ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/10 ገጽ 4-8
  • ነቲ ህያው ኣምላኽ የሆዋ ፍለጦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ህያው ኣምላኽ የሆዋ ፍለጦ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋን ሙሴን “ገጽ ንገጽ”
  • የሆዋ​—⁠እቲ ህያው ኣምላኽ ኤልያስ
  • ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመርሐ
  • ኢዘሀርነት ነቲ የሆዋ ኣብ ሰባት ዘለዎ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣይዓግቶን ኢዩ
  • እቲ “ዓሻ”ን ኣምላኽን
  • በቲ ህያው ኣምላኽና እተዋህበ መጠንቀቕታታት
  • ብኣምላኹ ተጸናንዐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ከም ኤልያስ እሙን ክትከውን ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ብኣምላኹ ተጸናንዐ
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ጽምዋን ፍርህን ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧
    ንደቅኻ ምሃሮም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/10 ገጽ 4-8

ነቲ ህያው ኣምላኽ የሆዋ ፍለጦ

ነቲ ናይ ሂንዱ እምነት ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ምስቲ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ብምንጽጻር: ህንዳዊ ዶ/ር ራድክሪሽናን ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ:- “እቲ ናይ እብራውያን ኣምላኽ ፍሉይ ዝዓይነቱ ኢዩ። ህያው ኣካል: ኣብ ታሪኽ ንጡፍ: በቲ ኣብዛ እናማዕበለት እትኸይድ ዘላ ዓለም ዝርአ ለውጥታትን ኣጋጣሚታትን ከኣ ዝግደስ ኢዩ። ምሳና ርክብ ዝገብር ህያው ኣካል ኢዩ።”

እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ስሙ ብእብራይስጢ יהוה ክኸውን ከሎ: እቲ ልሙድ ትርጉሙ ድማ “የሆዋ” ኢዩ። ንሱ ካብ ኵሎም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝለዓለ ኢዩ። ብዛዕብኡ እንታይ ንፈልጥ፧ ምስቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባትከ ብኸመይ ኢዩ እተመላለሰ፧

የሆዋን ሙሴን “ገጽ ንገጽ”

ሽሕ’ኳ ሙሴ ቃል ብቓሉ ንኣምላኽ ክርእዮ እንተ ዘይከኣለ: ኣብ መንጎ የሆዋን ኣገልጋሊኡ ሙሴን ናይ “ገጽ ንገጽ” ምቅርራብ ነይሩ ኢዩ። (ዘዳግም 34:10፣ ዘጸኣት 33:20) ሙሴ ኣብ ግዜ ንእስነቱ: ልቡ ምስቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግብጺ ባሮት ዝነበሩ ሰባት ኢዩ ነይሩ። ነቲ ከም ኣባል ቤት ፈርኦን መጠን ዝነበሮ ናብራ ዝባኑ ሂቡ: “ምስ ህዝቢ ኣምላኽ . . . መከራ ኺጸግብ ሐረየ።” (እብራውያን 11:⁠25) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: የሆዋ ንሙሴ ብዙሕ ፍሉይ መሰላት ሃቦ።

ከም ኣባል ቤት ፈርኦን መጠን: “ሙሴ . . . ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:​22) ንህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ክመርሕ ግን: ከም ትሕትናን ትዕግስትን ዓቕልን ዝኣመሰለ ባህርያት ክዅስኵስ ነበሮ። ነዚ ድማ ኣብ እዋን እቲ ን40 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ሚድያን ጓሳ ዝነበረሉ ግዜ ኰስኲስዎ ኢዩ። (ዘጸኣት 2:​15-​22፣ ዘሁልቍ 12:⁠3) የሆዋ: ዘይተራኣዮ እኳ እንተዀነ: ገዛእ ርእሱን ዕላምኡን ንሙሴ ገሊጹሉ ኢዩ: ኣምላኽ ድማ ብመላእኽቱ ኣቢሉ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ብሕድሪ ሂብዎ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:⁠1-10፣ 19:⁠3–20:⁠20፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠53፣ እብራውያን 11:⁠27) መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዚዛረብ: እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ” ይብለና። (ዘጸኣት 33:11) የሆዋ ባዕሉ እኳ ድኣ “ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ” በለ። ሙሴ ምስቲ ዘይርአ ግናኸ ህያው ኣምላኹ ከመይ ዝበለ ክቡርን ናይ ማሕርሮን ርክብ ኰን ኢዩ ዘስተማቐረ!​—ዘሁልቍ 12:⁠8

ሙሴ ኣብ ርእሲ እቲ ጥንታዊ ታሪኽ ህዝቢ እስራኤል: ነቲ ሕጊ ምስ ኵሉ ጨናፍሩ እውን መዝጊብዎ ኣሎ። ብዘይዚውን ካልእ ክቡር መሰል ዝዀነ ሕድሪ ተዋሂብዎ ኢዩ: እዚ ኸኣ መጽሓፍ ዘፍጥረት ናይ ምጽሓፍ መሰል ኢዩ። እቲ ዳሕረዋይ ክፋል ናይታ መጽሓፍ ኣብ ውሽጢ ስድራቤቱ ኣጸቢቑ እተፈልጠ ታሪኽ ብምንባሩ ንኽምዝግቦ ብተዛመዲ ቀሊል ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን ሙሴ ነቲ ጥንታዊ ዝርዝራት ታሪኽ ወድሰብ ካበይ ኢዩ ረኺብዎ፧ ሙሴ ከም ምንጪ ዝጥቀመሉ ብኣባሓጐታቱ እተዓቀበ ናይ ጥንቲ እተጻሕፈ ሰነዳት ነይርዎ ክኸውን ዝከኣል ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ብቓል እተመሓላለፈ ወይ ከኣ ካብ የሆዋ ቐጥታ ብመለኮታዊ ራእይ ዝመጸ ዝርዝራት ተቐቢሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኵሉ ዝሓለፈ መዋእላት ዝነበሩ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ዝነበሮም ሰባት: ነቲ ሙሴ በዚ መገዲ እዚ ምስ ኣምላኹ ዘስተማቕሮ ዝነበረ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣፍልጦ ክህብሉ ጸኒሖም ኢዮም።

የሆዋ​—⁠እቲ ህያው ኣምላኽ ኤልያስ

ነብዪ ኤልያስ እውን ንየሆዋ ከም ህያው ኣምላኽ ገይሩ ኢዩ ዝፈልጦ ነይሩ። ኤልያስ: ካብ ኣምለኽቲ ናይቲ ቀንዲ ኣምላኽ ቤተ-ጣኦታት ናይ ከንኣናውያን ዝዀነ በዓል: ብርቱዕ ጽልእን ምጽራርን እኳ የጋጥሞ እንተ ነበረ: ንንጹህ ኣምልኾ ቀናእ ኢዩ ነይሩ: ንየሆዋ ኸኣ ኣገልጊሉ ኢዩ።​—1 ነገስት 18:​17-​40

ኣከኣብ ንጉስ እስራኤልን ሰበይቱ ኢዛቤልን ንኤልያስ ክቐትልዎ ደለዩ። ኤልያስ ንህይወቱ ስለ ዝሰግአ: ናብታ ካብ ምዉት ባሕሪ ብሸነኽ ምዕራብ እትርከብ ብኤር⁠-​ሸባዕ ሃደመ። ኣብቲ ኣብኡ ዘሎ በረኻ ኸኣ ኰለል በለ: ክመውት ድማ ጸለየ። (1 ነገስት 19:​1-4) የሆዋ ንኤልያስ ጠንጢንዎ ድዩ ነይሩ፧ ድሕሪ ደጊም በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ኣይክግደስን ድዩ፧ ኤልያስ ከምኡ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ግናኸ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተጋግዩ ዝነበረ! ድሕርዚ የሆዋ ብህዱእ ድምጺ “ዎ ኤልያስ: ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ናይ ልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ ዘደንጹ መግለጺታት ድሕሪ ምፍጻሙ ኸኣ “[እንደገና] ድምጺ ናብኡ መጺኡ ፤ ኣታ ኤልያስ: ኣብዚ እንታይ ትገብር አሎኻ፧ በሎ።” የሆዋ ነቲ ሕድሪ ዘጽንዕ ኣገልጋሊኡ ኤልያስ ምእንቲ ከተባብዖ ነዚ ብሕታዊ ተገዳስነቱ ገለጸሉ። ኣምላኽ: ኤልያስ ክዓዮ ዝነበሮ ብዙሕ ዕዮ ነይርዎ ኢዩ: ንሱ ኸኣ ነቲ ጻውዒት ካብ ልቢ መለሰሉ! ኤልያስ ንስም ናይቲ ህያው ኣምላኹ የሆዋ እናቐደሰ ዕዮታቱ ብተኣማንነት ፈጺሙ ኢዩ።​—1 ነገስት 19:​9-​18

የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ድሕሪ ምንጻጉ: ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቱ ቀጥታ ባዕሉ ተዛሪብዎም ኣይፈልጥን ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን እቲ ኣብኣቶም ዝነበሮ ብሕታዊ ተገዳስነት ዝሒሉ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ: ገና ኣብ ኣገልግሎቱ መሪሕዎምን ኣሐይልዎምን ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ቕድም ሳውል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ንውሰድ።

ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመርሐ

ሳውል ወዲ እታ ኣብ ቂልቂያ ውርይቲ ከተማ ዝነበረት ጠርሴስ ኢዩ ነይሩ። ወለዱ እብራውያን ኢዮም ነይሮም: ግናኸ ሮማዊ ዜግነት ሒዙ ኢዩ ተወሊዱ። ይኹን እምበር: በቲ ጽኑዕ እምነት ፈሪሳውያን ኢዩ ዓብዩ። ድሕርዚ: ኣብ የሩሳሌም “ኣብ ትሕቲ እግሪ” ናይቲ ፍሉጥ መምህር ሕጊ ዝነበረ “ገማልኤል” ኰይኑ ንኽምሃር ኣጋጣሚ ረኺቡ ኢዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 22:⁠3, 26-​28

ሳውል ብምኽንያት እቲ ንልምዲ ኣይሁድ ዝነበሮ ግጉይ ቅንኢ: ኣብቲ ኣንጻር ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ተላዒሉ ዝነበረ ኣረሜናዊ ወፈራ ተሳተፈ። ንቕትለት እስጢፋኖስ: እቲ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ሰማእት እውን ከይተረፈ ሰሚርዎ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:​58-​60፣ 8:​1, 3) ድሕርዚ: ቅድም ተጻራፍን ሰጓጒን ገፋዕን እኳ እንተነበረ ‘ከይፈለጠ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበሮ ምሕረት ምርካቡ’ ተኣመነ።​—1 ጢሞቴዎስ 1:​13

ሳውል በቲ ንኣምላኽ ምግልጋል ዝብል ናይ ሓቂ ባህጊ ኢዩ ተደሪኹ። ደድሕሪ እቲ ሳውል ኣብ መገዲ ደማስቆ ዝገበሮ ምልዋጥ: የሆዋ ብፍሉይ መገዲ ተጠቒሙሉ ኢዩ። ሃናንያ: ናይ ቅድም ክርስትያን ወደ መዝሙር: ንሳውል ምእንቲ ክሕግዞ በቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ተሓጊዙ ኢዩ። ድሕርዚ ጳውሎስ (ሳውል ከም ክርስትያን ዝፍለጠሉ ዝነበረ ሮማዊ ስሙ) ኣብ ክፍልታት ኣውሮጳን ንእሽቶ እስያን ነዊሕን ፍረ ዘለዎን ኣገልግሎት ምእንቲ ኽፍጽም ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠2-5፣ 16:⁠9, 10

ሎሚኸ ብመንፈስ ቅዱስ ዝዋሃብ ተመሳሳሊ መሪሕነት ክርከብ ይከኣል ድዩ፧ እወ: ይከኣል ኢዩ፧

ኢዘሀርነት ነቲ የሆዋ ኣብ ሰባት ዘለዎ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣይዓግቶን ኢዩ

ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ካልኣይ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኢዩ ነይሩ። ብ1906 ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ሽዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍለጥሉ ዝነበሩ ስም​—⁠ብምዃን ተጠምቀ: ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ከኣ ናይ ማሕበር ሕጋዊ ኣማኻሪ ኰይኑ ተሾመ: ጥሪ 1917 ከኣ ናይታ ማሕበር ፕረዚደንት ኰነ። ይኹን እምበር: ሓደ ግዜ እዚ መንእሰይ እዚ ኢዘሀራዊ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝበለ ውሽጣዊ ድራኸ ዘለዎ ኣገልጋሊ የሆዋ ክኸውን ዝኸኣለ ድኣ ብኸመይ ኢዩ፧

ኣብቲ ብሓምለ 1913 ኣብ ስፕሪንፊልድ: ማሳቹሰትስ: ሕ.መ.ኣ: እተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ማሕበር ኣህጕራውያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦ መንበር ነበረ። ናይታ ዘ ሆምስቲድ እተባህለት ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ወኪል ዝዀነ ሓደ ጋዜጠኛ: ንራዘርፎርድ ቃለ-መጠይቕ ገበረሉ: እቲ ቃለ-መጠይቕ ከኣ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ዓቢ ኣኼባ ዝገልጽ ናይ መዘከርታ ጸብጻብ ብመልክዕ ብሮሹር ብርህቲ ክትከውንእንደገና ተሓትመ።

ራዘርፎርድ ከም ዝገለጾ: ክምርዖ ኣብ ዝመደበሉ እዋን ሃይማኖታዊ ኣረኣእያኡ ናይ ባፕቲስት እምነት ኢዩ ነይሩ: ናይታ ጸኒሑ ዝምርዓዋ ሰብ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ካብ ናይ ፕረዝቢተሪያን ነበረ። ናይ ራዘርፎርድ ፓስተር “ንሳ ስለ ዘይተጠመቐት ናብ ሲኦል ሓዊ ኢያ እትኸይድ: ንሱ ግን ስለ እተጠመቐ ብቐጥታ ናብ ሰማይ ኢዩ ዝኸይድ ምስ በለ: እቲ ኣብ ክውንነት ዝኣምን ኣተሓሳስብኡ ነዚ ስለ ዘይተቐበሎ ኢዘሀራዊ ኰነ።”

ራዘርፎርድ ኣብቲ ህያው ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት እንደገና ክሃንጽ ጥንቃቐ ዝመልኦ ምርምር እናገበረ ብዙሕ ዓመታት ወሲዱ ኢዩ። በቲ ሓቂ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ብምምዝዛን ዝሓሰቦ መሰረት “እቲ ንኣእምሮ ከዕግብ ዘይክእል ነገር ንልቢ ከዕግብ መሰል የብሉን” በለ። ራዘርፎርድ ክርስትያናት “እቲ ዝኣምንዎ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክዀኑ ኣለዎም” ብምባል ገለጸ: ወሲኹ ድማ “ነቲ ደው ኢሎምሉ ዘለዉ መሰረት ከኣ ክፈልጥዎ ኣለዎም” በለ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17 ርአ።

እወ: ሎሚ እውን ከይተረፈ ሓደ ኢዘሀራዊ ወይ ከኣ ኣግኖስቲክ ሰብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክምርምርን እምነት ከሕድርን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ድማ ጽኑዕ ብሕታዊ ርክብ ከማዕብልን ዝከኣል ነገር ኢዩ። ሓደ መንእሰይ: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሕፍቲ ተሓጊዙ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ ድሕሪ ምጽንዑ: ከምዚ ብምባል ተኣመነ:- “ነዚ መጽናዕቲ እዚ ክጅምር ከሎኹ ብኣምላኽ ኣይኣምንን ኢየ ነይረ: ሕጂ ግን እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ንኣተሓሳስባይ ምሉእ ብምሉእ ለወጦ። ንየሆዋ ክፈልጦን ኣብኡ ክውከልን እጅምር ኣሎኹ።”

እቲ “ዓሻ”ን ኣምላኽን

ዶ/ር ጄምስ ሃስቲንስ ኣብታ ኤ ዲክሽነሪ ኦቭ ዘ ባይብል እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ በለ:- “ዝዀነ ይኹን ጸሓፊ ናይ ብሉይ ኪዳን [ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት] ህላወ ኣምላኽ ንምርግጋጽ ወይ ንምምጽራይ ኢሉ ፈጺሙ ዝገበሮ ነገር የለን: ህላወ ኣምላኽ ንምኽሓድ: ወይ ከኣ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ ኢልካ መርትዖ ምቕራብ ብሓፈሽኡ ዝንባለ ናይ ጥንታዊት ዓለም ኣይኰነን። እቲ እምነት እቲ ሰብኣዊ ኣእምሮ ንኽቕበሎ ባህርያዊ: ኣብ ኵሎም ሰባት ከኣ ልሙድ ኢዩ ነይሩ።” እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኵሎም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኢዮም ማለት ኣይኰነን። እወ: ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። መዝሙር 14:1 ከምኡውን 53:1 ክልቲአን “ዓሻ ብልቡ: ኣምላኽ የልቦን” ከም ዝብል ይጠቕሳ።

እዚ ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ዝኽሕድ ዓሻስ እንታይ ዓይነት ሰብ ኢዩ፧ ብኣእምሮኡ ደንቆሮ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ እታ ና·ቫል ʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ስነ -ምግባራዊ ጕድለት ኢያ እትሕብር። ፕሮፌሰር ኤስ. ኣር. ድራይቨር ኣብታ ዘ ፓራለል ሳልተር እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ: እቲ ጕድለት “ናይ ምምዝዛን ድኽመት ዘይኰነስ: ናይ ስነ-ምግባርን ናይ ሃይማኖትን ኣተሓሳስባ ዘይምህላው: ምሉእ ብምሉእ ናይ ስምዒት ወይ ከኣ ናይ ምስትውዓል ጕድለት” ከም ዝዀነ ገለጸ።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመላኻኽታ ውጽኢት ዝዀነ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ክገልጽ ከሎ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ብልሽዋት እዮም: ፍንፉን ግብሪ ገበሩ: ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን።” (መዝሙር 14:⁠1) ዶ/ር ሃስቲንስ ከምዚ ብምባል የጠቓልል:- “ሰባት ኣብ ዓለም ኣምላኽ የለን: ካብ ቅጽዓት ከኣ ናጻ ኢና ኣብ ዝብል ኣተሓሳስባ ብምውካሎም: ብልሽዋት ይዀኑ: ዝጽላእ ተግባራት ከኣ ይገብሩ ኣለዉ።” ብጋህዲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ስርዓታት ይቕበሉ: ነቲ ብእኡ ክሕተቱ ዘይደልዩ ህያው ኣምላኽ ከኣ ይነጽግዎ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ግን ከምቲ ልዕሊ 3,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ግዜ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ቃላቱ ክጽሕፍ ከሎ ዕሽነት ዝነበረ ሕጂውን ዕሽነት ኢዩ ዘሎ።

በቲ ህያው ኣምላኽና እተዋህበ መጠንቀቕታታት

ሕጂ ናብቲ ኣብ ናይ መእተዊት ዓንቀጽና እተላዕሉ ሕቶታት ንመለስ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ህያው ኣካል ምስቲ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ስቓይ ከሰማምዕዎ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ ካብቶም ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረቡ’ ሰባት እተረኽበ ብጽሑፍ ዝቐረበ ሓበሬታ ዝሓዘ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 1:​21) ንሱ ጥራይ ኢዩ ነቲ ህያው ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ክገልጸልና ዝኽእል። ብዘይዚውን ብዛዕባ እቲ እኩይ ባህርያት ዘለዎ: ብሰባት ዘይርአ: ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ብምምራሕን ብምቍጽጻርን ከኣ ሓያል ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ የጠንቅቐና ኢዩ። ቅቡል ብዝዀነ ኣተሓሳስባ ክንርእዮ ከሎና: ኣብቲ ህያው ኣምላኽ እምነት እንተድኣ ዘይብልና ከመይ ገይርና ኢና እሞ ኣብቲ ህያው ድያብሎስ ክንኣምን እንኽእል፧

ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ተመሪሑ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን” ብምባል ጸሓፈ። (ራእይ 12:⁠9) ጸኒሑ ዮሃንስ “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” በለ። (1 ዮሃንስ 5:​19) እዚ ሓሳባት እዚ: ንቓላት የሱስ ማለት ነቲ ዮሃንስ ባዕሉ ኣብ ወንጌሉ ኣስፊርዎ ዘሎ ቃላት የዘኻኽረና:- “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞ: ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን።”​—ዮሃንስ 14:⁠30

እዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ እዚ ካብቲ ሎሚ ሰባት ዝኣምንዎ ዘለዉ ክንደይ ዝረሓቐ ኰን ኢዩ! ካቶሊክ ሄራልድ (እንግሊዝኛ) “ሎሚ ብዛዕባ ድያብሎስ ምዝራብ ከም ግዜኡ ዝሓለፎ ነገር ኢዩ ዝቝጸር። እዚ ናይ ምጥርጣርን ስነ-ፍልጠትን ኣተሓሳስባ ዘለዎ መዋእልና ንሰይጣን ጥሮታ ኣውጺእዎ ኢዩ:” ይብል። ይኹን እምበር: የሱስ ነቶም ክቐትልዎ ዝሓስቡ ዝነበሩ ሰባት ብሓያል ኣዘራርባ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም” በሎም።​—ዮሃንስ 8:​44

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓይሊ ሰይጣን ዝህቦ መግለጺ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ብሰላምን ብስምምዕን ናይ ምንባር ባህጊ እናሃለዎም ክነሱ: ዓለም ብጽልእን ውግእን ከምቲ ኣብ ዳንብለይን እተፈጸመ (ኣብ ገጽ 3ን 4ን ተገሊጹ ዘሎ) ኸኣ ዕላማ ብዘይብሉ ዓመጽ ስለምንታይ ኣዕለቕሊቓ ምህላዋ ኣነጺሩ ይገልጽ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ክንቃለሶ ዘሎና ጸላኢ ሰይጣን ጥራይ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ድያብሎሳት: ወይ ከኣ ኣጋንንቲ​—⁠ዘመናት ይገብር ንደቅሰብ ንምትላልን ንምዕማጽን ምስ ሰይጣን ዝሓበሩ ሓይልታት እኩያት መንፈሳውያን ፍጥረታት​—⁠ተወሳኺ መጠንቀቕታታት ይህበና ኢዩ። (ይሁዳ 6) የሱስ ክርስቶስ ንሓይሊ ናይዞም መናፍስቲ እዚኣቶም ብዙሕ ግዜ ተጋጢምዎ ኢዩ: ከሰንፎም ድማ ክኢሉ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 12:⁠22-24፣ ሉቃስ 9:​37-​43

እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ካብ እከይ ከጽርያ ኣብ መወዳእታ ድማ ንዕዮታት ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከጽንት ኢዩ። ብመሰረት እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ፍልጠት: ኣብ መብጽዓታቱ ጽኑዕ እምነትን ትውክልትን ክህልወና ይኽእል ኢዩ። “ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን: ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ: ኣነ እየ እግዚኣብሄር: ብጀካይ መድሓኒ የልቦን።” የሆዋ ብሓቂ ንዅሎም እቶም ዝፈልጥዎን ዘምልኽዎን ዘገልግልዎን ህያው ኣምላኽ ኢዩ። ድሕነት ክንረክብ ናብኡ: እወ ናብኡ ጥራይ ኢና ክንጥምት እንኽእል።​—ኢሳይያስ 43:​10, 11

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መሴ ብመንፈስ ተመሪሑ ንዘፍጥረት 1:⁠1 እናጸሓፈ ኸሎ ዝገልጽ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን እተቐርጸ ጽሑፍ

[ምንጪ ስእሊ]

From The Holy Bible by J. Baskett, Oxford

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ክርስቶስ ንኣጋንንቲ ብዙሕ ግዜ ኣሰኒፍዎም ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ