ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/11 ገጽ 29-31
  • ኦኔሲፎሮስ ተባዕ መጸናንዒ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኦኔሲፎሮስ ተባዕ መጸናንዒ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካልኣይ ማእሰርቲ ጳውሎስ
  • ነቲ እሱር ዝነበረ ጳውሎስ ምብጻሕ
  • ኦኔሲፎሮስ እንታይ ኰነ፧
  • እሙናት መጸናናዕቲ ንኹን
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2024-2025—ምስ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር
  • ካብ የሆዋ ሓደ እኳ ኣይፍለኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • መተዓይይቲ ጳውሎስ እንታዎት ኢዮም ነይሮም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ኣጸቢቑ እናመስከረ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/11 ገጽ 29-31

ኦኔሲፎሮስ ተባዕ መጸናንዒ

“ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም: መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ . . . ዘክ​ርዎም።” (እብራውያን 13:3) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ ከባቢ 61 ከ.ኣ.ዘ. ክጽሕፈን ከሎ: ንሱ ባዕሉ ብዙሕ ማእሰ​ርቲ ኣሕሊፉ ነይሩ ኢዩ: ሰማእት ኰይኑ ቅድሚ ሙማቱ ድማ እንደገና ክእሰር ነበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠23, 24፣ 22:⁠24፣ 23:⁠35፣ 24:⁠27፣ 2 ቈረንቶስ 6:5፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠9፣ ፊልሞን 1) ልክዕ ከምዚ ሕጂ ኣድላዪ ኰይንዎ ዘሎ: እተን ሽዑ ዝነበራ ጉባኤታት እውን ነቶም ብምኽንያት እምነቶም ፈተናታት ዝጽመሙ ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾት ክሕግዛ ብህጹጽ የድሊ ነበረ።

ብፍላይ ነዚ ሓገዝ እዚ ክህብ ንቑሕ ዝነበረ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነብር ዝነበረ ሓደ ኦኔሲፎሮስ ዝበሃል ወደ መዝሙር ኢዩ ነይሩ። ንጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ እዋን እቲ ኻልኣይ ማእሰርቱ በጺሕዎ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕብኡ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:⁠- “ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ: ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን: ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ: በቲ መቝሔይውን ኣይሐፈረን እሞ: እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሀብ።” (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠16, 17) እዘን ሒደት ቃላት እዚኣተን ብሓቂ እንታይ ማለት ከም ዝዀና ንምስትንታን ግዜ ወሲድካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ ምግባርካ ነቲ ኣብ ኦኔሲፎሮስ ዘሎካ ሞሳ ከዛይዶ ይኽእል ኢዩ። ተባዕ መጸናንዒ ከም ዝነበረውን ክትግንዘብ ኢኻ።

ካልኣይ ማእሰርቲ ጳውሎስ

ጳውሎስ ካብቲ ቐዳማይ ማእሰርቱ ድሕሪ ምፍትሑ: ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኵነታት እንደገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሮሜ ኢዩ ነይሩ። ኣብ እዋን እቲ ቐዳማይ ማእሰርቱ ኣዕሩኹ ኣብታ እተኻረያ ገዛ ክረኽብዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክፍታሕ ምዃኑውን እሙንቶ ዝነበሮ ኢዩ ዝመስል። ሕጂ ግን ብዝበዝሑ ተጠልመ: ሰማእትነትውን ቀረበ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 28:⁠30፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠6⁠-​8, 16፣ ፊልሞን 22

ጳውሎስ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ከባቢ 65 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓምለ 64 ከ.ኣ.ዘ. ዳርጋ ሓደ ዓመት ኣቐድም ኣቢሉ: ካብተን 14 ዞባታት ናይታ ኸተማ ኣብተን 10 ሰፊሕ ጕድኣት ዘውረደ ሓዊ ኣብ ምልእቲ ሮሜ ተላብዐ። ብመሰረት እቲ ሮማዊ ጸሓፊ ታሪኽ ታሲተስ ዝገለጾ: ሃጸይ ኔሮ ነቲ “እቲ ዓቢ ባርዕ ሓዊ ዝወረደ ብትእዛዝ ኢዩ ዝብል ዘስግእ እምነት” ከርሕቖ ኣይከኣለን ነይሩ። “በዚ ምኽንያት እዚ: ኔሮ ገዛእ ርእሱ ካብዚ ክሲ እዚ ንምንጋፍ: ነቶም በቲ ሓፋሽ ህዝቢ ክርስትያናት ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ፍንፉናት ጕጅለ ገበነኛታት ገበሮም እሞ ኣብ ልዕሊኦም ኣዝዩ ከቢድ ስቓይ ኣውረደ። . . . ኣማውታኦም ንዕቀት ብዘለዎ መገዲ ኢዩ ተፈጺሙ: ቈርበት ኣራዊት ተኸዲኖም: ብኣኽላባት ተነኺሶምን ተቐቲሎምን ኢዮም: ወይ ድማ ኣብ መስቀል ተሸንኪሮም ኢዮም: ወይ እውን ምስ መሰየ ናይ ለይቲ መብራህቲ ኰይኖም ምእንቲ ኸገልግሉ: ብሃልሃልታ ሓዊ ተቓጺሎምን ነዲዶምን ኢዮም።”

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋህውን ተመሳሳሊ ኵነታት ክወርዶ ብምጽባይን ኢዩ ጳውሎስ እንደገና ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ዝነበረ። ነቲ ምብጻሕ ናይ ኦኔሲፎሮስ ዓርኩ ኣዝዩ ኣመስጋኒ ምንባሩ ኣየገርምን ኢዩ! እንተዀነ ግን ነቲ ኦኔሲፎሮስ ኣብዚ ዅነታት እዚ ዝወሰዶ ኣቕዋም እስከ ንርአ።

ነቲ እሱር ዝነበረ ጳውሎስ ምብጻሕ

ስድራቤት ኦኔሲፎሮስ ኣብ ኤፌሶን ይነብሩ ከም ዝነበሩ ፍሉጥ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠18፣ 4:⁠19) ኦኔሲፎሮስ ናብ ርእሰ ኸተማ ናይቲ ግዝኣት ዝመጸ ናይ ብሕቱ ጕዳይ ክገብር ይኹን ወይ ብፍላይ ንጳውሎስ ክበጽሕ ኢሉ እንተ ዀይኑ እተገልጸ ነገር የለን። ይኹን እምበር: እቲ ሃዋርያ ከምዚ ብምባል ርእይቶኡ ገለጸ:⁠- “ናብ ሮሜ መጺኡ: . . . ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ።” (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠16, 17) እንታይ ዓይነት ምፍሽሓው፧ ሽሕ እኳ እቲ ናይ ኦኔሲፎሮስ ደገፍ ስጋዊ ሓገዝ ዘጠቓለለ ክኸውን ይኽእል እንተ ነበረ: ህላወኡ እውን ብንጹር ጳውሎስ ንኽበራታዕን ንኽተባባዕን መነቓቕሒ ኰይኑዎ ኢዩ። አረ ገለ ትርጕማትሲ “ንሱ ኵሉ ሳዕ ንመንፈሰይ ኣሐጒስዎ ኢዩ” ወይ ድማ “ንሱ ኵሉ ሳዕ የጸናንዓኒ ነበረ” ኢዮም ዝብሉ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ንሓደ ኣብ ሮሜ እተኣስረ ክርስትያን ክትበጽሕ ኢልካ ምኻድ ብድሆታት ነይርዎ ኢዩ። ካብቲ ኣብ እዋን ቀዳማይ ማእሰርቱ እተፈለየ ድማ እቶም ሮማውያን ክርስትያናት ንጳውሎስ ክረኽብዎ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ኣብ ከም ሮሜ ዝበለ ዓቢ ኸተማ ኣብ መንጎ እቶም ብእተፈላለየ ገበናት ተኣሲሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ንሓደ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይፍለጥ እሱር ምርካብ ቀሊል ዕዮ ኣይነበረን። ካብዚ እተላዕለ ኣጸቢቕካ ምድላይ ይሓትት ነበረ። ጆቫኒ ሮስታኞ እተባህለ ምሁር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ብኸምዚ ይገልጾ:⁠- “እቲ ጸገማት እተፈላለየ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ኣብ ምድላይ ፍሉይ ጥንቃቐ ይሓትት ነበረ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናኸድካ ሓበሬታ ምእካብ ከምኡውን ነቲ ብዙሕ ገበናት ዝፈጸመ ዝሸምገለ ደረቐኛ እሱር ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ንምርካብ እተሃንጠኻ መሲልካ ክትረአ ዝያዳ ጥርጣረ ከልዕል ይኽእል ነበረ።”

ፒ. ኤን. ሃሪሰን እተባህለ ጸሓፊ ብዛዕባ ተመሳሳሊ ኵነታት ከምዚ ብምባል ስእላዊ መግለጺ ይህብ:⁠- “እቶም ነቲ ሓጺር ጸብጻብ ጳወሎስ እነንብብ ቈላሕታ ናይ ሓደ ኣብ ማእከል እኩብ ህዝቢ ዝመላለስ ቈራጽነት ዘለዎ ሰብ ዝረኸብና እሞ ብዓቢ ተገዳስነት ነዚ ጋሻ እዚ ካብ ርሑቕ ገማግም ባሕሪ ናይ ኤጂያን ኣትሒዝና: በቲ እተሓላለኸ ዘይፍሉጥ መገድታት ክሓልፍ ከሎ: ኣብ ብዙሕ መዓጹ ክዅሕኵሕ ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ሓበሬታ ክኽተል ከሎ: ነቲ ዝመጾ ሓደጋታት ተሓቢሩ ክነሱ ምድላይ ንኸየቋርጽ ዝወሰነ፣ ካብ ሓደ ሕቡእ ክፍሊ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ፍሉጥ ደሃይ ሰላም ክብሎ: ከምኡውን ንጳውሎስ ብሰንሰለት ተኣሲሩ ብናይ ሮሜ ወተሃደር እናተሓለወ ክሳዕ ዝረኽቦ ዝሰዓብና ኢና ንመስል።” እቲ ቦታ ዅሉ ነገራቱ ልክዕ ከምቲ ኻልእ ቤት ማእሰርቲ ናይ ሮሜ እንተድኣ ዀይኑ: ሰንሰለትን እቲ ዘምጽኦ ዅሉ ዓይነት ስቓይን ተወሲኽዎ ቈራርን ጸልማትን ግዕዙይ ቦታን ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል።

ዓርኪ ናይ ከም ጳውሎስ ዝኣመሰለ እሱር ምዃንካ ክትፍለጥ ሓደገኛ ኢዩ ነይሩ። ኣዘውቲርካ ክትበጽሖ ኸኣ እሞ ዝገደደ ኢዩ ነይሩ። ክርስትያን ምዃንካ ብግህዶ ክትልለ: ከም ማእሰርትን ተሳቒኻ ሙማትን ዝኣመሰለ ሓደጋ ምምጻእ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኦኔሲፎሮስ ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ጥራይ ንኽበጽሖ ዕጉብ ኣይነበረን። ነዚ “ብዙሕ ሳዕ” ክገብሮ ኣይሓፈረን ወይ እውን ኣይፈርሐን። ኦኔሲፎሮስ እቲ ሓደጋታት ብዘየገድስ ምትብባዕን ፍቕራዊ ሓገዝን ብምሃቡ ብሓቂ ምስቲ “ጸዋር መኽሰብ” ዝብል ትርጕም ስሙ ተሰማሚዑ ኢዩ።

ኦኔሲፎሮስ ነዚ ዅሉ ዝገበሮ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ብራይን ራፕስኪ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:⁠- “ቤት ማእሰርቲ ኣካላዊ ስቓይ ዘሎዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ እሱር ጸቕጢ የስዕበሉ ስለ ዝነበረ ቦታ ናይ ዓሚቝ ጭንቀት ኢዩ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ: ናይቶም ደገፍቲ ብኣካል ምህላውን እቲ ብቓል ዝህብዎ መተባብዕን ብስምዒታዊ መገዲ ነቲ እሱር ዓቢ ምንጪ ምትብባዕ ክዀኖ ይኽእል ኢዩ።” ኦኔሲፎሮስ ነዚ ብርግጽ ተገንዚብዎን ንዓርኩ ብተኣማንነት ሓጊዝዎን ኢዩ። ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ጳውሎስ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ሓገዝ ኣማሲውሉ ክኸውን ዘለዎ!

ኦኔሲፎሮስ እንታይ ኰነ፧

ጳውሎስ ኣብታ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ ካልኣይቲ ደብዳበኡ: ናብ ስድራ ኦኔሲፎሮስ ሰላምታ ለኣኸ: ብዛዕብኡ ድማ “በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ: እግዚኣብሄር ይሀቦ” በለ። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠18፣ 4:⁠19) ብዙሓት እተን “በታ መዓልቲ እቲኣ” ዝብላ ቓላት ንመዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኢየን ዘመልክታ ብምባል ይሓስቡ: ብእኡ ምኽንያት ድማ ኦኔሲፎሮስ ሞይቱ ኢዩ ነይሩ ብምባል ይድምድሙ። እቲ ጕዳይ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: ምናልባት “ኦኔሲፎሮስ ኣብዚ ሓደገኛ ዅነታት ዝወደቐ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምብጻሕ ክኸውን ይኽእል: ብሞት ተቐጺዑ . . . ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ብምባል ፒ. ኤን. ሃሪሰን ሓሳብ ኣቕረበ። እቲ ዀይኑ እቲ ግን: እዛ ደብዳበ እዚኣ ክትበጽሖም ከላ ኦኔሲፎሮስ ገይሹ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ወይ ድማ ጳውሎስ ኣብታ ንብምልእቲ ስድራቤቱ ብሓፈሻ እተላእከት ሰላምታ ጠቒስዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ገሊኦምውን እተን “በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ኺረክብ: እግዚኣብሄር ይሀቦ” ዝብላ ሓሳባት ፍሉይ ትርጕም ኣለወን ብምባል ይኣምኑ። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ክንዲ እቶም ሓሊፎም ኣብ ገለ መንፈሳዊ ኵነታት ዝነብሩ ምናልባትውን ዝሳቐዩ ዘለዉ ነፍሳት ዝግበር ናይ ልመና ጸሎት ከም ዘመልክታ ኰይኑ ይስምዖም። ይኹን እምበር: እቲ ኸምዚ ዝበለ ሓሳብ ምስቲ ምውታት ምንም ነገር ከም ዘይፈልጡ ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ዝጋጮ ኢዩ። (መክብብ 9:⁠5, 10) ኦኔሲፎሮስ ምናልባትውን ሞይቱ እንተ ነበረ: ጳውሎስ ዓርኩ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክረክብ ትምኒት ከም ዘለዎ ምግላጹ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ሮበርት ኤፍ. ሆርተን “ከምኡ ዓይነት ትምኒት ንዅሎም ሰባት ኽንገልጽ መሰል ተዋሂብና ኢና። እንተዀነ ግን ንምውታት ምጽላይን ንዕኦም ኢልካ ቅዳሴ ምቕራብን ኣብ ኣእምሮ [ሃዋርያት] ዘይነበረ ሓሳባት ኢዩ” ብምባል ይዛረብ።

እሙናት መጸናናዕቲ ንኹን

ኦኔሲፎሮስ ንጳውሎስ ክሕግዞ ኸሎ ህይወቱ ብርግጽ ኣጥፊኡ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ: ነቲ ሃዋርያ ንምርካብን ንዕኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንምብጻሕን ህይወቱ ብሓቂ ኣብ ሓደጋ አእትዩዋ ኢዩ። ከምኡውን ጳውሎስ ነቲ ካብ ኦኔሲፎሮስ ዝረኸቦ ኣዝዩ ተደላዪ ሓገዝን ምትብባዕን ከም ዘማሰወሉ ምጥርጣር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ።

ኣመንቲ ብጾት ፈተና: ስደት: ወይ ማእሰርቲ ምስ ዘጋጥሞም: ንኸነጸናንዖምን ንኸነበራትዖምን ኣብ ጐድኖም ክንከውን ንኽእል ኢና። እምበኣርከስ ኣብ ክንድኦም ንጸሊ: ብፍቕሪ ተላዒልና ንኽንሕግዞም ከኣ ዝከኣለና ንግበር። (ዮሃንስ 13:⁠35፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠25) ልክዕ ከም ኦኔሲፎሮስ ተባዓት መጸናናዕቲ ንኹን።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኦኔሲፎሮስ ነቲ እሱር ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ብትብዓት ኣጸናኒዕዎ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ