ኣብ ሓደ ህያው ኣምላኽ ክትኣምን ትኽእል ዲኻ፧
ሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪጣንያ ዝለዓለ ቦታ ዘለዎ ቀሺ “ክርስትያን ንኽትከውን ኣብ ኣምላኽ ክትኣምን ኣየድልየካን ኢዩ። . . . ሕጂ ኣብቲ ሱር ነቀላዊ ለውጢ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና: ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ግን እታ ቤተ-ክርስትያን ኣምላኽ የለን ዝብል ኣተሓሳስባ ከተሐድር ኢያ” ብምባል ገለጸ። ነቲ እንተ ወሓደ ሚእቲ ዝዀኑ እንግሊዛውያን ኣቕሽሽቲ እተቐበልዎ ሲ ኦቭ ፈይዝ ዝበሃል ምንቅስቓስ ወኪሉ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ። እዞም “ኢዘሄራውያን ዝዀኑ ክርስትያናት:” ሃይማኖት ሰባት ዝፈጠርዎ ምዃኑ: ከምቲ ሓደ ኣባል ዝጠቐሶ ኸኣ: ኣምላኽ “ሓሳብ” ጥራይ ምዃኑ ኢዮም ኣፎም መሊኦም ዝዛረቡ። ሓደ ልዕለ-ባህሪ ዝዀነ ኣምላኽ ኣሎ ኢልካ ምእማን ኣእምሮኦም ክቕበሎ ኣይክእልን ኢዩ።
ኣብ 1960ታት “ኣምላኽ ሞይቱ ኢዩ” ዝብል ግኑን ጭርሖ ነበረ። እዚ ንኣመለኻኽታ ናይቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ናይ ጀርመን ፈላስፋ ዝነበረ ፍሪድሪክ ኒች ዘንጸባርቕ ክኸውን ከሎ ንብዙሓት መንእሰያት ከኣ ድላዮም ክፍጽሙ: ብስነ-ምግባር ከይተኸልከሉ ቅድሚ መርዓ ኣብ ዝግበር ጾታዊ ርክብን ኣብ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓሽሽን ክእለኹ ምኽንያት ኰኖም። ግናኸ እዚ ናጽነት እዚ ነቶም ሂፒ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ መንእሰያት ሓጐስ ዘለዎ ዝያዳ ዘዕግብ ህይወት ከም ዘሕልፉዶ ገይርዎም ኢዩ፧
ካልእ ኣብ 1960ታት እተፈጸመ ድማ ናይ ኣንጅሊካን ኣቡን: ጆን አይ. ቲ. ሮቢንሰን ነታ ንኣምላኽ ሓቀኛ ምዃን እትበሃል ኣከራኻሪት መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ሓተመ። ብዙሓት ካብቶም ብጾቱ ካህናት ብዛዕባ ኣምላኽ “ካብቲ ኣብ ተመክሮ ሰባት ዘሎ ዕምቈት ኣተሓሳስባ ሓደ መዳይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ከም ዘይክእል” ገይሩ ምሕሳቡ ወቒሶምዎ ኢዮም። ናይ ሃይማኖት ምሁር ኪት ዋርድ “ኣብ ኣምላኽ ምእማን: ገለ ካብቲ ግዜኡ ዝሓለፎ ሕጂ በቶም ለባማት ሰባት እተነጽገ ማሪት ድዩ፧” ብምባል ሓተተ። ንሕቶኡ ባዕሉ ክምልስ ከሎ ኸኣ “ሎሚ ካብ ሃይማኖት ክርከብ ዝኽእል ነገር እንተኣልዩ ንፍልጠት ናይቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎ ልምዳዊ ኣተሓሳስባ እንደገና ካብ ምምላስ ንላዕሊ ዘገድስ ዋላ ሓንቲ የለን” ብምባል መለሰ።
ስቓይን ህያው ኣምላኽን
ኣብ ሓደ ህያው ኣምላኽ ዝኣምኑ ብዙሓት ሰባት: ንእምነቶም ምስቲ ዝርእይዎ ዘሕዝን ፍጻመታትን ስቓይን ምዝማዱ ይጽግሞም። ንኣብነት: መጋቢት 1996 ኣብ ዳንብለይን ስኮትላንድ 16 ቈልዑ ምስ ሓንቲ መምህሮም ብጠያይት ተቐትሉ። እቲ ኵነታት ዘበሳጨዋ ሰበይቲ “ፍቓድ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይርድኣንን ኢዩ” በለት። ጓሂ ናይቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ሓንቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ናይቶም ቈልዑ ወጻኢ ምስ ዕንባታት እተቐመጠት ካርድ ተገሊጹ ነበረ። እታ ካርድ “ስለምንታይ፧” እትብል ሓንቲ ቓል ሒዛ ነበረት። እቲ ናይ ዳንብለይን ካተድራል ኣገልጋሊ ነዚ ክምልስ ከሎ “መግለጺ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ስለምንታይ ከም እተፈጸመ ክንምልሶ ኣይንኽእልን ኢና” በለ።
ቁሩብ ጸኒሑ ኣብቲ ዓመት እቲ: ሓደ ውሩይ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን መንእሰይ ካህን ብጭከና ተቐትለ። እቲ ናይ ሊቨርፑል ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስያን “ኣብ ማዕጾ ኣምላኽ ስለምንታይ፧ ስለምንታይ፧ ዝብል ሕቶታት ምውቃር” ኢሉ ክዛረብ ከሎ ሓንቲ ዝደንጸዋ ጕባኤ ከም ዝሰምዓቶ ቸርች ታይምስ እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ ጋዜጣ ጸብጻብ ኣቕረበ። እዚ ቐሺ እዚውን እንተዀነ ካብቲ ህያው ኣምላኽ ዘመሓላልፎ ምንም ዘጸናንዕ ቃላት ኣይነበሮን።
እንታይ ድኣ ኢና እሞ ክንኣምን ዘሎና፧ ኣብ ሓደ ህያው ኣምላኽ ክትኣምን ምኽንያታዊ ኢዩ። ነዚ ልዕል ኢሉ እተጠቕሰ ኣገደስቲ ሕቶታት ክምልስ ዝኽእል መፍትሕ ኢዩ። ነዚ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ቀሪቡ ዘሎ መርትዖ ክትምርምሮ ንዕድመካ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
እታ ካርድ “ስለምንታይ፧ ” ብምባል ሓተተት
[ምንጪ ስእሊ]
NEWSTEAM No. 278468/Sipa Press