ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ይቕረ ንምባል ድሉው ዝዀነ ኣቦ
ብጽሑፍ ካብ ዝቐረበ ምሳልያዊ ዛንታታት እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢዩ: ከምኡ ዘበሎ ቅቡል ምኽንያት ድማ ኣለዎ። እቲ ሓደ ኣቦ ንዝጠፍአ ውላዱ ዘርእዮ ፍቕሪ ዝገልጽ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዝናስሑ ሓጥኣን ዘለዎ ድንጋጽ ጽቡቕ ኣረኣእያ ንኽህልወና ዝሕግዝ መረድኢ ኢዩ።
ጠፊኡ እተረኽበ
ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ንኣቦኡ ከምዚ በሎ:- ‘ንስኻ ክሳዕ እትመውት ኣብ ክንዲ ዝጽበ: እቲ ዝወርሶ ብጽሒተይ ሕጂ ክትህበኒ ኢየ ዝደሊ።’ እቲ ኣቦ ካብ ኵሉ ጥሪቱ ሳልሳይ ኣፍ—ክልተ ደቂ ምስ ዝህልዉ ነቲ ንእሽቶ ዝብጽሖ ሕጋዊ ምቅሊት—ክህቦ ተሰማምዐ። (ዘዳግም 21:17) እቲ መንእሰይ ብቕልጡፍ ንብረቱ ኣኪቡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ: ኣብኡ ድማ ንዅሉ ገንዘቡ ኣብ ዕብዳን ዘረዎ።—ሉቃስ 15:11-13
ድሕርዚ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። እቲ መንእሰይ: ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ ሓሰማታት ክጓሲ ስራሕ ተቘጽረ: እዚ ንሓደ ኣይሁዳዊ ፍንፉን ስራሕ ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 11:7, 8) ክቱር ስእነት መግቢ ስለ ዝነበረ ነቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ቛርፍ ሃረር ክብሎ ጀመረ! ኣብ መወዳእታ: እቲ መንእሰይ ናብ ልቡ ተመልሰ። ‘ግዙኣት ኣቦይ ካብዚ ናተይ ዝሓይሽ ቀለብ ኢዮም ዝረኽቡ! ናብ ገዛ ክምለስ: ሓጢኣተይ ተናሲሐ ድማ: ከም ሓደ ካብቶም ናይ ኣቦይ ግዙኣት ንምዃን ክልምን ኢየ’ ኢሉ ሓሰበ።a—ሉቃስ 15:14-19
እቲ መንእሰይ ንገዝኡ ተመልሰ። ትርኢቱ ብዙሕ ተለዊጡ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣቦኡ ግን “ገና ርሑቕ ከሎ” ኣለለዮ። ካብ ድንጋጽ እተላዕለ እናጐየየ ከይዱ ሓቝፉ: “ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ።”—ሉቃስ 15:20
እዚ ምዉቕ ኣቀባብላ እዚ እቲ መንእሰይ ፍዅስ ንኽብሎ ሓጊዙ ኢዩ። “ኣቦይ: ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ: ደጊምሲ ወድኻ ኽብሀል ኣይበቅዕን እየ (እሞ): [“ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ:” NW ]” በሎ። እቲ ኣቦ ንባሮቱ ጸውዖም። ከምዚ ብምባል ድማ ኣዘዞም:- “[“ቀልጥፉ!” NW ] ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ: ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ: ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ: ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ: ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ: ንብላዕ: ንተሐጐስ።”—ሉቃስ 15:21-24
ደርፍን ሳዕስዒትን ሓዊስካ: ዓቢ ውራይ ተገብረ። እቲ ዓቢ ሓዉ ካብ ወፍሪ ምስ ተመልሰ ነቲ ዝነበረ ያዕያዕ ሰምዖ። ሓዉ ንገዛ ከም እተመልሰን ምኽንያት ናይቲ ውራይ ድማ እዚ ምንባሩን ምስ ፈለጠ: ኰረየ። ንኣቦኡ ድማ ‘ንብዙሕ ዓመታት ተገዚአካ: ካብ ትእዛዝካውን ፈጺመ ሓሊፈ ኣይፈልጥን: ንዓይ ግን ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። እዚ ገንዘብካ ዝዘረወ ወድኻ ምስ መጸ ግን: ውራይ ገይርካሉ’ ብምባል ኣጕረምረመ። ኣቦኡ ኸኣ ለውሃት ብዘለዎ መገዲ ‘ወደየ: ንስኻ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ: ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ ኢዩ። እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ: ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ: ክንሕጐስ ይግብኣና ’ ብምባል መለሰሉ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ሉቃስ 15:25-32
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
ኣብቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ ዘሎ ኣቦ: ነቲ ምሕረተኛ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽና ኢዩ ዝምሰል። ገሊኦም ሰባት: ልክዕ ከምቲ ዝጠፍአ ወዲ: ንገለ እዋን ንዕቝባ ቤት ኣምላኽ ሓዲጎም ይኸዱ እሞ: ጸኒሖም ድማ ይምለሱ። የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮም፧ እቶም ብቕንዕና ተናሲሖም ናብ የሆዋ ዝምለሱ ሰባት ‘ኵሉ ግዜ ዘይገንሕ: ንዘለኣለም ከኣ ዘይቅየም’ ምዃኑ ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (መዝሙር 103:9) ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ: እቲ ኣቦ ንወዱ ክቕበሎ እናጐየየ ኢዩ ኸይዱ። ብተመሳሳሊ: የሆዋ ንዝናስሑ ሓጥኣን ይቕረ ክብል ፍቓደኛ ጥራይ ዘይኰነስ ሃንቀውታ እውን ኣለዎ። ‘ንይቕረታ ድሉው’ ኢዩ: ነዚ ድማ “ብዝሰፍሐ መገዲ” ኢዩ ዝገብሮ።—መዝሙር 86:5፣ ኢሳይያስ 55:7 NW፣ ዘካርያስ 1:3
ኣብቲ ናይ የሱስ ምሳልያዊ ዛንታ: እቲ ኣቦ ዝነበሮ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ነቲ ወዲ ትብዓት ረኺቡ ንኽምለስ ሓጊዝዎ ኢዩ። ግናኸ ሕስብ እሞ ኣብሎ:- እቲ ኣቦ ብጽሒቱ ምምቃል እንተ ዝኣብዮ ወይ ድማ እንደገና ገጹ ክርእዮ ከም ዘይደሊ ብቝጥዓ እንተ ዝዛረቦ እንታይ ምዀነ ነይሩ፧ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ነቲ ወዲ ንሓዋሩ ከም ዝጠፍእ ምገበሮ ነይሩ።—ምስ 2 ቈረንቶስ 2:6, 7 ኣረኣእዮ።
በዚ ኸምዚ እምበኣር: እቲ ኣቦ ኣብታ ወዱ ካብ ገዛ ዝወጸላ እዋን ንኽምለስ ዝሕግዞ መገዲ ጸረገ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ሓድሓደ ግዜ ንዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት ካብታ ጉባኤ ከውጽእዎም ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 5:11, 13) ከምዚ ክገብሩ ከለዉ: ኣብ መጻኢ ምስታ ጉባኤ እንደገና ንኽሕወስ ክወስዶ ዝኽእል ስጕምታት ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ ብምሕባር እቲ ሓጢኣት ዝፈጸመ ሰብ ንኽምለስ መገዲ ምጽራግ ክጅምሩ ይኽእሉ ኢዮም። ተዘክሮ ናይ ከምዚ ዝበለ ልቢ ዝትንክፍ ልመና ጸኒሑ ንብዙሓት ብመንፈስ ዝጠፍኡ ሰባት ክናስሑን ናብ ቤት ኣምላኽ ንምምላስ ክለዓዓሉን ደሪኽዎም ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:2
እቲ ኣቦ: ወዱ ምስ ተመልሰ እውን ድንጋጽ ኣርእዩ ኢዩ። ነቲ ብወዱ እተራእየ ናይ ሓቂ ነስሓ ንኽርድኦ ግዜ ኣይወሰደሉን። ድሕርዚ: ነቲ ወዱ ዝገበሮ በደላት ብዝርዝር ክፈልጥ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዝጽዕር: ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ውራይ ኣብ ምድላው ኢዩ ኣትዩ: ከምኡ ብምግባሩ ድማ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ክርስትያናት ነዚ ኣብነት እዚ ክቐድሕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ዝጠፍአ ሰብ ስለ እተረኽበ ክሕጐሱ ኢዩ ዘለዎም።—ሉቃስ 15:10
እቲ ኣቦ ዘርኣዮ ኣገባብ: ምምላስ ናይቲ ዝሓከለ ወዱ ንነዊሕ እዋን ይጽበዮ ምንባሩ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ናይቲ የሆዋ ንዅሎም ቤቱ ሓዲጎም ዝኸዱ ሰባት ክምለሱ ዘለዎ ናፍቖት ጽላሎት ጥራይ ኢዩ። ንሱ “ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ [ኣይፈቱን]” ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እምበኣር: እቶም ካብ ሓጢኣቶም ዝናስሑ ሰባት በቲ ‘ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ዝመጽእ ዘመን ዕረፍቲ’ ከም ዝባረኹ ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19
[እግረ-ጽሑፍ]
a ባርያ ክፍሊ ናይታ ስድራቤት ከም ዝዀነ ገይርካ ክርአ ከሎ: እተዓስበ ግዙእ ግን ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ካብ ስራሕ ከተውጽኦ እትኽእል በዓል ውዕለት ኢዩ ነይሩ። እቲ መንእሰይ ኣብ ቤት ኣቦኡ እቲ ዝተሓተ ቦታ እውን ከይተረፈ ንምቕባል ፍቓደኛ ክኸውን ኢዩ ሓሲቡ።