ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/11 ገጽ 32
  • ጠቓሚ ዝነበረ ድቃስ ዘይብሉ ለይትታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጠቓሚ ዝነበረ ድቃስ ዘይብሉ ለይትታት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/11 ገጽ 32

ጠቓሚ ዝነበረ ድቃስ ዘይብሉ ለይትታት

ነገስታት ከይተረፉ ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ የሕልፉ ኢዮም። እቲ ኣብ ሓም⁠ሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ሓያል ፋርሳዊ መራሒ ዝነበረ ኣሓሽዌሮስ: ሓደ ለይቲ ድቃስ ኣብይዎ ኢዩ። ምናልባት ገለ ሓላፍነታት ሸለል ከም ዝበለ ተሰሚዕዎ ይኸውን ነቲ ናይ ቤተ⁠-​መንግስቲ መዛግብቲ ከም ዝንበበሉ ገበረ። እቲ እሙን ኣገልጋሊ ዝነበረ ማርዶካይ ናይ ቅትለት ውዲት ከም ዘፍሸለ: ዓስቡ ግን ከም ዘይረኸበ ፈለጠ። ኣሓሽዌሮስ ነዚ ጕድለት ናይ ሸለልትነት እዚ ብቕልጡፍ ክእርም ወሰነ። እቲ ጠቓሚ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዝወሰዶ ስጕምትታቱ ከም ዝሕብሮ እቲ ናይ ንጉስ ድቃስ ምስኣን ብመለኮታዊ ድራኸ ኢዩ ተበጊሱ።​—⁠ኣስቴር 6:⁠1-10

እታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሄርሞኑስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዘላ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ እዚ ንኽትዝክሮ ምኽንያት ኣለዋ። እቶም ኣሕዋት ወትሩ ኣብ ናይ ክራይ ኣደራሽ ኢዮም ዝእከቡ ነይሮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ኣደራሽ መንግስቲ ዝሃንጽሉ መሬት ንኽዕድጉ ንብዙሕ ዓመታት ፈቲኖም ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ብ1991 በቲ ናይታ ኸተማ ቤት ምኽሪ ዝበለጸ ቦታ ተዋህቦም።

ይኹን እምበር: ነዚ ቦታ እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሻጥ ገለ ሰባት ተቓወምዎ። ድሕሪ ናይ ሓያሎ ኣዋርሕ ምድንጓይ ድማ: እቲ መሬት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ክትከፍሎ ብሕጋዊ መገዲ ንቤተ-ክርስትያን ተሸይጡ ከም ዝነበረ ምዕዳል መሬት ድማ ከም ዘቋረጸ እታ ጉባኤ ተሓበረት። እታ ጉባኤ ኣብ ግንቦት 1993 እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ነቲ ውሳነኦም ዳግመ ግምት ክገብርሉ ብምሕታት እንደገና ጸሓፈት። እቲ ነታ ቤተ⁠-​ክርስትያን እተዋህበ ሕጋዊ ፍቓድ ሕጂውን ከም ዝጸንዐ ዝገልጽ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳባት ዘለዋ ናይ መልሲ ደብዳበ ተቐበሉ።

ኣብ ጥቅምቲ ናይታ ዓመት እቲኣ: ሓንቲ ካብቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ናይታ ኸተማ ድቃስ ዘይብላ ለይቲ ሓደረት። ኣቓልቦ ክግበረሉ ዘድሊ ጕዳይ እንተሎ ንምርኣይ እቲ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎ ውሳነታት እናገንጸለት ነታ ለይቲ ኣሕለፈታ። እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ውሳነኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ንምሕታት በቶም መሰኻኽር እተጻሕፈ ደብዳበ ድማ ኣቓልቦኣ ሰሓቦ። ብድሕሪኡ ነቲ ጕዳይ ኣብቲ ኣጀንዳ ናይቲ ዝቕጽል ኣኼባኦም ከተቕርቦ ወሰነት። እቲ ዕዳኻ ደንጒኻ ንምኽፋል ዝዋሃብ ሕጋዊ ፍቓድ ንኣብያተ-ክርስትያናት ቅድሚ ምውሃቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሬት ክዋሃቦም ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ክትገልጽውን ደለየት።

ኣብ መወዳእታ እታ ጉባኤ እቲ መጀመርታ ብ1991 ተዋሂብዋ ዝነበረ መሬት ተመልሰላ! እቲ እተዋህባ መሬት ኣብ ዓቢ ጐደና ማለት እቶም ናይታ ጉባኤ ኣባላትን ተገደስቲ ሰባትን ብቐሊሉ ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ቦታ ኢዩ። ብ5 ጥቅምቲ 1996 ንየሆዋ እተወፈየ ምልኩዕ ኣደራሽ መንግስቲ ሃነጹ።

እታ ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ድቃስ ዘይብላ ለይቲ ብምሕዳራ እታ ጉባኤ ድንጋጽ እኳ እንተ ኣርኣየት: ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከይተረፈ ከምኡ ከም ዘጋጠሞ ብምፍላጣ ተጸናኒዓ ክትከውን ትኽእል ኢያ። እቲ ኣብ ክልቲኡ ጕዳያት ዘጋጠመ ውጽኢት እውን ጠቓሚ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣብ ሄርማኑስ እትርከብ ጉባኤ ኣብዛ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ፍትውቲ ኸተማ: ንጽሩይ ኣምልኾን ንቲኦክራሲያዊ ምልምማድን ማእከል ዝዀነ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣደራሽ መንግስቲ ብምርካባ ብርግጽ ኣመስጋኒት ኢያ።​—⁠እብራውያን 10:⁠24, 25

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ