1:​17) ፍሩታ ምብላዕ ባህ ይብለካ ይኸውን: ሓደ ሰብ ዘይበሰለ ፍሩታ እንተ ዝህበካ ግን እንታይ ምበልካ፧ ቱፋሕ ይኹን ኣራንሺ ወይ ካልእ ዝዀነ ይኹን ፍረ: ዝበሰለ: ማይ ዘለዎ: ምቁር ክኸውን ኢኻ እትመርጽ። ብተመሳሳሊ ድማ: የሆዋ እቲ እትደልዮ ነገር ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ​—⁠ኣዝዩ ኸይቀልጠፈ ኣዝዩ ድማ ኸይደንጐየ​—⁠ኢዩ ዝህበካ።

ናይ ዮሴፍ ተመክሮ ዘክር። ብዘይ ወዓሎ ገበን: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግብጺ ተዳጐነ። እቲ ናይ ፈር​ኦን ኣሰላፍ ሜስ ዝነበረ መተኣስርቱ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ተስፋ ነበሮ: ንጕዳይ ዮሴፍ ድማ ኣብ ፈርኦን ከብጽሖ ምዃኑ ተመባጽዐ። ምስ ተፈትሐ ግን ንዮሴፍ ፈጺሙ ረስዖ። ዮሴፍ እተጠንጠነ ይመስል ነበረ። ይኹን እምበር: ክልተ ዓመት ምሉእ ምስ ሓለፈ: ኣብ መወዳእታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጸ: ንምሸቱ ድማ ናይ ግብጺ ካልኣይ መራሒ ዀነ። ዮሴፍ ትዕግስቱ ኣብ ክንዲ ዝውድእ ንየሆዋ ተጸበዮ። በዚ ኸኣ: ህይወት እስራኤላውያንን ግብጻውያንን ከድሕነሉ ብዝኽእል መገዲ ተባረኸ።​—⁠ዘፍጥረት 39:1⁠– 41:57

ማሳሺ ኣብ ሰሜናዊ ጃፓን ኣብ እትርከብ ሓንቲ ጉባኤ ሽማግለ ኢዩ። ንሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይተዳጐነን: ንየሆዋ ዝጽበየሉ ኵነታት ግን ነበሮ። ስለምንታይ፧ ካብቲ ኣብ ጃፓን ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ: ማለት ብቑዓት ክርስትያን ኣገልገልቲ ንምልምማድ ዝሕግዝ ቤት ትምህርቲ: እተኸፍተሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብኡ ንምክፋል ልባዊ ሸቶ ኣውጽአ። ነቲ መሰል እቲ ንምርካብ ኣበርቲዑ ጸለየ። መገላግልቱ ዝነበረ ፓይነር ኣብኡ ክኣቱ ተጸውዐ: ማሳሺ ግን ዓሚቝ ባህጊ እናሃለዎ ክነሱ ኣይተዓደመን። ኣዝዩ ድማ ተስፋ ቘረጸ።

እንተዀነ ግን: ምስ ስምዒታቱ ንምቅላስ ስጕምታት ወሰደ። ኣብ ከም ትሑት ምዃንን ስምዒትካ ምቍጽጻርን ዝኣመሰለ ኣርእስትታት ብምትኳር: መጽ​ሓፍ ቅዱስን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመ ጽሑፋትን ኣጽንዐ። ነቲ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ኣተዓራረዮ እሞ: በቲ መዝነቱ ድማ ዝያዳ ዕግበት ተሰምዖ። ድሕርዚ: ትጽቢት ኣብ ዘይገበረሉ እዋን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ዕድመ ተቐበለ።

ከም ትዕግስትን ትሕትናን ዝኣመሰለ ባህርያት ስለ ዘማዕበለ: ካብቲ ቤት ትምህርቲ ብዙሕ ተጠቕመ። ጸኒሑ: ማሳሺ ንኣሕዋቱ ገያሺ ተዓዛቢ ብምዃን ናይ ምግልጋል መሰል ረኸበ። እወ: የሆዋ እቲ ማሳሺ ዝደልዮ ዝነበረ ነገር ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ: ኣብቲ ንማሳሺ ዝያዳ ጠቓሚ ክዀነሉ ዝኽእል እዋን ድማ ሃቦ።

በረኸቱ ድለ

ስለዚ: የሆዋ ከምቲ ፋርማሲስት ኣይኰነን። ንሓልዮትን ተገዳስነትን የሆዋ ካብ ምስትውዓል ንሰንፍ እኳ እንተዀንና: ሕያውነቱ ብእተፈላለየ መልክዕ​—⁠ዝያዳ ብዝጠቕመና እዋናትን መገድታትን​—⁠ኢዩ ዝመጽእ። ስለዚ እምበኣር: በረኸቱ ምድላይ ቀጽል። ድሮ መመስገኒ ክትኰነሉ እትኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ከም ዘሎካ ዘክር። ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብህይወት ምንባር ንኽትቅጽል ዘኽእለካ መሰረታዊ ምድላዋት ብምርካብ ተባሪኽካ ኢኻ። ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ፍጹም መገድታቱን ፍልጠት ረኺብካ ኢኻ። ዓሚቝ ምርዳእ ረኺብካ ኢኻ። ምስትውዓል ኣጥሪኻ ኢኻ። እዚ ዅሉ ንድሕንነትካን ሓጐስካን ኣበርክቶ ኣለዎ።

በረኸት የሆዋ ዝያዳ መሊእካ ምእንቲ ኽትረክብ እውን: መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ዄንካ ምጽናዕ ቀጽል። ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ንዝርከብ ዕንቊ መሰል ትምህርትታት ምእንቲ ኽትርድኦን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን ክሕግዘካ ንየሆዋ ለምኖ። ዝጐድለካ ዘይብልካ ምእንቲ ኽትከውን: ብመንፈስ ናይ ሓቂ ሃብ​ታም ክገብረካ ኢዩ። እወ: ሕጂ ሓጐስን ዕግበትን: ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ድማ ህይወት ምስ ተረፉ ምርካብ ማለት ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 10:10፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:​8, 9

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

በረኸት የሆዋ ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዝኸበረ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ