“ነተን ዝሓለፋ መዓልትታት ዘክርወን” ስለምንታይ፧
“ነተን ዝሓለፋ መዓልትታት ዘክርወን።” እዚ ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እተጻሕፈ ምዕዶ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ: ናብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት እተላእከ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 10:32፣ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል [እንግሊዝኛ]) እዚ መዘኻኸሪ እዚ ከም ዝዋሃብ ዝገበረ እንታይ ኢዩ፧ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነብሩ ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ ንዝሓለፈ ግዜ ክዝክርዎ ዘድለዮም ስለምንታይ ኢዩ፧ ሎሚኸ ንኸምዚ ዝበለ መዘኻኸሪ ብምቕላብና ክንጥቀም ንኽእልዶ፧
ኣብ ዝሓለፉ ክፍለ-ዘበናት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንዝሓለፈ ግዜ ሸለል ምባልን ዘይምስትብሃልን ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቖም ኢዮም። ቀዳሞት ግዝያት ከምኡውን ፍጻመታት ኣብ ኣእምሮ ክትሓዙን ክዝከሩን ነበሮም። የሆዋ ከይተረፈውን “ኣነ ኣምላኽ እየ: ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ: ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ: ኣነ ኣምላኽ እየ: ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን” ኢሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 46:9) ነዚ ምዕዶ እዚ ምቕላብ ከም ዘድሊ ዘርእዩ ሰለስተ ቅቡላት ምኽንያታት እስከ ንመርምር።
ድራኸን ምትብባዕን
ቀዳማይ: ምንጪ ናይ ድራኸን ምትብባዕን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ደብዳበኡ ናብ ጉባኤ እብራውያን ክጽሕፋ ኸሎ: ነቶም መዓልቲ-መዓልቲ ብናይ ኣይሁድ ተቓውሞ እምነቶም እትፍተን ዝነበረት ብጾቱ ክርስትያናት ኢዩ ጽሒፍዋ። ጳውሎስ ምጽማም ከማዕብሉ ከም ዘድልዮም ስለ እተገንዘበ “ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዐጊስኩም: ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን” በሎም። (እብራውያን 10:32) ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብቲ መንፈሳዊ ውግእ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ምዝካር: ነቲ ጕያ ንኽውድኡ ዘድልዮም ትብዓት ክረኽቡ የኽእሎም። ብተመሳሳሊ ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣቱም ሰባት ትብዓት ምርካብ ክትክእሉ ነዚ ዘክሩ።” (ኢሳይያስ 46:8 NW) የሱስ ክርስቶስ ተመሳሳሊ ጠቓሚ ውጽኢት ከም ዘለዎ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢዩ ነታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ከምዚ ዝበላ:- “እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ [ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ] ዘክር እሞ ተነሳሕ: ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ።”—ራእይ 2:4, 5
እቲ “እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክር: ዓመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉ” ዝብል ምኽሪ: ኣብቲ ሙሴ ንእስራኤላውያን ፍርሂ ዘይብሉ ተኣማንነት ንየሆዋ ከርእዩ ክምሕጸኖም ከሎ ዝህቦ ዝነበረ ዝርርብ ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ ዝነበረ ነጥቢ ኢዩ። (ዘዳግም 32:7) ነተን ኣብ ዘዳግም 7:18, 19 ዝርከባ ቃላቱ እሞ ኣስተብህለለን:- “ኣይትፍርሃዮም [ንከንኣናውያን]: እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵላ ግብጽን ዝገበሮ: . . . ኣጸቢቕካ ዘክር።” የሆዋ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ዝገበሮ ናይ ምድሓን ተግባራት ምዝካር: ኣብቲ ንሕግታት ኣምላኽ ንክኽተሉ ዘርኣይዎ ቀጻሊ ተኣማንነት ደራኺ ሓይሊ ክኸውን ነበሮ።—ዘዳግም 5:15፣ 15:15
እቲ ዘሕዝን ግን እስራኤላውያን: ብዙሕ ግዜ ኣብ ናይ ምርሳዕ ሓጢኣት ወደቑ። ሳዕቤኑ እንታይ ነበረ፧ “ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ: ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ። ንኢዱን ነታ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን: . . . ኣይዘከሩን።” (መዝሙር 78:41, 42) ትእዛዛት የሆዋ ምርስዖም ግን ጸኒሑ ብእኡ ከም ዝንጸጉ ገበሮም።—ማቴዎስ 21:42, 43
እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ናይ ቀደም ተኣምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ: ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ: ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ: ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ” ኢሉ ብምጽሓፍ ሰናይ ኣርኣያ ገደፈ። (መዝሙር 77:11, 12) ከምዚ ገይርና ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ብተኣማንነት ዝገበርናዮ ኣገልግሎትን ናይ የሆዋ ፍቕራዊ ተግባራትን ብምስትንታን ክንዝክሮ ከሎና: እቲ ዘድሊ ድራኸ: ምትብባዕ: ከምኡውን ሞሳ ይህበና ኢዩ። ብተወሳኺ ኸኣ ‘ነተን ቀዳሞት መዓልታት ምዝካር’ ድኻም ንኸነወግድ ከምኡውን ዝከኣለና ዘበለ ንምግባር ክንለዓዓልን ብተኣማንነት ምጽማም ክንክእልን ይሕግዘና።
ካብ ሕሉፍ ጌጋ ምምሃር
ካልኣይ: ዘይምርሳዕ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትን ሳዕቤናቶምን እንማሃረሉ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምግባር ኢዩ ሙሴ ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢሉ ዝመኸሮም:- “ዘክር: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዘዀሬኻዮ: ኣይትረስዕ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ጀሚርካ: ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ: ንእግዚኣብሄር ዐሎኹምዎ።” (ዘዳግም 9:7) ውጽኢት ናይ ከምዚ ዝበለ እስራኤላውያን ዘርኣይዎ ዘይምእዛዝ ከኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ: ‘እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣርብዓ ዓመታት ኣብ በረኻ ኰለል’ ኣበሎም። ነዚ ክዝክሩ እተተባብዑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ትሕት ንኽብሉን ካብቲ ናይ ዕልወት መገድታቶም ተመሊሶም ‘ብመገዱ ንምኻድን ንእኡ ንምፍራህን: ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንምሕላውን’ ምእንቲ ክኽእሉ ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 8:2-6) ሕሉፍ ጌጋኦም ንኸይደግምዎ ክማሃሩ ነበሮም።
ሓደ ጸሓፊ “ጥንቁቕ ሰብ ካብ ናይ ብሕቱ ተመክሮ ረብሓ ይርከብ: ጥበበኛ ሰብ ግና ካብ ናይ ካልኦት ተመክሮ ይመሃር” ብምባል ርእይቶኡ ሃበ። ሙሴ ንእስራኤላውያን ነቲ ናይ ቅድም ጌጋታቶም ብምዝካር ክጥቀሙ ክነግሮም ከሎ: ሃዋርያ ጳውሎስ ግን ንኻልኦት—ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ንዝነበረት ናይ ቈረንቶስ ጉባኤ ካብኡ ቀጺሉውን ንዓና—ካብቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ትምህርቲ ክቐስሙ መዓደ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ:- “እዚ ዅሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም: ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪዀነና እዩ እተጻሕፈ።” (1 ቈረንቶስ 10:11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) የሱስ ክርስቶስውን “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ክብል ከሎ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመን ካብኡ ናይ ምምሃር ኣድላይነትን ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢዩ። (ሉቃስ 17:32፣ ዘፍጥረት 19:1-26) ሳሙኤል ተይለር ኮሌሪጅ እተባህለ ገጣምን ፈላስፋን ዝነበረ እንግሊዛዊ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰባት ካብ ታሪኽ ክማሃሩ እንተ ዝኽእሉ: ኣየ ከመይ ዝበለ ትምህርቲ ምቐሰምና ነይርና!”
ትሕትናን ምስጋናን
ሳልሳይ: ምዝካር እተን ንኣምላኽ ባህ ዘብላኦ ባህርያት ናይ ትሕትናን ምስጋናን ከማዕብለልና ይኽእል። ብብዙሕ መዳያት ናይዛ ዘለናያ ዓለምለኻዊት መንፈሳዊት ገነት ክንሕጐስ ከለና: ኣብቲ እተሃንጸትሉ ነገራት ከም እትምርኰስ ዘይንርስዕ ይግበረና። እዚኣቶም: ነቶም ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ነቲ ዕዮ ክጅምሩ ከለዉ ዘርኣይዎም ናይ ተኣማንነት: ፍቕሪ: ርእሰ-መስዋእቲ: መከራ ክመጽእ ከሎ ምትባዕ: ምጽማም: ነዊሕ ተጸዋርነትን እምነትን ዝኣመሰሉ ባህርያት ዘጠቓልሉ ኢዮም። ናይ 1995 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ጸብጻብ ናይ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ሜክሲኮ ክትድምድሞ ከላ ከምዚ በለት:- “ነቶም ኣብዚ ቀረባ ኣዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓበሩ ሰባት ኣብ ሜክሲኮ ዘሎ ዕዮ ንዝጀመሩ ዘጋጠምዎም ፈተናታት ክገርሞም ይኽእል ይኸውን። ከመይሲ ንሳቶም ኣኽል ታርፍ መንፈሳዊ መግቢ ዝርከባ: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ብጾት ዘለውዋ: ንኣምላኽ ዝግበር ኣገልግሎት ብኣዝዩ እተመሓደረ ኣገባብ ዝካየደላ መንፈሳዊት ገነት ኢዮም ዝፈልጡ።”
እቶም ቀዳሞት ጸረግቲ መገዲ እቲኣቶም ንብዙሕ ግዜ ንበይኖም ወይ ምስ ምሕድግ ዝበሉ ጕጅለታት ኰይኖም ኢዮም ዓዮም። ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምእዋጅ ክጸንዑ ከለዉ ጽምዋ: ምጥላይ: ከምኡውን ካልኦት ናይ ንጽህና ኣሰቀቕቲ ፈተናታት ኣጋጢሞምዎም ኢዮም። ሽሕ’ኳ ብዙሓት ካብዞም ናይ ቅድም ኣገልገልቲ ምድራዊ ናብርኦም ብሞት እንተ ወድኡ: የሆዋ ነቲ ናይ ተኣማንነት ኣገልግሎቶም ከም ዝዝክሮ ምፍላጥሲ ከመይ ዝበለ ልቢ ዘምውቕ ኰን ኢዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣምላኽ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ። (እብራውያን 6:10) የሆዋ ብሞሳ ዝዝክር እንተድኣ ኰይኑ ንሕናኸ ብናይ ምስጋና መንፈስ ከምኡ ክንገብር ኣይግብኣናንዶ፧
እቶም ንሓቂ ሓደስቲ ዝዀኑ ሰባት: ነዚ ታሪኻዊ ምርዳእ እዚ ካብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም።a ብተወሳኺ ነዊሕ ግዜ ዘገልገሉ ብዕድመ ዝሸምገሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ዘለውዎ ስድራቤት ወይ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንተድኣ ኴንና ዘሎና እቲ ናይ ዘዳግም 32:7 መንፈስ “እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክር: ዓመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉ: ነቦኻ ጠይቆ: ንሱ ኸኣ ኬግህደልካ እዩ: ዓበይትኻውን ኪነግሩኻ እዮም” ብምባል ይመኽረና።
እወ: ቅድም እተገብረ ናይ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ተግባራት ምዝካር: ብሓጐስ እናተጸመምና ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ክንቅጽል ከነቓቕሓና ይኽእል። ከምኡውን ታሪኽ ክንማሃሮ ዘድልየና ትምህርቲ ሒዙ ኣሎ። ብተወሳኺውን ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ዝባረኻ መንፈሳዊት ገነት ምስትንታንና ነተን ባህ ዘብላ ናይ ትሕትናን ምስጋናን ባህርያት የማዕብለልና ኢዩ። ብሓቂ: ነተን ‘ዝሓለፋ መዓልታት ዘክረን።’
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት