ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/3 ገጽ 4-5
  • ጥሩፍነት እንታይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥሩፍነት እንታይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነዚ ዘመናዊ ግዜና እተገብረ መልሰ⁠-ግብሪ ኢዩ
  • ንሓደ ጥሩፍ ምልላዩ
  • ምስፍሕፋሕ ጥሩፍነት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ዝሓሸ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሃይማኖት ሱር ጸገማት ደቅሰብ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ሃይማኖት ጽቡቕ ጽልዋ ድዩ ዘለዎ ወይስ ሕማቕ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/3 ገጽ 4-5

ጥሩፍነት እንታይ ኢዩ፧

ጥሩፍነት ኣበየናይ ቦታ ኢዩ ጀሚሩ፧ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዝሓለፈ ክፍለ⁠-ዘበን: ናጻ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ናይ ሃይማኖት ምሁራት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝነቅፍ ትምህርትን ከም እኒ ፍልቀት ዝኣመሰለ ስነ⁠-ፍልጠታዊ ክልሰ⁠-ሓሳባትን ምእንቲ ክሕዙ ነቲ ዝኣምንዎ ዝነበሩ ነገራት ክቕይሩ ጀመሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ: ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም እምንቶ ተነቓኒቑ ኢዩ። ዓቃባውያን መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ መሰረታት እምነት ኢሎም ዝጽውዕዎ ነገራት ብምምስራት ነዚ ተጻረርዎ።a ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-ዘበን ከኣ ብዛዕባ እዚ መሰረታዊ ነገራት እዚ ዝገልጽ ጥሩፋት :⁠- ነቲ ሓቂ ዝኸውን መርትዖ ዘርእስቱ ናይ እንግሊዝኛ ተኸታታሊ ጥራዛት ኣሕቲሞም ኣውጽኡ። ካብዚ ኣርእስቲ እዚ ድማ እታ “ጥሩፍነት” እትብል ስያመ መጸት።

ኣብ መጀመርታ መፋርቕ ናይ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን: ጥሩፍነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቀንዲ መዛረቢ ኣርእስቲ እናዀነ መጸ። ንኣብነት: ብ1925 ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ነቲ ኣብ ተነሲ: ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ጆን ስኮፕስ እተባህለ መምህር: ናብቲ ዳሕራይ ናይ ስኮፕስ መጋባእያ ተባሂሉ እተጸውዐ ቤት ፍርዲ ኣቕረብዎ። ገበኑ ግን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ፍልቀት ይምህር ነበረ: እዚ ድማ ኣንጻር ሕጊ ናይታ መንግስቲ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ: ገሊኣቶም ጥሩፍነት ብዙሕ ኣይጸንሕን ኢዩ ይብሉ ነበሩ። ብ1926 ክርስችያን ሰንችሪ እተባህለት ናይ ፕሮተስታንት ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት “ናይ ላዕለ ላዕልን ሓቅነት ዘይብሉን” ከምኡውን “ንሃናጺ ዓወት ወይ ነዊሕ ንምጽናሕ ዝኸውን ባህርያት ምሉእ ብምሉእ ዝጐደሎ ኢዩ” ኢላ ገለጸቶ። ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ጌጋ ኰን ኢዩ ነይሩ!

ካብ 1970ታት ጀሚሩ ጥሩፍነት ብቐጻሊ ኣብ ዜና ክስማዕ ጸኒሑ ኢዩ። ናይቲ ኣብ ካሊፎርንያ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ፉለር ቲኦሎጂካል ሰሚናሪ ፕሮፌሰር ዝዀነ ሚሮስላቭ ቮልፍ “ጥሩፍነት: ካብ ምጥፋእ ድሒኑ ጥራይ ዘይኰነስ: ዓንቢቡ ኢዩ” ይብል። ኣብዚ እዋን እዚ: እታ “ጥሩፍነት” እትብል ቃል ነቲ ናይ ፕሮተስታንት ምንቅስቓስ ጥራይ ዘይኰነትስ ነቲ ኣብ ካልእ ሃይማኖታት: ኣብ ከም እኒ ካቶሊክ: ምስልምና: ኣይሁድነት: ከምኡውን ሂንዱዝም: ዘለዉ ጕጅለታት እውን ትውዕል ኢያ።

ነዚ ዘመናዊ ግዜና እተገብረ መልሰ⁠-ግብሪ ኢዩ

ጥሩፍነት ስለምንታይ የስፋሕፍሕ ኣሎ፧ እቶም ብዛዕባ እዚ ዘጽንዑ ሰባት: እንተ ወሓደ ብኸፊሉ: ብሰንኪ እቲ ኣብ ግዜና ዘሎ ስነ⁠-ምግባራውን ሃይማኖታውን ምጥርጣራት ዝመጸ ኢዩ ይብሉ። ነዊሕ ዓመታት ይገብር ዝነበራ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ኣብ ልምዳዊ እምነታት እተመስረተ ርጉጽ ዝዀነ ስነ⁠-ምግባር ኣብ ዘለዎ ሃዋሁ ኢየን ዝነብራ ነይረን። ሕጂ: እዚ እምነታት እዚ ብድሆ ይቐርቦ ኣሎ ወይ ድማ ተነጺጉ ኢዩ። ብዙሓት ምሁራት ኣምላኽ የለን: ሰብ ድማ ኣብ ሓደ ዝግደሰሉ ዘይብሉ ኣድማስ ንበይኑ ኢዩ ዘሎ ይብሉ። ብዙሓት ሊቃውንቲ ወድሰብ ናይ ሓደ ፈቃር ፈጣሪ ውጽኢት ዘይኰኑስ ናይ ፍልቀት ውጽኢት ኢዩ ብምባል ይምህሩ። ፍኑው ዝዀነ ኣተሓሳስባ ሰፊኑ ኣሎ። ኣብ ኵሉ ደረጃታት ናይ ሕብረተሰብ: ዓለም ብምጥፋእ ናይ ስነ⁠-ምግባራዊ ወግዕታት ትጥቃዕ ኣላ።​—2 ጢሞቴዎስ 3:​4, 5, 13

ጥሩፋት እቲ ቀደም ዝነበረ ኵነታት እንደገና ክምለስ ኢዮም ሃንቀው ዝብሉ: ገለ ካብኣቶም ድማ ነቲ ዘለዉዎ ማሕበረሰብን ሃገርን ናብቲ ንሳቶም ግቡእ ኢዩ ኢሎም ዝኣምንዎ ናይ ስነ⁠-ምግባርን ሰረተ⁠-እምነትን መሰረታት ክመልስዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ካልኦት ብመሰረት እቲ “ቅኑዕ” ናይ ስነ⁠-ምግባር መምርሕን ኣገባብ ናይ ሰረተ⁠-እምነትን ክመላለሱ ንኽግድድዎም ብዘለዎም ኵሉ ሓይሊ ይጽዕሩ። ሓደ ኣብ ጥሩፍነት ዝኣምን ሰብ ንሱ ቅኑዕ ካልኦት ግን ጌጋ ምዃኖም ጽኑዕ እምነት ኢዩ ዘለዎ። ፕሮፌሰር ጀምስ ባር ኣብታ ጥሩፍነት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ ጥሩፍነት “መብዛሕትኡ ግዜ ጸቢብ: ደረቕ: ኣንቈራነት እተስምዕ ሕማቕን ናይ ጽልእን ዘለፋን ስያመ ገይርካ ኢያ እትረአ” ይብል።

ዋላ ሓደ ሰብ ጸቢብ: ደረቕ: ወይ ናይ ኣንቈራነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ተባሂሉ ክጽዋዕ ስለ ዘይደሊ: እዚ ጥሩፍ ኢዩ: እዚ ድማ አይኰነን ኣብ ዝብል ሓሳባት ኵሉ ኣይኰነን ዝሰማማዕ። ይኹን እምበር: ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ዝፍለጠሎም ገለ ባህርያት ኣለዉ።

ንሓደ ጥሩፍ ምልላዩ

መብዛሕትኡ ግዜ: ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ነቲ ናይ መጀመርታ ልምድታት ወይ ሃይማኖታዊ እምነታት ናይ ሓደ ባህሊ ክትዕቅብ: ነቲ መንፈሳዊ ዘይኰነ ናይ ዓለም ኣተሓሳስባ ዝበሃል ነገራት ድማ ክትጻረር ምፍታን ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን: ጥሩፋት ንዅሉ ዘመናዊ ነገራት ይቃወምዎ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ገሊኣቶም ኣረኣእያኦም ንምትሕልላፍ ንዘመናዊ መራኸቢታት ኣዝዩ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ይጥቀምሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኣንጻር እቲ ንኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ናብ ዓለማዊ ዝዀነ ነገራት ምልዋጥ (ብእንግሊዝኛ ሰኲላራይዘሽን) ይቃለሱ ኢዮም።b

ገለ ጥሩፋት ነቲ ልምዳዊ ናይ ሰረተ⁠-እምነት ወይ ኣነባብራ ስርዓት ንገዛእ ርእሶም ሒዞምዎ ስቕ ክብሉ ይደልዩ ጥራይ ዘይኰነስ: ናብ ካልኦት ከስርጽዎ: ምስቲ ናይ ጥሩፋት እምነት ምእንቲ ከሰማምዕዎ ድማ ነቲ ናይ ሕብረተሰብ መዋቕር ክልውጥዎ ዝቘረጹ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ኣብ እምነት ካቶሊክ ዘሎ ጥሩፍ ምንጻል ጥንሲ ነጺጉ ጥራይ ስቕ ኣይብልን ኢዩ። ነቶም ኣብ ሃገሩ ዘለዉ ሓገግቲ ኣካላት ምንጻል ጥንሲ ዝኽልክል ሕግታት ከውጽኡ ድማ ይደፋፍእ ይኸውን ኢዩ። ብመሰርት እቲ ላ ረፑብሊካ እተባህለ ጋዜጣ: ኣብ ፖላንድ እቲ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝዀነ ሕጊ ምእንቲ ክጸድቕ ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-ክርስትያን “ዘለዋ ኵሉ ሓይልን ጽልዋን ገይራ ‘ውግእ’ ” ኣካይዳ ኢያ። ነዚ ንምግባር እቶም ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ሰበ⁠-ስልጣናት ልክዕ ከም ናይ ጥሩፋት ተግባራት ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ዘ ፕሮተስታንት ክርስችያን ኮአሊሽን ድማ ተመሳሳሊ “ውግኣት” ይገብር ኢዩ።

ጥሩፋት: ልዕሊ ዅሉ በቲ ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኢዮም ዝፍለጡ። ስለዚ እምበኣር ሓደ ናይ ፕሮተስታንት ጥሩፍ: ነቲ ምድሪ ቃል ብቓሉ ብሽዱሽተ መዓልትታት ኢያ ተፈጢራ ዝብል ወሲኽካ: ናይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉ ክትርጐም ኣለዎ ዝብል እምነት ቀንዲ ተጣባቒ ኢዩ። ናይ ካቶሊክ ጥሩፍ ከኣ ጳጳስ ይጋገ ይኸውን ኢዩ ዝብል ምንም ጥርጥር የብሉን።

እምበኣር: እታ “ጥሩፍነት” እትብል ስያመ ምኽንያታውነት ዘይብሉ ዕሙት እምነት ዝብል ሓሳባት ስለምንታይ ከም እተመሓላልፍ: እቶም ጥሩፋት ዘይኰኑ ድማ ጥሩፍነት ክስፋሕፋሕ ክርእዩ ከለዉ ስለምንታይ ከም ዝሻቐሉ ርዱእ ኢዩ። ብውልቀ⁠-ሰብ ደረጃ ምስ ጥሩፋት ኣይንሰማማዕን: ከምኡውን በቲ ፖለቲካዊ ምጥውዋያቶምን በቲ ሓድሓደ ግዜ ዝገብርዎ ጐነጽ ዘለዎ ተግባራትን ንስንብድ ንኸውን። ብርግጽ: ናይ ሓንቲ ሃይማኖት ጥሩፋት በቲ ናይ ካልእ ሃይማኖት ጥሩፋት ዝገብርዎ ተግባራት ይርዕዱ ይዀኑ ኢዮም! ገና ግን ብዙሓት መስተውዓልቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ንጥሩፍነት ከም ዘስፋሕፍሕ ዝገብር ነገራት​—እቲ ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ዘሎ እናወሰኸ ዝኸይድ ናይ ስነ⁠-ምግባር ሸለልትነት: ምጥፋእ እምነት: ከምኡውን ንመንፈሳዊ ነገራት ምንጻግ​—ይጭነቑ ኢዮም።

ነዚ ኸምዚ ዝበለ ነገራት ንምፍታሕ እተራእየ መልሰ⁠-​ግብሪ ጥሩፍነት ጥራይ ድዩ፧ እዚ ጥራይ እንተድኣ ዘይኰይኑ እቲ ካልእ ኣማራጺ እንታይ ኢዩ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብ1895 እተገልጸ ሓሙሽተ ነጥብታት ናይ ጥሩፍነት ዝበሃል እዚ ዝስዕብ ኢዩ:⁠- “(1) ቅዱሳት ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ መንፈስ ዝነፈሶን ዘይጋገን ምዃኑ (2) የሱስ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽነት ባህርይ ከም ዘለዎ (3) ክርስቶስ ካብ ድንግል ከም እተወልደ (4) ክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምስቃል ዝገበሮ ናይ መተካእታ ምትዕራቕ (5) ስጋዊ ትንሳኤ: ብሕታውን ኣካልውን ካልኣይ ምምጻእ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ።”​—ስታዲስ ዲ ቲዮሎዥያ (ጣልያንኛ)

b “ሰኲላራይዘሽን ” ነቲ ዓለማዊ ዝዀነ ነገራት ዝያዳ ምጕላሕ ማለት ኢዩ: እዚ ኸኣ ኣንጻር እቲ መንፈሳዊ ወይ ድማ ቅዱስ ነገር ኢዩ። እቲ ዓለማዊ (ሴኲላር ) ብዛዕባ ሃይማኖት ወይ ሃይማኖታዊ እምነታት ዝግድሶ ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብ1926 ሓንቲ ናይ ፕሮተስታንት መጽሔት ጥሩፍነት “ናይ ላዕሊ ላዕልን ሓቅነት ዘይብሉን ” ከምኡውን “ንሃናጺ ዓወት ወይ ነዊሕ ንምጽናሕ ዝኸውን ባህርያት ምሉእ ብምሉእ ዝጐደሎ ኢዩ ” ኢላ ገለጸቶ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ