ካብ ቅዱስ ኣገልግሎት ዝርከብ ብሉጽ ዓስቢ
ብሃሪ ብሉር እተዘንተወ
ዳርጋ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ኣባሓጎይ ናይ ሜቶዲስት ቤተ -ክርስትያን እሙን ኣባል ነበረ። ነተን ኣብ ስቶክ ኦን ትረንት: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብስርሓት ካይላ እተፈልጠት ከተማ: ዝነበራ ብዙሓት ኣብያተ -ጸሎት ንምድጋፍ ገንዘቡ ብልግሲ ዝህብ: ሕፉር ሰባኺ እውን ኢዩ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ስእነት ገንዘብ ኣጋጠሞ። ኣቦይ ንኣባሓጎይ ንምሕጋዝ: ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ቁሸት ድኳን ከፈተሉ። እታ ድኳን ድማ ቢራ ናይ ምሻጥ ፍቓድ ነበራ: እቶም ናይ ሜቶዲስት ኣመንቲ ነዚ ምስ ፈለጡ: ንኣባሓጎይ ሽዑ ንሽዑ ወገዝዎ።
ኣቦይ በዚ ሓሪቑ: ድሕሪ ደጊም ሃይማኖት ዝበሃል ነገር ከይትንክፍ መሓለ—ኣብ ቃሉ ድማ ጸንዐ። ቅድም ፖሊስ ኢዩ ኰይኑ ነይሩ: ጸኒሑ ግን ወናኒ ቤት መግብን መስተን ኰነ። ስለዚ ምስ ጨናን ትኪ ሽጋራን ናይቲ ቦታ ኢየ ዓብየ። ሃይማኖት ዝበሃል ነገር ኣብ ህይወተይ ቦታ ኣይነበሮን: ንዝበዝሕ ዓይነት ዳማ ብኽእለት ምጽዋት ግን ተማሂረ ኢየ! ይኹን እምበር: በቲ ቐደም ካብ ኣባሓጎይ ዝረኸብኩዎ ጽልዋ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈልጦ ነገር ሒደት እኳ እንተዀነ: ብመጠኑ ኣኽብሮት ነበረኒ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተማሃርኩ
ብ1923: ወዲ 24 ዓመት ምስ ኰንኩ: ንምብራቕ ናብ ኖቲንግሃም ከድኩ: ኣብኡ ድማ ምስታ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ቁሸት ዌትስቶን: ደቡብ ምዕራብ ሌስታር እትቕመጥ ዝነበረት ማሪ: ናይ ፍቕሪ ዝምድና ጀመርኩ። ኣቦኣ: ኣርተር ረስት: ኣብ ቤት ጸሎት ናይቲ ከባቢ ኦርጋን ዝወቅዕ ኢዩ ነይሩ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ከምቲ ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍለጥሉ ዝነበሩ: ንፉዕ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ። ብዙሕ ዘይግደስ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣርተር ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነቱ ይዛረበኒ ነበረ። ይኹን እምበር: ብሓደ ፍሉጥ ባፕቲስት ዝነበረ ኣባል ፓርላማ ንዝቐርብ መደረ ንምስማዕ 13 ሓምለ 1924: ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ: ምስኡ ሓቢረ ናብ ቤት ጸሎት ባፕቲስት ምስ ከድኩ ተገዳስነተይ ተለዓዓለ። “ትምህርትታት ፓስተር ራስል ብብርሃን ቅዱሳት ጽሑፋት ተመርመረ” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ ዝርርቡ ንስምዒተይ ተንከፎ። እቲ ሽዑ ዝጸሓፍኩዎ ነጥብታት ክሳዕ ሎሚ ምሳይ ኣሎ።
እቶም ባፕቲስት ነቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እምነቶም ንዝወርድ መጥቃዕቲ ምላሽ ንኽህቡ ክፍቀደሎም ዘቕረብዎ ሓሳብ ነጸግዎ። በዚ ስለ ዝሓረቕኩ ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ ንምክያድ ካልእ ቦታ ንምድላይ ቈረጽኩ። ኣብ ጥቓኡ ነቲ ኣኼባ ዝኸውን መኽዘን እኽሊ ተረኽበ። ኰስቲርና ኣጽረናዮ: ነቲ ዓለባ ሳሬት ነገፍናዮ: ነተን እኽሊ ዘኺዳ ማካይን ድማ ናብ ሓደ ሸነኽ ኣጸጋዕናየን: ድሕርዚ ኵልና ተዳለና። 70 መናብር ኣከብና: ናይ ዕድመ ወረቐት ከኣ ኣሕተምና።
ፍራንክ ፍሪር ዝርርብ ንምሃብ ካብ ሌስታር ምስ መጸ ኵሉ እቲ መናብር መሊኡ: ካልኦት 70 ሰባት ድማ ደው ኢሎም ነበሩ! እቲ ፍራንክ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጠቕሶ ዝነበረ ንጹር መረድኢ: ልክዕ ከምቲ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ንዓይ እውን ባህ ኣበለኒ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: እታ ኣብ ብሌቢ: ጥቓ ሌስታር ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፋ ዓበየት። ኣብ ህይወተይን ህይወት ማሪን ድማ ነጥበ-መቐይሮ ኢያ ነይራ። ብ1925 ክልቴና ህይወትና ንየሆዋ ወፊና ተጠመቕና: ተመርዓና ድማ።
መንፈሳዊ በረኸታት
ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣብ ጉባኤ ብሌቢ ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር ክኸውን ተመዘዝኩ። በዓልቲ ቤተይን ኣነን ኣሰር እቶም ኮልፖርተርስ ብምስዓብ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ክንከውን ደለና: ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ናይ ማሪ ጥዕና ከምዚ ዝበለ ብርቱዕ መደብ ሒዛ ኽትቅጽል ከም ዘየፍቅደላ ተፈልጠ። ብ1987 ክሳዕ እትመውት ብጕድለት ጥዕና ትሳቐ እኳ እንተ ነበረት: ናይ እግረ መገዲ ምስክርነት ኣብ ምሃብን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ክኢላ ዝዀነት ንፍዕቲ ብጸይትን እትንኣድ ኣገልጋሊትን ኢያ ነይራ። ዳርጋ ምሸት ምሸት ኣኼባታት ኣብ ምክፋልን ወይ ድማ ንጐረባብትና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ኣብ ምንጋርን ነሕልፎ ነበርና።
መሃንድስ ኢየ ነይረ: ዕንጸይቲ ዝቘርጻ ማካይን ኣብ እትሰርሕ ትካል ድማ እዓዪ ነበርኩ። ስርሐይ ኣብ ውሽጢ ብሪጣንያ: ከምኡውን ኣብ ፈረንሳ ብዙሕ መገሻ ዝሓትት ኢዩ ነይሩ: ማሪ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ መጋይሽተይ ነበረት። እዚ መገሻታት እዚ ብዙሕ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚታት ከም እንረክብ ገበረና።
ንዕቤት ዝኸውን መሰረታት
ብ1925 ኣብ ብሌቢ ንኣኼባታትና ዝኸውን ሓደ ጽቡቕ ህንጻ ሰራሕና: ንዕኡ ከም መበገሲ ገይርና ድማ ውጽኢታዊ ናይ ምስክርነት ፕሮግራም ነዳሉ ነበርና። ሰንበት ሰንበት ንግሆ: ናብተን ፋሕ ዝበላ ኣቝሻትን ንኣሽቱ ከተማታትን እተብጽሓና ኣውቶቡስ ንካረ። ኣስፋሕቲ ምእንቲ ኽሰብኩ ኣብ መገዲ ካብታ ኣውቶቡስ ይወርዱ: ደሓር ክንምለስ ከሎና ድማ እታ ኣውቶቡስ እናተማላኣቶም ትኸይድ። ኣብቲ ናይ ሙቐት ኣዋርሕ: ናይ ቀረባ እዋን ግምቢ ዘብዐኛ ገይርና ሰንበት ኣጋ ምሸት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ነካይድ ነበርና። ድሕርዚ: ሰዓት ሾሞንተ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ንዝቐርብ ዝርርብ ንምስማዕ ኣብቲ ናይ ሌስታር ቦታ ዕዳጋ ንራኸብ። ሓደ ምሸት 200 ሰባት ዝርርብ ሰምዑ። እዚ ንጥፈት እዚ ናይተን ሎሚ ኣብ ውሽጥን ከባብን ሌስታር ዝርከባ ብዙሓት ጉባኤታት መሰረት ዘንበረለን ኢዩ።
ብ1926 ኣብቲ ናይ ለንደን ኣሌክሳንድራ ፓላስ ከምኡውን ሮያል ኣልበርት ሆል ኣብ ሓደ እዋን ንፈለማ ግዜ ዓቢ ኣኼባ ተኻየደ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ነታ ደሊቨራንስ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ህዝቢ ኣፋለጣ። እቲ “ናብ መራሕቲ ዓለም ዝበጽሕ ምስክርነት” ዝብል ናይ ሓባር ውሳነ ከምኡውን ብሓው ራዘርፎርድ ዝቐረበ “ሓይልታት ዓለም ሰንከልከል ዝብልሉ ዘለዉ ምኽንያትን ፈውሱን” ዘርእስቱ ሓያል ህዝባዊ ዝርርብ ምስ ቀረበ: ንጽባሒቱ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ጋዜጣ ብምሉኡ ተሓቲሙ ወጸ። ነቲ ዝርርብ ልዕሊ 10,000 ሰባት ሰምዕዎ: ስዒቡ ድማ 50,000,000 ዝኸውን ቅድሓት ናይቲ ሓባራዊ ውሳነ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርግሐ። እቲ ዓቢ ኣኼባ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ኣቀላጢፍዎ ኢዩ።
ኣብ እዋን ውግእ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ
ካልኣይ ውግእ ዓለም መስከረም 1939 ተባርዐ: ብ1941 ድማ እቲ ውግእ ጽዑቕ ነበረ። ናይ ጀርመን ነፈርቲ ውግእ: መዓልትን ለይትን ኢየን ዝድብድባ ነይረን: ኣብ መላእ ሃገር ድማ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክልኻል ተባሂሉ መብራህቲ ይጠፍእ ነበረ። መግቢ ኣዝዩ ውሑድ: እቲ ዝርካቡ ድማ ብመቝነን ኢዩ ዝዋሃብ ነይሩ። መጓዓዝያ: ብባቡር ምድሪ እውን ከይተረፈ: ኣዝዩ ውሱን ነበረ። ከምዚ ዝበለ ዘይስገር ዝመስል ዕንቅፋታት እናሃለወ ክነሱ: ካብ 3-7 መስከረም 1941 ንሓሙሽተ መዓልትታት ዝጸንሐ ሃገራዊ ዓቢ ኣኼባ ኣካየድና።
ሌስታር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ማእከላይ ቦታ ብምዃና: ኣብ ሌስታር ዝርከብ ኣደራሽ ደ ማንትፈርት ዓቢ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ ክኸውን ተመርጸ። ኣብ ናይ ዕንጸይቲ ኢንዱስትሪ እዓዪ ብምንባረይ: ናይ ምልክታ ሰሌዳታት ኣብ ምስራሕ ክሕግዝ ክኢለ ኢየ። ንተኻፈልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ዝኸውን ናይ ከባቢ መጓዓዝያ ኣብ ምድላው እውን ሰሪሐ ኢየ። ኣቐዲምና ቲኬት ብምዕዳግን ካብቲ ልሙድ ዋጋ ዝያዳ ብምኽፋልን: ነተን ኣብ ሌስታር ዘለዋ ናይ ኤሌክትሪክ ባቡራት ሰንበት እውን ከይተረፈ ከም ዝሰርሓ ገይርናየን ኢና።
ናይ መገሻ ቀይድታት ስለ ዝነበረ: ምናልባት 3,000 መሰኻኽር ክመጹ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ተስፋ ኢዩ ነይሩና። ልዕሊ 10,000 ኣኼበኛታት ኣብኡ ክርከቡ ምዃኖም ምስ ነገሩና እተሰማዓና ሓጐስ እሞ ገምቶ! ኣበይከ ኢዮም ክቕንዩ፧ ተቐማጦ ሌስታር ኣብ ኣባይቶም ክቕንዩ ንብዙሓት ሰባት ብሕያውነት ዓደምዎም። ብተወሳኺ: ዳርጋ ሽሕ ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት ካብቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ቦታ 3 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝነበረ ሜዳ እተተኽለ ዳሳት ቀነዩ። እቲ ሰፈር ጊዴዎን ዝብል ስም ዘውጻእናሉ ቦታ ነቲ ማሕበረሰብ ኣገሪምዎ ኢዩ።
ነቲ ናይ ዓቢ ኣኼባ ክፍልታትን ነቲ ብብዝሒ ዝመጽእ ዝነበረ ጭፍራ ህዝብን ዝኸውን ዓበይቲ ጻዕዳ ዳሳት ተኻረና። ድሙቕ ናይ ወርሒ ብርሃን ኣብ ዝህልወሉ ግዜ እቲ ዳሳት ዒላማ ነፈርቲ ውግእ ናዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ምስ ተባህለ: ብቕልጡፍ ምስቲ ኸባብ ተመሳሲሉ ከም ዝደናገር ተገብረ። እቲ ውግእ: ብፍላይ ድማ መሰኻኽር ኣብኡ ዘይምስታፎም: ንህዝቢ ዘዛረበ ጕዳይ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብኣማእታት ዝቝጸሩ መሰኻኽር ብምኽንያት እቲ ንገለልትነት ዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መትከሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበሩ።—ኢሳይያስ 2:4፣ ዮሃንስ 17:16
እታ ሳንደይ ሜርኩሪ እትበሃል ናይ 7 መስከረም 1941 ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ሃበት:- “10,000 ሰባት: መብዛሕትኦም ድማ መንእሰያት: ንእግረ-መገዶም እንተ ዘይኰይኑ: ነቲ ውግእ ከም ኣርእስቲ ከይጠቐሱ ሰሙን ምሉእ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣብ ምዝራብ ከሕልፉ ዘገርም ነገር ኢዩ።
“እቶም መሰኻኽር ኣብ ጀርመን ገለ ኣባላት ዘለዎም እንተድኣ ዀይኖምን ዘይኰይኖምን ሓተትክዎም። እወ: ዝብል መልሲ ድማ ረኸብኩ: ዳርጋ ዅላቶም: 6,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ድማ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ኢዮም ነይሮም።”
እቲ ጋዜጠኛ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ናዚ ጸላእቲ ከም ዝዀኑ ፍሉጥ ኢዩ: እቶም መሰኻኽር ግን ትራክት ምሻጥን መደረታት ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ: ንጸላኢ ንምቅላስ ዝገበርዎ ካልእ ነገር የለን።”
ንዓና ኣመልኪቱ ኣብ ጋዜጣ ዝወጽእ ዝነበረ ርእይቶታት ብሓፈሻ ኣሉታዊ ኢዩ ነይሩ: ተጻረርቲ ናዕቢ ብምልዕዓል እውን ከይተረፈ ነቲ ዓቢ ኣኼባና ንምዝራግ ዘይዕዉት ፈተነታት ገይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ደይሊ መይል እተባህለት ናይ ለንደን ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) “እቲ ኣኼባ ህዱእን ናይ ርኣዩለይ መንፈስ ዘይብሉን ስሉጥን ኢዩ ነይሩ” ብምባል ከይፈተወት ተኣመነት።
ነቲ ኣብታ ኸተማ ዘጋጠመ ሕጽረት ሽጋራ ተሓተትቲ ኢኹም ዝብል ክሲ ቀረበልና። ዘ ደይሊ መይል ግን ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ከተማ ሌስታር ትኹን ቶባኮ ኮንትሮለር: መሰኻኽር ነቲ ኣብ ሌስታር ዘጋጠመ ሕጽረት ሽጋራ ምኽንያት ኢዮም ክብሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ንሳቶም ሽጋራ ኣየትክኹን ኢዮም።” መግቦም ሒዞም ከም ዝመጹ ምስ ተገልጸ ድማ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ብሰንኪ መሰኻኽር ዋሕዲ መግቢ ኣጋጢምዎ ዝብል ምዕዝምዛም ፈሸለ። አረ: እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአስ: 1.8 ኪሎ ግራም ሚዛን ዘለዎ 150 ሕብስትታት ነቲ ሌስታር ሮያል ኢንፌርሜሪ ዝበሃል ክሊኒክ ብልግሲ ተዋሂቡ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብቲ ሕጽረት መግቢ ዝነበረሉ እዋን ብርክት ዝበለ ወፈያ ኢዩ ነይሩ።
እቲ ዓቢ ኣኼባ ነቶም 11,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበሩ መሰኻኽር ዓቢ መንፈሳዊ ፍናን ሂብዎም ኢዩ። ዳርጋ 12,000 ዝዀኑ ተኣከብቲ ብምንባሮም ተሓጒሶም ኢዮም! ኣኼበኛታት ኣብቲ እዚ ኢዩ ክበሃል ዘይከኣል ኣብ ሌስታር እተገብረ ናይ መገዲ ምስክርነት ብሓጐስ ተኻፊሎም ኢዮም: ነተን ምሕድግ ኢለን ዝነበራ ኣቝሻት ድማ ናይ ፎኖግራፍ ዝርርባት እናኣስምዑ በጺሖምወን ኢዮም።
ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እተዋህበ ቀንዲ ዝርርባት ካብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ኣብ ሰይንት ሉዊስ: ሚዙሪ: ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝቐረበ ዝርርባት እተቐድሐ ኢዩ ነይሩ። “ደቂ እቲ ንጉስ” ዝብል እተቐድሐ ዝርርብ ናይ ሓው ራዘርፎርድ: ጕሉሕ መደብ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ነበረ። ነቲ ኣብ ሰይንት ሉዊስ ዝወጸ ችልድረን ዝብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ናብ ሃገር ምእታው ዘይከኣል ስለ ዝነበረ: ጸኒሑ ፍሉይ ዝዀነ ረቂቕ ዝገበሩ መጽሓፍ ኣብ ብሪጣንያ ተሓትመ። ቅዳሕ ናይታ መጽሓፍ ናብ ኵሎም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ እተኻፈሉ ቈልዑ ተላእከ።
ኣብ ሌስታር እተኻየደ ፍሉይ ዓመታዊ ኣኼባ
ድሕሪ እቲ ውግእ ኣብ ብሪጣንያ እተራእየ ወሰኽ ኣወጅቲ መንግስቲ ዘገርም ኢዩ ነይሩ! ኣብ መጀመርታ 1980ታት: ቍጽሪ ናይተን ኣብ ሌስታር ዝነበራ ጉባኤታት ናብ ዓሰርተ ደበየ። ድሕርዚ ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ናይ 1983 ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ ሌስታር ክካየድ ከም ዝመደበ ተሓበርና። ናይ ሌስታር ናይ ከተማ ተዓዛቢ ብምዃነይ: እንደገና ንኣደራሽ ደ ሞንትፎርት ምክራይ ሓዊስካ: ሽዑ ንሽዑ ነቲ ምድላዋት ተተሓሓዝክዎ።
ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዘሎ ናይ ማሕበር ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ኣጋጣሚ ንምክፋል መጹ። ብድምር 3,671 ልኡኻት—ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ምሉእ ዓለም: ብሕልፊ ድማ ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ—ነቲ መአከቢ ኣደራሽ መልእዎ። 1,500 ዝዀኑ ካልኦት ሰባት ድማ ነቲ መደብ ኣብቲ ጥቕኡ ዝነበረ መአከቢ ኣደራሽ ኰይኖም ተኸታተልዎ።
ነቲ ኣብ ግዜ ውግእ ዝነበረ ናይ ሌስታር ዓቢ ኣኼባና ከነካይድ ከሎና ናይቲ ኣብ ለንደን ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተዓዛቢ ዝነበረ ኣልበርት ዲ. ሽሮደር: ኣቦ-መንበር ናይዚ ዓመታዊ ኣኼባ ነበረ። ሓው ሽሮደር ነቲ ናይ 1941 ዓቢ ኣኼባ ምልስ ኢሉ ብምዝካር “ካብዞም ሕጂ ምሳና ተኣኪብኩም ዘሎኹም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበርኩም ክንደይ ኢኹም፧” ብምባል ሓተተ። ልዕሊ ፍርቂ ናይቶም ተኣከብቲ ኢዶም ሓፍ ኣበሉ። “ዘገርም ኢዩ! ንዅሉኹም ሕድሪ ዘይትጠልሙን እሙናትን ኣሕዋት እዝስ ከመይ ዝበለ ምትእኽኻብ ኰን ኢዩ!” ብምባል ተዛረበ። ብሓቂ ዘይርሳዕ ተመክሮ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ 98 ዓመተይ: ገና ኣብ ጉባኤና ጸሓፊ ዀይነ ኢየ ዘገልግል ዘለኹ: ኣብዚ እዋን እዚ ኮፍ ኢለ ዘቕርቦ እኳ እንተ ዀንኩ ህዝባዊ ዝርርብ እውን እህብ ኢየ። ማሪ ብ1987 ምስ ሞተት: ባቲነ ንእተባህለት ማሪን ኣነን ንነዊሕ እዋን እንፈልጣ ዝነበርና በዓል ቤታ ዝሞታ ሓብቲ ተመርዓኹ። ብስጋን ብመንፈስን ኣዝዩ ጽቡቕ ዝዀነ ክንክን ብምርካበይ መመስገኒ ኢየ። ማሪ ጥዕና ብምስኣና ዝመጸ: ኣነ ድማ ሕጂ ዕድመ ብምድፍአይ ዘጋጥም ጸገማት እኳ እንተሎ: ኣብቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ዕዙዝ ምዃን ኵሉ ግዜ ብሉጽ ዓስቢ ዘለዎ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ።—1 ቈረንቶስ 15:58
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ 1920ታት ኣብ ኣገልግሎት ንምክፋል ድሉዋት ነበርና
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ስእልታት ናይቲ ኣብ ሌስታር እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ