ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/9 ገጽ 32
  • ኣብ መገዲ ህይወት ዝመርሓካ መብራህቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ መገዲ ህይወት ዝመርሓካ መብራህቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/9 ገጽ 32

ኣብ መገዲ ህይወት ዝመርሓካ መብራህቲ

“ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመ​ላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።” (ኤርምያስ 10:⁠23) ነብዪ ኤርምያስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ሰባት ብዘይገለ ሓገዝ መገዲ ህይወት ብዓወት ክመርሑ ከም ዘይክእሉ ኣርኣየ። እዚ ሓገዝ እዚ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብቲ ንየሆዋ ዝገበሮ ጸሎት መሊስዎ ኣሎ:- “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ።”​—⁠መዝሙር 119:⁠105

እቶም ንቓል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ: ዘጽንዑን ነቲ ዝብሎ ኣብ ግብሪ ዘውዕልዎን ሰባት ልክዕ ከምቲ ኣንጊሁ መገሻ ዝጀመረ ሰብ ኢዮም። መጀመርታ: ጸልማት ስለ ዝዀነ ብዙሕ ክርኢ ኣይክእልን ኢዩ። ጸሓይ ክትበርቕ ምስ ጀመረት ግን: እናበርሀ ስለ ዝኸይድ ኣጸቢቑ ይርኢ። ኣብ መወዳእታ: ጸሓይ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ትኸውን። ንዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ኣነጺሩ በብሓንቲ ይርእዮ። እዚ መረድኢ እዚ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ የዘኻኽረና:- “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ: ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ: እናወሰኸት ትበርህ።”​—ምሳሌ 4:​18

ብዛዕባ እቶም ነቲ ናይ ኣምላኽ መምርሒ ዝነጽጉ ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ: እንታይ ከም ዚዕንቅፎም ኣይፈልጡን” ይብል። (ምሳሌ 4:⁠19) እወ: እኩያት ልክዕ ከምቲ ኣብ ጸልማት ዝዕንቀፍ ሰብኣይ ኢዮም። እቲ እተዓወቱ ዝመስልሉ ኣጋጣሚታት እውን እንተዀነ ግዝያዊ ኢዩ: ከመይሲ “ጥበብ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ: ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን።”​—ምሳሌ 21:30

ስለዚ እምበኣር: ነቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ: መምርሒ ስዓቦ። ከምኡ እንተድኣ ገይርካ ነቲ ኣብ ምሳሌ 3:⁠5, 6 ዘሎ ቃላት ሓቂ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ