ካብ ዕዉታት ተማሃሮ ናብ ዕዉታት ሚስዮናውያን
ዊል: ነቲ ሽዑ ንሱን ፓትሲ ሰበይቱን ከም ተማሃሮ ናይ መበል 103 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኰይኖም ዝወድእዎ ምልምማድ ብምሕባር “እዚ መሰል እዚ ምርካብና ገና ሕልሚ ኰይኑ ኢዩ ዝርኣየኒ!” በለ። ዘሂድን ጀኒን ንእተባህሉውን ከምኡ ኢዩ ተሰሚዕዎም። “ኣብዚ ምህላውና መሰል ኢዩ” በሉ። ኵሎም እቶም ተማሃሮ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብትግሃት ኢዮም ኣጽኒዖም። ሕጂ ንመዝነቶም ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም ክጅምርዎ ህንጡያት ነበሩ። መጀመርታ ግን ኣብቲ ብ6 መስከረም 1997 እተገብረ ናይ ምረቓ ፕሮግራም: ኣብቲ ሚስዮናዊ መዝነቶም ዕዉታት ክዀኑ ዝሕግዞም ፍቕራዊ ምኽሪ ተቐበሉ።
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ቴዶር ጃራዝ ናይቲ ፕሮግራም ኣቦ መንበር ኢዩ ነይሩ። ንስድራ ቤትኤልን ነቶም ካብ 48 ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝመጹ ወኪላትን ሓዊስካ ካብ ካናዳ: ኣውሮጳ: ፖርቶ ሪኮን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝመጹ ኣሕዋትን ኣዝማድን: ነቶም ተማሃሮ ደገፎምን ፍቕሮምን ክገልጹሎም ኣብኡ ከም እተረኽቡ ሓበረ። ሓው ጃራዝ: እቶም ብናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝለኣኹ ሚስዮናውያን ካብ ሚስዮናዊ ዕዮኦም ከም ዘላግሱ ደድሕሪ ናይ ትምህርቲ ንጥፈታት ድማ ክስዕቡ ከም ዝጅምሩ ወይውን ኣብ ፓለቲካ ኢዶም ከም ዘእተዉ ገለጸ። ናይ ጊልዓድ ሚስዮናውያን ግን ከምቲ እተለማመድዎ ኰይኖም ኢዮም ዝዓዩ። ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝምህርዎም።
ሮበርት ባትለር ኣባል ናይቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር: “ጕዕዞኹም ዕዉት ግበርዎ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝርርብ ሃበ። ሰባት ንዓወት ዝመዝንዎ ብገንዘብ ወይ ከኣ ብኻልእ ብሕታዊ ረብሓ እኳ እንተዀነ: እቲ ብሓቂ ዘገድስ ኣምላኽ ንዓወት ብኸመይ ከም ዝመዝኖ ኢዩ። ኣገልግሎት የሱስ ዕዉት ዝነበረ ንብዙሓት ሰባት ስለ ዝቐየረ ዘይኰነስ ኣብቲ እተመደበሉ ዕዮ እሙን ስለ ዝነበረ ኢዩ። የሱስ ንየሆዋ ክብሪ ኣምጽኢሉ: ብዓለም ከይተመራስሐ ድማ ቀጸለ። (ዮሃንስ 16:33፣ 17:4) እዚ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ክገብሮ ዝኽእል ተግባር ኢዩ።
ኣብ ምብራቓዊ ክፍለ-ዓለም ቀደም ሚስዮናዊ ዝነበረ ሮበርት ፔቪ: “ንዅሎም ሰባት ባሮት ኵኑ” ብምባል መኸረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ዕዉት ሚስዮናዊ ኢዩ ነይሩ። ንኽዕወት ዝገበሮ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ንገዛእ ርእሱ ባርያ ዅሎም ስለ ዝገበራ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:19-23) እቲ ተዛራቢ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ሚስዮናዊ: ነቲ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ከም ሓደ ኣብ ውሽጢ እታ ማሕበር ናብ ዝዓበየ ሓላፍነት ዘሰጋግሮ ድንድል ገይሩ ኣይኰነን ዝርእዮ። ሓደ ሚስዮናዊ ናብቲ እተመዘዞ መደብ ዝኸይድ ንኸገልግል ብዝብል ድራኸ ጥራይ ኢዩ: ከመይሲ ባሮት ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ።”
ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ገረት ሎሽ ኣብ 2 ቈረንቶስ ምዕራፍ 3ን 4ን ተመርኲሱ ምኽሩ ክህብ ከሎ ነቶም ተማሃሮ “ንኽብሪ የሆዋ ኸም መስትያት ኴንኩም ኣንጸባርቕዎ” ኢሉ ተላበዎም። ፍልጠት ኣምላኽ ልክዕ ከም መብራህቲ ምዃኑ: ሓደ ክርስትያን ንኽቕበሎ ልቡ እንተድኣ ከፊቱሉ ኸኣ ከም ዘብርሃሉ ኣዘኻኸሮም። ነቲ መብራህቲ እቲ እነንጸባርቖ ነቲ ብስራት ብምስባኽን ሰናይ ባህሪ ብምዅስኳስን ኢዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ኣፍልጦ ሃበ:- “ሓድሓደ ግዜ ዘይብቑዕ ከም ዝዀንካ ይስምዓካ ይኸውን: ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ክመጸካ ኸሎ ግን ‘እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ ምእንቲ ክኸውን’ ኣብ የሆዋ ተወከል።” (2 ቈረንቶስ 4:7) ሓው ሎሽ ነቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 4:1 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ብምቅላሕ ነቶም ተማሃሮ “ንሚስዮናዊ ዕዮኹም ኣይትሕደግዎ። መስትያትኩም ማሕማሕ ኣብልዎ!” በሎም።
ካርል ኣዳምስ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣባል: “የሆዋ ኣበይ ኢዩ ዘሎ፧” ዝብል ኣገዳሲ ኣርእስቲ ኣቕረበ። እቲ ሕቶ ኣምላኽ ኣብ ኣድማስ ኣበየናይ ቦታ ከም ዝርከብ ዘይኰነስ: ኣረኣእያ ኣምላኽን ናይ መሪሕነቱ ሓበሬታን ምምርማር ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት። “ሓደ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ነዊሕ ዝገበረ ሰብ እውን ከይተረፈ ጽብብ ምስ ዝብሎ ኣረኣእያ ኣምላኽ ክርስዕ ይኽእል ኢዩ” በለ። (እዮብ 35:10) ብዛዕባ ግዜናኸ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧? ብ1942 ህዝቢ ኣምላኽ መሪሕነት የድልዮም ነበረ። እቲ ዕዮ ስብከት ናብ መደምደምትኡ ድዩ ዝኸይድ ነይሩ: ወይስ ክዕየ ዘድልዮ ብዙሕ ዕዮ ነይሩ ኢዩ፧ ፍቓድ የሆዋ ብዛዕባ ህዝቡ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ቃል ኣምላኽ ምስ ኣጽንዑ: እቲ መልሲ ተነጸረ። ሓው ኣዳምስ “እታ ዓመት እቲኣ ቅድሚ ምውድኣ ነቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝኸውን ውጥን ተገይሩ ነይሩ ኢዩ” በለ። የሆዋ ነቲ እቶም ካብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ተላኢኾም ዝኸዱ ሚስዮናውያን ዝገበርዎ ዕዮ ብሓቂ ባሪኽዎ ኢዩ።
ማርክ ኑማር ካብቶም ዝርርብ ዝሃቡ መምህራን እቲ ካልኣይ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ “ንኽእለትኩም ብኸመይ ኢኹም ክትጥቀምሉ፧” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ ዝርርቡ: እቶም ተማሃሮ ኣብቲ ሓድሽ እተመደብሉ ሃገር ምስ በጽሑ ነቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብዎ ምልምማድ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣተባብዖም። “ብዛዕባ ካልኦት ንምግዳስ ጽዓሩ። ኣብቲ ህዝብን ባህሉን ተገዳስነት ይሃልኹም። ነቲ ናይቲ ሃገር ልምድን ታሪኽን ዋዛን ከተጽንዕዎ ህንጥዮት ይሃልኹም። ነቲ ቛንቋ ቀልጢፍኩም እንተድኣ ኣጽኒዕኩምዎ: ነቲ እተመደብኩምሉ ሃገር ንኽትለምድዎ ዝቐለለ ክዀነልኩም ኢዩ” በለ።
ቀናኣት ተማሃሮ ኣብቲ ኣገልግሎት ሓጐስ ይረኽቡ
እቶም ተማሃሮ ኣብ ጊልዓድ ኰይኖም ትምህርቶም ኣብ ርእሲ ምክትታሎም: ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ 11 ጉባኤታት ተመዲቦም ነበሩ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ብቕንኢ ይካፈሉ ነበሩ። ኣባል ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝዀነ ዋላስ ሊቨረንስ: ካብቲ ዝረኸብዎ ተመክሮታት ነቶም ሰማዕቲ ክገልጹሎም ንገለ ካብቶም ተማሃሮ ዓደሞም። ኣብ ድኳናት: ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ: ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት: ኣብ መገድን ካብ ቤት ናብ ቤትን ክምስክሩ ከለዉ ንዘጋጠሞም ተመክሮታት ክገልጹ ኸለዉ ሓጐሶም ይርአ ነበረ። ገለ ካባታቶም ነቶም ኣብቲ ናይ ጉባኤኦም ዞባ ዝርከቡን ዝሰርሑን ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ንምብጻሕ መገድታት ይደልዩ ነበሩ። ኣብ እዋን እቲ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ምልምማድ ብኣባላት ናይቶም መበል 103 ክፍሊ: እንተወሓደ ዓሰርተ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀሚሩ ነበረ።
ናይ ነዊሕ ግዜ ሚስዮናውያን ንኽዕወቱ ዝሓገዞም ምስጢር የካፍሉ
ደድሕሪ እዚ ዘሐጕስ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም ፓትሪክ ላፍራንካን ዊልያም ቫን ዲ ዎልን ነቲ ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮኦም እተማሃርዎ ክገልጹ ንሸውዓተ ኣባላት ጨንፈር ኮሚተ ዓደሙ: እዚ ድማ ነዞም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ንምጥቃም እተገብረ ኢዩ። ነቶም ተመረቕቲ እቲ ሚስዮናዊ ዕዮ ካብ የሆዋ ከም ዝመጾም ገይሮም ክርእይዎን ኣብቲ እተመደብሉ ቦታ ድማ ክጸንዑን ተላበውዎም። እቶም ናይ ጊልዓድ ምልምማድ ዝረኸቡ ሚስዮናውያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝካየድ ዕዮ ዘለዎም ኣወንታዊ ውጽኢት ገለጹሎም።
ነዞም ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ሕጕሳትን ኣፍረይቲ ኰይኖም ከገልግሉ ዝሓገዞም እንታይ ኢዩ፧ ምስቶም ናይቲ ዓዲ ኣሕዋት ጠቢቖም ዓዮምን ካብኣቶም ተማሂሮምን ኢዮም። ኣብቲ እተመደብሉ ሃገር ምስ በጽሑ ብኡንብኡ ነቲ ቛንቋ ክማሃሩ ጽዒሮም ኢዮም። ተዓጸፍቲ ክዀኑን ምስቲ ናይቲ ካባቢ ባህሊ ክለማመዱን ተማሂሮም ኢዮም። ቻርለስ አይሰንሃወር: ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ጊልዓድ ምሩቕ: ን54 ዓመታት ከኣ ሚስዮናዊ ኰይኑ ዘገልገለ: ዕዉታት ሚስዮናውያን ዝረኸብዎ ሓሙሽተ “ምስጢር” ኣካፈሎም:- (1) ስርዓታዊ ዄንካ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ (2) ነቲ ቛንቋ ኣጽንዕ (3) ኣብ ኣገልግሎት ንጡፍ ኩን (4) ኣብ ናይ ሚስዮናውያን ኣባይቲ ሰላም ከም ዝሰፍን ግበር: ከምኡውን (5) ናብ የሆዋ ኣዘውቲርካ ጸሊ። እቶም ተማሃሮ በቲ እተቐበልዎ ተግባራዊ ምኽሪ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ እዞም ተመክሮ ዘለዎም ሚስዮናውያን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝረኸብዎ ርኡይ ሓጐስ እውን ተመሲጦም ኢዮም። ከምቲ ኣርማንዶን ሉፔን ዝበልዎ እቶም ተመክሮ ዘለዎም ሚስዮናውያን “ብዛዕባ ህይወቶም ክዛረቡ ከለዉ ሕጕሳት ኢዮም ነይሮም።”
ድሕሪ እቲ ቃለ-መጠይቓት: ሓደ ዝዋሃብ ትምህርቲ ተሪፉ ነበረ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ኣልበርት ሽሮደር “ናይ ቃል ኣምላኽ እሙን መጋቢ ክቡር ዕንቊ ናይ ቃል ሓቂ ኢዩ ዝገልጽ” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ መረጸ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ቀንዲ መምሃሪ መጽሓፍ ስለ ዝዀነ: እቶም ተማሃሮ እንታይ ኰን ክብል ኢዩ ዝብል ሃንቀውታ ነበሮም። ሓው ሽሮደር: 50 ዓመታት ይገብር እቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ናይ ምትርጓም ዕዮ ክጅመር ከሎ እቶም ቅቡኣት ኣባላት ናይ ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትርጕም ኮሚተ: ስምረት ሰባት ክረኽቡ ይጽበዩ ከም ዘይነበሩ ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ይውከሉ ከም ዝነበሩ ገለጸ። (ኤርምያስ 17:5-8) ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ገሊኦም ምሁራት ነቲ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እትኽተሎ ብሉጽ መዐቀኒ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። ሓደ ምሁር ናብ ማሕበር ኣብ ዝሰደዶ ደብዳበ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓደ መጽሓፍ ክርኢ ከለኹ እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ምዃኑ እግንዘብ ኢየ: ‘ናይ ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትርጕም ኮሚተኹም’ ከኣ ዕዮኣ ጽቡቕ ገይራ ፈጺማ ኢያ።”
ድሕሪ እዚ ዝርርብ እዚ: እቶም ተማሃሮ ዲፕሎማኦም ተቐበሉ: እቲ እተመደብሉ ሃገራት ከኣ ነቶም ሰማዕቲ ተነግረ። እዚ ነቶም ናይቲ ክፍሊ ኣባላት ናይ ሃንቀውታ እዋን ኢዩ ነይሩ። ናይቶም ተማሃሮ ወኪል ናይ ምስጋና ደብዳበ ከንብብ ከሎ: ብዙሓት ሕንቕንቕ በሉ: ኣዒንቶም ድማ ንብዓት ቋጸራ። ገለ ካብቶም ተማሃሮ ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ሚስዮናዊ ዕዮ ንምስታፍ ክቀራረቡ ጸኒሖም ኢዮም። እቲ ኣብ ጊልዓድ ዝዋሃብ ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ከም ዝዀነ ብምፍላጥ: ሒደት ዝዀኑ ናይ እንግሊዝኛ ክእለቶም ንምምሕያሽ ናብተን ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤታት ቀይሮም ነይሮም ኢዮም። ካልኦት ከኣ ኣብቲ ዝያዳ ፓይነራት ዝድለይሉ ቦታ እንተ ኣብ ሃገሮም ወይ ኣብ ወጻኢ ከይዶም ነይሮም ኢዮም። ገና ካልኦት ከኣ ተመክሮታት ብምንባብ: ምርምር ብምግባር: ወይ ከኣ ነታ ቱ ዘ ኤንድስ ኦቭ ዚ አርዝ እትበሃል ናይ ማሕበር ቪድዮ ካሴት ደጋጊሞም ብምርኣይ ተዳልዮም ነይሮም ኢዮም።
እቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ዊልን ፓትሲን በቲ ነቶም ተማሃሮ እተገብረሎም ብሕታዊ ሓልዮት ተመሲጦም ኢዮም። “እቶም ዘይፈልጡና ሰባትውን ከይተረፉ ይሓቝፉናን ይስእሉናን ነበሩ። ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኣእዳውና ጨቢጡ ‘ብኣኻትኩም ንሕበን ኢና!’ በለ።” እቶም ናይ መበል 103 ክፍሊ ተማሃሮ ብሓቂ ዝፍቀሩ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን። ግቡእ ምልምማድ ረኺቦም ኢዮም። እቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ካብ ዕዉታት ተማሃሮ ናብ ዕዉታት ሚስዮናውያን ንምስግጋር ዘኽእሎም ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]
ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ
ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 9
ቍጽሪ እተመደብሉ ሃገራት:- 18
ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48
ቍጽሪ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን:- 24
ገምጋም ዕድመ:- 33
ኣብ ሓቂ ዝጸንሕሉ ገምጋም ዓመታት:- 16
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 103 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ
(1) ኣንድርያ ባን፣ ማሊን ዳልስቴድ፣ ዘይዳ ካምፓንያ፣ ሪታ ቦያጁሉ፣ ጀኒ ኦጋንዶ፣ ቲን ኒኮንቻክ፣ ሻኪራ ሜልቭን (2) ማሪ መይ፣ ማሪያ ማፑላ፣ ጀኒፈር ሉዊን፣ ዳያና ሃይታማ፣ ሲንትያ ሄርናደስ፣ ኒሻን ቦያጁሉ፣ ኣደልሃይት ስተርም፣ ኪት ሜልቭን (3) ጃክሊን ቶም፣ ኤድዋርድ ማፑላ፣ ሜለዲ ኖል፣ ፓትሪሻ ቲዝዴል፣ ፓመላ ራይት፣ ሉፔ ፔሬዝ፣ ሜላኒ ሸናፈልት፣ ሂ-ዩን ፓክ፣ (4) ሜሊንዳ ማርፊ፣ ሆሴ ካምፓና፣ ሱዝን ስቴዋርት፣ ሞሬና ቼሬዳ፣ ማሪ ሪድ፣ ኣርማንዶ ፔሬዝ፣ ዊልያም ቲዝዴል፣ ጁን ፓክ (5) ዳግለስ ስቴዋርት፣ ኣለን ራይት፣ ፓኦሎ ቼሬዳ፣ ፍሬድሪክ ኒኮንቻክ፣ ጀይሰን ሪድ፣ ክሪሽቻን ሃይታማ፣ ሲዛር ኦጋንዶ፣ ራጀር ሸናፈልት (6) ቶድ ማርፊ፣ ጄሪ ሄርናንደስ፣ ማይክል ኖል፣ ብሩስ ባን፣ ሪቻርድ ቶም፣ ቶም ዳልስቴድ፣ ዘሂድ ሉዊን፣ ራስል መይ፣ ኣንድረያስ ስተርም
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ኣበይ ኢና ተመዲብና፧