ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g99 8/10 ገጽ 11-13
  • ይቕረ ምባልን ምርሳዕን ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ይቕረ ምባልን ምርሳዕን ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧
  • ንቕሑ!—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ይቕረ ዝብለሉ መገዲ
  • የሆዋ ዝርስዓሉ መገዲ
  • ይቕረ ክንብልን ክንርስዕን እንኽእለሉ መገዲ
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • የሆዋ: ‘ንይቕረታ ድሉው’ ዝዀነ ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ ኣምላኽ
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ኣምላኽ ይቕረ ኺብለልና ኸሎ፡ ንጌጋና ይርስዖ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—1999
g99 8/10 ገጽ 11-13

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ

ይቕረ ምባልን ምርሳዕን ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧

“ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም: ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ።”​—⁠ኤርምያስ 31:⁠34

እዘን ነብዪ ኤርምያስ ዝጸሓፈን ቃላት እዚኣተን ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ሓለፍ ዝበለ ነገር ኢየን ዝገልጻ። እዚ ኸኣ የሆዋ ይቕረ እንተድኣ ኢሉ ይርስዖ ኢዩ ዝብል ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:⁠25) ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ክርስቶስ [“የሆዋ ብናጻ:” NW ] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ” ኢሉ ይገልጽ። (ቈሎሴ 3:⁠13) ስለዚ ከም ክርስትያናት መጠን ነቲ ናይ የሆዋ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ ክንቀድሖ ኣሎና።

ይኹን እምበር: ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት ይለዓል ኢዩ። የሆዋ ሓንሳእ ይቕረ ምስ በለ: ንሓጢኣትና ብሓቂ ክዝክሮዶ ኣይክእልን ኢዩ፧ ንሕናኸ ሓንሳእ ይቕረ ምስ በልና: ነቲ በደል ፈጺምና ከም ዘይንዝክሮ ገይርና ይቕረ ክንብል ኣሎና ማለት ድዩ፧ ከምኡ ገይርና እንተ ዘይረሲዕናዮኸ: ብሓቂ ይቕረ ኣይበልናን ክበሃልዶ ይከኣል ኢዩ፧

የሆዋ ይቕረ ዝብለሉ መገዲ

ይቕረ ምባል ዘይምቕያም ዘጣምር ኢዩ። የሆዋ ይቕረ ኽብል ከሎ: ምሉእ ብምሉእ ኢዩ ይቕረ ዝብል።a ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “[የሆዋ] ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን: ንዘለኣለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ: ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም: ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ።”​—⁠መዝሙር 103:⁠9, 12, 13

እቲ ናይ ኣምላኽ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ ጐደሎ ዘይብሉ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19, 20 ተገሊጹ ኣሎ:- “እምብኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም: . . . ተነስሑን ተመለሱን።” እታ “ኺድምሰሰልኩም” እትብል መግለጺት ካብታ “ምጽራግ: ምድምሳስ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ግሪኽ ግሲ (ኤ·ክዛ·ለይʹፎ) ዝመጸት ኢያ። (ራእይ 7:⁠17፣ 21:⁠4 ርአ።) ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ኣብዝን ምናልባት ኣብ ካልእ ቦታታትን ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ናይዛ ግሲ እዚኣ ንሓደ ካብ ሰምዒ እተሰርሐ መጽሓፊ ጽላት እንደገና ንኽትጥቀመሉ ኢልካ ምጽራይ ብዝያዳ ዘስምዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ([ምስ] ‘ንሓደ እተገብረ በደል ምድምሳስ’ [ኣነጻጽሮ])።” ካብ ሓጢኣትና ምስ እንናሳሕ: የሆዋ ነቲ መዝገብ ይድምስሶ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ሓጢኣትና ፈጺሙ ኣይዝክሮን ኢዩ ማለት ድዩ፧ ንሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገበ ኣብነት እስከ ንርአ።

ንጉስ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝሙት ምስ ፈጸመ: ጸኒሑ ድማ በዓል ቤታ ከም ዝቕተል ብምግባር ነቲ ሓጢኣት ክሽፍኖ ምስ ፈተነ: የሆዋ ንዳዊት ንኽግስጾ ንነብዪ ናታን ለኣኸሉ። (2 ሳሙኤል 11:​1-17፣ 12:⁠1-12) ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ዳዊት ብቕንዕና ተናስሐ: የሆዋ ድማ ይቕረ በለሉ። (2 ሳሙኤል 12:⁠13፣ መዝሙር 32:⁠1-5) የሆዋ ነቲ ናይ ዳዊት ሓጢኣት ረሲዑዎዶ ኢዩ፧ ኣይፋሉን! ድሕሪ ገለ ግዜ እኳ ድኣስ እቶም ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፉ ጋድን ናታንን ቀቅድሚ ዳዊት ሙማቱ ንብምልኡ እቲ ፍጻመ ኣብ መጽሓፍ 2 ሳሙኤል (ብ1040 ኣቢላ ቅ.ኣ.ዘ. እተወድአት) መዝጊቦሞ ኢዮም።

ስለዚ እቲ ናይ ዳዊት ሓጢኣት​—⁠ከምኡውን እቲ ዘርኣዮ ንስሓን እቲ ካብ የሆዋ ዝረኸቦ ምሕረትን​—⁠ዝገልጽ ጸብጻብ ወይ ተዘክሮ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጠቅም ተባሂሉ ተዓቂቡ ኢዩ። (ሮሜ 15:⁠4፣ 1 ቈረንቶስ 10:⁠11) ሓቂ ኢዩ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ‘ቃል እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ስለ ዝነብር’ እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ ዳዊት ሓጢኣት እውን ኣይክርሳዕን ኢዩ!​—⁠1 ጴጥሮስ 1:⁠25

ብቕንዕና ካብ ሓጢኣትና ምስ እንናሳሕ የሆዋ ንበደልና ይድምስሶ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ድኣ እሞ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ ነቲ “ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም: ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ ” ዝብል ቃላት የሆዋ ብኸመይ ኢና ክንርድኦ እንኽእል፧ (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ኤርምያስ 31:⁠34

የሆዋ ዝርስዓሉ መገዲ

እታ ‘ምዝካር’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ (ዛ·ክሃር  ʹ ) ቅድሚ ሕጂ ንእተገብረ ነገር ዘይምርሳዕ ማለት ጥራይ ኣይኰነትን። ብመሰረት ቲኦሎጂካል ዎርድቡክ ኦቭ ዘ ኦልድ ቴስታመንት “ምጥቃስ: ምንጋር: ምድጋም: ምእዋጅ: ምቅላዕ: ምልዕዓል: ምውቃስ: ምንዛዝ” ዝብል ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። ቲኦሎጂካል ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኦልድ ቴስታመንት ድማ ተወሳኺ ሓሳብ ይህብ:- “ሓቂ ኢዩ: መብዛሕትኡ እዋን [ዛ·ክሃር  ʹ] ንሓደ ተግባር እተመልክት ኢያ: ወይ ከኣ ተግባራት ምስ ዝገልጽ ግስታት ሓቢራ ትጽሓፍ ኢያ።” ስለዚ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ደረቐኛታት ህዝቡ ‘ኣበሳኦም ክዝክሮ’ ምዃኑ ክዛረብ ከሎ: ስለ ዘይተናስሑ ኣብ ልዕሊኦም ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። (ኤርምያስ 14:⁠10) ብኣንጻሩ: የሆዋ “ሓጢኣቶም . . . ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ” ክብል ከሎ: ንሓጢኣትና ሓንሳእ ምስ ሓደገልና ንኽወቕሰና: ንኽዅንነና ወይ ንኽቐጽዓና ኢሉ ነቲ ጕዳይ ከም ዘየልዕሎ ኢዩ ዘረጋግጸልና ዘሎ።

የሆዋ ብነብዪ ህዝቅኤል ኣቢሉ ይቕረ ዝብለሉን ዝርስዓሉን መገዲ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ: ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወ: ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ: ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር: ኣይኪመውትን ከኣ እዩ። ካብቲ ዝገሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን: በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ኪነብር እዩ።” (ህዝቅኤል 18:⁠21, 22 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ 33:⁠14-16) እወ: የሆዋ ንሓደ ዝናሳሕ ሓጥእ ይቕረ ምስ ዝብለሉ: ንበደሉ ይድምስሶን ይርስዖን: እዚ ድማ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብ እቲ ድሕሪ ገለ ግዜ ስጕምቲ ኣይወስድን ማለት ኢዩ።​—⁠ሮሜ 4:⁠7, 8

ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና: ከምቲ ናይ የሆዋ ገይርና ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ይቕረ ክንብል ኣይንኽእል ኢና፣ እቲ ደረት ዘይብሉ ሓሳባቱን መገድታቱን ካብ ናትና ዝለዓለ ኢዩ። (ኢሳይያስ 55:⁠8, 9) ካልኦት ሰባት ምስ ዝብድሉና ክሳዕ ክንደይ ድኣ ኢና እሞ ይቕረ ክንብልን ክንርስዕን ምኽንያታዊ ትጽቢት ክግበረልና ዝኽእል፧

ይቕረ ክንብልን ክንርስዕን እንኽእለሉ መገዲ

ኤፌሶን 4:⁠32 “ንሓድሕድኩም . . . [“ብናጻ:” NW ] ይቕረ ተባሃሀሉ” ብምባል ትምዕድ። ብመሰረት ኣዳላዊ መዝገበ⁠-​ቓላት ዳብሊው. ኢ. ቫይን እታ “ብናጻ ይቕረ ተባሃሀሉ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽ ቃል (ካ·ሪ ʹዞ·ማይ) “ምሉእ ብምሉእ ስምረትካ ምግላጽ” ማለት ኢያ። እቲ እተበደልናዮ በደል ፍዅስ ዝበለ ምስ ዝኸውን: ይቕረ ንኽንብል ብዙሕ ኣይንጽገምን ንኸውን። ንሕናውን ዘይፍጹማት ምዃንና ምዝካርና: ንናይ ካልኦት ሰባት በደል ኣብ ግምት ንኸነእትዎ የኽእለና ኢዩ። (ቈሎሴ 3:⁠13) ይቕረ ምስ በልና: ካብ ምቕያም ዓዲ ንውዕል: ምስቲ በዳሊ ዘሎና ርክብ ከኣ ከይተቛረጸ ክቕጽል ይኽእል። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ተዘክሮታት ናይቲ ፈኲስ በደላት እናተረስዐ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ።

ይኹን እምበር: ካልኦት ብርቱዕ ጕድኣት ዘስዕበልና ከቢድ በደል ምስ ዝፍጽሙኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ ከም ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ: ምዕማጽ: ከምኡውን ፈተነ⁠-​ቕትለት ዝኣመሰለ ከቢድ ጕዳያት ይቕረ ምባል ሓያሎ ነገራት ኣብ ግምት ምእታው ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ እቲ ዝበደለ ሰብ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ምስ ዘይእመን: ምስ ዘይናሳሕ: ከምኡውን ይቕረታ ምስ ዘይሓትት ይቕረ ምባል ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።b (ምሳሌ 28:⁠13) የሆዋ እውን ንዘይናስሑ ደረቐኛታት ገበርቲ እከይ ይቕረ ኣይብለሎምን ኢዩ። (እብራውያን 6:⁠4-6፣ 10:⁠26) እቲ በደል ከቢድ ምስ ዝኸውን: ነቲ ጕዳይ ካብ ኣእምሮና ንኸነውጽኦ የሸግረና ይኸውን። ይኹን እምበር: በቲ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዝፍጸም “እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ” ዝብል መረጋገጺ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 65:⁠17፣ ራእይ 21:⁠4) እቲ ሽዑ እንዝክሮ ነገር ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ ከምዚ ሕጂ እነሕልፎ ዘሎና ዓሚቝ ጕድኣት ወይ ስቓይ ኣይከስዕበልናን ኢዩ።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ይቕረ ቅድሚ ምባልና: ምናልባት ምስቲ በዳሊ ብምዝርራብ ክኸውን ይኽእል: ነቲ ጕዳይ ንምድቃስ ገለ ተበግሶ ክንወስድ ከድልየና ይኽእል ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠26) ከምዚ ብምግባር ዝዀነ ይኹን ዘይምርድዳእ ክፍታሕ: ግቡእ ይቕረታ ክሕተት: ምሕረት ድማ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ብዛዕባ ምርሳዕከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ነቲ እተፈጸመ ነገር ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣእምሮና ክንሓኮ ኣይንኽእል ንኸውን: እንተዀነ ግን ነቲ በዳሊ ብዘይምቕያም ወይ ድሕሪ ገለ ግዜ ነቲ ጕዳይ እንደገና ብዘይምልዓል ክንርስዖ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ካልኦት ኴንና ኣይንሓምን: ወይ ነቲ በዳሊ ምሉእ ብምሉእ ኣይንጎስዮን ኢና። ምስቲ በዳሊ ዘሎና ርክብ ንኽመሓየሽ ግን ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል ኢዩ: ከምቲ ቅድም ዝነበረና ጥብቂ ርክብ እውን ከይህልወና ይኽእል ኢዩ።

ሓደ ኣብነት ውሰድ:- ንሓደ እትቐርቦ ዓርክኻ ሓደ ከቢድ ናይ ብሕትኻ ምስጢር ከም ዘካፈልካዮ ገይርካ ሕሰብ: ደሓር ግን ነቲ ምስጢር እቲ ንኻልኦት ከም ዝነገረልካ ትፈልጥ: እዚ ድማ ኣጸቢቑ የጨንቐካ ወይ ይሃስየካ። ናብቲ ዓርክኻ ቅርብ ኢልካ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ተዘራርቦ: ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ይጕህን ይጠዓስን እሞ ይቕረታ ይሓተካ። ነቲ ናይ ሓቂ ጣዕስኡ ብምርኣይ: ልብኻ ይቕረ ንኽትብለሉ ይድርኸካ። ነቲ ነገር ግን ብቐሊሉዶ ትርስዖ ኢኻ፧ ዘይመስል ኢዩ: ካብኡ ንደሓር ምስጢር ንኸይተካፍሎ ኣዚኻ ከም እትጥንቀቕ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ገና ግን ይቕረ ትብለሉ ኢኻ፣ ነቲ ጕዳይ ብቐጻሊ እናልዓልካ ድማ ኣይትቶኻትኾን: ኣይትቕየመሉን: ምስ ካልኦት ኴንካ እውን ኣይትሓምዮን። ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረካ ጥብቂ ርክብ ኣይህልወካን ይኸውን: ገና ግን ከም ክርስትያን ሓውካ መጠን ተፍቅሮ ኢኻ።​—⁠ምስ ምሳሌ 20:⁠19 ኣረኣእዮ።

ይኹን እምበር ነቲ ጕዳይ ንኸተደቅሶ ዝከኣለካ ጽዒርካ ከተብቅዕ እቲ በዳሊ ጌጋኡ ምስ ዘይእመን እሞ ይቕረታ ምስ ዘይሓትት እንታይ ይኹን፧ ከም ዘይትቕየመሉ ገይርካ ይቕረ ክትብልዶ ትኽእል ኢኻ፧ ንኻልኦት ይቕረ ምባልና ነቲ ዝገበርዎ በደል ሸለል ኢልናዮ ወይ ኣቕሊልና ርኢናዮ ማለት ኣይኰነን። ቂም ምሓዝ ክትስከሞ ዘይከኣል ጾር ኢዩ። ሓሳብና ኽሰርቀና: ሰላምና ኸጥፍኣልና ይኽእል ኢዩ። ይቕረ ንዘይብለና ሰብ ይቕረ ኽብለና ምጽባይ: መመሊስና ከም እንጭነቕ ጥራይ ኢዩ ክገብረና ዝኽእል። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ እቲ በዳሊ ንስምዒታትና ኽቈጻጸሮ ንፈቕደሉ። ስለዚ: ንኻልኦት ይቕረ ክንብለሎም ዘሎናን ክንቅየሞም ዘይብልናን ንዕኦም ኢልና ጥራይ ዘይኰነስ ንዓና ኽንብል: ማለት ብጓሂ ሕርር ኢልና ንኸይንነብር ኢዩ።

ንኻልኦት ይቕረ ምባል ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን። ቅንዕና ዝመልኦ ንስሓ ምስ ዝግበር ግን ነቲ ናይ የሆዋ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ ክንቀድሖ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። የሆዋ ንዝናስሑ ሓጢኣተኛታት ይቕረ ምስ ዝብለሎም: ኣይቅየመሎምን ኢዩ: እዚ ማለት ድማ በደሎም ብምድምሳስን ብምርሳዕን ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ብሰሪ ሓጢኣቶም ስጕምቲ ኣይወስድን ኢዩ። ንሕናውን እቲ ዝበደለና ሰብ ምስ ዝናሳሕ ንኸይንቕየመሉ ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ይቕረ ንኽንብል ዘይንግደደሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ፍትሒ ብዝጐደሎ ወይ ጭከና ብዝመልኦ ኣተሓሕዛ እተበደለ ሰብ ነቲ ዘይናሳሕ ሓጥእ ይቕረ ክብለሉ ክግደድ የብሉን። (ምስ መዝሙር 139:⁠21, 22 ኣረኣእዮ።) ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ግን ካልኦት ሰባት ምስ ዝብድሉና: ካብኡ ንደሓር ከም ዘይንቕየመሎም ገይርና ይቕረ ክንብልን ነቲ ጕዳይ እንደገና ከም ዘይነልዕሎ ገይርና ክንርስዖን ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ:- ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ምሉእ ብምሉእ ይቕረ ዝብል፧” እትብል ኣብ ናይ 8 ታሕሳስ 1993 ንቕሑ! ገጽ 18-19 (እንግሊዝኛ) እትርከብ ዓንቀጽ ርአ።

b ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ጥራዝ 1 ገጽ 862 (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ክርስትያናት ነቶም እከይ ዝገብሩ ማለት ደይመደይ ኢሎም ሓጢኣት ፈጺሞም ዘይናስሑ ሰባት ይቕረ ንኽብሉሎም ኣይግደዱን ኢዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ጸላእቲ ኣምላኽ ኢዮም።”​—⁠ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍን ኣሕዋቱን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ