ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/9 ገጽ 29
  • እቲ ከንጽህ ዝኽእል ሓይሊ ቃል ኣምላኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ከንጽህ ዝኽእል ሓይሊ ቃል ኣምላኽ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/9 ገጽ 29

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

እቲ ከንጽህ ዝኽእል ሓይሊ ቃል ኣምላኽ

መብዛሕትኦም ናይ ሓሽሽ ውሉፋት ካብ ናይ ተሃድሶ ማእከላት ምስ ወጹ ናብቲ ጐዳኢ ልማዳቶም ከም ዝምለሱ ጸብጻባት ሓቢሩ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ግን እተን ማእከላት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ምግባር ዝሰንፋሉ ነገር ክፍጽም ይኽእል ኢዩ። (እብራውያን 4:⁠12) ብዙሓት ነቲ ናይ ሓሽሽ ወልፊ ከሰንፍዎ: ከምኡውን ነቲ “ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ዝብል ምኽሪ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ብናይ ኣምላኽ ቃልን መንፈስን ተሓጊዞም እዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 7:⁠1

እዚ በቲ ካብ ሚያንማር ዝመጸ ተመክሮ ተራእዩ እዩ። ሓደ ንብዙሕ ዓመታት ምስ ናይ ሓሽሽ ወልፊ እተቓለሰ ሰብኣይ ክገልጽ ከሎ:- “ገና ኰተቴ ከሎኹ ናይ ሓሽሽ ውሉፍ ኰንኩ። ብዙሕ ግዜ ካብቲ ወልፊ ክገላገል ጽዒረ ኢየ: ግን ኣይተዓወትኩን። ነቲ ዝነበረኒ ናይ ሓሽሽ ልምዲ ምእንቲ ከዕግብ: ክሰርቕ ጀመርኩ። ብሰንኩ ድማ: ብ1988 ንሓደ ዓመት ዝኣክል ተኣሰርኩ።

“ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ: ምስቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ርክብ ቀጸልኩ። ብኡንብኡ ድማ ናብቲ ዝነበረኒ ወልፊ ተመለስኩ። እቲ ናብ ርእሰ-ዕንወት ዝመርሕ መገዲ: ንኣባላት ስድራቤተይ ነቲ ምሳይ ዝነበሮም ርክብ ከም ዘቋርጹ ገበሮም። ብተወሳኺ: እዚ ዓመጸኛ ዅነታተይ ኣብቲ ማሕበረሰብ ንዘለዉ ብዙሓት ሰባት ከም ዝፈርሑኒ ገበሮም: ንሳቶምውን ክርሕቁኒ ጀመሩ።

“ብድሕሪኡ: በቲ ዘይተርፍ ሳዕቤን ማለት ብኸቢድ ወልፊ ተሳቐኹ። ኣብዚ ግዜ እዚ 3 ዓመት ንዝኸውን እንደገና ተኣሰርኩ። ሽሕ’ኳ ናብራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከቢድ እንተዀነ: ክድሕን ክኢለ ኢየ።

“ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ገዛ ምስ ተመለስኩ: በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝፈጸምክዎ በደላት ንስድራቤተይ ይቕሬታ ሓተትኩ። ንሳቶም ድማ ንኽምለስ ብሕያውነት ተቐበሉኒ: እንተዀነ ግን ኣዕሩኽ ናብቲ ናይ ቀደም ናብራይ እንደገና ከም ዝምለስ ገበሩኒ።

“ኣብ መወዳእታ: ዓባየይ ነቲ ናይቲ ከባቢ ፓስተር ኣብ ሓድሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ከካፍለኒ ተላበወቶ። እቲ ፓስተር ድማ ተሰማምዐ። ይኹን እምበር: ምእካብ ቅድሚ ምጅማረይ: ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረት ኣሞይ መጽሓፍ ቅዱስ ክማሃር ብሓቂ ዝደሊ እንተዀይነ: ምስ መሰኻኽር ከጽንዕ ከም ዘሎኒ ነገረትኒ።

“ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ከድኩ: ኣብኡ ድማ ምሳይ ኰይኑ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ እተሰማምዐ ሓደ ሰብኣይ ተፋለጥኩ። ብዙሓት ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብምዉቕ ሰላምታ ተቐቢሎም ከም ዘይጋየሽ ገበሩኒ።

“መጽሓፍ ቅዱስ ከጸንዕን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈልን ምስ ጀመርኩ: እቲ ሓሽሽ ናይ ምውሳድ ሕማቕ ባህጊ በቲ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ምምስራት ዝብል ባህጊ ተተክአ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ህይወተይ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክሳዕ ምውፋይ በጻሕኩ: ነቲ ወፈያ ድማ ብማይ ጥምቀት ገለጽክዎ።

“ድሕሪ ቝሩብ ግዜ: ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድኩ ከሎኹ: ሓደ ካብቶም ናይ ቀደም ናይ ሓሽሽ መሻርኽተይ ረኸብኩ። ብኸመይ ቅልጡፍ ለውጥታት ከም ዝገበርኩ ኸኣ ክርድኦ ኣይከኣለን። እዚ ድማ ንምስክርነት ኣፍ ደገ ከፈተ: ብዛዕባ ናይታ መንግስቲ ተስፋታት ከኣ ክዛረቦ ከኣልኩ።

“ኣብ መወዳእታ: ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዕላማን ትርጕምን ረኺበ ኢየ። ሕጂ ካብቲ ሞራልካ ዘውድቕ ሓሽሽ ናይ ምውሳድ ልምዲ ንገዛእ ርእሶም ከላቕቑ ንኻልኦት ክሕግዝ ብምኽኣለይ: ስለቲ ሓገዙን ካብ ቃሉ ዝርከብ ምኽርን ንኣምላኽ አመስግኖ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ