ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
“ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ”
የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ዝርርቡ: ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” በሎም። ቀጺሉ ኸኣ “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ብምባል ተማሕጸኖም።—ማቴዎስ 5:14-16
ኣብ ኢጣልያ እቲ ሰናይ ግብሪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጋህዲ ተራእዩ ኢዩ። ንኣብነት: ከምዚ እዚ ዝስዕብ ጸብጻባት ዘረጋግጾ እቲ ኣብ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታቶም ዘርእይዎ ጠባይ ንኣምላኽ ዝውድሶ ኢዩ:-
▪ ኣብ ተርኒ: ኢጣልያ: ሓንቲ ሰበይቲ ንብዙሕ ዓመታት ንጓላ ነቲ ኣብ ጥቓ ስታድዩም ናይታ ከተማ ዝርከብ ቤት ሻሂኣ ተካይደላ ነበረት። ከምዚ ብምባል ከኣ ተዘንቱ:- “ነቲ ኣብ መንጎ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ንኽርእዩ ኢሎም መጺኦም ዝነበሩ ሰባትን ናብቲ ኣብኡ እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክካፈሉ ዝመጹ ኣኼበኛታትን ዝነበረ ፍልልይ ኣስተብሃልኩሉ። እቶም መሰኻኽር ዝያዳ እዱብ ኣከዳድና ኢዩ ነይርዎም: እሙናትን ኣኽብሮት ዘለዎምን ከኣ ኢዮም ነይሮም። ብዙሕ ግዜ ድማ እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ከመይ ገይሮም ኢዮም ብዘይ ገለ ጕድኣት ብሰላም ክነብሩ ዝኽእሉ ኢለ ንገዛእ ርእሰይ እሓታ ነበርኩ።
“ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ምስክር ኣብ መገዲ ደው ኣቢላ ስም ኣምላኽ ዝፈልጦ እንተ ዀይነ ሓተተትኒ። ኣይፈልጦን ኢየ ነይረ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥዑያት ሰባት ምዃኖም ይፈልጥ ስለ ዝነበርኩ ኸኣ መጺኣ ክትበጽሓኒ ተሰማማዕና። ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት ሕቶታት ነበረኒ እሞ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መለሰትለይ። ድሕር ከይበልኩ ኸኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረለይ ፍቓደኛ ኰንኩ: ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ኣኼባታት ክካፈል ጀመርኩ።
“ጓለይ መጀመርታ ተጻረረትኒ: ጠባየይን ጽንዕቲ ምዃንይን ግን ንኣረኣእያኣ ለወጦ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንትሽዓተ ወርሒ ተገብረለይ። ሎሚ ጓለይን በዓል ቤታን ነቶም ናይ ቤት ሻሂኦም ዓማዊል ዝዀኑ መሰኻኽር ዘመጕስ ሓሳባት ኢዮም ዝዛረቡ። ኣነ ኸኣ ኣብዚ ስታድዩም እዚ ኣብ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ተጠመቕኩ።”
▪ ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ሮዜቶ ዴሊ ኣብሩሲ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ: ኣካያዲ ናይ ሓደ ድንኳን ተኺልካ እተዕርፈሉ ከባቢ ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵሉ እቲ ዝገብርዎ እሙናት ምዃኖም ኣስተብሂለ ኢየ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 40 ካባታቶም ኣብቲ ኣነ ዘካይዶ ድንኳን ተኺልካ እተዕርፈሉ ከባቢ ተቐቢለዮም ነበርኩ: ዝዀነ ይኹን ሽግር ድማ ኣይፈጠሩን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ: ኣብቲ ዝንቀሳቐስ ገዛ ወይ ድማ መጽለሊ ድንኳን ዝያዳ ሰብ ተኻርዩ እንተድኣ ኣሎ መጺኦም ዝነግሩኻ ንሳቶም ጥራይ ኢዮም። ንዓይ ከም ዝመስለኒ: እቶም ዝበለጹ ዓማዊል ኢዮም።”
▪ ድሕሪ እቲ ኣኼባ እቲ ናይ ሓደ ሆቴል ኣካያዲ ከምዚ ብምባል ተዛረበ:- “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዮም ሰላማውያን ኢዮም። ህውከተኛታት ኣይኰኑን: ብእዋኑ ኸኣ ናብ መደቀሲኦም ይኣትዉ። ናይ ብሓቂ ሕያዎት: እሙናት: ከምኡውን እሩማት ኢዮም። ኵሉ ሰብ ከምኦም ነይሩ እንተ ዝኸውን ኣዝዩ ጽቡቕ ነይሩ። ካልኦት ከም ናይ ዕምባባ ባዞ: መንገፍ ሽጋራ: ናይ ሽቓቕ ወረቐትን ሽኮርን እውን ከይተረፈ ኵሉ ነገር ኢዮም ዝሰርቁ! ካባኻትኩም ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን ኢዩ። ደቅኹም ምሸት ጀላቶ ካብታ መዝሓሊት ክወስዱ ኸለዉ ከይደ ክንደይ ከም ዝወሰዱ ንኸረጋግጽ ኣይትዕብን ኢየ። ነቲ ዋጋ ሓሲቦም ሽዑ ንሽዑ ክኸፍሉ ይመጹ። ኣብኦም ዝለዓለ ትውክልቲ ኣሎኒ። ካልኦት ከምኡ ነይሮም እንተ ዝዀኑ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ! ኵሎም ኣብ ሆቴለይ ዝመጹ ኣጋይሽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዀኑ ትምኒተይ ኢዩ።”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ክፍልታት ምድሪ ኣብ ኢጣልያ እውን ኣዝዮም ፍሉጣት ኢዮም። ‘ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኦም የጸብቑ:’ ነቲ ስሙ ጸይሮም ዘለዉ ሓቀኛ ኣምላኽ ድማ ይውድስዎ።—1 ጴጥሮስ 2:12