ሚሽናህ ከምኡውን ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ
“ኣብቲ ፈጺምና ኽንርድኦ ብዛዕባ ዘይንኽእል ኣርእስትታት ዝገልጽ ድሮ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ዝርርብ ብተመስጦ ኢና ኣቲና . . . ንሕና . . . ልክዕ ከም ኣብ ርሑቕ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ሓንቲ ነፋሪት ናብ ካልእ ንምቕያር ኣብቲ መጸበዪ ዘሎና ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓና። እቲ ሰባት ክዛረብዎ እንሰምዖም ዘሎና ቓላት ይርድኣና ኢዩ: ትርጕሙን ብሓቂ ዝደልይዎ ነገርን ግን እንታይ ምዃኑ: ምናዳ ድማ እቲ ኣብ ደሃዮም ዘሎ ቅልጣፈ ንምርድኡ ይጽግመና ኢዩ።” ጃኮብ ኖይስነር እተባህለ ኣይሁዳዊ ምሁር ኣንበብቲ ንመጀመርታ ግዜ ንሚሽናህ ገንጺሎም ከንብቡ ኸለዉ ክህልዎም ንዝኽእል ስምዒት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። ኖይስነር ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ሚሽናህ በዚ ኢዩ መጀመሪኡ ክትብሎ ዘይከኣል ኢዩ። በዚ ይውድእ ድማ ኣይትብሎን ኢኻ።”
ዳንየል ጀረመ ሲልቨር ኣብታ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ጁዳይዝም እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ንሚሽናህ “ቀንዲ ሰነድ ናይ ራቢ ኣይሁድነት” ብምባል ይጽውዖ። አረ: ወሲኹ ድማ “ሚሽናህ ናይቲ ዝቐጸለ ትምህርቲ [ኣይሁድ] ቀንዲ ካሪክለም ብምዃን ንመጽሓፍ ቅዱስ ተኪእዎ ኢዩ” ብምባል ሓሳብ ይህብ። ከምዚ ዝበለ ዘይርዱእ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ዘለዎ መጽሓፍ ክሳዕ ክንድዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
ክፋል ናይቲ መልሲ ኣብዚ ካብ ሚሽናህ እተወስደ ቀጺሉ ዘሎ ሓሳባት ይርከብ:- “ሙሴ ኣብ ከረን ሲናይ ቶራህ ተቐበለ ንእያሱ ድማ ኣመሓላለፈሉ: እያሱ ኸኣ ነቶም ዓበይቲ ህዝቢ: እቶም ዓበይቲ ህዝቢ ድማ ንነብያት። ነብያት ከኣ ንሰብኡት ናይቲ ዓቢ ባይቶ ኣመሓላለፍሎም።” (ኣቮት 1:1) ሚሽናህ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና እተቐበሎ ክፍሊ ናይቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ዘይተጻሕፈ ሕጊ ኣምላኽ ዝሓዘ ምዃኑ ኢዩ ዝዛረብ። ሰብኡት ናይቲ ዓቢ ባይቶ (ደሓር ሳንሄድሪን ተባሂሉ እተጸውዐ) እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሚሽናህ ክሳዕ ዝምዝገብ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንገለ ትምህርትታት ብቓሎም ዘመሓላለፉ ክፍሊ ናይቲ ለባማት ምሁራት: ወይ ጠቢባን ዝሓዘ ነዊሕ መስመር ከም ዝዀኑ ገይርካ ኢዮም ዝርኣዩ ነይሮም። እዚ ግን ሓቅነት ኣለዎዶ፧ ንሚሽናህ ብሓቂ ዝጸሓፎ መን ኢዩ: ስለምንታይከ፧ እቲ ትሕዝቶኡ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝጀመሮ ድዩ፧ ሎሚኸ ንዓና ትርጕም ኣለዎዶ፧
ኣይሁድነት ብዘይ ቤት መቕደስ
ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ክጸሓፍ ከሎ: ኣብ ልዕሊ እቲ ብሙሴ እተጻሕፈ ሕጊ ካልእ ተወሳኺ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ኣሎ ዝብል እምነት ኣይፍለጥን ኢዩ ነይሩ።a (ዘጸኣት 34:27) ብዙሕ ዘበናት ጸኒሑ: ነዚ ኣምር እዚ ዘማዕበልዎን ዘደንፍዕዎን ኣብ ውሽጢ ኣይሁድነት ዝነበሩ ፈሪሳውያን ዝበሃሉ ጕጅለ ኢዮም። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ሰዱቃውያንን ካልኦት ኣይሁድን ነዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ ትምህርቲ ተጻረርዎ። ይኹን እምበር: እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤት መቕደስ ናይ ኣይሁድ ማእከል ኣምልኾ ክሳዕ ዝነበረትሉ ግዜ: እዚ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ዝበሃል ጕዳይ ካልኣይ ቦታ ኢዩ ሒዙ ነይሩ። እቲ ኣብ መቕደስ ዝግበር ኣምልኾ ድማ ንህላወ ነፍሲ ወከፍ ኣይሁዳዊ ምምሕዳራዊ ቅርጽን እተወሰነ ናይ ርግኣት መንፈስን ይህብ ነበረ።
ብ70 ከ.ኣ.ዘ ግን ህዝቢ ኣይሁድ ክግመት ዘይከኣል ሃይማኖታዊ ቕልውላው ኣጋጠሞም። የሩሳሌም ብሰራዊት ሮሜ ጠፍአት: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ኣይሁድ ድማ ተቐትሉ። እታ ማእከል መንፈሳዊ ህይወቶም ዝነበረት ቤት መቕደስ ጠፍአት። በቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝቐርብ መስዋእትታትን ኣገልግሎት ክህነትን ዝሓትት ዝነበረ ሕጊ ሙሴ ምምልላስ ዘይከኣል ኰነ። እቲ ናይ ኣይሁድነት እምነ-መሰረት ፈረሰ። ናይ ታልሙድ ምሁር ዝዀነ ኣደን ስታይንሳልትስ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “እቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. . . . ዝወረደ ጥፍኣት . . . ነቲ ምሉእ ቅርጺ ሃይማኖታዊ ህይወት ከም ብሓድሽ ብህጹጽ ምህናጹ ከም ዘድሊ ገይሩ ኢዩ።” ከም ብሓድሽ ድማ ሃኒጾምዎ ኢዮም።
እታ ቤት መቕደስ ቅድሚ ምጥፍኣ እውን ከይተረፈ: ዮሃናን ቤን ዛካይ: ሕፉር ወደ መዝሙር ናይቲ ሂለል እተባህለ ፈሪሳዊ መራሒ: ካብ ቬስፓስያን (ድሕሪ ሓጺር ግዜ ሃጸይ ክኸውን ዝነበሮ) ነቲ መንፈሳዊ ማእከል ኣይሁድነትን ነቲ ሳንሄድሪንን ካብ የሩሳሌም ናብ ያቭነህ እተባህለት ቁሸት ከግዕዞ ፍቓድ ተቐቢሉ ነበረ። ስታይንሳልትስ ከም ዝገልጾ: ድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም: ዮሃናን ቤን ዛካይ “እታ ቤት መቕደስ ካብ ህላወ ስለ ዘቋረጸት ነቲ ህዝቢ ዝኸውን ሓድሽ ማእከል ኣምልኾ ናይ ምምስራት ከምኡውን ነቶም ህዝቢ ናብቲ ንሃይማኖታዊ ቅንኢ ኣብ ካልእ ከም ዘተኵር ዝገብር ሓድሽ ኵነታት ክለማመዱ ናይ ምሕጋዝ ብድሆ ኣጋጢምዎ ኢዩ።” እዚ ሓድሽ ኣተኵሮ እተገብረሉ ነገር እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ኢዩ ነይሩ።
እታ ቤት መቕደስ ዓንያ ብምንባራ: ሰዱቃውያንን ካልኦት ናይ ኣይሁድ ኣንቆራታትን ከእምን ዝኽእል ኣማራጺ ክህቡ ኣይከኣሉን። ፈሪሳውያን ነቶም ተጻረርቲ ጕጅለታት ብምጥርናፍ ኣብ ኣይሁድ ናይ መሪሕነት ቦታ ሓዙ። እቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ራቢ ሓድነት ንምጕላሕ: ገዛእ ርእሶም ፈሪሳውያን—ናይ ምጕጅጃልን ሻርነትን ትርጕማት ዝሓዘ ስያመ—ኢሎም ምጽዋዕ ኣቋረጹ። ብቕልል ዝበለ ራቢ: “ናይ እስራኤል ለባማት” ተባሂሎም ከም ዝፍለጡ ዀኑ። እዞም ለባማት ሰባት እዚኣቶም ነቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ዝምልከት ኣምር ዝሓቍፍ ስርዓት ፈጠሩ። እዚ ድማ ካብታ ቤት መቕደስ ብዝሓሸ መገዲ ንሰብኣዊ መጥቃዕቲ ዘይቃላዕ መንፈሳዊ ህንጻ ክኸውን ነበሮ።
ምድልዳል ናይቲ ብኣፍ ዝመሓለለፍ ሕጊ
እቲ ኣብ ያቭነህ (ካብ የሩሳሌም ንምዕራብ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቑ) ዝርከብ ናይ ራቢ ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ቀንዲ ማእከል እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ ዝምህራ ካልኦት ኣብያት ትምህርቲ ኣብ ምልእቲ እስራኤል ክሳዕ ኣብ ባቢሎንን ሮሜን እውን ከይተረፈ ክቕልቀላ ጀመራ። ይኹን እምበር: እዚ ጸገም ፈጠረ። ስታይንሳልትስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኵሎም እቶም ለባማት ሰባት ብሓባር ክሳዕ ዝነበሩ: እቲ ቐንዲ ዕዮ ናይ ትምህርቲ ድማ ብሓደ ጕጅለ ሰብኡት [ኣብ የሩሳሌም] ይካየደሉ ክሳዕ ዝነበረ እዋን: እቲ ልምዲ ከይተቐያየረ ተዓቂቡ ኢዩ። ምብዛሕ መምህራንን ምቛም ናይ እተፈላለያ ኣብያተ ትምህርትን ግን . . . ማእለያ ዘይብሉ ስርዓትን ኣገባብ ኣገላልጻን ፈጠረ።”
መምህራን ናይቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ ታናይም ተባሂሎም ኢዮም ዝጽውዑ ነይሮም: እዚ ስያመ እዚ ድማ ካብታ “ምጽናዕ” ወይ “ምድጋም” ወይ “ንኻልእ ምምሃር” ዝብል ሱር ትርጕም ዘለዋ ናይ ኣረማይስጢ ቃል ዝመጸ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ ጽዑቕ ምድግጋምን ምሽምዳድን ብምግባር ዝጥቀምሉ ዝነበረ ኣገባብ ኣጸናንዖምን ኣመሃህራኦምን ኢዩ ዘጕልሕ። ነቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ልምድታት ንምሽምዳዱ ከቃልል ተባሂሉ ድማ: ነፍሲ ወከፍ ስርዓት ወይ ልምዲ ናብ ሓጺርን ጥሙርን ሓረግ ከም ዝሓጽር ተገብረ። እቲ ቓላት ዝዋሓደ ክኸውን ኢዩ ዝምረጽ። ሓደ ዓይነት ቅዲ ዝሓዘ: ብግጥሚ መልክዕ ዝቐረበ ኣገባብ ተፈተነ: እቲ ሓረግ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብዜማ ገይርካ ይድሀ: ወይ ይዝመር ነበረ። እንተዀነ ግን: እዚ መምርሒታት እዚ ፋሕ ዝበለ ኢዩ ነይሩ: ካብ መምህር ናብ መምህር ከኣ ብዙሕ ፍልልይ ነበሮ።
ነቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ እተፈላለየ ልምድታት ንመጀመርታ ግዜ ሓደ ዓይነት ስርዓትን ቅርጽን ዝሃቦ ኣኪቫ ቤን ጆዜፍ ኢዩ። (ከባቢ 50-135 ከ.ኣ.ዘ.) ስታይንሳልትስ ንዕኡ ኣመልኪቱ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “እቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ዕዮኡ ምስ ሓደ ናብ ግራት ከይዱ ዝረኸቦ ፍረታት ስቕ ኢሉ ኣብ ዘንቢሉ መሊኡ ዝመጽእ እሞ: ድሓር ንነፍሲ ወከፍ በብናቱ እናፈላለየ ዝሰርዕ ሸቃላይ ኢዮም ኣመሳሲሎምዎ። ኣኪቫ ንብዙሕ ፋሕ ዝበለ ኣርእስትታት ኣጽኒዑ ኣብ ነናቱ ክፍልታት ገይሩ ሰርዖ።”
ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ.—ድሕሪ ጥፍኣት የሩሳሌም ልዕሊ 60 ዓመታት ጸኒሑ—ብመሪሕነት ባር ኮክባ ኣንጻር ሮሜ ካልኣይ ዓቢ ዕልዋ ተኻየደ። እዚ ዕልዋ እዚ ድማ እንደገና ጥፍኣት ኣስዓበ። ኣኪቫን ብዙሓት ካልኦት ደቀ መዛሙርቱን ካብቶም ሓደ ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ እተቐትሉ ኣይሁድ ነበሩ። ናይ ሮሜ ሃጸይ ሃድሪያን ብዘይካ ኣብ ዝኽረ-ዓመት ጥፍኣት የሩሳሌም: ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ገጾም ከይቀርቡ ምስ ኣወጀ: ነታ ቤት መቕደስ ንምህናጻ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ተስፋ ቅሂሙ ተረፈ።
እቶም ድሕሪ ኣኪቫ ዝነበሩ ታናይም ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ፈጺሞም ኣይረኣይዋን። ኣብቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ልምድታት ዝግበር ዝነበረ ሓደ ቕርጺ ዝሓዘ ኣገባብ መጽናዕቲ ግን “ቤት መቕደሶም:” ወይ ማእከል ኣምልኽኦም ኰነ። ንቕርጺ ናይቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ ጽኑዕ ንምግባር ብኣኪቫን ደቀ መዛሙርቱን እተጀመረ ዕዮ: ካብቶም ታናይም እቲ ናይ መወዳእታ ዝዀነ ጁዳ ሃ-ነሲ ቐጸሎ።
ንሚሽናህ ዘቘመ ነገራት
ሂለልን ገማልኤልን ንጁዳ ሃ-ነሲ ኣባሓጎታቱ ኢዮም ነይሮም።b ኣብ እዋን እቲ ናይ ባር ኮክባ ዕልዋ እተወልደ ብምንባሩ: ኣብ ምውዳእ ካልኣይ ክፍለ-ዘበንን ምጅማር ሳልሳይ ክፍለ-ዘበንን ከ.ኣ.ዘ. ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ማሕበረሰብ ኣይሁድ መራሒ ኰነ። ሃ-ነሲ ዝብል መዓርግ “መስፍን” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ: እዚ ድማ እቶም ብጾቱ ኣይሁድ ብኸመይ ይርእይዎ ከም ዝነበሩ ዝሕብር ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ራቢ ተባሂሉ ጥራይ ኢዩ ዝጽዋዕ። ጁዳ ሃ-ነሲ ንኽልቲኡ ማለት ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ትምህርትን ነቲ ሳንሄድሪንን: መጀመርታ ኣብ ቤት ሸዓሪም ጸኒሑ ከኣ ኣብ ሰፎረስ ኣብ ገሊላ: መሪሕነት ብምውሳድ ኣካይድዎ ኢዩ።
ጁዳ ሃ-ነሲ ኣብ መጻኢ ምስ ሮሜ ከጋጥም ዝኽእል ግርጭት ነቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ይኽእል ይኸውን ዝብል ስግኣት ብምሕዳር: ንዕቃበ እቲ ሕጊ ዘረጋግጽ ኣገባብ ከውጽኣሉ ቈሪጹ ተላዕለ። ነቶም ኣብቲ ግዜኡ ዝነበሩ ኣዝዮም እተፈልጡ ምሁራት ናብቲ ቤት ትምህርቱ ኣከቦም። ነፍሲ ወከፍ ነጥብን ልምድን ናይቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ ክትዕ ተኻየደላ። እቲ ኣብዚ ምይይጥ እዚ ስምምዕ እተገብረሉ ነጥብታት ንሓደ ጽኑዕ ናይ ግጥሚ ኣገባብ ዝሓዘ ጽሑፍ እብራይስጢ ብምስዓብ: ክትኣምኖ ኣብ ዘጸግም ኣዝዩ ሓጺር ሓረጋት ተጠርነፈ።
እዚ ስምምዕ እተገብረሉ ነጥብታት ከከም ኣርእስትታቱ ኣብ ሽዱሽተ ዓበይቲ ኽፍልታት: ወይ መደባት ተጠርነፈ። ጁዳ ነዚ ኣብ 63 ንኡስ ክፍልታት መቓቐሎ። እቲ መንፈሳዊ ሕጊ ሕጂ ምሉእ ኰነ። ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ: ከምዚ ዝበለ ልምድታት ወትሩ ብቓል ኢዩ ዝመሓላለፍ ነይሩ። ከም ተወሳኺ መከላኸሊ ግን: እቲ ናይ መወዳእታ ሱር-በተኻዊ ስጕምቲ ተወስደ: እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ነገር ብጽሑፍ ምድላው ነበረ። እቲ ነዚ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ዝጠርነፈ መሳጢ ዝዀነ ሓድሽ ናይ ጽሑፍ ኣገባብ ሚሽናህ ተባሂሉ ተጸውዐ። እታ ሚሽናህ እትብል ስም ካብታ “ምጽናዕ:” “ምድጋም:” ወይ “ንኻልእ ምምሃር” ዝትርጕማ ሻ·ናህ ʹ እትበሃል ናይ እብራይስጢ ሱር ቃል ዝመጸት ኢያ። ምስታ ታ·ና· ʼይም ʹ ካብ እትብል ቃል ዝመጸት ናይ ኣረማይስጢ ቴና ʼ ʹ ኸኣ እትመሳሰል ኢያ: እዛ ስያመ እዚኣ ድማ ኣብቶም ናይ ሚሽናህ መምህራን እትውዕል ኢያ።
ናይ ሚሽናህ ዕላማ ደምዳሚ ሕጊ ንምምስራት ኣይኰነን ነይሩ። እቲ ኣንባቢ ነቲ ቐንዲ መሰረታዊ ስርዓታት ይፈልጦ ኢዩ ዝብል ግምት ብምሓዝ: ዝያዳ ኣብቲ ሕጊ ዘይትንክፎ ነገራት ኢዩ ዘተኵር። ብልክዕ ክርአ ኸሎ: ነቲ ኣብ እዋን ጁዳ ሃ-ነሲ ኣብ ናይ ራቢ ኣብያተ ትምህርቲ ምይይጥ እተገብረሉን ትምህርቲ እተዋህበሉን ነጥብታት ጥቕልል ኣቢሉ ኢዩ ዘቕርብ። ሚሽናህ ንዕኡ መሰረት ብምግባር ኣብ መጻኢ ክትዕ ክካየደሉ ተባሂሉ ዝቐረበ ናይቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ ጽማቝ ሓሳባት: ናይ ጽሑፍ ኣስከሬን: ወይ ናይ ጽሑፍ መሰረታዊ ንድፊ ኢዩ ነይሩ።
ሚሽናህ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከረን ሲናይ ንሙሴ እተዋህቦ ሕጊ ዝገልጽ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ምዕባለ ናይቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ: ፈሪሳውያን ዝጀመርዎ ኣምር: ዕምቝ ዝበለ ምርዳእ ዝህብ ኢዩ። ኣብ ሚሽናህ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓበሬታ ነቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዘሎ ሓሳባት ከምኡውን ንገለ ካብቲ ኣብ መንጎ የሱስ ክርስቶስን ፈሪሳውያንን እተኻየደ ዝርርባት ዝገልጽ ውሱን መብርሂ ይህብ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ሚሽናህ ዝርከብ ሓሳባት ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝጀመረ ናይ ኣይሁድ ኣረኣእያታት ዘንጸባርቕ ስለ ዝዀነ ጥንቃቐ ኣድላዪ ኢዩ። ሚሽናህ ካብቲ እታ ኻልኣይቲ ቤት መቕደስ ዝነበረትሉ ክሳዕ ግዜ ታልሙድ ዘሎ እዋን ዘራኽብ ድንድል ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ዊል ዘር አቨር ቢ ኤ ዎርልድ ዊዝኣውት ዎር፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ገጽ 8-11 ርአ።
b ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ “ገማልኤል—ንሳውል በዓል ጠርሲስ ምሂርዎ ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን]
ናይ ሚሽናህ ክፍልታት
ሚሽናህ ኣብ ሽዱሽተ መደባት ኢዩ ዝምቀል። እዚ ድማ ኣብ ምዕራፋት ከምኡውን ሚሽናዮት: ወይ ሕጡበ-ጽሑፋት (ቍጽርታት ዘይኰነ) እተመቓቐለ 63 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ: ወይ ሓጸርቲ ጽሑፋት ዝሓዘ ኢዩ።
1. ዜራይም (ሕግታት ሕርሻ)
እዚ ሓጸርቲ ጽሑፋት እዚ ንመግብን ምስ ሕርሻ ንእተተሓሓዘ ነገራትን ዝምልከት ጸሎት ዘጠቓልል ኢዩ። ንዕሽር: ግደ ካህናት: ቀሪም: ከምኡውን ንሰናብቲ ዓመታት ዝምልከት ስርዓታት እውን ዝሓዘ ኢዩ።
2. ሞኤድ (ቅዱስ ግዜያትን በዓላትን)
እቲ ኣብዚ መደብ እዚ ዘሎ ሓጸርቲ ጽሑፋት ምስ ሰንበት: መዓልቲ ምትዕራቕ: ከምኡውን ምስ ካልእ በዓላት እተተሓሓዘ ሕግታት ዝገልጽ ኢዩ።
3. ናሺም (ኣንስትን ሕጊ መርዓን)
እዚ ሓጸርቲ ጽሑፋት እዚ ብዛዕባ መርዓን ፍትሕን: ማሕላታት: ናዝራውያን: ከምኡውን ብዛዕባ ዝሙት ንዘሎ ጥርጠራ ዝምልከት ጕዳያት ዝገልጽ ኢዩ።
4. ነዚኪን (ሓደጋታትን ሲቪላዊ ሕግን)
ኣብዚ መደብ እዚ ዘሎ ሓጺር ጽሑፋት ንሲቪላውን ናይ ንብረትን ሕጊ: ኣብያተ ፍርድን መቕጻዕትታትን: ንተግባራት ሳንሄድሪን: ንጣኦታት: ማሕላታት: ከምኡውን ንስርዓት ኣበው ዝምልከት ኣርእስትታት ዝሽፍን ኢዩ። (ኣቮት)
5. ኮዳሺም (መስዋእትታት)
እዚ ሓጺር ጽሑፋት እዚ ምስ ናይ እንስሳን ኣእካልን መስዋእትታት ከምኡውን ምስ ዓቐናት ናይታ ቤት መቕደስ እተተሓሓዘ ስርዓታት ዝገልጽ ኢዩ።
6. ቶሃሮት (ናይ ጽሬት ጽምብላት)
እዚ መደብ እዚ ብዛዕባ ጽምብላዊ ጽሬት: ነብስን ኣእዳውን ምሕጻብ: ናይ ቈርበት ሕማማት: ከምኡውን ናይ እተፈላለዩ ኣቑሑ ርኽሰት ዝዛረብ ሓጸርቲ ጽሑፋት ዝሓዘ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]
ሚሽናህን ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን
ማቴዎስ 12:1, 2:- “በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ: ሰዊት ኪምሕዉን ኪበልዑን ከኣ ጀመሩ። ፈሪሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፤ እንሆ: ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ አለዉ: በልዎ።” ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝገበርዎ ኣይክልክልን ኢዩ። ኣብ ሚሽናህ ግን ኣብ መዓልቲ ሰንበት ከይግበር ብራቢ እተኸልከለ ናይ 39 ንጥፈታት ዝርዝር ንረክብ ኢና።—ሻባት 7:2
ማቴዎስ 15:3:- “ንሱ [የሱስ] መሊሱ በሎም፤ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም፧” ሚሽናህ ነዚ ኣረኣእያ እዚ የጽንዖ ኢዩ። (ሳንሄድሪን 11:3) ከምዚ ነንብብ:- “ካብ ንቓላት ናይቲ [እተጻሕፈ] ሕጊ [ምሕላው] ንቓላት ናይቶም ጸሓፍቲ [ምሕላው] ኢዩ ዝዓበየ ዋጋ ዝዋሃቦ። ሓደ ሰብኣይ ‘ክታብ ናይ ምእሳር ግዴታ የለን’ እንተድኣ ኢሉ: ንቓላት ናይቲ ሕጊ እኳ እንተ ጠሓሰ ኣይቅጻዕን ኢዩ፣ ‘ኣብ ውሽጢ እቲ ኽታብ ሓሙሽተ ኽፍልታት ክህሉ ኣለዎ’ [እንተድኣ ኢሉ ግን]: ኣብ ልዕሊ ቓላት ናይቶም ጸሓፍቲ ይውስኽ ስለ ዘሎ ይቕጻዕ።”—ዘ ሚሽናህ: (እንግሊዝኛ) ብሀርበርት ዳንቢ እተዳለወ ገጽ 400
ኤፌሶን 2:14:- “ንሱ [የሱስ] ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ: ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ: ሰላምና እዩ።” ሚሽናህ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ውሽጢ እታ ናይ ከረን ቤት መቕደስ 1.3 ሜትሮ ዝቑመቱ ብዓይነ-ርግቢ መልክዕ እተሰርሐ መንደቕ (ሶረግ) ነበረ።” (ሚዶት 2:3) ኣህዛብ ካብዚ መንደቕ እዚ ክሓልፉን ናብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ክኣትዉን ክልኩላት ኢዮም ነይሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብ60 ወይ 61 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ንሰብ ኤፌሶን ክጽሕፈሎም ከሎ ብምሳልያዊ መገዲ ነዚ መንደቕ እዚ የመልክት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ምሳልያዊ መንደቕ እቲ ንኣይሁድን ኣህዛብን ንነዊሕ እዋን ፈላልይዎም ዝነበረ ሕጊ ኪዳን ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ብመሰረት እቲ ኣብ 33 ከ.ኣ.ዘ እተፈጸመ ሞት ክርስቶስ እቲ መንደቕ እቲ ፈሪሱ ኢዩ።