ወንጌላውያን ዝዀኑ መን ኢዮም፧
ገለ 40 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ኣብ ሓደ ኣኼባ ናይ ዓለማዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያናት: እቶም ኣባላት “ብናይ ወንጌላዊነት መንፈስ ክልዓዓሉ” ከምኡውን ንመጓሰታቶም “ወንጌል ንኸስፍሑ” ክምህርዎም ተተባቢዖም ኢዮም። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ከኣ: ጆን ኤ ኦ’ብርየን እተባህለ ሓደ ናይ ካቶሊክ ቀሺ “ኣብ ገዛና ኮፍ ብምባል” ዘይኰነስ “ናብ ሰባት ብምኻድ ” ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ከም ዘድሊ ጸሓፈ። ብተወሳኺውን ብጥሪ 1994: ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ “ሕጂ ብወንጌል ዝሕፈረሉ ግዜ ዘይኰነስ: ወንጌል ብግልጺ ዝስበኸሉ ግዜ ኢዩ” በለ።
እዞም ሓሓሊፎም ንወንጌላውያን እተገብሩ ጻውዒታት: ጸማም እዝኒ ኢዩ ተዋሂቡዎም። ኣብ ሓደ ዓንቀጽ ናይ ኢላዋራ ሜርኩሪ እትብሃል ናይ ኣውስትራልያ ጋዜጣ “እቶም ኣብ ደቡባዊ ገምገም ዝርከቡ ፍሉጣት ካቶሊካውያን ኣብ እምነቶም ከም ናይ የሆዋ መሳኻኽር ዓይነት ኣቀራርባ ክጥቀሙ ህንጥዮት የብሎምን” በለት። ሓደ ሰብኣይ ወንጌል ምስፋሕ “ክፍሊ ናይ ካቶሊክ ኣተሓሳስባ ኣይኰነን” ብምባል ተዛረበ። ካልእ ከኣ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “እታ ቤተ-ክርስትያን ብኸምዚ ክትዓቢ ጽቡቕ ኢዩ: ግን እዚ ማዕጾ ብምዅሕኳሕ ኣይኰነን ዝግበር። ምናልባት ብኣብያተ ትምህርቲ ወይ ናይ ጶስጣ መልእኽትታት ገይርካ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል።” ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ እትርከብ ካቴድራል ሓላፊ ከይተረፈውን: ናይቲ ጳጳስ ኣበሃህላ ብኸመይ ክርድኦ ከም ዘለዎ ርግጸኛ ኣይነበረን። ከምዚ በለ:- “ሰባት ነቲ ዝፈልጥዎ ወንጌል ኣብ ናብርኦም ከርእይዎ ከነተባብዖም ኢና። እዚ ማዕጾ ምዅሕኳሕ ይኹን ኣይኹን ግን ካልእ ጕዳይ ኢዩ።” ኣርእስቲ ናይቲ ኣብ ጋዜጣ ዘሎ ናይ ዜና ዓንቀጽ “ካቶሊካውያን ነቲ እቲ ጳጳስ ንኽሰብኩ ዝገበረሎም ጻውዒት ኣየቕለብሉን” ብምባል ጽቡቕ ገይራ ኣጠቓሊላቶ ኣላ።
ህዝበ-ክርስትያን ወንጌል ኣብ ምስፋሕ እኳ እንተ ሰነፈት: ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ነቲ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ናይ የሱስ ትእዛዝ ይኽተልዎ ኣለዉ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 5:42 ኣረኣእዮ።) እቲ ካብ ማዕጾ ናብ ማዕጾ ዝግበር ስብከቶም ሕጂ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ይዕየ ኣሎ። እቲ ዘብጽሕዎ መልእኽቲ ኣወንታዊ ኢዩ: ነቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ክፍጸም ዘለዎ ዘደንቕ መብጽዓ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ የጕልሕ። ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግዜ ክበጽሑኻ ኸለዉ ስለምንታይ ዘይተዘራርቦም፧