ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/5 ገጽ 28-31
  • ታልሙድ እንታይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ታልሙድ እንታይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣመጻጽኣ ታልሙድ
  • ኣመጻጽኣ ናይተን ክልተ ታልሙድ
  • ታልሙድ ዝዓመሞ ነገር እንታይ ነበረ፧
  • ሚሽናህ ከምኡውን ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ—ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ረቢ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝበቅዕ መን ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ናኽማንዴዝ—ክርስትና ጌጋ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/5 ገጽ 28-31

ታልሙድ እንታይ ኢዩ፧

“ታልሙድ ብዘይ ጥርጥር ሓደ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ዝዓበየ ስነ⁠-ጽሑፋዊ ውጽኢት ኢዩ።” —⁠ዘ ዩኒቨርሳል ጂውሽ ኢንሳይክሎፔድያ።

“[ታልሙድ ] ሓደ ካብቲ ወድሰብ ዝጨበጦ ዓቢ ናይ ሊቅነት ዕማማት ኰይኑ: ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሓትት: ዓቢ ትርጕም ዘለዎ ኣዝዩ ዓሚቝ ሰነድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ድማ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመትን ፈረቓን ብሉጽ ኣእምሮታት ትሑዝ ከም ዝኸውን ገይሩ ኢዩ።”​—⁠ጃኮብ ኖይስነር: ኣይሁዳዊ ምሁርን ደራስን።

“ታልሙድ ነቲ ኣብ ምሉእ ናብራ ህይወት ኣይሁድ ዘሎ መንፈሳውን ሊቅነታውን ህንጻ ዝድግፍ ዓንዲ ማእከል [ኣይሁድነት] ኢዩ።”​—⁠ኤዳን ስታይንሳልትስ: ናይ ታልሙድ ምሁርን ራቢን።

ታልሙድ ንዘበናት ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣይ​ሁድ ዓቢ ጽልዋ ከም ዝነ​በሮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ናይ ናእዳ መግለጺታት: ታልሙድ ተቘናጺቡ: “ባሕሪ ምድንጋርን ሕልኽላኻትን” ተባሂሉ ድማ ተጸዊዑ ኢዩ። ጽዩፍ ስራሕ ድያብሎስ ተባሂሉ ድማ ተዀኒኑ ኢዩ። ብትእዛዝ ጳጳስ: ብተደጋጋሚ ተመምዩ: ተሃጊሩ: ኣብ ማእከል ህዝባዊ ኣደባባያት ኣውሮጳ ብብዝሒ ተኣኪቡ ሓዊ ከም ዝነድድ እውን ከይተረፈ ተገይሩ ኢዩ።

እዚ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ክርክር ዘለዓዓለ ጽሑፍ ብልክዕ እንታይ ኢዩ፧ ካብቲ ናይ ኣይሁድ ጽሑፋት ንታልሙድ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧ ስለምንታይ ኢዩ ተጻሒፉ፧ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድነት ከምዚ ዝኣመሰለ ጽልዋ ክህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ ካብ ኣይሁድነት ወጻኢ ንዘለዉ ሰባትከ ትርጕም ኣለዎዶ፧

እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ጠፍአት: ኣብ ውሽጢ እተን ቀጺለን ዝነበራ 150 ዓመታት: ኣብ ምሉእ እስራኤል ዝነበሩ ናይ ራቢ ምሁራት ነቲ ናይ ኣይሁድ ልምዲ ንምዕቃቡ ዝሕግዝ ሓድሽ መሰረት ንምህናጽ ብህጹጽ ሃለው ክብሉ ጀመሩ። ክትዕ ኣካየዱ እሞ ኣብቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጎም ንዝርከብ እተፈላለየ ልምድታት ድማ ብሓደ ጠርነፍዎ። ኣብ ልዕሊ እዚ መሰረት እዚ ብምህናጽ ከኣ: ብዘይ ቤተ መቕደስ መዓልታዊ ቅድስና ንምሕላው ዘገልግል መምርሒታት ዝህብ: ንኣይሁድነት ዝኸውን ሓድሽ ክልክላትን ስርዓታትን ኣቘሙ። እዚ ሓድሽ መንፈሳዊ ስርዓት እዚ ኣብቲ ብጁዳ ሃ⁠-ነሲ ኣብ ምጅማር ሳልሳይ ክፍለ⁠-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እተጠርነፈ ሚሽናህ ተገሊጹ ነበረ።a

ሚሽናህ ብመሰረት ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅቡል ዝገብሮ መረጋገጺታት ዘይደሊ ርእሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ኢዩ። ኣገባብ ኣገላልጽኡ ይኹን እቲ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ቅዲ ንበይኑን ካብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ እተፈልየን ኢዩ። እቲ ኣብ ሚሽናህ ተጠቒሱ ዝርከብ ናይ ራቢ ውሳነታት ንመዓልታዊ ናብራ ናይቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዘለዉ ኣይሁድ ዝትንክፍ ኢዩ። አረ: ጃኮብ ኖይስነር “ሚሽናህ መሰረት ቅዋም እስራኤላውያን ኢዩ። . . . ንስርዓታቱ ምቕባልን ምስኡ ምስምማዕን ድማ ይሓትት” ብምባል ሓሳብ ሂቡ ኢዩ።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ሚሽናህ ተጠቒሱ ዘሎ ስልጣን ናይቶም ምሁራት ምስቲ እተገልጸ ቅዱስ ጽሑፍ ብሓቂ ማዕረ ድዩ ወይስ ኣይኰነን ኢሉ ዝሓትት ሰብ ምስ ዝርከብከ እንታይ ይኹን፧ እቶም ራቢ ኣብ ሚሽናህ ዝርከብ ትምህርትታት ታናይም (መምህራን ናይቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ሕጊ) ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዋሃሃድ ከርእዩ ነበሮም። ተወሳኺ ትንታነ ምሃብ ድማ ግድን ኰነ። ንሚሽናህ ክገልጽዎን ምኽኑይ ክገብርዎን ከምኡውን ካብቲ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ እተዋህቦ ሕጊ ኣትሒዙ ዝጀመረ ምዃኑ መረጋገጺ ከቕርብሉ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ተሰምዖም። እቶም ራቢ እቲ ብኣፍ ዝመሓላለፍን እተጻሕፈን ሕጊ ሓደ ዓይነት መንፈስን ዕላማን ከም ዘለዎ መርትዖ ክህቡ ግዴታ ተሰምዖም። ሚሽናህ ንኣይሁድነት ዝምልከት ናይ መወዳእታ መግለጺ ኣብ ክንዲ ዝኸውን: ንሃይማኖታዊ ዘተን ክትዕን መገዲ ዝኸፍት ሓድሽ መሰረት ኰነ።

ኣመጻጽኣ ታልሙድ

እቶም ነዚ ሓድሽ ብድሆ እዚ ንምግጣም ሓላፍነት ዝወሰዱ ራቢ: ኣሞራይም​—⁠ናይ ሚሽናህ “ተርጐምቲ:” ወይ “ገለጽቲ”​—⁠ተባሂሎም ኢዮም ዝፍለጡ። ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ብማእከልነት ሓደ ፍሉጥ ራቢ ዝቘመት ኢያ ነይራ። ምሁራትን ተማሃሮን ዝሓዘት ንእሽቶ ጕጅለ ምሉእ ዓመት ዘተ ተካይድ። እቲ ኣገዳሲ ኣኼባታት ግን: ኣብ ኣጋ ምውዳእ ዕዮ ማሕረስ ብኣማእታት ወይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወሰኽቲ ሰባት ንኽሳተፉ ኣብ ዝጥዕም እዋን ማለት ኣብ ወርሒ ኣዳርን ኤሉልን ክልተ ሳዕ ኣብ ዓመት ይግበር ነበረ።

ኤዳን ስታይንሳልትስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ መንበር ወይ ኣብ ፍሉይ ምንጻፍ ኮፍ ብምባል ይቕልስ። ነቶም መሳርሕቱ ወይ ብሉጻት ተማሃሮኡ ሓዊስካ እቶም ዓበይቲ ምሁራት ኣብቲ ኣብ መንጽሩ ዘሎ ናይ ቅድሚት መስርዕ ኮፍ ይብሉ: ኣብ ድሕሪኦም ድማ ኵሎም ካልኦት ምሁራት። . . . እቲ ናይ ኣቀማምጣ ስርዓት እተወሰነ ደረጃ መዓርግ [ከከም ዕቤቶም] እተኸተለ ኢዩ ነይሩ።” እተወሰነ ክፋል ሚሽናህ ይሽምደድ። እዚ ድማ ምስቲ በቶም ታናይም እተኣከበ ኣብ ሚሽናህ ግን ዘየለ ምስኡ ዝመሳሰል ወይ ንዕኡ ዝድግፍ ጽሑፍ ይርአአ። ናይ ምምርማር መስርሕ ከኣ ይጅመር። ሕቶታት ይለዓሉ: ኣብ መንጎ እቲ ትምህርትታት ዘሎ ውሽጣዊ ስምምዕ ንምርካብ እቲ ዝጋጮ ሓሳባት ይምርመር። ነቲ ናይ ራቢ ትምህርትታት ንምድጋፍ ድማ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ መረጋገጺ ዝኸውን ጥቕስታት ይድለ።

እዚ ዘተ እዚ ብጥንቃቐ እተዳለወ እኳ እንተ ነበረ: ውጥረት ዝነበሮ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ህውከት ዝፈጥር ኢዩ ነይሩ። ሓደ ምሁር ኣብቲ ናይ ክትዕ እዋን ካብ ኣፍ ናይቶም ራቢ “ቍልዒ ሓዊ” ይነጥር ነበረ ኢሉ ከም እተዛረበ ኣብ ታልሙድ ተጠቒሱ ኣሎ። (ሁሊን 137ለ: ናይ ባቢሎን ታልሙድ) ስታይንሳልትስ ነቲ ኣገባባት ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል “እቲ ኣስተምህሮ ዝህብ ሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ: ወይ እቲ ምሁር ነቲ ግድል ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጕም ይህብ። እቶም ተኣኪቦም ዘለዉ ምሁራት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንኻልእ ምንጭታት: ናይ ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ ሓሳባት: ወይ ናይ ገዛእ ርእሶም ክውንነታዊ መደምደምታታት ምርኵስ ብምግባር ብሕቶታት ዓቕሉ የጽብብሉ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ሓንቲ እተወሰነት ሕቶ ዝለዓል ክትዕ ኣዝዩ ሓጺርን እተደረተን ኰይኑ ዘየማትእን ደምዳምን መልሲ ይህብ። ኣብ ካልእ ኵነታት ድማ ካልኦት ምሁራት ኣማራጺ መፍትሒታት የቕርቡ እሞ እዚ ኸኣ ስፍሕ ንዝበለ ክትዕ ይዕድም።” ኵሎም ተኣከብቲ ከይተሰከፉ ክሳተፉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብቲ ኣኼባታት እተነጸረ ጕዳያት ካልኦት ምሁራት ምእንቲ ክመያየጥሉ ናብ ካልኦት ኣብያተ⁠-​ትምህርትታት ይመሓላለፍ ነበረ።

እንተዀነ ግን: እዚ ኣኼባታት እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ሕጋዊ ክትዓት ኣይነበረን። ምስቲ ኣብ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ናብራ ዘሎ ስርዓታትን ክልክላትን እተተሓሓዘ ጕዳያት ሃላካህ ኢዩ ዝበሃል። እዛ ስያመ እዚኣ ካብታ “ምኻድ” እትብል ‘ሓደ ሰብ ክመላለሰሉ ዝግባእ ኣነባብራ’ ድማ እተመልክት እብራዊት ሱር ቃል ዝመጸት ኢያ። ኵሉ ካልእ ጕዳያት​—⁠ብዛዕባ ራቢን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጸ⁠-ባህርያትን ዝገልጽ ዛንታታት: ምስላታት: ንእምነትን ፍልስፍናን ዝምልከት ኣምራት​—⁠ካብታ “ምንጋር” ዝብል ትርጕም ዘለዋ እብራዊት ሱር ቃል ዝመጸ: ሃጋደህ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ሃላካህ ከምኡውን ሃጋደህ ኣብ እዋን ክትዕ ናይቶም ራቢ ይተሓዋወሳ ኢየን ነይረን።

ሞሪስ ኣድለር: ኣብታ ዘ ዎርልድ ኦቭ ዘ ታልሙድ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ይህብ:⁠- “ሓደ ለባም መምህር ንሓደ ሃተውተው ዝበዝሖ ነዊሕን ኣሸጋርን ሕጋዊ ክርክር ብምዅላፍ ብኻልእ ዘየሰልክን ዝያዳ ቅልል ዝበለን ዓይነት ይትክኦ። . . . ስለዚ ድማ ኢዩ: ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራ ናይተን ኣብያተ⁠-ትምህርቲ ዘይተለምደ: ብሓደ እተጠናነገ ያታን ናይ ሓቂ ታሪኽን: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ስነ⁠-ፍልጠትን ጽውጽዋያትን: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺታትን ታሪኽ ህይወትን: ስብከትን ትምህርቲ ሃይማኖትን እንረክብ: እዚ ድማ ጋን ዘእትወልካ ምትሕውዋስ ናይ ዘይተመሓደረ ጭብጥታት ኢዩ ዝመስል።” ነቶም ኣብቲ ኣብያተ⁠-ትምህርቲ ዝነበሩ ምሁራት: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵሉ ሃተውተው ዕላማ ነበሮ: ምስቲ ዝዝተየሉ ዝነበረ ነጥቢ ድማ እተኣሳሰረ ኢዩ ነይሩ። ሃላካህ ከምኡውን ሃጋደህ ኣእማን ናይቲ ኣብ ናይ ራቢ ኣብያተ⁠-​ትምህርትታት ዝህነጽ ዝነበረ ሓድሽ ሃይማኖታዊ መዋቕር ኢዮም ነይሮም።

ኣመጻጽኣ ናይተን ክልተ ታልሙድ

ኣብ መወዳእታ: እቲ ኣብ ጳለስጢና ዝነበረ ቀንዲ ማእከል ራቢ ናብ ጥብርያዶስ ገዓዘ። ካልኦት ኣገደስቲ ኣብያተ⁠-ትምህርቲ ኣብ ሴፎረስ: ቂሳርያ: ከምኡውን ኣብ ልዳ ቈማ። ይኹን እምበር: እቲ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዝነበረ ቁጠባዊ ኵነታትን ቀጻሊ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ካብ ናይ ክሕደት ክርስትና ዝመጽእ ዝነበረ ጸቕጥን መስጐጕትን ናብ ካልእ ቀንዲ ማእከል ህዝቢ ኣይሁድ ዝነበረት ቦታ: ናብ ምብራቕ​—⁠ባቢሎንያ​—⁠ሰፊሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣስዓበ።

ንዘበናት ዝኣክል: ተማሃሮ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብቲ ኣብያተ⁠-ትምህርቲ ዝነበሩ ዓበይቲ ራቢ ኰይኖም ምእንቲ ከጽንዑ ካብ ባቢሎንያ ናብ ጳለስጢና ይውሕዙ ነበሩ። ሓደ ካብዚኣቶም: ኣባ ኣሪካ​—⁠ኣባ ነዊሕ​—⁠ጸኒሑ ግን ራብ ጥራይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ: ኣባ ቤን ኢቦ ነበረ። ኣብ ትሕቲ ጁዳህ ሃ⁠-ነሲ ብምዃን ምስ ተማህረ ዳርጋ ብ219 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ናብ ባቢሎንያ ተመልሰ: እዚ ድማ ንመንፈሳዊ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ባቢሎንያ ዝነበረ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ነጥበ⁠-መቐይሮ ኢዩ ነይሩ። ራብ ኣብታ ሓያለይ ኣይሁድ ግናኸ ሒደት ምሁራት ጥራይ ዝነበርዋ ሱራ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣቘመ። እቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ስም 1,200 ስርዓታውያን ተማሃሮ ኣብቲ ቤት ትምህርቱ ንኽማሀሩ ማረኾም: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተወሰኽቲ ተማሃሮ ድማ ኣብ እዋን ኣዳር ከምኡውን ኤሉል እተባህላ ናይ ኣይሁድ ኣዋርሕ ይሳተፉ ነበሩ። ኣብ ግዜ ራብ ዝነብር ዝነበረ ውሩይ ሰብ: ሳሙኤል: ኣብ ነሃርድያ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣቘመ። ካልኦት ኣገደስቲ ኣብያተ⁠- ትምህርቲ ድማ ኣብ ፑመዲታን ሜሆዛን ተመስረታ።

ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ ባቢሎንያ ዝነበሩ ዓበይቲ መምህራን ክማሃር ስለ ዝኽእል: ድሕርዚ ናብ ጳለስጢና ምኻድ ኣድላዪ ኣይነበረን። ንሚሽናህ ከም ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ጽሑፍ ገይርካ ምድላዉ: እተን ኣብ ባቢሎንያ ዝነበራ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ብርእሰን ክሓድራ መገዲ ጸረገ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጳለስጢናን ባቢሎንያን እተፈልየ ቅድን ሜላን ኣመሃህራ ማዕቢሉ እኳ እንተ ነበረ: ተደጋጋሚ ርክብን ሓድሕዳዊ ናይ መምህራን ምልውዋጥን ሓድነት ናይተን ኣብያተ⁠-ትምህርቲ ከም ዝዕቀብ ገይሩ ኢዩ።

ኣብ ምውዳእ ራብዓይን ምጅማር ሓሙሻይን ክፍለ⁠-ዘበናት ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ: ብፍላይ ነቶም ኣብ ጳለስጢና ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሸጋሪ ኵነታት ተፈጥረ። ኣብ ትሕቲ እቶም በብግዜኡ ዝተንስኡ ሰበ⁠-ስልጣን ናይ ክሕደት ክርስትና ዝለዓል ዝነበረ ማዕበል ቀይድታትን መስጐጕትን እቲ ሳንሄድሪን ከምኡውን ናሲ (ፓትርያርክ) ዳርጋ ብ425 ከ.ኣ.ዘ. ንሓዋሩ ንኽጠፍእ ምኽንያት ኰኖ። ስለዚ እቶም ናይ ጳለስጢና ኣሞራይም: ንጽማቝ ትሕዝቶ ናይቲ ኣብቲ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ እተኻየደ ክትዓት ከም ዝዕቀብ ንምግባሩ: ኣብ ሓደ ንጽል ጽሑፍ ብምእካብ ክጥርንፍዎ ጀመሩ። እዚ ጽሑፍ እዚ: ኣብ ዳሕራዋይ ክፋል ራብዓይ ክፍለ⁠-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ብተብተብ እተጠርነፈ: ናይ ጳለስጢና ታልሙድ ተባሂሉ ተጸውዐ።b

እተን ኣብ ጳለስጢና ዝነበራ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ እናደኸማ ክኸዳ ከለዋ: እቶም ናይ ባቢሎንያ ኣሞራይም ግን ብኽእለት ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ በጽሑ። ኣባየ ከምኡውን ራባ ነቲ ናይ ክትዕ መድረኽ ናብቲ ደሓር ኣብ ኣገላልጻ ታልሙድ መርኣያ ኰይኑ ዝነበረ እተሓላለኸን ረቂቕን መጎተ ኣማዕበልዎ። ቀጺሉ: ኣሺ: ሓላፊ ናይቲ ኣብ ሱራ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ (371⁠- 427 ከ.ኣ.ዘ.) ንቓለ⁠-ጉባኤ ናይቲ ክትዓት ጠርኒፉ ንማሕተም ኣዳለዎ። ስታይንሳልትስ ከም ዝበሎ: “ዓመታት ምስ ሓለፈ በብቑሩብ ከይርሳዕ ዝብል ስግኣት ብምንባሩ ከም ቀደሙ ከይጠርነፍካ ምሕዳጉ ስለ ዘሻቐሎ” ኢዩ ከምኡ ገይሩ።

እዚ ዘይተኣደነ ብዝሒ ዝነበሮ ጽሑፍ ብሓደ ሰብ: አረ ብሓደ ወለዶ እውን ከይተረፈ ተጠርኒፉ ክውዳእ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ። ኣብ ባቢሎንያ ናይ ኣሞራይም እዋን ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ⁠-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ተወድአ: ነቲ ናይ ባቢሎንያ ታልሙድ ንመወዳእታ ግዜ ናይ ምስንድኡ ዕዮ ግን: ብሓደ ሳቦራይም​—⁠“ገለጽቲ” ወይ ድማ “ወሃብቲ ርእይቶ” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ናይ ኣረማይስጢ ስያመ​—⁠ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጕጅለ ክሳዕ ሻዱሻይ ክፍለ⁠-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ቀጺሉ ኢዩ። እዞም ናይ መወዳእታ ኣሰናዳእቲ: ነቲ ናይ ባቢሎን ታልሙድ ካብቲ ዝሓለፈ ኵሉ ጽሑፋት ኣይሁድ ዝፈልዮ ቅድን ቅርጽን ብምሃብ: ነቲ ብኣሽሓት ዝቝጸር ዘይተጻፈፈ ጽሑፋትን ንዘበናት ዝኣክል እተኻየደ ናይ ራቢ ክትዓትን ኣብ ሓደ ጠርነፍዎ።

ታልሙድ ዝዓመሞ ነገር እንታይ ነበረ፧

እቶም ናይ ታልሙድ ራቢ ሚሽናህ ካብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝመጸሉ ምንጪ እተረኽበ ምዃኑ መረጋገጺ ንምሃብ ቈሪጾም ተላዕሉ። ስለምንታይ ግን፧ ጃኮብ ኖይስነር ከምዚ ብምባል ሓሳብ ይህብ:⁠- “እቲ ብግልጺ ቀሪቡ ዝነበረ ጕዳይ ናይ ሚሽናህ መትከል ኢዩ። ሕመረት ናይቲ ጕዳይ ግን ስልጣን ናይቲ መምህር ኰይኑ ተረኽበ።” ነዚ ስልጣን እዚ ንምትራሩ: ነፍሲ ወከፍ መስመር ናይ ሚሽናህ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ነፍሲ ወከፍ ቃል: ትምርመር: ካብ ብዙሕ ኵርናዓት ሕቶ ይቐርበላ: ትግለጽ: እተወሰነ መልክዕ ከም እትሕዝ ብምግባር ድማ ትወሃሃድ። ኖይስነር: እቶም ራቢ ነዚ ኣገባብ እዚ ተጠቒሞም “ነቲ ቐንዲ ዕላማ ሚሽናህ ካብቲ ሓደ መገዲ ናብቲ ኻልእ ቀየርዎ” ብምባል ሓሳብ ይህብ። ሚሽናህ ርእሱ ዝኸኣለ ምሉእ ጽሑፍ ኰይኑ እኳ እንተ ጀመረ: ደሓር ግን በብሓደ ተፈላልዩ ኢዩ ተገሊጹ። ኣብ እዋን እዚ መስርሕ እዚ ድማ: ከም ብሓድሽ ተጻሒፉን ተገሊጹን ኢዩ።

እዚ ሓድሽ ጽሑፍ​—⁠ታልሙድ​—⁠ንዕላማ ናይቶም ራቢ ኣገልጊሉ ኢዩ። ናይ ኣገላልጻ መምርሒታት ሰርዑ: እዚ ድማ ንሰባት ልክዕ ከምቲ ናይቶም ራቢ ገይሮም ንኽሓስቡ ማሃሮም። እቶም ራቢ እተጠቕምሉ ኣገባብ ኣጸናንዓን ኣገላልጻን ሓሳብ ኣምላኽ ከም ዘንጸባርቕ ኢዮም ዝኣምኑ። ናይ ታልሙድ ትምህርቲ ንርእሱ እቲ ክብጻሕ እተደልየ ሸቶ: ሓደ ዓይነት ኣምልኾ​—⁠ንኣእምሮኻ ኣብ ምጥቃም ንኣምላኽ ምምሳል​—⁠ኰነ። ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ወለዶታት: ታልሙድ ንባዕሉ በዚ ኣገባብ እዚ ክግለጽ ነበሮ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ ሲስል ሮት እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:⁠- “ታልሙድ . . . [ንኣይሁድ] ካብ ካልኦት ፈልዩ ዘፍልጦም: ከምኡውን እቲ ንኸይልወጡ ዘርእይዎ ምቅዋምን ብደረጃ ህዝቢ ዘለዎም ስምረትን ከም ዝልለ ዝገብር ሕላገት ሂብዎም ኢዩ። እቲ ብዛዕብኡ እተገብረ መጎተ ንምስትውዓሎም ስሒልዎ: . . . ናይ ኣእምሮ ብልሒ ድማ ሂብዎም ኢዩ። . . . ታልሙድ ነቲ ኣብ እዋን ማእከላይ መዋእል ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ዝነበረ ኣይሁዳዊ ከምልጠላ ዝኽእል ካልእ ዓለም ሂብዎ ኢዩ። . .  ዓዱ ምስ ጠፍአት ተሰኪምዋ ክኸይድ ዝኽእል መሬት ዓደቦ ሂብዎ ኢዩ።”

ንኻልኦት ሓሳብ ራቢ ብምምሃር: ታልሙድ ብርግጽ ሓይሊ ነበሮ። ንዅላቶም​—⁠ኣይሁድ ይኹኑ ዘይኣይሁድ⁠—​ዝቐርበሎም ሓደ ሕቶ ግን ኣሎ: ታልሙድ ብሓቂ ሓሳብ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ድዩ፧​—⁠1 ቈረንቶስ 2:​11⁠-16

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንኣመዓባብላን ትሕዝቶን ሚሽናህ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ነታ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ዘላ “ሚሽናህ ከምኡውን ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b እቲ ናይ ጳለስጢና ታልሙድ ዝያዳ ዝፍለጥ ናይ የሩሳሌም ታልሙድ ተባሂሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ እዋን ኣሞራይም ኣይሁድ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ የሩሳሌም ክኣትዉ ኣይፍቀደሎምን ስለ ዝነበረ: እዚ ስያመ እዚ ግጉይ ኣጸዋውዓ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን]

እተን ክልተ ታልሙድ​—⁠ምስ ዝነጻጸራ ኸመይ ኢየን፧

እታ “ታልሙድ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል “መጽናዕቲ” ወይ “ትምህርቲ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። እቶም ኣብ ጳለስጢናን ባቢሎንያን ዝነበሩ ኣሞራይም ንሚሽናህ ከጽንዑ: ወይ ክገልጹ ጀመሩ። ክልቲኡ ታልሙድ (ናይ ጳለስጢናን ባቢሎንያን) ከምዚ ኢዩ ዝገብር: ምስ ዝነጻጸርከ ከመይ ኢዩ፧ ጃኮብ ኖይስነር ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:⁠- “እታ ቐዳመይቲ ታልሙድ መርትዖ ኢያ እትገልጽ: እታ ኻልኣይቲ ድማ መግለጺታት ኢያ እትምርምር፣ እታ ቐዳመይቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ጕዳይ ጥራይ ኢያ እተተኵር: እታ ኻልኣይቲ ክንዮ እቲ ጕዳይ ሓሊፋ ብዙሕ ኢያ እትኸይድ።”

እታ ናይ ባቢሎንያ ታልሙድ ተወሳኺ ዓጺቕን ምሉእን ምስንዳእ ምስ ተገብርላ ዝያዳ ስፍሓት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ናይ ኣተሓሳስባ ኣገባባን ኣገላልጻኣን ዝዓመቘትን ክሳዕ ውሽጢ እትሰርጽን ኰነት። እታ “ታልሙድ” እትብል ቃል ክትጥቀስ ከላ: መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ባቢሎንያ ታልሙድ ማለት ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘበናት ዝያዳ እተጸንዐትን ርእይቶታት እተዋህበላን እዛ ታልሙድ እዚኣ ኢያ። ብኣረኣእያ ኖይስነር: እታ ናይ ጳለስጢና ታልሙድ “ናይ ክእለት ውጽኢት ኢያ” ናይ ባቢሎንያ ታልሙድ ድማ “ናይ ልዑል ብልሓት ውጽኢት” ኢያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ