ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/3 ገጽ 6-7
  • ዝሓሸ መገዲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝሓሸ መገዲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓንቲ ጽኑዕ ዝዀነ ወግዕታት ዘለዋ ዓለም
  • ጥሩፍነት እንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ?
    ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ?
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/3 ገጽ 6-7

ዝሓሸ መገዲ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ምጥፋእ መንፈሳውነት ከምኡውን እቲ ንዓለም ወሪሩዋ ዘሎ ዘይስነ⁠-ምግባራውነትን ሃይማኖታዊ ዘይርጕጽነትን የተሓሳስቦም ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ሓድሓደ ግዜ ጥሩፋት ይባሃሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ጥሩፋት ድዮም፧ ኣይኰኑን። ዋላ እኳ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ እምነት እንተለዎም: ከምቲ ናይታ ስያመ ኣጠቓቕማ እንተድኣ ኰይኑ ግን ጥሩፋት ኣይኰኑን። ገለ ዓይነት ኣረኣእያ ከማዕብሉ ኢሎም ንፖለቲካውያን መራሕቲ ጸቕጢ ኣይገብሩን ኢዮም: ከምኡውን ኣንጻር እቶም ምስኦም ዘይሰማምዑ ክኸዱ ኢሎም ኣድማታትን ጐንጽን ኣይጥቀሙን ኢዮም። ዝሓሸ መገዲ ረኺቦም ኢዮም። ነቲ መራሒኦም የሱስ ክርስቶስ ኢዮም ዝመስልዎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ ሓቂ ከም ዘሎ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከም ዝርከብ ይኣምኑ ኢዮም። (ዮሃንስ 8:​32፣ 17:17) መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ሕያዎት: ሰናይ ዝፈትዉ: ልኡማት: ከምኡውን ምኽንያታውያን ክዀኑ ይምህሮም ኢዩ: እዚ ባህርያት እዚ ድማ ኣብ ዕሙት እምነት ዘየለ ነገር ኢዩ። (ገላትያ 5:​22, 23፣ ፊልጲ 4:5) ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መልእኽቲ ያእቆብ ክርስትያናት ነታ “ቅድም ንጽህቲ . . . ድሓርውን ሰላማዊት: ልእምቲ [“ምኽንያታዊት:” NW ]: ሰማዕ: ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት” ተባሂላ ተገሊጻ ዘላ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ክዅስኵሱ ተተባቢዖም ኣለዉ። ያእቆብ ወሲኹ “ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ” በለ።​—ያእቆብ 3:​17, 18

ናይ የሆዋ መሰኻኽር የሱስ ብዛዕባ ሓቂ ኣዝዩ ይግደስ ከም ዝነበረ ይዝክሩ ኢዮም። ንጶንጥዮስ ጲላጦስ “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” ኢሉ ነገሮ። (ዮሃንስ 18:37) ዋላ እኳ ትብዓትን ቈራጽነትን ዝነበሮ ምእንቲ ሓቂ ዝጣበቕ ሰብ እንተ ነበረ: ናይ ገዛእ ርእሱ እምነት ኣብ ካልኦት ተጽዕኖ ንምግባር መገድታት ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡስ ኣብ ኣልባቦምን ሓሳባቶምን ኢዩ ዝበጽሕ ነይሩ። ሰማያዊ ኣቡኡ: እቲ “ሰናይን ቅኑዕን” ዝዀነ ኣምላኽ: ንሓሶትን ዘይፍትሓውነትን ብኸመይን መዓስን ከም ዘጥፍኦ ክውስን ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። (መዝሙር 25:8) ስለዚ ኸኣ ነቶም ምስኡ ዘይሰማምዑ ክጸቕጠሉ ዝኽእል መገዲ ኣየናደየን። ኣንጻር ናይዚ: እቶም ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ናይ ልምዲ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኢዮም ንየሱስ ክጸቕጥዎ ዝፍትኑ ነይሮም።​—ዮሃንስ 19:​5, 6

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ሰረተ⁠-እምነታት ጽኑዕ ምርዳእ ኣለዎም: ንስነ⁠-ምግባር ዝምልከት ነገራት ድማ ጥዑይ ዝዀነ ግምት ከም ዝህብዎ ኢዮም ዘርእዩ። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓደ ጐይታ: ሓንቲ እምነት: ሓንቲ ጥምቀት” ጥራይ ከም ዘሎ ኣሚኖም ኢዮም። (ኤፌሶን 4:5) ነቲ “እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” ዝብል ናይ የሱስ ቃላት እውን የቕልብሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 7:⁠13, 14) ገና ግን: እምነቶም ንኽስዕቡ ንኻልኦት ከገድዱ ኣይፍትኑን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ንጳውሎስ ይመስልዎ: ነቶም ‘ምስ ኣምላኽ ክዕረቑ’ ዝደልዩ ኸኣ ‘ይልምንዎም’ ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 5:​20) እዚ እቲ ዝሓሸ መገዲ ኢዩ። መገዲ ኣምላኽ ከኣ ኢዩ።

ብመሰረት እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይታ ቓል: እቲ ሕጂ ዘሎ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ። ጥሩፋት ንስርዓቶም ኣብ ሕብረተሰብ ንምስራጽ: ጐነጽ እውን ሓዊስካ: እተፈላለየ ሜላታት ኢዮም ዝጥቀሙ። ከምዚ ክገብሩ ከለዉ ድማ ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ፖለቲካዊ ኣገባብ ይዀኑ። ይኹን እምበር: የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:16፣ ያእቆብ 4:4) ምስ እዚ ቓላት እዚ ብምስምማዕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፖለቲካዊ ምስሕሓባት ክህሉ ከሎ ጽኑዕ ዝዀነ ገለልትነት ኢዮም ዝወስዱ። ከምቲ ፋዎሪፓጂና እተባህለት ናይ ኢጣልያ ጋዜጣ ኣፍልጦ ዝሃበትሉ ድማ “ኣብ ልዕሊ ዋላ ሓደ ሰብ ብዝዀነ ይኹን ነገር ተጽዕኖ ኣይገብሩን ኢዮም፤ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ዝብልዎ ክቕበል ወይ ክነጽግ ናጻ ኢዩ።” ውጽኢት ናይዚኸ፧ እቲ ሰላማዊ ዝዀነ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይቶም መሰኻኽር ንዅሎም ዓይነት ሰባት: ነቶም ሓደ ግዜ ጥሩፋት ዝነበሩ እውን ከይተረፈ: ይስሕቦም ኢዩ።​—ኢሳይያስ 2:2, 3

ሓንቲ ጽኑዕ ዝዀነ ወግዕታት ዘለዋ ዓለም

መሰኻኽር እቲ ንጥሩፋት ዘገድሶም ነገራት ሰባት ክፈትሕዎ ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ ኢዮም። ንሓደ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ክኣምን ወይ ድማ ብሕታዊ እምነታትካ ክቕበል ከተገድዶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምዚ ዝበለ ምግዳድ ናብቲ ኣብ ታሪኽ እተራእየ ከም እኒ ውግእ መስቀላውያን: ኣብ ማእከላይ ዘመን እተገብረ ፍርዲ መናፍቓን: ከምኡውን “ምልዋጥ” ናይቶም ኣመሪካን ኢንድያንስ ዝኣመሰለ ዝኸፍአ ዘርዕድ ነገራት ከም ዘመርሐ ይርድእዎ ኢዮም። ኣብ ኣምላኽ እንተድኣ ተወኪልካ ግን: እቲ ዝዕረ ነገራት ንዕኡ ክትገድፈሉ ፍቓደኛ ክትከውን ኢኻ።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ነቲ ሰባት ሕጉ ብምፍራስ ሽግርን ስቓይን ከምጽኡ ኣፍቂድዎ ዘሎ ግዜ ደረት ገይርሉ ኣሎ። እቲ እተፈቐደሎም ግዜ ዳርጋ ተወዲኡ ኢዩ። የሱስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ድሮ ከም ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ እዛ መንግስቲ እዚኣ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታ ንምልጋስ: ነቲ መዓልታዊ ምምሕዳር ናይ ደቅሰብ ከኣ ንምትካእ ስጕምቲ ክትወስድ ኢያ። (ማቴዎስ 24:​3⁠-14፣ ራእይ 11:15, 18) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ሰላምን ጽድቅን ብብዝሒ ዝርከበላ ዓለምለኻዊት ገነት ክትህሉ ኢያ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብኸመይ ክምለኽ ከም ዘለዎ ዝምልከት ዘይርጉጽነት ኣይክህሉን ኢዩ። “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ:” NW ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:29) ከም እኒ ፍቕራዊ ሕያውነት: ሓቂ: ፍትሒ: ከምኡውን ሰናይ ምግባር ዝኣመሰለ ዘለኣለማዊ ክብርታት ንጥቕሚ ዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ክስዕር ኢዩ።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ግዜ እቲ ኣማዕድዩ ብምጥማት ብመልክዕ ግጥሚ ገይሩ ከምዚ ይብል:⁠- “ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ: ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቍል: ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ። እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና እዩ: ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ። ጸድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ: ኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ።”​—መዝሙር 85:​10⁠-13

ንዓለም ክንልውጣ ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና: ከም ውልቀ⁠-ሰባት መጠን ግን ሕጂ እውን ከይተረፈ ኣምላኻዊ ባህርያት ክንኵስኵስ ንኽእል ኢና። ስለዚ ድማ እቶም ኣምላኽ ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣምለኽቱ ክዀኑ ዝደልዮም ዓይነት ሰባት ክንከውን ክንፍትን ንኽእል ኢና። ድሕርዚ ካብ መንጎ እቶም እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዝበሎም ትሑታት ሰባት ክንከውን ኢና። (መዝሙር 37:11) ኣምላኽ ነቶም ፍቓዱ ዝገብሩ ይድግፎምን ይባርኾምን ኢዩ: ንመጻኢ ግዜኦም ድማ እጹብ ዝዀነ ነገራት ተመባጺዕሎም ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” በለ።⁠—​1 ዮሃንስ 2:​17

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሎም ሰባት ምስቲ ብስራት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክላለዩ ይዕድምዎም

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

እቲ ኣብ 3, 4, 5, ከምኡውን 6 ዘሎ መብራህቲ:- Printer ’s Ornaments/by Carol Belanger Grafton/Doven Publication, Inc.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ