ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/12 ገጽ 15-20
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኻልኦት ይቕረ እንብል ስለምንታይ ኢና፧
  • ‘ንሓድሕድኩም ተጻወሩ’
  • እቲ ቝስሊ ዓሚቝ ምስ ዝኸውን
  • ይቕረ ምባል ዘይከኣል ምስ ዝመስል
  • ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ይቕረ ምባልን ምርሳዕን ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧
    ንቕሑ!—1999
  • ስለምንታይ ይቕረ እንብል?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ይቕረታ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/12 ገጽ 15-20

‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’

“ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: . . . ብኸምኡ (NW ) ይቕረ ተባሃሀሉ።” ​—⁠ቈሎሴ 3:​13

1. (ሀ) ጴጥሮስ ንኻልኦት ሰባት ‘ክሳዕ ሾብዓተ’ ሳዕ ይቕረ ክንብለሎም ዝብል ርእይቶ ከቕርብ ከሎ: ለዋህ ከም ዝዀነ ገይሩ ሓሲቡ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ” ይቕረ ክንብል ኣሎና ኢሉ ክዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

“ጐይታይ: ሓወይ እንተ በደለንስ: ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧” (ማቴዎስ 18:21) ጴጥሮስ በቲ ዘቕረቦ ርእይቶ ኣዝዩ ለዋህ ከም ዝዀነ ገይሩ ሓሲቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ናይ ራቢ ልምዲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ካብ ሰለስተ ግዜ ንላዕሊ ተመሳሳሊ በደል እንተድኣ ተፈጺሙ ይቕረ ክብል የብሉን ዝብል ኢዩ ነይሩ።a የሱስ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር: ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ ምስ መለሰሉ: ጴጥሮስ ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረመ እሞ ገምቶ! (ማቴዎስ 18:22) ናይ ሸውዓተ ምድግጋም “ዘይተወሰነ ግዜ” ማለት ኢዩ ነይሩ። ብኣረኣእያ የሱስ: ሓደ ክርስትያን ክንደይ ሳዕ ንኻልኦት ይቕረ ክብል ከም ዘለዎ ደረት የብሉን።

2, 3. (ሀ) ንኻልኦት ይቕረ ምባል ኣጸጋሚ መሲሉ ክርኣየሉ ዝኽእል ገለ ኵነታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ንኻልኦት ይቕረ ምባል ንጥቕምና ምዃኑ እምንቶ ክህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

2 ነዚ ምኽሪ እዚ ብግብሪ ከተርእዮ ቀሊል ዝኸውን ግን ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን። መን ካባና ኢዩ ሓደ ዘቝስል መንከስቲ ዘይስምዖ፧ ምናልባት ንስኻ እትኣምኖ ሰብ ምስጢር ቀሊዑ ክኸውን ይኽእል። (ምሳሌ 11:13) ምስትውዓል ዝጐደሎ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ዘረባ ልክዕ ‘ከም ብሰይፊ ቈሪጹካ’ ይኸውን። (ምሳሌ 12:18) ካብ ሓደ እትፈትዎ ወይ እትኣምኖ ሰብ ዘጋጥመካ ሃሳዪ ዝዀነ ኣገባብ ምምልላስ ዓሚቝ ቍስሊ ከስዕብ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ነገራት ምስ ዘጋጥም: እቲ ባህርያዊ ስምዒት ሕርቃን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ምሉእ ብምሉእ ካብኡ ብምርሓቕ: ምስቲ ዝበደለና ሰብ ምዝራብ ናብ ምቍራጽ ገጽና ንዘብል ንኸውን። ንዕኡ ይቕረ ምባል በቲ ኣባና ዝፈጸሞ በደል ከይተቐጸዐ ከም ዝሓልፍ መሲሉ ክርኣየና ይኽእል ይኸውን። ቂም ብምሓዝና ግን መወዳእታኡ ገዛእ ርእስና ኢና እንሃሲ።

3 ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ” ይቕረ ኽንብል ዝምህረና። ትምህርትታቱ ፈጺሙ ከም ዘይጐድኣና እተረጋገጸ ኢዩ። ኵሉ ትምህርቱ ካብቲ ‘ዝጠቅም ዝምህረና’ የሆዋ ዝመነጨ ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17፣ ዮሃንስ 7:​16, 17) ብኽዉን መገዲ ክርአ ኸሎ እምበኣር: ንኻልኦት ይቕረ ምባል ንጥቕምና ኢዩ። ስለምንታይ ይቕረ ክንብል ከም ዘሎናን ብኸመይ ድማ ይቕረ ክንብል ከም እንኽእልን ቅድሚ ምምይያጥና: ይቕረ ምባል ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝዀነን እንታይ ማለት ከም ዘይኰነን መጀመርታ ምንጻሩ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ብዛዕባ ይቕረታ ዘሎና ምርዳእ ምስቲ ካልኦት ምስ ዝብድሉና ይቕረ ንምባል ዘሎና ክእለት ገለ ምትሕሓዝ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን።

4. ንኻልኦት ይቕረ ምባል እንታይ ማለት ኣይኰነን: ይቕረታኸ ብኸመይ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

4 በቲ ኣባና ዝፈጸምዎ ብሕታዊ በደል ንኻልኦት ይቕረ ምባል: ነቲ ዝፈጸምዎ ነገር ሸለል ንብሎ ወይ ኣቕሊልና ንርእዮ ማለት ኣይኰነን፣ ካልኦት ብዘይግቡእ ክብለጹልና ነፍቅደሎም ማለት እውን ኣይኰነን። ልዕሊ ዅሉ: የሆዋ ይቕረ ኽብለልና ከሎ: ንሓጢኣትና ተራ ነገር ገይሩ ከም ዘይወስዶ እተረጋገጸ ኢዩ: እኩያት ሰባት ብምሕረቱ ከላግጹ ድማ ፈጺሙ ኣየፍቅድን ኢዩ። (እብራውያን 10:29) ብመሰረት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ይቕረ ምባል “ንሓደ በደለኛ ምምሓር፣ በቲ ዝፈጸሞ በደል ብእኡ ቂም ዘይምሓዝን ካብ ኵሉ ናይ ሕነ ምፍዳይ ዝንባለ ምርሓቕን” ዝብል መግለጺ ኢዩ ዘለዎ። (ጥራዝ 1 ገጽ 861 [እንግሊዝኛ])b መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ይቕረ እንብለሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ይህበና ኢዩ።

ንኻልኦት ይቕረ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

5. ኣብ ኤፌሶን 5:1 ንኻልኦት ይቕረ ክንብል ዝገብረና እንታይ ኣገዳሲ ምኽንያት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

5 ንኻልኦት ይቕረ እንብለሉ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣብ ኤፌሶን 5:1 ተጠቒሱ ኣሎ:⁠- “ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ [“ንኣምላኽ ምሰልዎ:” NW ]።” በየናይ መገዲ ኢና ‘ንኣምላኽ ክንመስል’ ዘሎና፧ እታ “ደጊም” እትብል ቃል ነቲ መግለጺ ምስታ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ ” እትብል ቅድሚኣ ዘላ ጥቕሲ ኢያ እተተሓሕዞ። (ኤፌሶን 4:​32 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ይቕረ ብምባል ዝመጸ ንኣምላኽ ክንመስሎ ኣሎና። ከምቲ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ልክዕ ንኣቡኡ ክመስል ዝፍትን: ንሕና እውን የሆዋ ኣዝዩ ዘፍቅሮም ውሉዱ ከም ምዃንና መጠን: ነቲ ይቕረ በሃሊ ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ክንመስል የድልየና። ኣብ ሰማይ ኰይኑ ምድራውያን ውሉዱ ንሓድሕዶም ይቕረ ብምብህሃል ንዕኡ ንምምሳል ክጽዕሩ ክርእዮም ከሎስ ልቢ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ደስ ዝብሎ!​—⁠ሉቃስ 6:​35, 36፣ ምስ ማቴዎስ 5:​44⁠-48 ኣረኣእዮ።

6. ኣብ መንጎ ናይ የሆዋን ናትናን ይቕረታ ብዙሕ ፍልልይ ዘሎ በየናይ መገዲ ኢዩ፧

6 ልክዕ ከም የሆዋ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ጠሪስና ይቕረ ክንብል ከም ዘይንኽእል ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ንየሆዋ ንኽንመስል ዘሎና ድሌት ግን ንሓድሕድና ይቕረ ንኽንበሃሃል ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነና ኢዩ። ኣብ መንጎ ናይ የሆዋን ናትናን ይቕረታ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ። (ኢሳይያስ 55:​7⁠-9) ነቶም ዝበደሉና ሰባት ይቕረ ክንብል ከሎና: መብዛሕትኡ ግዜ ውዒሉ ሓዲሩ ብግዲኦም ይቕረ ክብሉልና ከም እንደሊ ስለ እንፈልጥ ኢዩ። ኣብ ሰባት ክኸውን ከሎ: ኵሉ ግዜ ሓጢኣተኛታት ንሓጢኣተኛታት ይቐረ ዝብልሉ ኵነታት ኢዩ። ናይ የሆዋ ይቕረታ ግን ኵሉ ግዜ ሓደ ዝኣንፈቱ ኢዩ። ንዓና ይቕረ ይብለልና: ንሕና ይቕረ ክንብለሉ ግን ፈጺሙ ዘይከውን ኢዩ። የሆዋ ሓጢኣት ዘይብሉ ክነሱ: ኣዝዩ ፍቕራውን ምሉእ ብምሉእን ይቐረ ክብለልና ካብ ከኣለ: ንሕና ሓጥኣንከ ንሓድሕድና ይቕረ ንምባል ክንጽዕርዶ ኣይግብኣናን፧​—⁠ማቴዎስ 6:​12

7. ምሕረት ንምርኣይ መሰረት እናሃለወ ክነሱ ንኻልኦት ይቕረ ምባል እንተድኣ ኣቢና: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከበላሽዎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

7 ካብዚ ንላዕሊ ዘገድስ ድማ: ምሕረት ንምርኣይ መሰረት እናሃለወ ክነሱ ንኻልኦት ይቕረ ዘይንብል እንተድኣ ዄንና: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣዝዩ ከበላሽዎ ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ኣብ ንሓድሕደና ይቕረ ክንበሃሃል ይሓተና ጥራይ ዘይኰነስ: ከምኡ ክንገብር እውን ይጽበየና ኢዩ። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: ገለ ካብቲ ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ዝድርኸና ነገር: የሆዋ ይቕረ ምእንቲ ኽብለልና ወይ ይቕረ ስለ ዝበለልና ክኸውን ይኽእል። (ማቴዎስ 6:​14፣ ማርቆስ 11:25፣ ኤፌሶን 4:​32፣1 ዮሃንስ 4:​11) ይቕረ ንምባል ቅቡል ምኽንያት እናሃለወ ክነሱ: ንኻልኦት ይቕረ ክንብለሎም ፍቓደኛታት እንተድኣ ዘይኴንና: ከምዚ ዝኣመሰለ ይቕረታ ብሓቂ ካብ የሆዋ ክንጽበ ንኽእልዶ ኢና፧​—⁠ማቴዎስ 18:21⁠-35

8. ይቕረ በሃሊ ምዃን ጠቓሚና ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

8 የሆዋ ንህዝቡ “እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ” ይምህሮም ኢዩ። (1 ነገስት 8:​36) ንሓድሕድና ይቕረ ክንበሃሃል ክምህረና ከሎ: ንጥቕምና ሓሲቡ ከም ዝዀነ እምንቶ ከነሕድር ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ምኽንያት ብምሓዝ “ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ” ብምባል ይነግረና። (ሮሜ 12:19) ቂም ምሓዝ ኣብ ህይወት እቲ ንምስካሙ ዝኸበደ ጾር ኢዩ። ነኺስና እንተድኣ ሒዝናዮ: ንሓሳብና ይዝርፎ: ሰላምና ይሰርቀና: ሓጐስና ድማ የጥፍኣልና። ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ሕርቃን: ልክዕ ከም ቅንኢ ኣብ ልዕሊ ኣካላዊ ጥዕናና ኣዕናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 14:30) እዚ ዅሉ ክሳዕ ዝኸውን ድማ: እቲ በዳሊ ኣጕህዩና ከም ዘሎ ፈጺሙ ከይርድኦ ይኽእል ኢዩ! እቲ ፈቃር ዝዀነ ፈጣሪና ንኻልኦት ብግልጺ ይቕረ ምባል ዘድልየና ንጥቕሞም ጥራይ ዘይኰነስ ንጥቕምና እውን ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ይቕረ ክንብል ዝነግረና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ: ብርግጽ: ‘ንምኻዱ ጽቡቕ [ዝዀነ] መገዲ’ ኢዩ።

‘ንሓድሕድኩም ተጻወሩ’

9, 10. (ሀ) እንታይ ዓይነት ኵነታት ኢዩ ግድን ወግዓዊ ይቕረታ ዘየድልዮ፧ (ለ) እታ ‘ንሓድሕድኩም ተጻወሩ’ እትብል መግለጺት እንታይ ኢያ እተመልክት፧

9 ዓይነት ኣካላዊ መጕዳእትታት ካብ ንእሽቶ ሕንፋጥ ክሳዕ ዓሚቝ ቍስሊ ዝዝርጋሕ ደረጃታት ክህልዎ ይኽእል ይኸውን: ሓደ ዓይነት ቈላሕታ ዘድልዮ መጕዳእቲ ድማ ኵሉ ኣይኰነን። ስምዒታዊ መጕዳእቲ እውን ተመሳሳሊ ኢዩ​—⁠ገሊኡ ቍስሊ ካብ ካልእ ዝያዳ ዝዓመቘ ኢዩ። ኣብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎና ርክብ ንነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ በደል ክንዲ ጎቦ ምግባራ ብሓቂ የድሊዶ ኢዩ፧ ቅጭ ዘምጽእ ንኣሽቱ ነገራት: ጕስያ: ከምኡውን ኵራ ክፍሊ ህይወት ብምዃኑ ግድን ወግዓዊ ይቕረታ ዘድልዮ ኣይኰነን። ብዝፈጸምዋ ነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ በደል ካብ ካልኦት ዝርሕቕ: ምስኣቶም ሰላማዊ ርክብ ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ግድን ይቕረታ ክሓትዎ ዝደሊ: ዝብል ስም እንተድኣ ኣሎና: ምሳና ክቐርቡ ኸለዉ ብዙሕ ክጥንቀቑ​—⁠ወይ ናባና ንምቕራብ ብዙሕ ክስከፉ​—⁠ንግድዶም ንኸውን!

10 ኣብ ክንድኡ: “ምኽንያታዊ ኢዩ ዝብል ስም ክህ⁠ል​ወካ” ዝበለጸ ኢዩ። (ፊልጲ 4:5 ፊሊፕስ ) ሓቢሮም ከም ዘገልግሉ ዘይፍጹማት ፍጥረታት መጠን: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሕዋትና ምናልባት ከዀርዩና ንሕና እውን ከነዀርዮም ከም እንኽእል ምኽንያታዊ ብዝዀነ መገዲ ክንጽበ ንኽእል ኢና። ቈሎሴ 3:​13 ‘ንሓድሕድኩም ተጻወሩ’ ብምባል ትመኽረና። እዛ መግለጺት እዚኣ ንኻልኦት ዕጉስ ምዃን: ነቲ ኣብኣቶም እንርእዮ ባህ ዘይብለና ነገራት ወይ ቅጭ ዘምጽእ ኰይኑ እንረኽቦ ጠባያት ምጽዋር ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዘለዋ። ከምዚ ዝበለ ትዕግስትን ተጻዋርነትን: ንሰላም ናይታ ጉባኤ ከይዘረግና ኣብቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብ ንጢጥ ቅሚጥ ዝዀነ በደላት ክንሓልፎ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 16:14

እቲ ቝስሊ ዓሚቝ ምስ ዝኸውን

11. ካልኦት ምስ ዝብድሉና ይቕረ ንኽንብለሎም እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧

11 ይኹን እምበር: እቲ ኻልኦት ዝበደሉና በደል ርኡይ ቍስሊ ምስ ዘስዕበልናኸ እንታይ ይኹን፧ እቲ በደል ኣዝዩ ከቢድ እንተድኣ ዘይኰይኑ: ነቲ ‘ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ክሳዕ ክንድዚ ኣይጽግመናን ይኸውን። (ኤፌሶን 4:​32 NW ) ይቕረ ንምባል ከምዚ ዝኣመሰለ ድሉውነት ምርኣይ ምስቲ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ: ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ቃላት ጴጥሮስ ዝሰማማዕ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 4:8) ንሕና እውን ሓጢኣተኛታት ምዃንና ምዝካር ንበደል ካልኦት ሸለል ክንብል የኽእለና ኢዩ። ይቕረ ክንብል ከሎና እምበኣር: ኣብ ክንዲ ቂም እንሕዝ ንገድፎ ማለት ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ምስቲ በዳሊ ዘሎና ርክብ ንሓዋሩ ኣይበላሾን: እቲ ኽቡር ዝዀነ ሰላም ናይታ ጉባኤ ክዕቀብ ድማ ንሕግዝ። (ሮሜ 14:19) ኣብ መወዳእታ ኸኣ: እቲ ዝገበሮ ነገር እናተረስዐ ክኸይድ ይኽእል።

12. (ሀ) ንሓደ ኣዝዩ ዝሃሰየና ሰብ ይቕረ ምእንቲ ኽንብለሉ እንታይ ተበግሶ ክንወስድ ኢዩ ዘድልየና፧ (ለ) እተን ኣብ ኤፌሶን 4:​26 ዝርከባ ቃላት ንነገራት ቀልጢፍና ከነደቅሶ ከም ዘሎና ዝሕብራ ብኸመይ ኢየን፧

12 ሓደ ሰብ ክብድ ዝበለ በደል ብምፍጻም ኣጸቢቑ እንተድኣ ሃስዩናኸ፧ ንኣብነት: እንኣምኖ ዓርክና ብምስጢር ዝነገርናዮ ኣዝዩ ብሕታዊ ዝዀነ ነገር ይቐልዖ ይኸውን። ከም እተጐዳእካ: ከም ዘሕፈረካ: ከምኡውን ከም እተኻሓድካ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓካ። ክትርስዖ ትፍትን: ግናኸ እቲ ነገር መመሊሱ ይዝከረካ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: ምናልባት ነቲ በዳሊ ብምዝርራብ ነቲ ግድል ምእንቲ ኸተደቅሶ ገለ ተበግሶ ምውሳድ የድልየካ ይኸውን። እቲ ጕዳይ ክልሕም ኣጋጣሚ ቅድሚ ምርካቡ ከምዚ ክትገብር ጥበባዊ ኢዩ። ጳውሎስ “ኰርዩ ሓጢኣት [ማለት: ሕኒን ምባል ወይ ናይ ሕርቃን ስጕምቲ ምውሳድ] ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ብምባል ይምዕድ። (ኤፌሶን 4:26) ኣብ ኣይሁድ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ: ምውዳእ ናይ ሓንቲ መዓልትን ምጅማር ናይ ሓዳስ መዓልትን ዘመልክት ስለ ዝዀነ ንቓላት ጳውሎስ ዝያዳ ሓይሊ ኢዩ ዝውስኸሉ። ስለዚ: እቲ ክመሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ ምኽሪ ነቲ ነገር ቀልጢፍካ ኣደቅሶ ዝብል ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 5:​23, 24

13. ንሓደ ዝበደለና ሰብ ክንቀርቦ ኸሎና ዕላማና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ: ኣብ ዕላማና ንምብጻሕከ እንታይ ርእይቶታት ኢዩ ክሕግዘና ዝኽእል፧

13 ነቲ በዳሊ ብኸመይ ኢኻ ከተዘራርቦ ዘሎካ፧ 1 ጴጥሮስ 3:11 ‘ንሰላም ድለያ ስዓባውን’ ኢያ ትብል። ዕላማኻ እምበኣር: ሕርቃንካ ንምውጻእ ዘይኰነስ ምስ ሓውካ ሰላም ንምግባር ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ተሪር ዝዀነ ቃላትን ኣገላልጻን ምርሓቕ ዝበለጸ ኢዩ፣ እዚ ካብቲ ኻልእ ሰብ ተመሳሳሊ ምላሽ ከም ዝህሉ ክገብር ይኽእል ይኸውን። (ምሳሌ 15:18፣ 29:11) ብተወሳኺ: “ንስኻ እኮ ኵሉ ግዜ . . .!” ወይ “ንስኻ ፈጺምካ . . .!” ዝብል እተጋነነ ዘረባ ኣርሕቕ። ከምዚ ዝኣመሰለ እተጋነነ ዘረባታት እቲ ሰብ ናብ ምክልኻል ገጹ ከም ዝኸይድ ጥራይ ኢዩ ክገብሮ ዝኽእል። ኣብ ክንድኡ: መጠን ደሃይካን ኣብ ገጽካ ዝርአ መግለጺታትን ነቲ ብዓሚቝ ጐዲኡካ ዘሎ ነገር ከተደቅሶ ከም ዝደለኻ ዝሕብር መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፍ ግበር። ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር እንታይ ከም እተሰማዓካ ንጹር ገይርካ ግለጾ። እቲ ኻልእ ሰብ ብዛዕባ ተግባራቱ ንኽገልጽ ዕድል ሃቦ። ነቲ ዝብሎ ድማ ስምዓዮ። (ያእቆብ 1:​19) እዚ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኢዩ ክርከቦ ዝኽእል፧ ምሳሌ 19:11 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:⁠- “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ: ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ።” ንስምዒታት ናይቲ ኻልእ ሰብን ብዛዕባ ተግባራቱ ንዘቕርቦ ምኽንያታትን ምርዳእ ኣሉታዊ ስምዒትን ሓሳባትን የርሕቐሉ ይኸውን። ሰላም ንምፍጣር ዝብል ዕላማ ሒዝና ምስ እንቐርብን ነቲ ዕላማ እቲ ድማ ምስ እንዕቅቦን: ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእ ክፍታሕ: ግቡእ ዝዀነ ይቕረታ ክሕተት: ይቕረታ ድማ ክዋሃብ ከም ዝከኣል ፍሉጥ ኢዩ።

14. ንኻልኦት ይቕረ ምስ እንብል: በየናይ መገዲ ኢና ክንርስዖ ዘሎና፧

14 ንኻልኦት ይቕረ ምባል ነቲ ዝገበርዎ ብሓቂ ክንርስዖ ኣሎና ማለት ድዩ፧ ከምቲ ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተገሊጹ ዝነበረ: ነዚ ዝምልከት ናይ የሆዋ ኣብነት ዘክር። መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ንሓጢኣትና ይርስዖ ኢዩ ክብል ከሎ: ክዝክሮ ኣይክእልን ኢዩ ማለት ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 43:25) ኣብ ክንድኡ: ሓንሳእ ይቕረ እንተድኣ ኢሉ ኣብ መጻኢ ነቲ ሓጢኣትና ዘኪሩ ስጕምቲ ስለ ዘይወስድ ኢዩ ረሲዕዎ ዝበሃል። (ህዝቅኤል 33:14 -16) ብተመሳሳሊ: ንብጾትና ሰባት ይቕረ ምባል: ግድን ነቲ ዝገበርዎ ክንዝክሮ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣብቲ በዳሊ ቂም ብዘይ ምሓዝ ወይ ኣብ መጻኢ ነቲ በደል ዘኪርና ከም ዘይልዓል ብምግባር ክንርስዖ ንኽእል ኢና። እቲ ነገር ሓንሳእ ምስ ደቀሰ ድማ: ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ካልእ ኴንካ ምሕማይ ግቡእ ኣይኰነን፣ ነቲ በዳሊ ልክዕ ከም እተወገዘ ገይርካ ብምርኣይ ፈጺምካ ምጕሳዩ እውን ፍቕራዊ ኣይኰነን። (ምሳሌ 17:9) ሓቂ ኢዩ: ምስቲ ሰብ ዘሎና ርክብ ንኽመሓየሽ ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል ይኸውን፣ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረና ምቅርራብ ድማ ከይህልወና ይኽእል። ከም ክርስትያን ሓውና መጠን ግን ገና ነፍቅሮ ኢና: ሰላማዊ ርክባት ከም ዝምለስ ንምግባር ድማ ዝከኣለና ንጽዕር።​—⁠ምስ ሉቃስ 17:3 ኣረኣእዮ።

ይቕረ ምባል ዘይከኣል ምስ ዝመስል

15, 16. (ሀ) ክርስትያናት ንሓደ ዘይናሳሕ በደለኛ ይቕረ ክብሉ ይግደዱ ድዮም፧ (ለ) ነቲ ኣብ መዝሙር 37:8 ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ብኸመይ ኢና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ እንኽእል፧

15 ካልኦት ኣዝዩ ዓሚቝ ቍስሊ ብዘውርድ መገዲ ምስ ዝብድሉና እሞ: እቲ በዳሊ ድማ በቲ ዝፈጸሞ በደል ምስ ዘይእመን: ምስ ዘይናሳሕ: ከምኡውን ይቕረታ ምስ ዘይሓትትከ እንታይ ይኹን፧ (ምሳሌ 28:13) ቅዱሳት ጽሑፋት የሆዋ ነቶም ዘይናስሑን ተረርትን ሓጢኣተኛታት ይቕረ ከም ዘይብል ብንጹር ኢዩ ዝገልጽ። (እብራውያን 6:​4⁠-6፣ 10:26, 27) ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ከምዚ ይብል:⁠- “ክርስትያናት ነቶም እኩይን ደይ መደይ ኢልካ ዝግበርን ሓጢኣት ፈጺሞም ክነሶም ዘይናስሑ ሰባት ይቕረ ክብሉ ኣይግደዱን ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ጸላእቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኢዮም።” (ጥራዝ 1 ገጽ 862) ርኡይ ምጕዳል ፍትሒ: ዘስካሕክሕ ወይ ጭከና ዘለዎ ሕማቕ ተግባር ዘጋጠሞ ክርስትያን ንሓደ ዘይናሳሕ በደለኛ ይቕረ ክብል ወይ ክምሕር ዝግደድ ኰይኑ ክስምዖ የብሉን።​—⁠መዝሙር 139:21, 22

16 እቶም ኣደዳ ጭከና ዘለዎ ሕማቕ ተግባር ዝዀኑ ሰባት ማህሰይትን ሕርቃንን ክስምዖም ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር: ምሕራቕን ቂም ምሓዝን ኣዝዩ ክጐድኣና ከም ዝኽእል ንዘክር። ፈጺምካ ንዘይትረኽቦ ምእማን ወይ ይቕረታ ምጽባይ: ትርፉ መመሊስካ ምዅራይ ጥራይ ኢዩ። ብተደጋጋሚ ዘይፍትሓዊ ነገር ስለ ዘጋጠመና ኣብ መንፈሳዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን ኣብ ኣካላዊ ጥዕናና ኣዕናዊ ሳዕቤን ብምምጻእ: ነቲ ኣብ ውሽጥና ዝፈልሕ ዘሎ ሕርቃን ሒዝናዮ ስቕ ንብል ንኸውን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: እቲ ዝጐድኣና ሰብ መመሊሱ ከም ዝጐድኣና ንገብሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ “ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ” ብምባል ይመኽረና። (መዝሙር 37:8) በዚ ምኽንያት እዚ: ገለ ክርስትያናት ኣብቲ ይቕረ ዝብልሉ እዋን: ቂም ንኸይሕዙ​—⁠ንኽብደት ናይቲ በደል ብምንኣስ ዘይኰነስ: ብሕርቃን ተኸኽ ካብ ምባል ንምርሓቕ​—⁠ውሳነ ክገብሩ ክኢሎም ኢዮም። ነቲ ነገር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ ብምሕዳግ: ብዙሕ ዕረፍቲ ክረኽቡን ቂም ከይሓዙ ክነብሩን ክኢሎም ኢዮም።​—⁠መዝሙር 37:28

17. እቲ ኣብ ራእይ 21:4 ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ የሆዋ መብጽዓ እንታይ ዘጸናንዕ መረጋገጺ ኢዩ ዝህብ፧

17 እቲ ቝስሊ ኣዝዩ ዓሚቝ ምስ ዝኸውን: እንተወሓደ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘሎና ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣእምሮና ኣብ ምድምሳሱ ከይንዕወት ንኽእል ኢና። የሆዋ ግን ‘ንብዘሎ ንብዓት ዝደርዘላ: እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ ድሕሪ ደጊም ሞት ዘይህልወላ: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው ወይ ጻዕሪ ዘይህልወላ’ ሓዳስ ዓለም ተማባጺዑ ኣሎ። (ራእይ 21:4) ሕጂ ንልብና ዝሃስዮ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ኣብቲ እዋን እቲ እንዝክሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ግን ዓሚቝ ማህሰይቲ ወይ ስቓይ ኣይከምጽኣልናን ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 65:17, 18

18. (ሀ) ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዘሎና ርክብ ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ካልኦት ምስ ዝብድሉና በየናይ መገዲ ኢና ይቕረ ክንብልን ክንርስዕን እንኽእል፧ (ሐ) እዚ ጠቓሚና ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

18 ክሳዕ ሽዑ ግን: ከም ዘይፍጹማትን ሓጢኣተኛታት ሰባት መጠን: ኣሕዋትን ኣሓትን ብምዃን ሓቢርና ክንነብርን ክንዓይን ኣሎና። ኵልና ንጋገ ኢና። ካብ ግዜ ናብ ግዜ: ንሓድሕድና ንኰራረን ንተሓራረቕን ኢና። የሱስ “ሾብዓተ ሳዕ” ጥራይ ዘይኰነስ “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ” ንሓድሕድና ይቕረ ክንበሃሃል ከም ዘድልየና ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ! (ማቴዎስ 18:22) ሓቂ ኢዩ: ክንዲ ናይ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግን: ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሕዋትና ምስ ዝብድሉና: ቂም ንኸይንሕዝ ይቕረ ክንብል ኣብ መጻኢ ነቲ በደል ኣልዒልና ንሓዋሩ ብዘይምዝካር ድማ ክንርስዖ ንኽእል ኢና። ስለዚ ይቕረ ክንብልን ክንርስዖን ከሎና: ሰላም ናይታ ጉባኤ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኣእምሮናን ልብናን ሰላም እውን ከም ዝዕቀብ ንገብር። ልዕሊ ዅሉ ድማ: የሆዋ እቲ ፈቃር ዝዀነ ኣምላኽና ጥራይ ክህቦ ዝኽእል ሰላም ከነስተማቕር ኢና።​—⁠ፊልጲ 4:⁠7

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብመሰረት ናይ ባቢሎን ታልሙድ: ሓደ ናይ ራቢ ልምዲ ከምዚ ይብል:⁠- “ሓደ ሰብ በደል እንተድኣ ፈጺሙ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ግዜ ይቕረታ ይረክብ: ራብዓይ ግዜ ግን ይቕረታ ኣይረክብን ኢዩ።” (ዮማ 86ለ) እዚ ድማ ብኸፊሉ ንኸም በዓል ኣሞጽ 1:3፣ 2:6፣ ከምኡውን እዮብ 33:29 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ብጌጋ ኣብ ምርዳእ እተመስረተ ኢዩ ነይሩ።

b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።

ንድግማ ዝኸውን ሕቶታት

◻ ንኻልኦት ይቕረ ንምባል ፍቓደኛታት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ‘ንሓድሕድና ክንጻወር’ ዝሓተና፧

◻ በደል ካልኦት ኣዕሚቑ ምስ ዝሃስየና: ነቲ ነገር ብሰላም ንምድቃስ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

◻ ንኻልኦት ይቕረ ምስ እንብል: ክንርስዖ ዘሎና በየናይ መገዲ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ቂም ምስ እንሕዝ: እቲ በዳሊ ኣጕህዩና ኸም ዘሎ ከይርድኦ ይኽእል ኢዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሰላም ንምፍጣር ኢልካ ንኻልኦት ምስ እትቐርቦም: ዘይምርድዳእ ብቐሊሉ ክፍታሕ ይኽእል ይኸውን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ