ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽኑዕ ኣቕዋም ምውሳድ ዓስቢ ኣለዎ
መጽሓፍ ቅዱስ “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም: ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ” ብምባል ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ። (ኢሳይያስ 54:13) እቲ “ኵላቶም ደቅኺ” ዝብል መግለጺ ስፍሕ ብዝበለ መገዲ: ነቶም ንኣሽቱ እውን ሓዊስካ: ንዅሎም እቶም አብ ምድሪ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክውዕል ይኽእል ኢዩ። ሎሚ ክርስትያን ወለዲ: ደቆም ኣብ ቤት ይኹን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ‘ብእግዚኣብሄር እተማህሩ’ ምዃኖም የረጋግጹ ኢዮም።
ይኹን እምበር: ኣብ ቤት ትምህርቲ ክማሃሩ ከለዉ: መንእሰያት ክርስትያናት ዘሸግር ግድላት የጋጥሞም ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህርዎ ነገራት መሰረት ብምግባር ጽኑዕ ኣቕዋም ምውሳድ ኣድላዪ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ከምዚ ምስ ዝገብሩ: እዚ ካብ ማይክሮኔዥያ እተረኽበ ተመክሮ ገሊጽዎ ከም ዘሎ: እቲ ውጽኢት ንተማሃሮን ንመማህራንን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ፓስፊክ ኣብ ደሴታት ቻክ እትርከብ ቶል እተባህለት ንእሽቶ ደሴት: ናይቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ መማህራን ንዅሎም ቈልዑ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝግበር ናይ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳት በዓል ክዳለዉን ኣብኡ ክሳተፉን ነገርዎም። እቶም መሰኻኽር ዝዀኑ ተማሃሮ: እቲ በዓል ኵሉ ምስ ናይ ጥንቈላ ልምድትታት እተተሓሓዘ ብዛዕባ መልኣከ ሞት: ኣጋንንቲ: ከምኡውን ጠንቈልቲ ዝገልጽ ስልማታትን ኣከዳድናን ዘጠቓልል ምዃኑ ተገንዚቦም ነበሩ። እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ብምኽንያት ሕልንኦም ኣብዚ ክሳተፉ ኣይከኣሉን።a
ካብቲ ኣብ ቤትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዝረኸብዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ልምምድ: ንምዝንጋዕ ጥራይ ኢልካ እውን ይገበር: ኣብ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ምስታፍ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘየብሎ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። እቶም ቈልዑ ብዛዕባ መተከሎም ዝያዳ ንጹር ገይሮም ክገልጹ ምእንቲ ክሕግዞም ኢሎም: ንባረክ: ሓደ ካብቶም ኣብታ ደሴት ዝነበሩ ናይ መሰኻኽር ሚስዮናውያን: ምስ መምህራኖም ክዛረብ ዓደምዎ።
ነቲ መግለጺ ድሕሪ ምስማዖም: እቶም መማህራን ካልኣይ ኣኼባ ክግበር መደቡ: ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ባረክ ንብምሉኦም ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሰራሕተኛታት ክዛረብ ከኣለ። ባረክ: ኣብዚ ኣኼባ እዚ ብዛዕባ ሓቀኛ እንታይነት መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳት ንምግላጽ ጭብጥታት አቕረበ። ነቲ ሓበሬታ ካብ እተፈላለየ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ካብ ካልእ ምንጭታትን ኢዩ ረኺብዎ። እቶም መማህራንን ኣካየድቲ ቤት ትምህርትን ብዛዕባ ናይቲ በዓል መበቈል: ታሪኽ: ከምኡውን ሃይማኖታዊ እንታይነት ዝፈለጥዎ ነገር ኣገሪምዎም ኢዩ። ነቲ ኵነታት ብኸመይ ከም ዘደቅስዎ ንምውሳን ድማ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣኼባ ክግበር ተስማምዑ።
ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ: ሓደ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውሳነ ተነግረ። ኵሉ እቲ ንመዓልቲ ኵሎም ቅዱሳት እተገብረ ምድላዋት ተቛረጸ። እታ ቤት ትምህርቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳት ኣየብዓለትን። እዞም መንእሰያት መሰኻኽር: ኣብ ቤት ትምህርቲ እቲ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዝወሰድዎ ውሳነ ኣየ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ውጽኢት ኰን ኢዩ ዘምጽአ! መንእሰያት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ: ንጹር ኣቕዋም ንምውሳድ ፈጺሞም ክፈርሁ ወይ ክሓፍሩ አየድልዮምን ኢዩ።
ኣብ ምሉእ ዓለም: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደቆም ኣብ ቤት ትምህርቲ ህርኩታት ክዀኑ ኢዮም ዝምህርዎም። መንእሰያት መሰኻኽር እውን ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ክነብሩን ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብሉ ድማ ተስፋኦምን እምነቶምን ንኻልኦት ተማሃሮ ከካፍሉ ተለማሚዶም ኢዮም። እቲ ውጽኢት: ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ: ከምቲ ዝድለ ወይ ቅልጡፍ እኳ እንተ ዘይኰነ: መንእሰያት ቅኑዕ ዘበለ ብምግባሮም እምንቶን ዕግበትን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ዝያዳ ዘገድስ ድማ: ሰማያዊ ኣቦኦም ከም ዝሕጐስ: ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ከየቋረጹ ብምፍጻሞም ዘርኣይዎ ተኣዛዝነት ከኣ ከም ዝባርኾ ርግጸኛታት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብዛዕባ መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳትን ጋኔናዊ መበቈሉን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ናይ 22 ሕዳር 1993 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ርአ።