ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/12 ገጽ 24-28
  • የሆዋ ዕቝባ ኰይኑኒ ኢዩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ዕቝባ ኰይኑኒ ኢዩ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ምብጻሕ
  • ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረና ኣቕዋም
  • ብርቱዕ ምጽራር ምጽማም
  • ምስ ከቢድ ሕማማት ምቅላስ
  • ምጽራር እናሃለወ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል
  • ዓስቢ ዘለዎ ተመክሮ
  • የሆዋ ንዓይ ሰናይ ኢዩ
  • ሸሞንተ ቘልዑ ብመገድታት የሆዋ ምዕባይ ኣጸጋምን ዜሐጕስን እዩ ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንልዕሊ 50 ዓመታት እተገብረ ‘ምሕላፍ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ታሪኽ ህይወት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ኣብ ትሕቲ ናይ የሆዋ ፈቃር ኢድ ኴንካ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/12 ገጽ 24-28

የሆዋ ዕቝባ ኰይኑኒ ኢዩ

ብፔነልፒ ማክሪስ እተዘንተወ

“ንበዓል ቤትኪ ሕደግዮ፣ ኣሕዋትኪ ዝሓሸ ሰብኣይ ክረኽቡልኪ ኢዮም ” ብምባል ኣደይ ኣጽኒዓ ለመነትኒ። ፍቕርቲ ኣደይ ሓዳረይ ከፍርስ ዝደለየትኒ ስለምንታይ ኢያ፧ ኣዝዩ ዘጕሃያ ነገር እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

ሳሞስ ኣብ እተባህለት ናይ ግሪኽ ደሴት እትርከብ ኣምቤሎስ ዝስማ ንእሽቶ ቍሸት ብ1897 ተወለድኩ። ስድራቤትና ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ውፉያት ኣባላት ኢዮም ነይሮም። ኣቦይ ቀቅድሚ ምውላደይ ኢዩ ሞይቱ: ኣደይን ሰለስቲኦም ኣሕዋተይን ኣነን ድማ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ክቱር ድኽነት ምእንቲ ክንሓልፎ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ነበረና።

ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብ1914 ተባርዐ: ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ክልቲኦም ዓበይቲ ኣሕዋተይ ኣብ ሰራዊት ክምዝገቡ ተነግሮም። ይኹን እምበር: ካብዚ ምእንቲ ክሃድሙ ንዓይን ነቲ ንእሽቶ ሓወይን ምስ ኣደይ ኣብ ገዛ ሓዲጎምና ንኣመሪካ ተሰዱ። ሒደት ዓመታት ጸኒሑ: ብ1920 ኣብ ዝነበርናዮ ቍሸት ቲሚትሪስ ንእተባህለ መንእሰይ መምህር ተመርዓኹ።

ኣገዳሲ ምብጻሕ

ደድሕሪ ምምርዓወይ: ኣኮይ ክበጽሓና ኢሉ ካብ ኣመሪካ መጸ። ካብተን ብቻርለስ ተይዝ ራስል እተጻሕፋ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) እተባህላ ጥራዛት ሓንቲ ብኣጋጣሚ ተማልአ። እዚ ድማ በዞም ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዝፍለጡ ዘለዉ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ጽሑፍ ኢዩ ነይሩ።

ቲሚትሪስ ነታ መጽሓፍ ምስ ገንጸላ: ቈልዓ ከሎ ኣትሒዙ ዝሓቶ ዝነበረ ሕቶ: ማለት “ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ይኸውን፧” ዝብል ኣርእስቲ ረኸበ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ከሎ ብዛዕባ እዛ ኣርእስቲ እዚኣ ንሓደ ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ምሁር ሓቲትዎ ነበረ: ዘዕግብ መልሲ ግን ኣይረኸበን። እቲ ኣብታ ጽሕፍቲ ዘሎ ንጹርን ርዱእን መግለጺ ኣዝዩ ስለ ዘሐጐሶ: ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ግሪኽ ዝነብሩ ሰብኡት ብልምዲ ዝእከብሉ ቤት ሻሂ ናይታ ዓዲ ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ነገራት ኣዘንተወሎም።

ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረና ኣቕዋም

ዳርጋ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣቢሉ ይኸውን: ማለት ኣብ መጀመርታ 1920 ታት: ግሪኽ ኣብ ካልእ ውግእ ነበረት። ቲሚትሪስ ኣብ ውትህድርና ብግዲ ተኸቲቡ ናብቲ ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝርከብ ናይ ቱርኪ ቀንዲ ግዝኣት ከደ። ተወጊኡ ድማ ናብ ገዝኡ ተመልሰ። ድሕሪ ምሕዋዩ ኸኣ ናብ ሰሚርና: ንእሽቶ እስያ (ናይ ሕጂ ኢዝሚር: ቱርኪ) ሓቢርና ከድና። ብ1922 እቲ ውግእ ሃንደበት ምስ ኣቋረጸ: ክንሃድም ነበረና። አረ: ካብ ሓንቲ ናብ ሳሞስ እናኸድና ከሎና እተሰብረት ጃልባ ንስክላ ኢና ኣምሊጥና። ገዛ ምስ ኣቶና: ነቲ ብዛዕብኡ ሒደት ፍልጠት ጥራይ ዝነበረና ኣምላኽ ተምበርኪኽና ኣመስገንናዮ።

ብዙሕ ከይጸንሐ ቲሚትሪስ ኣብ ቫዚ: ርእሲ ከተማ ናይታ ደሴት: ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክምህር ተመደበ። ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምንባብ ቀጸለ: ኣብ ሓደ ዝናም ዝነበረሉ ምሸት ድማ ካብታ ቺዮስ እትበሃል ደሴት ዝመጹ ክልተ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ በጽሑና። ከም ኮልፖርተርስ : ሽዑ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም: ኰይኖም ከገልግሉ ካብ ኣመሪካ እተመልሱ ኢዮም ነይሮም። በታ ለይቲ እቲኣ ምሳና ኣሕደርናዮም: ንዕላማታት ኣምላኽ ዝምልከት ብዙሕ ነገራት ድማ ነገሩና።

ድሕርዚ ቲሚትሪስ “ፐነልፒ: እዚኣ ሓቂ ምዃና ተገንዚበያ ኣሎኹ: ክስዕባ ድማ ኣሎኒ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ምዝማር ከቋርጽ ኣሎኒ ማለት ኢዩ: ምስቶም ተማሃሮ ኸኣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክሳተፍ ኣይክእልን ኢየ” በለኒ። ብዛዕባ የሆዋ ዝነበረና ፍልጠት ውሱን እኳ እንተ ነበረ: ንምግልጋሉ ዝነበረና ባህጊ ግን ብርቱዕ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ “ዕንቅፋት ኣይኰነካን ኢየ። ንቕድሚት ቀጽል” ኢለ መለስኩሉ።

ቀጺሉ ድማ እናተጣራጠረ “እወ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንስዕብ ከም ዘሎና እንተድኣ ተፈሊጡ ግን: ስራሕ ክስእን ኢየ” በለኒ።

“ኣይትጨነቕ: ኵሎም ሰባት ብምምህርና ጥራይ ዲዮም ዝናበሩ፧ ንኣሽቱን ሓያላትን ኢና: ብሓገዝ ኣምላኽ ድማ ካልእ ስራሕ ክንረክብ ንኽእል ኢና” በልኩዎ።

ዳርጋ ኣብዚ እዋን እዚ ኣቢሉ ይኸውን: ካልእ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ኮልፖርተር ናብ ሳሞስ ከም ዝመጸ ፈለጥና። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ህዝባዊ ዝርርብ ክህብ ብፖሊስ ፍቓድ ከም እተኸልከለ ምስ ሰማዕና ክንደልዮ ከድና። ኣብ ሓደ ድኳን ምስ ክልተ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ክዘራረብ ከሎ ረኸብናዮ። እቶም ናይ ሃይማኖት ምሁራት ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ንእምነቶም ክጣበቑ ብዘይ ምኽኣሎም ስለ ዝሓፈሩ ቀልጢፎም ከዱ። በዓል ቤተይ: ብፍልጠት ናይቲ ኮልፖርተር ስለ እተመሰጠ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ገይርካ ብቐሊሉ ክትጥቀመሉ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧” ኢሉ ሓተቶ።

“ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሜላ ኢና እነጽንዖ” ኢሉ መለሰሉ። በርሳኡ ከፊቱ: እታ ንመጽናዕቲ እትዝውተር ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ኣውጽአ እሞ: ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ክንገብር ከሎና ብኸመይ ከም እንጥቀመላ ኣርኣየና። ክንማሃር ኣዚና ስለ እተሃንጠና: በዓል ቤተይን ኣነን: እቲ ኮልፖርተር : ከምኡውን ክልተ ካልኦት ሰብኡት ብምዃን ቀልጢፍና ምስቲ በዓል ድኳን ናብ ቤቱ ከድና። እቲ ኮልፖርተር ንነፍሲ ወከፍና ናይታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ እተባህለት መጽሓፍ ቅዳሕ ሃበና: ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ከነጽንዕ ጀመርና። ፍርቂ ለይቲ ክሳዕ ዝሓልፍ መጽናዕቲ ቀጸልና: ክወግሕ ምስ ቀረበ ድማ ነቲ ብተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዝመር መዝሙራት ክንማሃሮ ጀመርና።

ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ: ኣብ መዓልቲ ንብዙሕ ሰዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሕግዝ ጽሑፋት ይልእኩሉና ነበሩ። ኣብ ጥሪ 1926: ብዘይ ምቍራጽ ፍቓዱ ንኽገብር ቃል ብምእታው: ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ህይወተይ ወፈኹ። ድሕርዚ ኣብ ክረምቲ ናይታ ዓመት እቲኣ በዓል ቤተይን ኣነን ወፈያና ብጥምቀት ኣርኣና። ብዛዕባ እቲ እንማሃሮ ዝነበርና ነገራት ንኻልኦት ሰባት ክንነግር ብርቱዕ ባህጊ ስለ ዝነበረና: በታ ሜሰጅ ኦቭ ሆፕ (እንግሊዝኛ) እተባህለት ትራክት ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ጀመርና።

ብርቱዕ ምጽራር ምጽማም

ሓደ መዓልቲ ሓንቲ መንእሰይ ኣብ ሓደ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ንእሽቶ ቤት ጸሎት ቅዳሴ ክሰምዕ ዓደመትኒ። “ንኣምላኽ በቲ መገዲ እቲ ምምላኽ ኣቋሪጸዮ ኢየ: ሕጂ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ብመንፈስን ብሓቅን ኢየ ዘምልኾ” ብምባል ገለጽኩላ። (ዮሃንስ 4:​23, 24) እዚ ኣስደመማ እሞ: ንበዓል ቤተይ እውን ምሳይ ሓዊሳ ብዛዕባ እቲ ነገር ኣብ ኵሉ ኣውረየት።

ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክጻረረና ጀመረ። ኣብ ዝዀነ ቦታ ማለት ኣብ ቤትና ይኹን ኣብቲ ምስቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሒደት ተገደስቲ ሰባት እንገብሮ ኣኼባ: ሰላም ክንረክብ ኣይከኣልናን። ብምድፍፋእ ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክስ: ጭፍራ ሰባት ኣብ ወጻኢ ናይቲ ኣኼባ እንገብረሉ ቦታ ተኣኪቦም: ኣእማን ይስንድዉን ይጻረፉን ነበሩ።

ነታ ሜሰጅ ኦቭ ሆፕ እተባህለት ትራክት ክንዝርግሓ ከሎና ቈልዑ ይኸቡና: “ሽሓውያን” ከምኡውን ካልእ ዘነውር ስያመታት ብምጥቃም ይጭድሩ ነበሩ። ንበዓል ቤተይ መሳርሕቱ እውን ከሸግርዎ ጀመሩ። ኣብ ምውዳእ 1926 ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርቲ መምህር ክኸውን ብቑዕ ኣይኰነን ዝብል ክሲ ቀሪብዎ ናብ ፍርዲ ቀረበ: ን15 መዓልትታት ክእሰር ድማ ተፈርደ።

ኣደይ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐት: ንበዓል ቤተይ ክገድፎ መኸረትኒ። “ፍቕርቲ ኣደይ ስምዕኒ: ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅረክን ከም ዘኽብረክን ትፈልጢ ኢኺ። ይኹን እምበር: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ ካብ ምምላኽ ክትክልክልና ከፍቅደልኪ ኣይክእልን ኢየ” ኢለ መለስኩላ። ኣዝያ ጕህያ ድማ ናብቲ እትነብረሉ ቍሸት ተመልሰት።

ብ1927 ኣብ ኣቴንስ ናይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰምብሊ ተገብረ: የሆዋ ኸኣ ኣብኡ ክንካፈል መገዲ ከፈተልና። ምስ ብዙሓት ኣመንቲ ብጾት ብምእካብና ብመንፈሳዊ መገዲ ተሓጕስናን ተባራቲዕናን ኢና። ናብ ሳሞስ ምስ ተመለስና: 5,000 ቅዳሓት ናይታ ኤ ተስቲሞኒ ቱ ዘ ሩለርስ ኦቭ ዘ ዎርልድ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ትራክት ኣብ ከተማታትን ኣቝሻትን ናይታ እንነብረላ ደሴት ዓደልና።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ይኸውን ቲሚትሪስ ካብ ናይ ምምህርና ስርሑ ተሰጐ: ብምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሌና ዝነበረ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ድማ: ስራሕ ምርካብ ዳርጋ ዘይከኣል ኰነ። ይኹን እምበር: ኣነ ስፌት ክዳውንቲ ቲሚትሪስ ድማ ሕብሪ ናይ ምልካይ ሞያ ስለ ዝነበረና: ንመነባብሮና ዝኸውን እኹል ገንዘብ ክንረክብ ክኢልና ኢና። ብ1928 በዓል ቤተይን ኣብ ሳሞስ ዝነበሩ ኣርባዕተ ካልኦት ክርስትያን ኣሕዋትን ብስራት ሰቢኽኩም ተባሂሎም ንኽልተ ኣዋርሕ ክእሰሩ ተፈርዱ። ዘይተኣስረት ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ በይነይ ጥራይ ብምንባረይ: ናብቲ ቤት ማእሰርቲ መግቢ ከብጽሓሎም ከኣልኩ።

ምስ ከቢድ ሕማማት ምቅላስ

ሓደ ግዜ ቲዩበርኩላር ስፖንዲሊቲስ ዝበሃል: ኣብቲ እዋን እቲ እንታይ ምዃኑ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሕዱር ሕማም ሓመምኩ። ናይ መግቢ ሸውሃተይ ተዓጽወ: ቀጻሊ ዝዀነ ብርቱዕ ረስኒ ድማ ነበረኒ። ካብ ክሳደይ ክሳዕ ሰለፈይ ፕላስቲክ ቦዲ ካስት ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ነገር ምሽፋን ዘጠቓለለ ሕክምና ተገብረለይ። ሕክምናይ ክቕጽል እሞ ነቲ ገንዘብ ድማ ምኽፋሉ ምእንቲ ክኽእል: በዓል ቤተይ ንእሽቶ መሬት ሸጠ። ኣዝየ ስለ ዝጐሃኹ: ሓይሊ ክህበኒ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ኣምላኽ እጽሊ ነበርኩ።

ኣዝማድ ክበጽሑኒ ክመጹ ከለዉ: ነቲ ሃልሃልታ ምጽራር ብቐጻሊ የንበድብድዎ ነበሩ። ኣደይ ከኣ እዚ ዅሉ ሽግር ዝወረደና ሃይማኖትና ብምልዋጥና ምዃኑ ትዛረብ ነበረት። ክንቀሳቐስ ስለ ዘይክአል: ንምጽማም ዘኽእለኒ ትዕግስትን ትብዓትን ክህበኒ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ክልምን ከሎኹ ንመተርኣሰይ ብንብዓት አጠልቅዮ ነበርኩ።

ኣብታ ኣብ ትርኣሰይ ዝነበረት ጣውላ: መጽሓፍ ቅዱሰይ ከምኡውን ክበጽሑ ንዝመጹ ሰባት ዝኸውን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ትራክትታትን አቐምጥ ነበርኩ። ናይታ ንእሽቶ ጉባኤና ኣኼባታት ኣብ ገዛና ይግበር ብምንባሩ በረኸት ኢዩ ነይሩ፣ ስርዓታዊ ብዝዀነ መገዲ መንፈሳዊ ምትብባዕ ክረክብ ክኢለ ኢየ። ነቲ ካብ ኣቴንስ ዝመጽእ ዶክተር ዝገብረለይ ሕክምና ምእንቲ ክንከፍሎ ካልእ ንእሽቶ መሬት ክንሸይጥ ነበረና።

ድሕርዚ ኣብ ዝነበረ ሓጺር እዋን: እቲ ገያሺ ተዓዛቢ በጽሓና። ነቲ ዝነበርኩዎ ኵነታትን ቲሚትሪስ ድማ ብዘይ ስራሕ ምዃኑን ምስ ረኣየ ኣዝዩ ደንገጸ። ኣብታ ሌስቦስ እተባህለት ደሴት ዘላ ከተማ ሚተይሊን ክንቅመጥ ምትዕርራይ ክንገብር ብሕያውነት ሓገዘና። ብ1934 ናብቲ ቦታ ከድና: ቲሚትሪስ ድማ ስራሕ ክረክብ ከኣለ። ኣብኡ ሓሚመ ከሎኹ ዝኣልዩኒ ዝነበሩ ባህ ዘብሉኻ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ረኸብና። በብቑሩብ: ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ሕክምና ምሉእ ብምሉእ ሓወኹ።

ይኹን እምበር: ብ1946 ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምውድኡ ኣብ ዝነበረ ሓጺር ግዜ እንደገና ብርቱዕ ሕማም ሓመምኩ: ኣብዚ ግዜ እዚ ቲዩበርኩላር ፐሪቶኒቲስ እተባህለ ሕማም ኢዩ ሒዙኒ። ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዓራት ደቀስኩ: ብርቱዕ ረስንን ቃንዛን ከኣ ነበረኒ። ይኹን እምበር: ከምቲ ናይ ቅድም: ነቶም ክበጽሑኒ ዝመጹ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ምዝራብ ፈጺመ ኣየቋረጽኩን። ኣብ መወዳእታ ድማ ሓወኹ።

ምጽራር እናሃለወ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል

ኣብቲ ድሕሪ ውግእ ዝነበረ ዓመታት: ኣብ ግሪኽ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕረፍቲ ዘይብሉ ምጽራር ኢዩ ዘጋጥሞም ነይሩ። ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከሎና ብዙሕ ግዜ ንእሰር ነበርና። በዓል ቤተይ ብድምር ዳርጋ ሓደ ዓመት ተኣሲሩ ኢዩ። ኣገልግሎት ክንከይድ ከሎና: መብዛሕትኡ ግዜ እታ ለይቲ ኣብ መደበር ፖሊስ ከነሕልፋ ከም ዝዀንና መዲብና ኢና እንወጽእ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ፈጺሙ ኣይሓደገናን። ኵሉ ግዜ እቲ ንምጽማም ዘድሊ ትብዓትን ሓይልን ሂቡና ኢዩ።

ብ1940 ኣብ ኢንፎርማንት [እንግሊዝኛ] (ሕጂ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት) ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ፓይነር ንምዃን ምድላው ከም ዘሎ ኣንበብኩ። ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎት ወርሓዊ 75 ሰዓታት ምውፋይ ዝሓትት መዳይ ናይቲ ኣገልግሎት ምስታፍ ክፍትኖ ወሰንኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ዝነበረኒ ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ወሰኸ​—ንግዜኡ 17 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ነበርኩ። ከምኡውን ኣብቲ ናይ ሚትለይን ናይ ንግዲ ከባቢ ናይ መጽሔት ምብጽጻሕ ዕዮ ኣማዕበልኩ: ኣብዚ ድማ ስርዓታዊት ኰይነ ዳርጋ 300 ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብ ድኳናት: ኣብያተ ጽሕፈት: ከምኡውን ኣብ ባንክታት አባጻጽሕ ነበርኩ።

ብ1964 ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ኣብ ጉባኤና ከገልግል ከሎ: “ሓብቲ ፐነልፒ ካብቲ ናይ ኣስፋሕቲ መዝገብ ካርድኺ ከም ዝረኣኹዎ ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ፍረ ኢዩ ዘሎኪ። ስለምንታይ ስርዓታዊት ፓይነር ክትኰኒ ዘይተመልክቲ፧” በለኒ። ነዚ ዝገበረለይ ምትብባዕ ኵሉ ግዜ ኢየ ዘመስግኖ፣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተሓጒሰሉ ኢየ።

ዓስቢ ዘለዎ ተመክሮ

ኣብ ሚትለይን ናይ ግሪኽ ስደተኛታት ዝቕመጥሉ ላንጋዳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጻዕቂ ሰብ ዘለዎ ከባቢ ኣሎ። ብምኽንያት እቲ ደረቕ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ምጽራር ናይቶም ሰባት ኣብቲ ቦታ እቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ገደፍናዮ። ይኹን እምበር: በዓል ቤተይ ምስ ተኣስረ: ክበጽሖ ክኸይድ ከሎኹ በዚ ቦታ እዚ ኣቢለ ክሓልፍ ነበረኒ። ሓደ መዓልቲ ማይ እናወቕዐ ከሎ ሓንቲ ሰበይቲ በዓል ቤተይ ስለምንታይ ከም እተኣስረ ክትሓትት ናብ ገዝኣ ክኣቱ ዓደመትኒ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝሰበኸ ምዃኑን ከምቲ ክርስቶስ እተሳቐዮ ድማ ይሳቐ ከም ዝነበረን ገለጽኩላ።

ሓደ ግዜ ድማ: ካልእ ሰበይቲ ኣብ ገዝኣ ከላግስ መደበት። ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕኩ ንሳ ዝዓደመተን 12 ኣንስቲ ረኸብኩ። ምጽራር ከጋጥም ትጽቢት ስለ ዝነበረኒ: እተፈጸመ ይፈጸም ብዘየገድስ ንኽጋጠሞ ጥበብን ትብዓትን ምእንቲ ክህበኒ ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። እተን ኣንስቲ ብዙሕ ሕቶታት ሓተታ: ገሊአን ድማ ተጻረራ: ይኹን እምበር ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ክህብ ከኣልኩ። ክኸይድ ብድድ ምስ በልኩ ድማ: እታ በዓልቲ ቤት ንጽባሒቱ ክምለስ ሓተተትኒ። ነቲ ዕድመ ድማ ተሓጒሰ ተቐበልኩዎ። ንጽብሒቱ እታ ብጸይተይን ኣነን ምስ መጻእና: እተን ኣንስቲ ድሮ ክጽበያ ጸንሓና።

ድሕርዚ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥና ስርዓታዊ ኰይኑ ቀጸለ: ብዙሕ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመርና። ካብተን ኣንስቲ ብዝሕ ዝበላ በቲ ርጡብ ፍልጠት እናዓበያ ከዳ: ስድራቤተን እውን ከምኡ እናዓበዩ ከዱ። እዛ ጕጅለ እዚኣ ሕምብርቲ ናይታ ድሓር ኣብ ሚቲለይን ዝቘመት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነት።

የሆዋ ንዓይ ሰናይ ኢዩ

ኣብዚ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት: የሆዋ ነቲ ንዕኡ ምእንቲ ከነገልግል ኢልና በዓል ቤተይን ኣነን ዝገበርናዮ ጻዕርታት ባሪኽዎ ኢዩ። እቶም ብ1920 ታት ኣብ ሳሞስ በጻብዕቲ ዝቝጸሩ ዝነበሩ መሰኻኽር ናብ ክልተ ጉባኤታት ሓንቲ ጕጅለ ድማ ዳርጋ 130 ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ብምዃን ዓብዮም ኢዮም። ከምኡውን ኣብ ደሴት ሌስቦስ: ኣርባዕተ ጉባኤታትን ገለ 430 ኣወጅቲ መንግስቲ ዝሓዛ ሓሙሽተ ጕጅለታትን ኣለዋ። በዓል ቤተይ ብ1977 ክሳዕ ዝመውት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ሰቢኹ ኢዩ። እቶም ዝሓገዝናዮም ሰባት ጌና ኣብቲ ኣገልግሎት ቀናኣት ኰይኖም ምርኣይስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ምኽንያቱ ምስ ደቆም: ደቂ ደቆም: ከምኡውን ምስ ንደቂ ደቆም ደቆም ብምዃን: ንየሆዋ ሓቢሩ ዘምልኽ ዓቢ ጭፍራ ኣቚሞም ኢዮም!

እቲ ንልዕሊ 70 ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ጕዕዞይ: ቀሊል ኣይነበረን። የሆዋ ግን መወዳድርቲ ዘይብሉ ዕርዲ ኰይኑኒ ኢዩ። ብምኽንያት ምድፋእ ዕድመን እናሓመቐ ዝኸይድ ጥዕናን ኣብ ዓራት ኢየ ተሓጺረ ዘሎኹ: እቲ ክገብሮ ዝኽእል ኣገልግሎት ድማ ኣዝዩ ውሱን ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ: ንየሆዋ “ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ” ክብሎ እኽእል ኢየ።​—መዝሙር 91:2

(ሓብቲ ማክሪስ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እናተዳለወት ከላ ሞይታ ኢያ። ሰማያዊ ተስፋ ድማ ኢዩ ዘለዋ።)

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1955 ምስ በዓል ቤታ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ጥሪ 1997 100 ዓመት ምገበረት ነይራ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ