ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/11 ገጽ 21-23
  • ነዚ ፍሉይ ዝዀነ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነዚ ፍሉይ ዝዀነ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥበባዊ ውሳነ ምግባር
  • እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ፍሉይ እዋን ኢዩ
  • ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ’
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ኣገልግሎትካ ምሉእ ብምሉእ ትፍጽምዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ዝሰልጠኑ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ድሕሪ ሕጂ ንርእስና ኣይንነብርን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/11 ገጽ 21-23

ነዚ ፍሉይ ዝዀነ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ!

ፒተር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ድሕነት ኣቓልብኡ ክስሕቦ ከሎ: ብሕክምናዊ ትምህርቲ ኣጸቢቑ ማዕቢሉ ነበረ። ምስ ተመረቐ: ከም ሓኪም ኰይኑ ኣብ ሆስፒታል ልምምድ ክወስድ ከሎ እቶም ልዕሊኡ ዝነበሩ ሓካይም ከም ኒሮሰርጀን ኰይኑ ፍሉይ ክእለት ከጥሪ ብቐጻሊ የተባብዕዎ ነበሩ። ብዙሓት ሓደስቲ ሓካይም ብዘይውልውል ክጥቀምሉ ዝደልዩ ኣጋጣሚ ድማ ረኸበ።

ፒተርa ግን ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ስቕ ኢሉ ከሕልፎ ወሰነ። ስለምንታይ፧ ህንጥዮትን ድራኸን ስለ ዘይነበሮ ድዩ፧ ኣይኰነን: ፒተር ነቲ ኣጋጣሚ ኣርዚኑ ሓሲብሉ ኢዩ። ህይወቱ ዝወፈየ: እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ: ብእተኻእሎ መጠን ኣብቲ እተፈላለየ መዳያት ናይቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዝበዝሐ ግዜ ከሕልፍ ባህጊ ኣሕደረ። ብናይ ኒሮሰርጀን ሕክምና ፍሉይ ክእለት ምስ ረኸበ: እቲ ስርሑ ግዜኡን ጕልበቱን ብቐጻሊ ከም ዝወስደሉ ሓሰበ። ነዚ ፍሉይ ዝዀነ ኣጋጣሚ ምግዳፉ: ዓሻ ድዩ ነይሩ ወይስ ለባም፧

ንገሊኦም: ፒተር ዝገበሮ ውሳነ ዕሽነት ኰይኑ ይርኣዮም ይኸውን። ይኹን እምበር: ንኸም ኤፌሶን 5:​15, 16 ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኢዩ ኣብ ግምት የእትዩ። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: [“ምቹእ:” NW ] ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” ብምባል መዓዶም።

በጃኻ: ነቲ “ምቹእ ጊዜ” ዝብል ኣገላልጻ ኣስተብህለሉ። ካብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ፍሉይ መፈለጥታ ዘለዎ ወይ ፍሉይ ዕዮ ንምፍጻም ምቹእ ዝዀነ ግዜ ወይ እዋን ንምምልካት እትውዕል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። ኣብዚ ጳውሎስ ክርስትያናት ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ንምፍጻም ግዜ ክፈልዩ ከም ዘለዎም ኢዩ ዘጕልሐ። ብርግጽ ‘ዝሓይሽ ክምርምሩ’ የድልዮም ኢዩ። (ፊልጲ 1:​10) እዚ ንእንፍጽሞም ነገራት ቀዳምነት ናይ ምሃብ ሕቶ ኢዩ።

ስለዚ እምበኣር: ንግዜና ዝምልከት መለኮታዊ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧ ነቶም ዘፍቅርዎ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ እንነብረሉ ዘሎና እዋን “ዘመን መወዳእታ” ወይ “ዳሕሮት መዓልትታት” ምዃኑ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር የርኢ ኢዩ። (ዳንኤል 12:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) የሱስ ክርስቶስ ብዘየወላውል መገዲ: ኣብዚ ግዜና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምምጽኡ ‘እዚ ወንጌል መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ክስበኽ’ ምዃኑ ብፍላይ ተዛረቡ ኢዩ። እዚ ምስ ተገብረ ጥራይ ኢዩ መወዳእታ ዝመጽእ።​—ማቴዎስ 24:​3, 14

ስለዚ እምበኣር: ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ንምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ንምግባርን ክንጥቀመሉ ኣሎና። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዚ ዕዮ እዚ ፈጺሙ ዘይድገም ብምዃኑ: ኣብዚ ህይወት ኣድሕን ዕዮ እዚ ንብረትና: ሃብትና: ሓይልና ግዜና ክንውፍየሉ እንኽእል ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ ሕጂ ኢዩ። “እታ [“ብፍላይ:” NW ] ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ።” እወ: “እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።”​—2 ቈረንቶስ 6:2

ጥበባዊ ውሳነ ምግባር

ፒተር—⁠እቲ ኣብ መእተዊና እተጠቕሰ መንእ​­ሰይ⁠—​­ነቲ ዝገብሮ ውሳነ ተጠንቂቑ ሓሲብሉን ምርጫታቱ ድማ መዚንዎን ኢዩ። ኒሮሰርጀን ክኸውን ኢሉ እንተ ተማህረ ምንም ጌጋ ከም ዘይብሉ ተገንዚቡ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንዕኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሞ ስራሕ ኢዩ ኣገዳሲ ነይሩ: ነዚ ድማ ህጹጽነት ናይቲ ዕዮ ብምግንዛብ ኢዩ ገይርዎ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ክፍጽሞ ዘለዎ ሓላፍነታት ነበሮ። ምርዑው ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ኸኣ ነታ ኣብ ምሉእ ግዜ ዕዮ ናይቲ ብስራት እትካፈል በዓልቲ ቤቱ ክሕግዛ ነበሮ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ፒተር ምስ ትምህርቱ እተተሓሓዘ ዕዳ እውን ክኸፍል ነይርዎ ኢዩ። እሞ እንታይ ንምግባር ድኣ ኢዩ ዝወሰነ፧

ፒተር ብራድያሎጂ ፍሉይ ክእለት ብምጥራይ ናይ ኣልትራሳውንድ ምርመራ ናይ ምግባር ስራሕ ከካይድ ወሰነ። እዚ ልሙድ ዝዀነ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝሓትት ዕዮ ኢዩ። ነቲ ዝወስዶ ልምምድ ድማ ኣብቲ ናይ ስራሕ ሰዓታት ኢዩ ዝገብሮ። እወ: ገሊኣቶም ነዚ ብዙሕ ክብሪ ዘይብሉ መዓርግ ገይሮም ይሓስብዎ ይዀኑ: እንተዀነ ግን: ንመንፈሳዊ ነገራት ብዙሕ ግዜ ንኽውፊ ዘኽእሎ ኢዩ።

ፒተር ኣብ ግምት ዘእተዎ ካልእ ነገር ንውሳነኡ ኣለዓዒልዎ ኢዩ። ነቶም ካብዚ ናቱ እተፈልየ ውሳነ ክገብሩ ዝኽእሉ ካልኦት ሰባት ዘይፈርዶም እኳ እንተዀነ: ኣብ ዓለማዊ ነገራት ምጥሓል ንሓደ ክርስትያን ሓደገኛ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገንዚቡ ኢዩ። ንመንፈሳዊ ሓላፍነታት ሸለል ከም ዝብል ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። እዚ ንስራሕ ብዝምልከት ካልእ ኣብነት ተራእዩ ኣሎ።

ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ናይታ መንግስቲ ክኢላ ስነ⁠-ጥበባዊ ነበረ። ዝሰኣሎ ስእልታት ብምሻጥ ድማ ክናበር ዝኽእል ነበረ። ዝበዝሕ ግዜኡ ናብቲ ካብ ኵሉ ነገር ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት እናወፈየ ከሎ: ንገዛእ ርእሱ ጽቡቕ ገይሩ ከናብር ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ነቲ ከም ስነ⁠-ጥበባዊ መጠን ዝነበሮ ሞያ ናይ ምምዕባል ድልየት ከሕድር ጀመረ። ስእልታት ኣብ ምስኣልን ኣብ ናይ ስነ⁠-ጥበብ ዓለምን ኣዝዩ ጠሓለ: ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቋረጾ: ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ዛሕተለ። ጸኒሑ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብ ዘይኰነ ጠባይ ጠሓለ: ክፍሊ ናይ ክርስትያናዊት ጉባኤ ካብ ምዃን ድማ ኣቋረጸ።​—1 ቈረንቶስ 5:​11-​13

እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ፍሉይ እዋን ኢዩ

ከምቶም ሕጂ ንየሆዋ ዘገልግልዎ ዘለዉ: ብርግጽ ክሳዕ መወዳእታ ንዕኡ እሙናት ኴንና ክንጸንሕ ኢና እንደሊ። ካብ ታሪኽ ወድሰብ: ኣብቲ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ እዋን ንነብር ምህላውና ንፈልጥ ኢና። ንኣምላኽ ምግልጋልን ምስ እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ድማ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ምእንቲ ክንጋጠምን: እተፈላለየ ምትዕርራያት ክንገብር የድልየና ይኸውን ኢዩ። እዚ ምስቲ ናይ ሓረስታይ እዋን ምትሕሳስ ከነወዳድሮ ንኽእል ኢና። ናይ ምትሕሳስ እዋን ሓረስቶት ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ዝጽዕርሉ: ከምኡውን ዝያዳ ሰዓታት ብምስራሕ ፍሉይ ንጥፈታት ዝገብርሉ እዋን ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ምህርቲ ኣብ እተወሰነ እዋን ክእከብ ኣለዎ።

እዚ ሎሚ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ክውዳእ ኣዝዩ ውሱን ግዜ ኢዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ኣብነት የሱስ ንምስዓብን ኣሰርኣሰሩ ንምኻድን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ክጽዕር ኣለዎ። ምድራዊ ኣገባብ ናብራ የሱስ: ንዕኡ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ዕዮ ኣየናይ ምዃኑ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። “መዓልቲ ኸላ: ግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ: ሓደ እኳ ኺዐየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ” በለ። (ዮሃንስ 9:4) የሱስ: ለይቲ ትመጽእ ኣላ ክብል ከሎ ነቲ ዝፍተነሉ: ዝስቀለሉ: ዝሞተሉ: ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝውድኣሉ: ኣብ ዕዮ ሰማያዊ ኣብኡ ድማ ክካፈለሉ ዘይክእል እዋን ኢዩ ዘመልክት ነይሩ።

የሱስ ኣብተን ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝገበሮ ኣገልግሎት: ገለ ግዜኡ ተኣምራት ኣብ ምግባር ከምኡውን ሕሙማት ኣብ ምሕዋይ ከም ዘሕለፎ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: ዝበዝሕ ግዜኡ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ኣብ ምስባኽን ነቶም ናይ ሓሶት ሃይማኖት ‘ምሩኻት ምውጻእ ሓራ [ኣብ] ምስባኽን’ ኢዩ ኣሕሊፍዎ። (ሉቃስ 4:​18፣ ማቴዎስ 4:​17) የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ልባዊ ጻዕሪ ይገብር ነበረ: ነቲ ንሱ ዘንበሮ መሰረት ምህናጽ ምእንቲ ክቕጽሉን ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ድማ ነቲ ስብከት ክፍጽሙን ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ንምልምማድ ከኣ ግዜ ኣሕለፈ። የሱስ ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ኣድላይነት ናይታ መንግስቲ ንምቕዳም ይጥቀመሉ ነበረ: ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ከምኡ ክገብሩ ደለዮም።​—ማቴዎስ 5:​14-​16፣ ዮሃንስ 8:​12

ከምቲ ናይ የሱስ: እዞም ዘመናውያን ሰዓብቱ ዝዀንና ክርስትያናት: ንዅነታት ደቅሰብ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝርእዮ ገይርና ክንርእዮ የድልየና። እዚ ኣገባብ እዚ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ይጽንቀቕ ኢዩ ዘሎ: ኣምላኽ ድማ ብምሕረት ተደሪኹ ኵላቶም ድሕነት ክረኽቡ ኣጋጣሚ ክህልዎም ኢዩ ዝደሊ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ስለዚ እምበኣር: ኵሉ ካልእ ነገራት: ብድሕሪ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ክንሰርዖስ ጥበባዊዶ ኸይኰነ፧ (ማቴዎስ 6:​25-​33) ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፍሉይ እዋን: ከም ክርስትያን መጠን እቲ ብልምዲ ኣገዳሲ ተባሂሉ ዝርአ ነገር ኣብ ናብራና ዝተሓተ ኣገዳስነት ይዋሃቦ ይኸውን ኢዩ።

ኣብ ህይወትና ፍቓድ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ብምሃብና ዝዀነ ይኹን ካባና ዝጠዓስ ደኾን ክህሉ ኢዩ፧ ብርግጽ ዝጠዓስ የሎን: ምኽንያቱ እቲ ክርስትያናዊ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘገርም ዓስቢ ኣለዎ። ንኣብነት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኢሉ ነገሮም:⁠- “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት: ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ: ውሉድ: ግርሁ: ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት: ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን: ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”​—ማርቆስ 10:29, 30

ነቲ እቶም ግዜኦም ንየሆዋ ንምውዳስን ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ንምእዋጅን ዘሕልፍዎ ሰባት ዘስተማቕርዎ ዓስቢ ብናይ ገንዘብ ዋጋ ገይሩ ክትክኦ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ሰብ የለን። ኣዝዩ ብዙሕ በረኸታት ኢዮም ዘስተማቕሩ! እዚ ድማ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ: መለኮታዊ ፍቓድ ብምግባር ዝርከብ ዕግበት: ስምረት ኣምላኽ: ከምኡውን ተስፋ ናይ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ዘጠቓልል ኢዩ። (ራእይ 21:​3, 4) ንሰባት ብመንፈስ ክንሕግዞም: ከም መሰኻኽሩ መጠን ድማ ነቲ ቅዱስ ስም የሆዋ ክብሪ ከነምጽኣሉ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! ብዘይ ጥርጥር እምበኣር: ‘ምቹእ ግዜ ምዕዳግ’ ብሓቂ ጥበባውን ዓስቢ ዘለዎን ስጕምቲ ኢዩ። ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ እንካፈለሉ ግዜ ኢዩ። ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ክትጥቀመሉን ኣጽኒዕካ ክትሕዞን ዲኻ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a እተቐየረ ስም ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ