ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/12 ገጽ 10-15
  • ወለዲ: ብደቅኹም ባህ ይበልኩም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ወለዲ: ብደቅኹም ባህ ይበልኩም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ቃላት የሆዋ ኣትኵር
  • ካብ ቍልዕነት ጀሚርካ ልምምድ ምሃብ
  • ስርዓታዊ ኴንካ “ማይ” ምስታይ
  • ንንኣሽቱ ቈልዑ ዕቝባ ምሃቦም
  • ፍቕራዊ ተግሳጽ ምሃብ
  • እቲ ዘምጽኦ ዓስቢ ርኢኻ ጻዕሪ ክግበሮ ዝበቅዕ ኢዩ
  • ንውሉድኩም ካብ ሕጻንነት ጀሚርኩም ኣለማምዱ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ብመንፈስ ድልድልቲ ስድራቤት ምህናጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ውሉዳትና ኽቡራት ውህበት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/12 ገጽ 10-15

ወለዲ: ብደቅኹም ባህ ይበልኩም

“ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም።⁠—ምሳሌ 23:25

1. ወለዲ ብደቆም ባህ ከም ዝብሎም ዝገብር እንታይ ኢዩ፧

ሓንቲ ንእሽቶ ተኽሊ ዓብያ: ጽብቕትን እተጽልልን ገረብ ኰይና ክትርእያ: ብፍላይ ድማ ባዕልኻ ዝተኸልካያን ተኸናኺንካ ዘዕበኻያን ምስ እትኸውን ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ! ብተመሳሳሊ: ከምቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ: ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ። ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም: እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ” ዝብሎ: ንደቆም ብሱላት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኰይኖም ከም ዝዓብዩ ንኽገብርዎም ዝሓልዩ ወለዲ: እዚ ብዙሕ ባህ ዘብሎም ኢዩ።​—ምሳሌ 23:24, 25

2, 3. (ሀ) ወለዲ ጓህን ምረትን ከልግሱ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ክልቲኦም ማለት ንኣሽቱ ኣታኽልትን ቈልዑን ምንጪ ናይ ሓጐስ ንክዀኑ እንታይ የድልዮም፧

2 እንተዀነ ግን: ሓደ ቈልዓ ብኡንብኡ “ጻድቕ” ከምኡውን “ጥበበኛ” ኣይከውንን ኢዩ። መንእሰያት ምንጪ ናይ ‘ጓህን’ “ምረት”ን ምእንቲ ኸይኰኑ: ልክዕ ከምቲ ንሓንቲ ንእሽቶ ተኽሊ ጽብቕቲ ገረብ ንኽትከውን ድኻም እውን ከይተረፈ ከድልያ ዝኽእል: ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። (ምሳሌ 17:21, 25) ንኣብነት: ንሓንቲ ንእሽቶ ሓዳስ ተኽሊ ዝድግፋ ሽኻል ምስ እትገብረላ: ቀጥ ኢላን ደልዲላን ንኽትዓቢ ከቃንዓ ይኽእል ኢዩ። ብቐጻሊ ማይ ከተስትያ ኣድላዪ ኢዩ: ከምኡውን ካብ ሓሳኹ ክትከላኸለላ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ: ነቲ ዘየድሊ ምጽልጻል: ጽብቕቲ ገረብ ንኽትከውን ይሕግዛ ኢዩ።

3 ቈልዑ: ከም እኒ ኣምላኻዊ ምልምማድ ክትህቦም: ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ ማይ ገይርካ ከተጽግቦም: ካብ ናይ ስነ⁠-ምግባር ማህሰይቲ ክትከላኸለሎም: ከምኡውን ነቲ ዘየድሊ ባህርያት ንምጽልጻል ብፍቕራዊ መገዲ ክትግስጾም ከም ዘድሊ ቃል ኣምላኽ ይገልጽ ኢዩ። ነዚ ድሌታት እዚ ንምምላእ: ብፍላይ ኣቦታት ንደቆም “ብናይ ጐይታ [“የሆዋ:” NW ] ተግሳጽን ምዕዶን” ከዕብይዎም ተመኺሮም ኣለዉ። (ኤፌሶን 6:4) እዚ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧

ኣብ ቃላት የሆዋ ኣትኵር

4. ወለዲ ንደቆም ዝምልከት እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎም: ነዚ ክፍጽምዎ ቅድሚ ምኽኣሎምከ ካብኦም ዝድለ እንታይ ኢዩ፧

4 ‘ብናይ የሆዋ ምዕዶ’ ማለት ምስ ፍቓድ የሆዋ ንምስምማዕ ንኣተሓሳስባና ምቍጽጻር ማለት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ወለዲ ኣብቶም ንኣሽቱ ደቆም የሆዋ ብዛዕባ ነገራት ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኣብ ኣእምሮኦም ክቐርጹሎም ይግባእ። ከምኡውን ድንጋጽ ዘለዎ ተግሳጽ: ወይ ዝእርም ልምምድ ክህቡ ከለዉ ነቲ ናይ ኣምላኽ ኣብነት ክቐድሑ ይግብኦም። (መዝሙር 103:10, 11፣ ምሳሌ 3:​11, 12) እንተዀነ ግን: ወለዲ ነዚ ቅድሚ ምግባሮም ከምቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሙሴ ነቶም ናይ ጥንቲ እስራኤላውያን “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ [ካብ የሆዋ ዝመጸ] ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን” ኢሉ ዝመዓዶም: ንገዛእ ርእሶም ቓላት የሆዋ ክምገቡ ይግባእ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—ዘዳግም 6:6

5. እስራኤላውያን ወለዲ ንደቆም ክምህርዎም ዝነበሮም መዓስን ብኸመይ ዝበለ መገድን እዩ: “ምስራጽ” ማለትከ እንታይ ኢዩ፧

5 ወለዲ ነቲ ሙሴ ቀጺሉ “ንደቅኻ [ናይ የሆዋ ቃላት] ምሀሮም [“ስረጸሎም:” NW ]: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ንምፍጻም ስርዓታዊ ዝዀነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ምስትንታን: ከምኡውን ጸሎት የዕጥቖም ኢዩ። እታ “ምስራጽ” ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል “ምድጋም:” “ደጋጊምካ ምዝራብ:” “ውሽጢ ከም ዝኣቱ ምግባር” ማለት ኢያ። ሙሴ ቀጺሉ ንቓላት የሆዋ ቀዳማይ ቦታ ምሃቡ ኣድላዪ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዘጕልሐ ኣስተብህል። ከምዚ በለ:⁠- “ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ: ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።” ብንጹር እምበኣር: የሆዋ: ወለዲ ንደቆም ስርዓታውን ፍቕራውን ኣቓልቦ ክገብሩሎም ኢዩ ዝደልዮም!​—ዘዳግም 6:​7-9

6. ወለዲ ኣብ ደቆም ክሰርጽዎ ዝነበሮም እንታይ ኢዩ ነይሩ: ምስ ከመይ ዝበለ ጥቕሚኸ፧

6 ወለዲ ኣብ ደቆም ክሰርጽዎ ዝነበሮም “ቓላት” የሆዋ ኣየናይ ኢዩ፧ ሙሴ ነቲ ኣይትቕተል: ኣይትዘሙ: ኣይትስረቕ: ብሓሶት ኣይትመስክር: ገንዘብ ብጻይካ ኣይትመነ ዝብል ትእዛዛት ዘጠቓልል: ብልምዲ ኸኣ ዓሰረተ ትእዛዛት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኢዩ ደጊምዎ። እስራኤላውያን: ከምዚ ዝበለ ናይ ስነ⁠-​ምግባር ብቕዓታትን እቲ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” ዝብል ትእዛዝን ኢዮም ብፍላይ ኣብ ደቆም ክሰርጽዎ ዝነበሮም። (ዘዳግም 5:​6-​21፣ 6:​1-5) ሎሚ ንዘለዉ ቈልዑ ዘድልዮም ዓይነት ትምህርቲ ከምዚ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ ኢኻ፧

7. (ሀ) ቈልዑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንታይ ኢዮም ተመሳሲሎም ዘለዉ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ኢና ክንምርምር፧

7 እስራኤላዊ ኣቦ ከምዚ ዝስዕብ ተባሂሉ ነበረ:⁠- “ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም።” (መዝሙር 128:3) እንተዀነ ግን: ወለዲ በዞም “ንኣሽቱ ተኽሎም” ኣብ ክንዲ ዝጕህዩ: ባህ ምእንቲ ክብሎም ኣብ ደቆም ብሕታውን መዓልታውን ተገዳስነት ክገብሩ ኣለዎም። (ምሳሌ 10:1፣ 13:24፣ 29:15, 17) ወለዲ ብደቆም ናይ ሓቂ ሓጐስ ምእንቲ ክረኽቡ ብኸመይ ከለማምዱ: መንፈሳዊ ማይ ከስትዩ: ክከላኸሉ: ከምኡውን ብፍቕሪ ክግስጹ ከም ዝኽእሉ ንመርምር።

ካብ ቍልዕነት ጀሚርካ ልምምድ ምሃብ

8. (ሀ) ንጢሞቴዎስ ከም ዘቃንዕ ደጋፊ ሽኻል ኰይኑ ዝዓየየ መን ኢዩ፧ (ለ) እቲ እተዋህቦ ልምምድ መዓስ ኢዩ ጀሚሩ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧

8 ነቲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ካብተን ኣጸቢቐን እተተኽላ ክልተ ዘቃንዓ ደገፍቲ ሽኻል—⁠ኣዲኡን ዓባዩን⁠—ሓገዝ እተዋህቦ ጢሞቴዎስ ርአ። ኣቦ ጢሞቴዎስ ግሪኻውን ዘይኣማንን ብምንባሩ: ነቲ ወዲ ‘ካብ ቍልዕነቱ ብቕዱሳት ጽሑፋት’ ዘለማመድኦ እታ ኣይሁዳዊት ዝነበረት ኤውኒቄ ኣዲኡን ኣዲኣ ሎኢስን ኢየን። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠5፣ 3:⁠15 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠1) ጢሞቴዎስ ሕጻን ከሎ እውን ከይተረፈ ‘[የሆዋ] ዝገበሮ ተኣምራት’ ክምህርኦ ህርኩታት ብምንባረን ብዙሕ ዓስቢ ረኺበን ኢየን። (መዝሙር 78:​1, 3, 4) ጢሞቴዎስ ምናልባት ኰተቴ ከሎ ክኸውን ይኽእል: ኣብ ርሑቕ ሃገራት ሚስዮናዊ ኰይኑ ኢዩ: ነተን ቀዳሞት ናይ ክርስትያን ጉባኤታት ኣብ ምብርትዐን ድማ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ ኢዩ።​—ግብሪ ሃዋርያት 16:​2-5፣ 1 ቈረንቶስ 4:​17፣ ፊልጲ 2:​19-​23

9. መንእሰያት ናይ ፍቕረ⁠-​ንዋይ መፈንጠራ ንምርሓቕ ክማሃሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

9 ወለዲ: እንታይ ዝዓይነቱ ንመለማመዲ ዝኸውን መደገፍታ ሽኻል ኢኹም፧ ንኣብነት: ደቅኹም ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ናይ ስጋዊ ነገራት ከዕብዩ ትደልዩዶ ኢኹም፧ ስለዚ እምበኣር: ንዅሉ እቲ ናይ ሓቂ ዘየድልየኩም እዋናዊ ዝዀነ መሳለጥያታት ክትረኽቡ ኢልኩም ሃረምረም ብዘይምባልኩም: ቅኑዕ ኣብነት ኵንዎም። ደድሕሪ ስጋዊ ረብሓታት ክትከዱ ትመርጹ እንተድኣ ኴንኩም: ደቅኹም ልክዕ ከም ናትኩም እንተገበሩ ኣይትገረሙ። (ማቴዎስ 6:​24፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:​9, 10) ብርግጽ: እቲ ንምቕናዕ ዝኸውን ሽኻል ትኽ ዝበለ እንተድኣ ዘይኰይኑ: እታ ንእሽቶ ተኽሊ ከመይ ገይራ ኢያ ቀጥ ኢላ ክትዓቢ እትኽእል፧

10. ወለዲ ናይ መን መምርሒ ኢዮም ኵሉ ግዜ ክደልዩ ዘለዎም: እንታይ ኣረኣእያኸ ኢዩ ክህልዎም ዘለዎ፧

10 ብደቆም ባህ ዝብሎም ወለዲ: ነቲ ኣብ ልቢ ደቆም ዘሎ ቀንዲ ዘገድሶም መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ንኸለማምድዎም ብቐጻሊ መለኮታዊ ሓገዝ ይደልዩ ኢዮም። ሓንቲ ኣርባዕተ ደቂ ዘለውዋ ኣደ ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:⁠- “ደቅና ከይተወልዱ ከለዉ እውን ከይተረፈ ንፉዓት ወለዲ ንኽንከውን: ብቓሉ ንኽንምራሕ: ኣብ ናብራ ህይወትና ድማ ንኸነውዕሎ ክሕግዘና ስርዓታውያን ኴንና ናብ የሆዋ ጸሌና።” ወሲኻ ድማ “ ‘የሆዋ ቀዳማይ ቦታ ኢዩ ዝዋሃቦ’ ዝብል መግለጺ ከም ተራ ሓረግ ዘይኰነስ: ኣገባብ ናብራ ህይወትና ኢዩ ነይሩ” ትብል።​—​መሳፍንቲ 13:8

ስርዓታዊ ኴንካ “ማይ” ምስታይ

11. ክልቲኦም ማለት ንኣሽቱ ኣታኽልትን ቈልዑን ንኽዓብዩ እንታይ ኢዩ ዘድልዮም፧

11 ከምቲ ኣብ ወሰን ሩባ እተተኽለ ኣግራብ ጽቡቕ ዝበቍል: ንኣሽቱ ኣታኽልቲ ብፍላይ ማይ ብቐጻሊ ምስታይ የድልዮም። (ምስ ራእይ 22:​1, 2 ኣረኣእዮ።) ሕጻናት እውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማይ ሓቂ ብቐጻሊ እንተድኣ ረኺቦም ብመንፈስ ክዓብዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ወለዲ ነቲ ውሉዶም ዘለዎ ናይ ምቕላብ ንውሓት ኣብ ግምት ከእትዉ የድልዮም ኢዩ። ምናልባት ብተደጋጋሚ ንሓጺር እዋን ዝዋሃብ ትምህርቲ ካብቲ ብሓንሳብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝዋሃብ ትምህርቲ ዝያዳ ኣስላጢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ናይ ከምዚ ዝበለ ብተደጋጋሚ ንሓጺር እዋን ዝዋሃብ ትምህርቲ ጥቕሚ ኣንኢስኩም ኣይትርኣይዎ። እቲ ብሓንሳብ ኴንኩም እተሕልፍዎ ግዜ ኣብ መንጎ ወላድን ውሉድን ዝህሉ ርክብ ንምፍጣር ኣድላዪ ኢዩ: ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ከምዚ ዝበለ ጥብቂ ርክብ ክህሉ ብተደጋጋሚ የተባብዕ ኢዩ።​—ዘዳግም 6:​6-9፣ 11:18-​21፣ ምሳሌ 22:6

12. ምስ ንኣሽቱ ቈልዑ ኴንካ ምጽላይ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧

12 ሓደ ካብቲ ምስ ንኣሽቱ ግዜ እተሕልፍሉ እዋን ምሸት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ መንእሰይ “ወለደይ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ኣብ ጫፍ ናይ ዓራትና ኮፍ ይብሉ: ነፍሲ ወከፍና ናይ ገዛእ ርእስና ጸሎት ክንጽሊ ከሎና ድማ ይሰምዑና ነይሮም” ብምባል ትዝክር። ናይ ከምዚ ምግባር ጥቕሚ ኣመልኪታ ሓንቲ ካልእ መንእሰይ “እዚ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ቅድሚ ምድቃሰይ ናብ የሆዋ ናይ ምጽላይ ልምዲ ኣሕዲሩለይ ኢዩ” ትብል። ውሉዳት ወለዶም መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ብዛዕባ የሆዋ ክዛረቡ: ናብኡ ድማ ክጽልዩ ክሰምዕዎም ከለዉ: የሆዋ ንዕኦም ናይ ሓቂ ኣካል ኢዩ ዝኸውን። ሓደ መንእሰይ ከምዚ በለ:⁠- “ነዒንተይ ሰም ኣቢለ ናብ የሆዋ ብምጽላይ: ሓደ ናይ ሓቂ ከም ኣቦሓጎ ዝዀነ ኣካል ክርኢ እኽእል። የሆዋ ኣብ ኵሉ እንገብሮን እንብሎን ነገር ግደ ከም ዘለዎ ንኽርዳእ ወለደይ ሓጊዞምኒ ኢዮም።”

13. ስርዓታዊ ናይ ትምህርቲ ግዜ እንታይ ከጠቓልል ይኽእል፧

13 ንኣሽቱ ቈልዑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማይ ሓቂ ምስታይ ንኽኽእሉ: ወለዲ ኣብቲ ስርዓታዊ ናይ ትምህርቲ ግዜ ብዙሕ ተግባራዊ ዝዀነ ነገራት ከእትዉ ይኽእሉ ኢዮም። ወለዲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ኰተቴ ዘለዉ ክልተ ቈልዑ ከምዚ ይብሉ:⁠- “ክልቲኦም ቈልዑ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ሰጥ ኢሎም ኮፍ ናይ ምባል ምልምማድ ዝወሰዱ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ውሑዳት ሰሙናት ዕድሜኦም ኢዩ።” ሓደ ኣቦ ስድራቤቱ እንታይ ከም ዝገበሩ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ስማት ናይ ኵሉ መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካርድታት ንምዝግቦ: ኵላትና ድማ በብግደ በብተርታኦም ነቐምጦም። እቶም ቈልዑ ነዚ ኵሉ ግዜ ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ነበሩ።” ብዙሓት ስድራቤታት ቅድሚ መግቢ ወይ ድሕሪኡ ሓጺር ናይ ትምህርቲ ግዜ ይምድባ። ሓደ ኣቦ “ድራር: ዕለታዊ ጥቕሲ ንምምምይያጥ ምቹእ ግዜ ኢዩ ዝዀነና” ይብል።

14. (ሀ) እንታይ መንፈሳዊ ዓስቢ ዘለዎ ንጥፈታት ኢዩ ምስ ንኣሽቱ ቈልዑ ኴንካ ክግበር ዝክኣል፧ (ለ) ቈልዑ ንኽማሃሩ ከመይ ዝበለ ዓቕሚ ኢዩ ዘለዎም፧

14 ንኣሽቱ ቈልዑ ነቲ ኣብ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት a (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ ህያው ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ክሰምዑ እውን ባህ ኢዩ ዝብሎም። ምርዑዋት ሰብኣይ ሰበይትን ከምዚ በሉ:⁠- “እቶም ቈልዑ ንኣሽቱ ከለዉ: ካብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትበሃል መጽሓፍ ሓንቲ ክፍሊ ንወስድ: እቶም ቈልዑ ኸኣ ኣብቲ ዛንታ ዘሎ ኣከዳድና ብምግባር ብመልክዕ ሓጺር ድራማ የቕርብዎ። ነዚ ኣዝዮም ይፈትውዎ ነይሮም: መብዛሕትኡ እዋን ድማ ካብ ሓንቲ ክፍሊ መጽናዕቲ ንላዕሊ ንግበር ይብሉ ነበሩ።” እቲ ውላድኩም ንኽማሃር ዘለዎ ዓቕሚ ኣትሒትኩም ኣይትርኣይዎ! ደቀ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዑ ንብምልኡ ምዕራፋት ናይታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትበሃል መጽሓፍ ዘኪሮምዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እውን ከይተረፈ ክማሃሩ ክኢሎም ኢዮም! ሓንቲ መንእሰይ ዳርጋ ጓል ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ከላ ነታ “ጁዲሻል ደሲዥንስ ” እትብል ሓረግ ደጋጊማ ብጌጋ ተድምጻ ከም ዝነበረት: ኣቦኣ ግን ነቲ ቅኑዕ ኣደማምጻ ንኽትለማመድ የተባብዓ ከም ዝነበረ ትዝክር።

15. ኣብቲ ምስ ቈልዑ እንገብሮ ምይይጥ እንታይ ነገራት ክጠቓለል ይኽእል: ከምዚ ዝበለ ምይይጥ ረብሓ ከም ዘለዎ ዘርኢኸ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧

15 እቲ ንንኣሽቱ ደቅኹም እትምህርሉ ግዜ ነቲ ናይ ሓቂ ማይ ንኻልኦት ከካፍልዎ: ንኣብነት ኣብ ኣኼባታት ከይዶም ሓሳባት ብምሃብ: ንኸተለማምድዎም እውን ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ኢኹም። (እብራውያን 10:24, 25) ሓንቲ መንእሰይ “ኣብቲ ናይ ልምምድ ግዜ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ቃላት ሓሳባት ክህብ ነበረኒ። ሓሳባቱ ከይተረዳኣኒ ከንብቦ ጥራይ ኣይፍቀደንን ኢዩ ነይሩ” ብምባል ትዝክር። ብተወሳኺ: ውሉዳት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ትርጕም ዘለዎ ግደ ምእንቲ ክህልዎም ክለማመዱ ይኽእሉ ኢዮም። ሓንቲ ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ወለዲ ዝዓበየት ሰበይቲ ከምዚ ትብል:⁠- “ንወለድና ኣብ ዕዮ ስብከቶም ግደ ዘይብልና እነሰንዮም ጥራይ ኴንና ኣይንፈልጥን። ናይ ማዕጾ ደወል ምድዋል ከምኡውን ትራክት ገዲፍካ ናይ ምኻድ ጥራይ እውን ትኹን ግደ ከም ዘሎና ንፈልጥ ነበርና። ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰንበት ንዝግበር ነፍሲ ወከፍ ንጥፈታት ኣቐዲምና ብምድላው: እንታይ ክንብል ከም ዘሎና ንፈልጥ ነበርና። ቀዳም ንግሆ ተሲእና ኣገልግሎት ንኸይድ እንተ ዄንናን እንተዘይኰይናን ሓቲትና ፈጺምና ኣይንፈልጥን ኢና። ክንከይድ ምዃንና ንፈልጥ ነበርና።”

16. ምስ ቈልዑ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ስርዓታዊ ምዃን ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ነቶም ንኣሽቱ ቈልዑ ስርዓታዊ ኴንካ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማይ ሓቂ ምስታይ ኣድላዪ ምዃኑ ብዙሕ ምግናን ዘድልዮ ኣይኰነን: እዚ ድማ ሰሙናዊ ናይ ስድራቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኣገዳሲ ኢዩ ማለት ኢዩ። ሓደ ክልተ ቈልዑ ዘለውዎ ኣቦ “ንቘልዑ ቀንዲ ዘሕርቖም ስርዓታዊ ዘይምዃን ኢዩ” ብምባል ይዛረብ። (ኤፌሶን 6:4) ከምዚ ኸኣ በለ:⁠- “በዓልቲ ቤተይን ኣነን መዓልትን ግዜን ፈሊና: ብመሰረት እቲ ፕሮግራም ብቐጻሊ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንገብረሎም። እቶም ቈልዑ እናተጸበዩ ከለዉ ብዙሕ ኣይነዶንጕዮን ኢና።” ምስቲ ‘ቈልዓ ብንኡሱ: ቈርበት ብርሑሱ’ ዝብል ዘየማትእ ሓቂ ብምስምማዕ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምሉእ ዘይጕዱል ልምምድ ኣገዳሲ ኢዩ።

17. ማዕረ እቲ ንንኣሽቱ ቈልዑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምጋብ ካልእ ኣድላዪ ነገር እንታይ ኢዩ፧

17 ንንኣሽቱ ቈልዑ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክትምግቦም ኣድላዪ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ናይ ወለዲ ኣብነት እውን ማዕሪኡ ኣገዳሲ ኢዩ። ደቅኻ ከተጽንዕ: ስርዓታዊ ኴንካ ኣኼባታት ክትካፈል: ኣገልግሎት ክትከይድ: እወ: ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምግባር ሓጐስ ክትረክብ ይሪኡኻዶ ኢዮም፧ (መዝሙር 40:8) ወለዲ ከምዚ ክገብሩ ኣድላዪ ኢዩ። ሓንቲ ጓል ብዛዕባ እታ ካብ ሰብኣያ ዝመጻ ምጽራር እናተጸመመት: ሽዱሽተ ደቃ ድማ እሙናት መሰኻኽር ከም ዝዀኑ ገይራ ዘዕበየት ኣዲኣ ከምዚ ትብል:⁠- “ኣዝዩ ዝመሰጠና: እቲ ናይ ኣደይ ኣብነት ኢዩ​—ካብ ቃላታ ንላዕሊ ኣስላጢ ኢዩ ነይሩ።”

ንንኣሽቱ ቈልዑ ዕቝባ ምሃቦም

18. (ሀ) ወለዲ ንውሉዳት እቲ ዘድልዮም ዕቝባ ክገብርሎም ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) እቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ንኣሽቱ ቈልዑ ብዛዕባ ንምፍራይ ዝጠቕሙ ክፍሊ ኣካላት: እንታይ ትምህርቲ ኢዩ ዝዋሃቦም ዝነበረ፧

18 ከምቲ ንኣሽቱ ኣታኽልቲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓሳኹ ምክልኻል ዝደልዩ: ኣብዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንቘልዑ እውን ካብቶም ‘እኩያት ሰባት’ ክንከላኸለሎም የድሊ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5, 13) ወለዲ ብኸመይ ኢዮም ነዚ ዕቝባ ክህብዎም ዝኽእሉ፧ መለኮታዊ ጥበብ ንኽረኽቡ ብምሕጋዝ ኢዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ! (መክብብ 7:​12) የሆዋ ንእስራኤላውያን​—⁠‘ቈልዑቶም’ እውን ሓዊስካ​—⁠ብዛዕባ እቲ ግቡእን ዘይግቡእን ዓይነት ጾታዊ ርክባት እውን ዘጠቓልል ሕጉ ክንበብ ከሎ ጽን ኢሎም ክሰምዕዎ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ዘዳግም 31:12፣ ዘሌዋውያን 18:​6-​24) “ፍረ ነፍሲ” ከምኡውን “ብልዕቲ” ሓዊስካ ንምፍራይ ዝጠቅም ክፍሊ ኣካላትና ብተደጋጋሚ ተጠቒሶም ኣለዉ። (ዘሌዋውያን 15:​1-3, 16 NW ፣ 21:20 NW፣ 22:24; ዘሁልቍ 25:8፣ ዘዳግም 23:10) ብምኽንያት እቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ምሒር ብልሽውና: ንኣሽቱ ቈልዑ ነቲ ኣምላኽ ኣብቲ “ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ዝበሎ ፍጥረት እቱው ዝዀነ: ከምዚ ዝበለ ክፍሊ ኣካላት ግቡእን ዘይግቡእን ኣጠቓቕምኡ ክፈልጥዎ የድልዮም ኢዩ።​—ዘፍጥረት 1:​31፣ 1 ቈረንቶስ 12:21-​24

19. ንንኣሽቱ ቈልዑ ብዛዕባ ብሕታዊ ክፍሊ ኣካላቶም እንህቦ ግቡእ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ፧

19 ክልቲኦም ወለዲ ብሓባር: ወይ ነፍሲ ወከፍ ንኸዕብዮ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ: ነቲ ቈልዓ ናይ ብሕቱ ክፍሊ ኣካላት ኣየናይ ምዃኑ ፈልዮም ክነግርዎ ይግብኦም። ብድሕርዚ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ነዚ ክፍሊ ኣካላት እዚ ክትንክፍ ክፍቀደሉ ከም ዘይብሉ ክገልጽሉ ኣለዎም። ንቈልዑ ብጾታዊ ርክብ ዝሃስዩ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቀስ እናበሉ ብስዉር ዝገብርዎ ነገራት እቶም ንኣሽቱ ቈልዑ ብኸመይ ከም ዝምልስሉ ስለ ዝርእዩ: እቲ ቈልዓ ኣትሪሩ ክቃወምን “ክነግረልካ ኢየ!” ምባልን ክማሃር ኣለዎ። ንንኣሽቱ ደቅኹም ንዕኦም ባህ ብዘይብሎም መገዲ ዝተናኽፎም ሰብ: ዋላ እንተ ኣፈራርሆም እውን ከይተረፈ ኵሉ ግዜ ክነግሩ ምሃርዎም።

ፍቕራዊ ተግሳጽ ምሃብ

20. (ሀ) ተግሳጽ ምስ ምጽልጻል ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ መጀመርታ ሳዕቤን ናይ ተግሳጽ እንታይ ኢዩ: እቲ ፍረ ግን እንታይ ኢዩ፧

20 ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ገረብ ነቲ ዘየድሊ ክትጽልጽለላ ከሎኻ ዝጠቕማ: ንኣሽቱ ቈልዑ ድማ ካብ ፍቕራዊ ተግሳጽ ይጥቀሙ ኢዮም። (ምሳሌ 1:​8, 9፣ 4:​13፣ 13:1) ዘይድለዩ ጨናፍር ክቝረጹ ኸለዉ: እቲ ዝተረፈ ብጽቡቕ ንኽዓቢ ይሕገዝ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ደቅኹም ብፍላይ ኣብ ስጋዊ ጥሪት ዘተኵሩ: ወይ ናብ ሕማቕ ዕርክነት ወይ ዘይጥዑይ መዘናግዒ ዝዘብሉ እንተድኣ ዀይኖም: እዚ ጌጋ ዝንባለታት እዚ ከምቲ ክቝረጽ ዘድልዮ ጨናፍር ኢዩ። እዚኣቶም እንተድኣ ኣልጊሶም: ደቅኹም ብመንፈሳዊ መገዲ ክዓብዩ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ምጽልጻል ንገረብ ገለ ምንዋጽ ዝፈጥረላ: ከምዚ ዝበለ ተግሳጽ ኣብ መጀመርታ ባህ ዘየብል መሲሉ ይርአ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ሰናይ ፍረ ናይ ተግሳጽ በቲ ንስኻ ውላድካ ክዓቢ እትደልዮ መገዲ እንደገና ምዕባይ ማለት ኢዩ።​—እብራውያን 12:​5-​11

21, 22. (ሀ) ተግሳጽ ምሃብ ኰነ ምቕባል ዘሐጕስ ከም ዘይኰነ ዝሕብር እንታይ አሎ፧ (ለ) ወለዲ ተግሳጽ ካብ ምሃብ ድሕር ክብሉ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

21 ተግሳጽ ክትህብ ኰነ ክትቅበል ኣብ መጀመርታ ዘሐጕስ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። ሓደ ኣቦ ከምዚ በለ:⁠- “ወደይ ምስ ሓደ እቶም ሽማግለታት ምስኡ ክሓብር ኣይጽቡቕን ኢዩ ዝበሉኒ መንእሰይ ገለ ግዜ የሕልፍ ነበረ። ካብቲ ዝገበርክዎ ንላዕሊ ቀልጢፈ ስጕምቲ ክወስድ ነይሩኒ። ወደይ ኣብ ግሉጽ ዝዀነ ጌጋ እኳ እንተ ዘይኣተወ: ንኣተሓሳስብኡ ከዐሪ ግን ግዜ ወሲዱለይ ኢዩ።” እቲ ወዲ ድማ “ካብቲ ኣዝየ ዝፈትዎ ዓርከይ ምስ ተፈለኹ ኣዝዩ ተሰሚዑኒ ኢዩ” ይብል። ወሲኹ ግን “እዚ ጽቡቕ ውሳነ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ብድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ ተወጊዱ ኢዩ” በለ።

22 ቃል ኣምላኽ “ተግሳጽ ትምህርቲ . . . መገዲ ህይወት እዩ” ይብል። ስለዚ: ተግሳጽ ምሃብ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብዘየገድስ: ንደቅኹም ካብ ምግሳጽ ድሕር ኣይትበሉ። (ምሳሌ 6:​23፣ 23:13፣ 29:17) ጸኒሖም: ስለ ዝኣረምኩምዎም ከመስግኑኹም ኢዮም። ሓደ መንእሰይ “ክግሰጽ ከለኹ: ምስ ወለደይ ኣዝየ ይሓርቕ ከም ዝነበርኩ ትዝ ይብለኒ። ሕጂ ግን ወለደይ እንተ ዘይገሰጹኒ ኢየ ዝያዳ ዝሓርቕ” ይብል።

እቲ ዘምጽኦ ዓስቢ ርኢኻ ጻዕሪ ክግበሮ ዝበቅዕ ኢዩ

23. ኵሉ እቲ ንመንእሰያት ዝግበር ፍቕራዊ ኣቓልቦ: ጻዕሪ ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧

23 ወለድን ካልኦትን ክሕጐስሎም ዝኽእሉ ውሉዳት ምፍራይ: ውጽኢት ናይ ብዙሕ መዓልታውን ፍቕራውን ኣቓልቦ ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እቲ ስጋውያን ይኹኑ መንፈሳውያን ውሉዳት ኣብ ምዕባይ እንገብሮ ጻዕሪ ነቲ ብድሕሪኡ ከነስተማቕሮ እንኽእል ዓስቢ ዝግብኦ ኢዩ። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነዚ ኣርእይዎ ኢዩ።​—3 ዮሃንስ 4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

ትዝክሮዶ፧

◻ ክልቲኦም ማለት ንኣሽቱ ኣታኽልትን ቈልዑን ባህ ዘብሉ ምእንቲ ክዀኑ እንታይ የድልዮም፧

◻ ወለዲኸ: ዘስልጡ ናይ መለማመዲ ደጋፊ ሽኻል ብምዃን ከገልግሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

◻ ኣብቲ ምስ ንኣሽቱ ቈልዑ እንገብሮ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም እንታይ ክጠቓለል ይኽእል: እንታይ ክቃወሙኸ ኢዮም ክማሃሩ ዝግባኦም፧

◻ ልክዕ ከምቲ ምጽልጻል ንገረብ ጠቓሚ ዝዀነ: ተግሳጽ ንቘልዓ ጠቓሚ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Courtesy of Green Chimney’s Farm

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ