ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/12 ገጽ 15-20
  • ፈጣሪኦም ዝዝክሩ መንእሰያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፈጣሪኦም ዝዝክሩ መንእሰያት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንዓኻ: ክሳዕ ክንደይ ናይ ሓቂ ኣካል ኢዩ፧
  • ምዝካር እንታይ ማለት ከም ዝዀነ
  • ዕላማ ዘለዎ ትምህርቲ
  • ንገንዘብካ ብጥበብ ክትጥቀመሉ ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧
  • ክቕድሑ ዘለዎም መንእሰያት
  • ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ጥበባዊ ውሳነ ግበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ትምህርቲ—ንየሆዋ ንምውዳስ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣቱም መንእሰያት: ሕጂ ንፈጣሪኹም ዘክርዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ኣብ መጻኢ እንታይ ኪዀኑ ኢኹም እትደልይዎም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/12 ገጽ 15-20

ፈጣሪኦም ዝዝክሩ መንእሰያት

“[“ሕጂ:” NW] ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።”—መክብብ 12:1

1. ሓደ ወዲ 11 ዓመት: ፈጣሪና ንዕኡ ናይ ሓቂ ኣካል ምዃኑ ዘርኢ እንታይ ኣገላልጻ ኢዩ እተጠቕመ፧

መንእሰያት: ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ናይ ሓቂ ኣካል ገይሮም ብምውሳድ ከም ዘድንቕዎን ዘሐጕስዎን ብዘርኢ መገዲ ምስ ዝዛረቡን ዝመላለሱን ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ! ሓደ ወዲ 11 ዓመት ከምዚ በለ:⁠- “በይነይ ኰይነ ብመስኮት ክርኢ ከሎኹ: ፍጥረታት የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ዘገርም ምዃኑ እርዳእ። ድሕርዚ እታ መጻኢት ገነት ክሳዕ ክንደይ ጽብቕቲ ከም እትኸውን: ከምኡውን ሽዑ ነቶም እንስሳታት ከመይ ገይረ ክደርዞም ከም ዝኽእል ክሓስብ እጅምር።” (ኢሳይያስ 11:​6-9) ቀጺሉ ኸኣ “በይነይ ክኸውን ከሎኹ ናብ የሆዋ እጽሊ። ኵሉ ግዜ ብምዝራበይ ከም ዘይሓርቕ እፈልጥ ኢየ። ኵሉ ግዜ ኣብኡ ኰይኑ ከም ዝዕዘበኒ እፈልጥ ኢየ” ይብል። ፈጣሪና ልክዕ ከምዚ ነዚ ወዲ እዚ ናይ ሓቂ ኣካል ዝዀነ: ንዓኻኸ ናይ ሓቂ ኣካል ድዩ፧

ኣምላኽ ንዓኻ: ክሳዕ ክንደይ ናይ ሓቂ ኣካል ኢዩ፧

2. (ሀ) ፈጣሪኻ ንዓኻ ናይ ሓቂ ኣካል ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ወለዲ ደቆም የሆዋ ናይ ሓቂ ኣካል ምዃኑ ንኸማስውሉ ኣብ ምሕጋዝ: እንታይ ግደ ኢዩ ክህልዎም ዝኽእል፧

2 የሆዋን ዕላማታቱን ናይ ሓቂ ምዃኖም ክስምዓካ: መጀመርታ ብዛዕብኡን ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ ኣብ መጻኢ ዝህበካ ዘደንቕ መብጻዓታቱን ክትማሃር የድልየካ። (ራእይ 21:​3, 4) ወለድኻ ብዛዕባ እዚ ምሂሮምኻ እንተድኣ ኰይኖም: ንኸተመስግን ምኽንያት ኣሎካ: ከመይሲ ነቲ “[“ሕጂ:” NW ] . . . ንፈጣሪኻ ዘክሮ ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ትእዛዝ ንኸተቕልበሉ ክሕግዘካ ኢዩ። (መክብብ 12:1 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሓንቲ መንእሰይ ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ቍልዕነታ ብወለዳ እተዋህባ ልምምድ “ኣብ ህይወትና ኣብ ዝዀነ ይኹን ነገር የሆዋ እቱው ኢዩ። ንፈጣርየይ ንኽዝክሮ ቀንዲ ምኽንያት ዝዀነኒ ድማ እዚ ኢዩ” በለት። ካልእ መንእሰይ ሰበይቲ ድማ “ወለደይ: የሆዋ ናይ ሓቂ ኣካል ምዃኑ ስለ ዝማሃሩኒ ንዘለኣለም ከመስግኖም ኢየ። ብኸመይ ከም ዘፍቅሮ ኣርእዮምኒ: ምሉእ ግዜኻ ንዕኡ ምግልጋል ዘምጽኦ ሓጐስ ከኣ ነጊሮምኒ ኢዮም” ትብል።

3, 4. ንየሆዋ ከም ናይ ሓቂ ኣካል ገይርካ ንኽትሓስቦ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧

3 እንተዀነ ግን: ብዙሓት ንኣምላኽ ብዛዕብኦም ዝግደስ ናይ ሓቂ ኣካል ገይሮም ክርድእዎ ኣጸጋሚ ኰይኑ ረኺቦምዎ አዮም። ንስኻኸ ከምኡ ዲኻ፧ ሓደ መንእሰይ በቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “የሆዋ ኣምላኽ ብኣካል ክሳዕ ክንደይ ገዚፍ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና” ዝብል ሓሳብ ብዛዕባ ኣምላኽ ከም ኣካል ገይሩ ክሓስብ ተሓጊዙ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ከምቲ ኣብታ ግምቢ ዘብዐኛ ቀጺሉ “እቲ ናይ ሓቂ ዕብየቱ ኣብቲ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ እተመርኰሰ ኢዩ” እተባህለ: ክብሪ ኣምላኽ በቲ ግዝፉ ወይ ቅርጹ ዝውሰን ኣይኰነን። ንሱ ብርግጽ እሙን: ደንጋጺ: ፈቃር: ከምኡውን ይቕረ በሃሊ ኣምላኽ ኢዩ።a (ዘጸኣት 34:6፣ ዘዳግም 32:4፣ መዝሙር 86:5፣ ያእቆብ 5:​11) ንየሆዋ ከም ሓደ ትውክልቲ እትገብረሉ ዓርኪ: ምስኡ ድማ ክቡር ዝዀነ ርክብ ከተጥሪ እትኽእል ኣካል ገይርካ ክትርእዮዶ ክኢልካ ኢኻ፧​—ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:​23

4 የሱስ ነቶም ቀዳሞት ሰዓብቱ ምስ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ከስተማቕሩ ሓጊዝዎም ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ሰማያዊ ትንሳኤ ክጽሕፍ ከሎ ‘ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ: ንእኡ [ንኣምላኽ] ክንመስል ኢና’ በለ። (1 ዮሃንስ 3:2፣ 1 ቈረንቶስ 15:44 NW ) ሎሚ እውን መንእሰያት ዋላ እኳ ንኣምላኽ ክርእይዎ እንተዘይከኣሉ: ኣጸቢቖም ክፈልጥዎ ዝኽእሉ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ገይሮም ምእንቲ ክርድእዎ ክሕገዙ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ጐበዝ “ወለደይ ከም እኒ ‘የሆዋ እንታይ ምበለ፧ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቃላት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧’ ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ብምሕታት ንየሆዋ ክዝክሮ ሓጊዞምኒ ኢዮም” በለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት: ብዛዕባ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ብሕታዊ ርክብ ከም እንሓስብ ዝገብረናዶ ከይኰነ፧

ምዝካር እንታይ ማለት ከም ዝዀነ

5. ንሓደ ሰብ ምዝካር ስሙ ትዝ ካብ ምባል ንላዕሊ ከም ዘጠቓልል እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት የርኢ፧

5 ነቲ “ሕጂ: . . . ንፈጣሪኻ ዘክሮ ” ዝብል ትእዛዝ ምቕላብ: ብዛዕባ ኣምላኽ ካብ ምሕሳብ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና) ዕዮ ምዕያይ: ነቲ ንዕኡ ባህ ዘብሎ ተግባር ምፍጻም ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ገበነኛ ንየሱስ “ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ” ኢሉ ክምሕጸኖ ከሎ: የሱስ ስሙ ካብ ምዝካር ንላዕሊ ክገብረሉ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። የሱስ ብተግባር ክዝክሮ: ከተንስኦ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። (ሉቃስ 23:42 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብተመሳሳሊ: እቲ እሱር ዝነበረ ዮሴፍ እውን ነቲ ኣሰላፍ ሜስ ፈርኦን ዘክረኒ ክብሎ ከሎ ሓደ ነገር ክገብረሉ ኢዩ ዝጽበ ነይሩ። እዮብ እውን ንኣምላኽ ‘ዘክረኒ’ ኢሉ ክልምኖ ከሎ: ኣብ መጻኢ ግዜ ኣምላኽ ምእንቲ ከተንስኦ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ።​—እዮብ 14:13፣ ዘፍጥረት 40:14, 23

6. እታ “ምዝካር” እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ብኸመይ ኢያ ነቲ እትዝክሮ ነገር ወይ ኣካል ምፍታው ከም ዘሎካ እተመልክት፧

6 ሓደ ጽሑፍ እታ “ምዝካር” ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ብዙሕ ግዜ “ብኣተሓሳስባ ምፍታው: ከምኡውን ምስ ናይ ዝሓለፈ ተዘክሮታት ተሰንዩ ዝመጽእ ተግባር” ኢያ እተመልክት ይብል። ኣብታ “ምዝካር” እትብል ቃል ዘላ “ምፍታው” ንምንታይ ከም እተመልክት ካብቲ እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ “ሕውስዋስ ህዝቢ” ዝበልዎ ክትርአ ትኽእል ኢያ። ‘ኣብ ግብጺ ዝበላዕናዮ ዓሳ ዘከርና ’ በሉ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ልክዕ ከምቲ እዮብ የሆዋ ብጽቡቕ ክዝክሮ ዝለመነ: ህዝቅያስ: ነህምያ: ዳዊት: ከምኡውን ስሙ ዘይተጠቕሰ ጸሓፍ መዝሙር በቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት: የሆዋ ምፍታው ብዘለዎ መገዲ ክዝክሮም ለሚኖም ኢዮም።​—ዘሁልቍ 11:4, 5 ፣ 2 ነገስት 20:3፣ ነህምያ 5:​19 NW ፣ 13:31 NW፣ መዝሙር 25:7፣ 106:4

7. ንኣምላኽ ምፍታው ብዘለዎ መገዲ እንተድኣ ዘኪርናዮ: እዚ ንጠባይና ብኸመይ ይትንክፎ፧

7 ስለዚ እምበኣር ‘ንፈጣሪና ምፍታው ብዘለዎ መገዲ ንዝክሮ: ንዕኡ ዝጐድእ ወይ ዘጕሂ ነገራት ካብ ምግባር ድማ ንርሕቕ ዲና፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ሓንቲ መንእሰይ “ኣደይ: የሆዋ ስምዒት ከም ዘለዎ ንኽግንዘብ ሓጊዛትኒ: ካብ ቍልዕነተይ ጀሚረ ድማ ዝገብሮ ነገራት ንዕኡ ከም ዝትንክፎ እፈልጥ ነይረ ኢየ” ትብል። (መዝሙር 78:40-​42) ካልእ ኸኣ “ተግባራተይ ነቲ ሰይጣን ንየሆዋ ዘቕረበሉ ብድሆ ኣብ ምምላስ ዝሕግዝ ወይ ድማ ዝዕንቅፍ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ። ስለ ዝሓገዘኒ ከምኡውን ምሕጋዘይ ምእንቲ ክቕጽል ንልቢ የሆዋ ከሐጕስ ኢየ ዝደሊ ነይረ” ብምባል ትገልጽ።​—ምሳሌ 27:11

8. (ሀ) ንየሆዋ ብምፍታው ከም እንዝክሮ ዘርኢ ነገር እንታይ ኢዩ፧ (ለ) መንእሰያት እንታይ ሕቶታት ኢዮም ብጥበብ ዝሓስብሉ፧

8 ብልክዕ ንምዝራብ: ኣብዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ንዕኡ ኣብ ዘሐጕሶ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል ንየሆዋ ክትዝክሮ ቀሊል ዝኸውን ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ዝነበረ: ከም ፓይነር ኣገልጋሊ ኰይኑ ነቲ ክርስትያናዊ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝሰዓበ ጢሞቴዎስ​—ሎሚ ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ንኣምላኽ ዝፈርሁ መንእሰያት ከይጠቐስካ​—ክትቀድሖስ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን ኢዩ! (ግብሪ ሃዋርያት 16:​1-3፣ 1 ተሰሎንቄ 3:2) ይኹን እምበር: ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ገዛእ ርእስኻ ክት⁠ድግፍ ትኽእል ዲኻ፧ እንተድኣ ተመርዒኻኸ ንስድራቤትካ ከተናብረሉ እትኽእል ናይ ስራሕ ክእለት ኣሎ⁠ካዶ፧ ዝብል ሕቶታት ክሕተት ይከኣል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) እዚኣቶም ኣገደስቲ ሕቶታት ኢዮም: ኣጸቢቕካ ክትሓስበሎም ድማ ኣድላዪ ኢዩ።

ዕላማ ዘለዎ ትምህርቲ

9. ንዓለማዊ ትምህርቲ ዝምልከት መእሰያት እንታይ ውሳነ ኢዩ ዝጋጠሞም፧

9 ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዝያዳ ሕልኽልኽ እናዀነ ክኸይድ ከሎ: ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ኴንካ እኹል ስራሕ ብምሓዝ ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ክትድግፍ ዝያዳ ትምህርቲ የድልየካ ይኸውን። ገሊኦም ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዘለዎም እውን ከይተረፈ ኣካየድቲ ስራሕ ዝደልይዎ ዓይነት ክእለት ምእንቲ ከጥርዩ ተወሳኺ ትምህርቲ ክወስዱ ተዓዚብካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ እምበኣር: ኣቱም ንኣምላኽ ከተሐጕሱ እትደልዩ መንእሰያት: ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ትምህርቲ ኢኹም ክትከታተሉ እትደልዩ፧ እቲ ግቡእ ውሳነ ነቲ “ሕጂ: . . . ንፈጣሪኻ ዘክሮ ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ትእዛዝ ብምዝካር ክግበር ኣለዎ።​—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

10. ክንማሃሮ እንኽእል ዝበለጸ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ፧

10 ልክዕ ኢዩ: ነቲ ብዙሓት ዓለማውያን ሰበ⁠-ስልጣናት እውን ከይተረፈ ዝበለጸ ትምህርቲ ኢሎም ዝሓስብዎ ዓይነት ትምህርቲ​—ካብ ጥንቁቕ መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመጽእ ትምህርቲ፧⁠—​ክትከታተል ከም እትደሊ ፍሉጥ ኢዩ። ጀርመናዊ ጸሓፊ ዮሃን ቮልፍጋ ቮን ጎቴ ከምዚ በለ:⁠- “[ናይ ህዝቢ] ዕብየት ትምህርቲ ዝለዓለ ምስ ዝኸውን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትምህርቲ መሰረትን መሳርሕን ገይርካ ክትጥቀመሉ ዝያዳ ምሉእ ብምሉእ ዝከኣል ኢዩ ዝኸውን።” እወ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ካብ ካልእ ትምህርቲ ንላዕሊ ንናብራኻ ዝያዳ ብዝሓሸ ከዕጥቐካ ኢዩ።​—ምሳሌ 2:​6-​17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:​14-​17

11. (ሀ) ክንዓዮ እንኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓንቲ መንእሰይ ውሱን ትምህርቲ ክትማሃር ዝመረጸት ስለምንታይ ኢያ፧

11 ፍልጠት ኣምላኽ ህይወት ዝህብ ብምዃኑ: እቲ ሎሚ ክትገብሮ እትኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ነዚ ፍልጠት እዚ ንኻልኦት ምክፋል ኢዩ። (ምሳሌ 3:​13-​18፣ ዮሃንስ 4:​34፣ 17:3) ነዚ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንምግባር ግን: በቲ መሰረታዊ ዝዀነ መገድታት ክትማሃር የድልየካ ኢዩ። ብንጹር ክትሓስብ: ምኽንያታዊ ብዝዀነ መገዲ ክትዛረብ: ከምኡውን ጽቡቕ ገይርካ ከተንብብን ክትጽሕፍን ከድልየካ ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ ትምህርቲ እተማሃሮ ክእለታት ኢዩ። ስለዚ ከምቲ እታ ካብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝለዓለ መዓርግ እተመረቐት ኣብ ፍሎሪዳ: ሕ.መ.ኣ. ዘላ ተራሴ እተባህለት መንእሰይ ዝገበረቶ: ነቲ እትወስዶ ትምህርቲ ኣርዚንካ ርኣዮ። ከምዚ ኢላ ተስፋኣ ገለጸት:⁠- “ኵሉ ግዜ ሸቶይ: ናይ የሆዋ ኣምላኸይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ክኸውን ኢዩ: ኣብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ድማ ትምህርተይ ክሕግዘኒ ተስፋ እገብር።”

12. ተወሳኺ ዓለማዊ ትምህርቲ ክውሰድ እንተድኣ ተመሪጹ: እንታይ ዕላማ ንምፍጻም ኢዩ ክሕግዘካ ዝኽእል፧

12 ስለምንታይ ከም እትማሃር ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ልዕሊ ዅሉ ብቑዕ ኣገልጋሊ የሆዋ ንኽትከውን ንኸዕጥቐካ ዲኻ እትማሃር፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: ትምህርትኻ ኣብዚ ሸቶ እዚ ንኽትበጽሕ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሕግዘካ ኣርዚንካ ክትሓስበሉ ኢኻ። ምስ ወለድኻ ድሕሪ ምምኻርካ: ካብቲ እቲ ሕጊ ናይቲ ሃገር ዝሓቶ ዝተሓተ ትምህርቲ ንላዕሊ ንኽትማሃር ትውስን ትኸውን። ከምዚ ዝበለ ተወሳኺ ትምህርቲ: ኣብቲ ናይታ መንግስቲ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ክትካፈል ዘኽእለካ ግዜን ሓይልን ብምሃብ ርእስኻ እትኽእለሉ ስራሕ ክትረክብ ዝሕግዝ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—ማቴዎስ 6:​33

13. ተወሳኺ ትምህርቲ ዝከታተላ ክልተ ሩስያውያን ክርስትያናት: ኣብ ህይወት ዘለወን ዕላማ ዘርኣያ ብኸመይ ኢየን፧

13 ገለ ተወሳኺ ትምህርቲ ዝከታተሉ: ጌና እናተማህሩ ከለዉ እውን ከይተረፈ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ይካፈሉ ኢዮም። ኣብ ሞስኮ: ሩስያ: ዘለዋ ናድያን ማሪናን ዝበሃላ ክልተ ኮተቴ ኣዋልድ ርአ። ክልቲኣተን ኣብ ሚያዝያ 1994 ተጠሚቐን: ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይነን ድማ ከገልግላ ጀመራ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወድኣ ነዊሕ ከይጸንሓ: ክልተ ዓመት ዝወስድ ናይ ሕሳብ ትምህርቲ ክማሃራ ጀመራ። ኣብ ግንቦት 1995 ስርዓታውያን ፓይነራት ኰና: ኣብቲ ናይ ሕሳብ ትምህርተን ድማ ጌና ገምጋም ውጽኢተን A ነበረ። እናተማህራ ከለዋ ክልቲኣተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብገምጋም 14 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓ ነበራ። እዘን ኣዋልድ እዚኣተን ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ርእሰን ምእንቲ ክኽእላ: እቲ ናይ ሕሳብ ትምህርቲ እኹል ዝዀነ ስራሕ ክረኽባ ከኽእለን ተስፋ ኣለወን።

14. ክንደይ ዝኣክል ዓለማዊ ትምህርቲ ምውሳድ ከም እንመርጽ ብዘየገድስ: ኣብ ህይወትና እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧

14 ልዕሊ እቲ ብሕጊ ዝድለ ዓለማዊ ትምህርቲ ትማሃር እንተድኣ ኴንካ: ከምኡ መግበሪኻ ብጥበብ መርምር። ንገዛእ ርእስኻ ስም ከተትርፍን ስጋዊ ሃብቲ ንምርካብን ድዩ፧ (ኤርምያስ 45:5፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:​17) ወይስ ተወሳኺ ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ንኽትካፈል ንኽሕግዘካ ኢልካ ኢኻ እትገብሮ፧ ተወሳኺ ትምህርቲ ክትከታተል ዝመረጸት ሊድያ እትበሃል መንእሰይ ናብ መንፈሳዊ ነገራት ዘለዋ ሰናይ ኣተኵሮ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:⁠- “ካልኦት ዝለዓለ ትምህርት ይከታተሉ: ፍቕረ⁠-ንዋይ ድማ ክዓናቕፎም ይገድፍዎ: ንኣምላኽ ከኣ ይጥንጥንዎ። ብብሕተይ እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ርክብ ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።” ንዅላትና ዝኸውን ከመይ ዝበለ ዝነኣድ ኣረኣእያ ኰን ኢዩ!

15. ኣብ መንጎ እቶም ናይ መጀመርታ ክፍለ⁠-ዘበን ክርስትያናት እንታይ እተፈላለየ ደረጃታት ትምህርቲ ኢዩ ዝነበረ፧

15 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣዝዩ እተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ደረጃታት ነበሮም። ንኣብነት: ሃዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ናይ ራቢ ኣብያተ ትምህርቲ ከይዶም ልምምድ ስለ ዘይወሰዱ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ሰባት ይቝጸሩ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:​13) በቲ ኻልእ ወገን ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ እዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ዩኒቨርስቲ ደረጃ ዝወዳደር ትምህርቲ ረኺቡ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ነቲ ትምህርቲ እቲ ኣቓልቦ ሰባት ንኽረክብ ኢሉ ኣይተጠቕመሉን፣ ኣብ ክንድኡስ ንእተፈላለዩ ሰባት ክሰብከሎም ከሎ ዳሕራይ ጠቒምዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:3፣ 1 ቈረንቶስ 9:​19-​23፣ ፊልጲ 1:7) ብተመሳሳሊ: እቲ ምስ “ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት” እተማህረ ማናይን እውን ሓደ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ መሪሕነት ዝነበሮም ሰባት ኢዩ ነይሩ።​—ግብሪ ሃዋርያ 13:1

ንገንዘብካ ብጥበብ ክትጥቀመሉ ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧

16. (ሀ) ሰብ ዕዳ እንተድኣ ኰይንና ንፈጣሪና ክንዝክሮ ዝኸበደ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓንቲ ካብተን የሱስ ዝሃበን ኣብነታት ቅድሚ ገንዘብ ምውጻእና ክንሓስብ ከም ዘሎና እተርኢ ብኸመይ ኢያ፧

16 ገንዘብካ ብጥበብ ካብ ምጥቃም እንተድኣ ሰኒፍካ: ንዕኡ ባህ ዘብሎ ብምግባር ንፈጣሪኻ ንኽትዝክሮ ዝኸበደ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዕዳ እንተድኣ ኣቲኻ: ካልእ ጐይታ ኣሎካ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ተለቃሒ . . . ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ” ብምባል ይገልጽ። (ምሳሌ 22:7) ሓንቲ ካብተን የሱስ ዝሃበን ኣብነታት: ቅድሚ ገንዘብ ምውጻእና ክንሓስብ ከም ዘሎና ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ እተጕልሕ ኢያ ነይራ። የሱስ ከምዚ በለ:⁠- “ካባኻትኩምከ: ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ: ምውዳኡ እንተ ሰአነ: ዝረኣይዎ ዅሎም . . . ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ: ንመወድኢኡ ዚአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ: ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ: እንታዋይ እዩ፧”​—ሉቃስ 14:28, 29

17. መብዛሕትኡ ግዜ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ንኽትቈጻጸሮ ከቢድ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ስለዚ እምበኣር: ብጥበብ ነቲ “ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና: ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሀሉኹም” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ብምስዓብ ክትነብር ክትጽዕር ኢኻ። (ሮሜ 13:8) እዚ ግን: ብፍላይ እቶም ናይ ንግዲ ኣቑሑ ኣፋለጥቲ ብሓቂ ከም ዘድልየካ ገይሮም ዝገልጽዎ ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ፍርያት ቀረባት እናሃለወ ከምዚ ኽትገብር ከቢድ ኢዩ። ደቁ ምስትውዓል ንኸርእዩ ክሕግዞም ዝፈተነ ሓደ ኣቦ “ኣድላዪ ነገር ኣየናይ ምዃኑ: እንብህጎ ኸኣ ኣየናይ ምዃኑ ንምምይያጥ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፍና ኢና” በለ። ኣብያተ ትምህርቲ ብሓፈሻ ከምዚ ዝበለ ነገራት ካብ ምምሃር ሰኒፈን ኢየን: ገንዘብ ብሓላፍነት ዘለዎ መገዲ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ዝምህራ እንተድኣ ኰይነን ድማ ውሑድ ጥራይ ኢዩ። ሓንቲ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሰራሕተኛ “ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተመሪቕና ክንወጽእ ከሎና: ገንዘብ ብኸመይ ከም እንቝጥብ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ብኽልተ ወገኑ ማዕረ ዝዀነ ስሉስ ኵርናዕ ተማሂርና ኢና እንወጽእ” በለት። እምበኣር: ገንዘብካ ብጥበብ ንኽትጥቀመሉ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧

18. ንገንዘብ ብጥበብ ንኽንጥቀመሉ ዘኽእል ቀንዲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

18 ናብቲ “ሕጂ: . . . ንፈጣሪኻ ዘክሮ ” ዝብል ምዕዶ ምቕላብ: ንገዘብካ ብጥበብ ንኽትጥቀመሉ ዘኽእል ቀንዲ መፍትሕ ኢዩ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከመይሲ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎ: ቀዳምነት እትህቦ ንየሆዋ ምሕጓስ ኢዩ: እቲ ንዕኡ ዘሎካ ምፍ⁠ታው ድማ ንገንዘብካ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ጽልዋ ይገብረሉ ኢዩ። ስለዚ ድማ: ብሕታዊ ድልየታት ንየሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ነፍስኻ ንኸይትውፍየሉ ጽልዋ ክገብረሉ ኣይክትገድፎን ኢኻ። (ማቴዎስ 16:24-​26) “ቀሊል” ናብራ ክህልወካ ክትጽዕር ኢኻ: እዚ ድማ ብንጹር ኣብ መንግስቲ ኣምላኽን ፍቓዱ ኣብ ምግባርን ከተተኵር ኢኻ ማለት ኢዩ። (ማቴዎስ 6:​22-​24) ከምዚ ብምግባር ድማ ነቲ ‘ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካ: ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ’ ዝብል መለኮታዊ ማዕዳ ከም ዘሐጕስ መሰል ገይርካ ክትርእዮ ክትክእል ኢኻ።​—ምሳሌ 3:9

ክቕድሑ ዘለዎም መንእሰያት

19. ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ መንእሰያት ንፈጣሪኦም ዝዘከሩ ብኸመይ ኢዮም፧

19 ዘሐጕስ: ኣብ ዝሓለፈ እዋናትን ሕጅን ብዙሓት መንእሰያት ንፈጣሪኦም ዘኪሮምዎ ኢዮም። እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል እቶም ምስኡ ሓቢሮም ዘገልግሉ ዘይስነ⁠-ምግባራዊ ጽልዋ እናገበርሉ ክነሶም: ጸኒዑ ኣብ ናይ ማሕደር ኣገልግሎት ቀጸለ። (1 ሳሙኤል 2:​12-​26) እታ እተወናውን ፈታኒት: ሰበይቲ ጶጢፋር: ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ዮሴፍ ምንዝር ንምፍጻም ከተውድቖ ኣይከኣለትን። (ዘፍጥረት 39:​1-​12) ኤርምያስ ዋላ እኳ “ቘልዓ” እንተ ነበረ: መሪር ምጽራር እናሃለወ ብትብዓት ሰበኸ። (ኤርምያስ 1:​6-8) ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል: ንሓደ ሓያል ሶርያዊ ሓለቓ ሰራዊት ናብ እስራኤል ከይዱ ሓገዝ ክደሊ መርሓቶ: ኣብኡ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ክማሃር ከኣለ። (2 ነገስት 5:​1-4) እቲ መንእሰይ ዳንኤልን ሰለስተ ኣዕሩኹን ንመግቢ ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ክጥሕሱ ምስ ተፈተኑ እምነቶም ሓለዉ። እቶም መንእሰያት ዝነበሩ ሲድራቕ: ሚሳቅ: ከምኡውን ዓብድኔጎ ነቲ ምስሊ ብምምላኽ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም ተኣማንነት ኣብ ክንዲ ዝለማመጡ: ኣብ እቶን ሓዊ ክድርበዩ መረጹ።​—ዳንኤል 1:​8, 17፣ 3:​16-18፣ ዘጸኣት 20:5

20. ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ንፈጣሪኦም ዝዝክርዎ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም፧

20 ሎሚ ልዕሊ 2,000 ዝዀኑ ካብ 19 ክሳዕ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ዓለም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት የገልግሉ ኣለዉ። እዚኣቶም ካብቶም ንፈጣሪኦም ዝዝክሩ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ መንእሰያት ንእሽቶ ክፋል ጥራይ ኢዮም። ከምቲ ናይ ጥንቲ ዮሴፍ: ንስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህንኦም ዝምልከት ምልምማጥ ኣብዮም ኢዮም። ብዙሓት ንመን ከም ዘገልግሉ ክመርጹ ምስ ተገደዱ ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ተኣዚዞም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:​29) ብ1946 ኣብ ፖላንድ: ጓል 15 ዓመት ሄንሪካ ዙር: ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ጣኦት ምግባር ስለ ዝኣበየት ተሳቐየት። ሓደ ካብቶም ዘሳቕይዋ ዝነበሩ “ብውሽጥኺ ድላይኪ ክትኣምኒ ትኽእሊ ኢኺ: ጥራሕ ብኢድኪ ካቶሊክ ዝጥቀምሉ ናይ መስቀል ምልክት ግበሪ” ኢሉ ሓሳባት ኣቕረበላ። ስለ ዝኣበየት ድማ ጐቲቶም ናብቲ ጫካ ወሰድዋ: እቲ ዝነበራ ርግጽ ተስፋ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ከይተነቓነቐ ድማ ብጥይት ተቐትለት!b

21. ነየናይ ዕድመ ምቕባል ኢዩ ጥበባዊ ዝኸውን: ፍሪኡኸ እንታይ ኢዩ፧

21 እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ዝዘከርዎ መንእሰያት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ንልቢ የሆዋ ባህ አቢሎምዎ ይዀኑ! ነቲ “ሕጂ: . . . ንፈጣሪኻ ዘክሮ ” ዝብል ዕድመ ክትምልሰሉ ዲኻ፧ (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብሓቂ ክትዝክሮ ዝግብኣካ ኢዩ! ብዛዕባ እቲ ዝገበረልካን ክገብረልካ ዘለዎን ነገራት መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ሕሰብ: ነቲ “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥብበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዝብል ዕድመ ተቐበሎ።​—ምሳሌ 27:11

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 15 ታሕሳስ 1953 (እንግሊዝኛ) ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 750

b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናይ 1994 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገጽ 217⁠-18 ርአ።

ትዝክሮዶ፧

◻ መንእሰያት ንኣምላኽ ከም ናይ ሓቂ ኣካል ገይሮም ንኽርእይዎ ብኸመይ ክሕገዙ ይኽእሉ፧

◻ ንፈጣሪኻ ምዝካር እንታይ ማለት ኢዩ፧

◻ ትምህርትና ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ከገልግል ዘለዎ፧

◻ ገንዘብና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ኣየኖት መንእሰያት ኢዮም ክትቀድሖም ብቑዓት ዝዀኑ:

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ስለምንታይ ከም እትማሃር ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ገንዘብካ ብጥበብ ንኽትጥቀመሉ ትማሃርዶ ኣሎኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ