ገየሽቲ ተዓዘብቲ ብኸመይ እሙናት መገብቲ ኰይኖም ከም ዘገልግሉ
“ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ [“ዘይንበቕዖ ሕያውነት:” NW ]ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።”—1 ጴጥሮስ 4:10
1, 2. (ሀ) ነታ “መጋቢ” እትብል ቃል ብኸመይ ምገለጽካያ፧ (ለ) ምስቶም ኣምላኽ ዝጥቀመሎም መገብቲ እቱዋት ዝዀኑ መን ኢዮም፧
የሆዋ ንዅሎም እሙናት ክርስትያናት ከም መገብቲ ገይሩ ይጥቀመሎም ኢዩ። መጋቢ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ስድራቤት ሓላፍነት ዘለዎ ኣገልጋሊ ኢዩ። ናይ ጐይትኡ ናይ ንግዲ ጉዳያት እውን የካይድ ይኸውን ኢዩ። (ሉቃስ 16:1-3፣ ገላትያ 4:1, 2) የሱስ ነቶም ኣካሉ ዝዀኑ ኣብ ምድሪ ዘለዉ እሙናት ቅቡኣት ‘እሙን መጋቢ’ ኢሉ ጸውዖም። ነዚ መጋቢ እዚ: ነቲ ናይ መንግስቲ ስብከት ንጥፈታት ሓዊስካ “ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ” ሸይምዎ ኢዩ።—ሉቃስ 12:42-44፣ ማቴዎስ 24:14, 45
2 ሃዋርያ ጴጥሮስ: ኵሎም ክርስትያናት ናይቲ ብእተፈላለየ መገዲ እተገልጸ ዘይንብቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ መገብቲ ምዃኖም ተዛሪቡ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እሙን ኰይኑ ናይ ምምጋብ ዕዮ ክፍጽመሉ ዝኽእል መጣጥሖ ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 4:10) እተመዘዙ ክርስትያን ሽማግለታት መገብቲ ኢዮም: ኣብ መንጎኦም ድማ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኣለዉ። (ቲቶስ 1:7) እዞም ገየሽቲ ሽማግለታት እዚኣቶም ብኸመይ ኢዮም ክረኣዩ ዘለዎም፧ እንታይ ባህርያትን ዕላማታትን ኢዩ ክህልዎም ዝግባእ፧ ነተን ጉባኤታት ኣዝዮም ክጠቕምወን ዝኽእሉኸ ብኸመይ ኢዮም፧
በቲ ዝህብዎ ኣገልግሎት መመስገንቲ ኢዮም
3. ገየሽቲ ተዓዘብቲ “ሕያዎት መገብቲ” ተባሂሎም ክጽውዑ ዝኽእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
3 ናብ ሓደ ገያሺ ተዓዛብን በዓልቲ ቤቱን ብምጽሓፍ: ክርስትያናት ዝዀኑ እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ በሉ:- “ንዅሉ እቲ ምእንታና ዘጥፋእኩምዎ ግዜን ዘርኣኹምና ፍቕርን ምስጋናና ክንገልጽ ንፈቱ። ካብቲ ዝሃብኩምና ምብርታዕን ምኽርን ከም ስድራቤት መጠን ኣዚና ተጠቒምና ኢና። ብመንፈስ ምዕባይ ክንቅጽል ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና: እንተዀነ ግን በቲ የሆዋ ከምኡውን ከማኹም ዝኣመሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝህቡና ሓገዝ: እቲ ዘጋጥም ጭንቀትን ወጥርን ዝቐለለ ኢዩ ዝኸውን።” ከምዚ ዝበለ መግለጺታት ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ኢዩ: ምኽንያቱ ልክዕ ከምቲ ህርኩት መጋቢ ንናይ ስድራቤቱ ድልየታት ዝሓሊ: ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኸኣ ኣብ ኣመንቲ ብጾቶም ብሕታዊ ተገዳስነት የርእዩ ኢዮም። ገሊኣቶም ክኢላታት ተዛረብቲ ኢዮም። ብዙሓት ኣብ ዕዮ ስብከት ብሉጻት ክዀኑ ከለዉ: ገሊኣቶም ድማ በቲ ዘርእይዎ ምዉቕ ፍቕርን ድንጋጽን ፍሉጣት ኢዮም። ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ንኸምዚ ዝበለ ውህበት ብምዅስኳስን ንኻልኦት ኣብ ምግልጋል ብምጥቃምን: ብልክዕ “ሕያዎት መገብቲ” ተባሂሎም ክጽውዑ ይኽእሉ ኢዮም።
4. ሕጂ እንርእዮ ሕቶ እንታይ ኢዩ፧
4 ሃዋርያ ጳውሎስ “ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 4:2) ኣብ እተፈላለያ ጉባኤታት ንዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ሰሰሙን ምግልጋል ፍሉይን ዘሐጕስን መሰል ኢዩ። ይኹን እምበር: ከቢድ ሓላፍነት እውን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ገየሽቲ ተዓዘብቲ ከም መገብቲ መጠን ዘለዎም ሓላፍነት ብተኣማንነትን ዓወትን ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
ከም መገብቲ መጠን ዘለዎም ሓላፍነት ብዓወት ምፍጻም
5, 6. ኣብ ህይወት ገያሺ ተዓዛቢ: ናብ የሆዋ ጸሎት እተሓወሶ ትውክልቲ ምግባር ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዕዉታት መገብቲ ክዀኑ እንተድኣ ኰይኖም: ናብ የሆዋ ጸሎት እተሓወሶ ትውክልቲ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። ብምኽንያት ብዙሕ መደባትን ሓላፍነትን ሓድሓደ ግዜ እተጸቕጡ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 5:4 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን ኢዩ” ብምባል ዝዘመሮ ተሰማሚዖም ክመላለሱ የድልዮም። (መዝሙር 55:22) እቲ “እግዚኣብሄር ይባረኽ: ነንመዓልቲ ጾርና ይጸውር አሎ” ዝብል ናይ ዳዊት ቃላት እውን ዘጸናንዕ ኢዩ።—መዝሙር 68:19
6 ጳውሎስ መንፈሳዊ ሓላፍነታቱ ንምፍጻም ዘኽእሎ ሓይሊ ካበይ ረኸበ፧ “በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊልጲ 4:13) እወ: ናይ ጳውሎስ ምንጪ ሓይሊ: የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ: ጴጥሮስ እውን ‘ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር: ዜገልግል እንተዀነ እውን ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል’ ብምባል መዓደ። (1 ጴጥሮስ 4:11) ንብዙሕ ዓመታት ገያሺ ተዓዛቢ ዝነበረ ሓደ ሓው “ግድላት ክትፈትሕ ከሎኻ ኵሉ ግዜ ናብ የሆዋ ጠምት: ናይ ማሕበሩ ሓገዝ ድማ ድለ” ኢሉ ብምግላጽ ኣብ ኣምላኽ ምውካል ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ።
7. ኣብ ዕዮ ገያሺ ተዓዛቢ ሚዛናዊ ምዃን ግደ ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ሓደ ዕዉት ገያሺ ተዓዛቢ ሚዛናዊ ምዃን የድልዮ። ከምቶም ካልኦት ክርስትያናት ‘ዝሓይሽ ክምርምር’ ይጽዕር ኢዩ። (ፊልጲ 1:10)a ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ብዛዕባ ገለ ጕዳይ ሕቶታት ምስ ዝህልዎም: ምስቲ ዝበጽሕ ዘሎ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክማኸሩ ጥበባዊ ኢዩ። (ምሳሌ 11:14፣ 15:22) ካብታ ጉባኤ ምስ ከደ: እቶም ሽማግለታት ነቲ ግድል ንምፍታሕ ክዓዩ ከለዉ እቲ ሚዛናዊ ዝዀነ ርእይቶኡን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሩን ኣዝዩ ሓገዚ ምዃኑ ከረጋግጽ ኢዩ። ዳርጋ ምስ እዚ ዝሰማማዕ ሓሳባት ገይሩ: ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዐካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሀቦም” ኢሉ ነገሮ።—2 ጢሞቴዎስ 2:2
8. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ: ምርምር: ከምኡውን ምስትንታን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ቅዱስ ጽሑፋዊ መጽናዕቲ: ምርምር: ከምኡውን ምስትንታን ጥዑይ ምኽሪ ንምሃብ ኣድለይቲ ኢዮም። (ምሳሌ 15:28) ሓደ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ከምዚ በለ:- “ምስ ሽማግለታት ኣኼባ ክንገብር ከሎና: ናይ ገለ ሕቶ መልሲ ኣይንፈልጦን ኢና ምባል ከስግኣና የብሉን።” ብዛዕባ ነገራት “ሓሳብ ክርስቶስ” ክንሕዝ ምጽዓር: ካልኦት ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽሰማምዑ ዝሕግዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ንምሃብ የኽእለና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:16) ሓድሓደ ግዜ ገያሺ ተዓዛቢ መምርሒ ደልዩ ናብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክጽሕፍ የድልዮ ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ: ካብቲ ኣብ ካልኦት እነሕድሮ ጽልዋ ወይ ዘሎና ክእለት ዘረባ ንላዕሊ ኣብ የሆዋ እምነት ምግባርን ንሓቂ ምፍቃርን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ዝገበሮ ኣገልግሎት: “ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ” ዘይኰነስ “ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን” ኢዩ ጀሚርዎ። እዝኸ ኣሳልጦ ከም ዘይረክብዶ ገይርዎ ኢዩ፧ ኣይፋሉን: ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ሰብ ቈረንቶስ ንእምነቶም ኣብ ክንዲ ‘ብጥበብ ሰብ: ብስልጣን ኣምላኽ’ ከም ዝስርትዋ ገይርዎም ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 2:1-5
ካልእ ኣድላዪ ባህርያት
9. ገየሽቲ ሽማግለታት ናይ ካልኦት ውሽጣዊ ስምዒት ናይ ምርዳእ ባህርይ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ናይ ካልኦት ውሽጣዊ ስምዒት ናይ ምርዳእ ባህርይ ንገየሽቲ ተዓዘብቲ ሰናይ ፍረ ክዓጽዱ ይሕግዞም ኢዩ። ጴጥሮስ ኵሎም ክርስትያናት ‘ምድንጋጽ’ ከርእዩ ወይ “ርህሩሃት” ክዀኑ መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 3:8 NW እግረ-ጽሑፍ) ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ‘ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ምግዳስ ከምኡውን ብሓቂ ጽን ምባል’ ኣድላዪ ኰይኑ ረኸቦ። ጳውሎስውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ንምግላጽ: “ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ: ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:15) ከምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ንግድላትን ኵነታትን ኣመንቲ ብጾት ንምርዳእ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ንኽገብሩ የለዓዕሎም ኢዩ። ብድሕርዚ: ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሉ ብሓቂ ሰናይ ዝዀነ ፍረ ዘምጽእ ሃናጺ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ክህቡ ይኽእሉ። ሓደ ናይ ካልኦት ውሽጣዊ ስምዒት ብምርዳእ ብሉጽ ዝዀነ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ካብ ሓንቲ ኣብ ጥቓ ቱሪን: ኢጣልያ: ዘላ ጉባኤ እዚ ዝስዕብ ደብዳበ መጾ:- “ካልኦት ዝግደሱልካ ክትከውን እንተደኣ ደሊኻ: ብኻልኦት ሰባት ተገደስ፣ እተሐጕስ ክትከውን እንተ ድኣ ደሊኻ: ሕጕስ ኵን፣ ክትፍቀር እንተድኣ ደሊኻ: ተፈቃሪ ኵን፣ ክትሕገዝ እንተድኣ ደሊኻ: ንኽትሕግዝ ቅሩብ ኵን። ካባኻ እተማሃርናዮ እዚ ኢዩ!”
10. ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ: ብዛዕባ ትሑት ምዃን እንታይ ሓሳባት ኢዮም ዝሃቡ: በዚ መዳይ እዚ የሱስ እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧
10 ትሑትን ተቐራብን ምዃን ንገየሽቲ ተዓዘብቲ ብዙሕ ሰናይ ንኽገብሩ ይሕግዞም ኢዩ። ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “ናይ ትሕትና ኣመለኻኽታ ክህልወካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ። ንሓደስቲ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ከምዚ ኢሉ የጠንቅቕ:- “ምስ ካልኦት ብዘይ ኣድልዎ ክትመላለስ ጸዓር ድኣ እምበር: እቶም ርኹባት ዝገብሩልካ ብምርኣይ ኣድህቦኻ ናብቶም ሃብታማት ጥራይ ምእንቲ ኸይትገብር: ንገዛእ ርእስኻ በቶም ዝያዳ ሃብታማት ዝዀኑ ኣሕዋት ብዘየድሊ ክትጽሎ ኣይትሕደጋ።” (2 ዜና መዋእል 19:6, 7) ብሓቂ ትሑት ዝዀነ ገያሺ ተዓዛቢ: ናይ ማሕበር ወኪል ስለ ዝዀነ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣድላይነት እተጋነነ ኣረኣእያ ኣይህልዎን ኢዩ። ሓደ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ብልክዕ ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ሃበ:- “ትሑትን ነቶም ኣሕዋት ንምስማዕ ፍቓደኛን ኵን። ኵሉ ግዜ ተቐራቢ ኵን።” እቲ ኣብ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ: የሱስ ክርስቶስ: ሰባት ከም ዝፈርህዎ ክገብር ይኽእል ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ኣዝዩ ትሑትን ተቐራብን ስለ ዝነበረ ቈልዑ እውን ከይተረፈ ናብኡ ክቐርቡ ይፈዅሶም ነበረ። (ማቴዎስ 18:5፣ ማርቆስ 10:13-16) ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ዝዀነ ይኹን ሰብ—ቈልዑ: ኰተቴታት: ዓበይቲ—ኰታ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍዅስ ኢልዎ ክቐርቦም ኢዮም ዝደልዩ።
11. ኣድላዪ ክኸውን ከሎ: ይቕረታ ምሕታት እንታይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል፧
11 ልክዕ ኢዩ: “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና:” ጌጋ ዘይፍጽም ገያሺ ተዓዛቢ ድማ የለን። (ያእቆብ 3:2) ክጋገዩ ከለዉ: ብቕንዕና ይቕረታ ምሕታቶም: ነቶም ካልኦት ሽማግለታት ናይ ትሕትና ኣብነት ይዀኖም ኢዩ። ብመሰረት ምሳሌ 22:4 “ዓስቢ ትሕትናን [ኣኽብሮት ዘለዎ] ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።” ከምኡውን ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ምስ ኣምላኾም ብትሕትና ክመላለሱዶ’ ኣየድልዮምን ኢዩ፧ (ሚክያስ 6:8) ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ንሓድሽ ገያሺ ሽማግለ እንታይ ምኽሪ ከም ዝህቦ ምስ ተሓተ: ከምዚ ኢሉ ሓሳብ ሃበ:- “ንዅሎም ኣሕዋት ዝለዓለ ክብርን ግምትን ሃቦም: ከምኡውን ካባኻ ከም ዝሕሹ ገይርካ ርኣዮም። ካብቶም ኣሕዋት ብዙሕ ክትማሃር ኢኻ። ትሑት ኴንካ ቐጽል። ገዛእ ርእስኻ ኵን። ካልእ ሰብ ክትከውን ኣይትፈትን።”—ፊልጲ 2:3
12. ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቅንኢ ምርኣይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቅንኢ ምርኣይ: ነቲ ገያሺ ተዓዛቢ ዝብሎ ቃላት ርዝነት ይህቦ ኢዩ። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ኣብቲ ናይ ወንጌላውነት ዕዮ ቅንኢ ብምርኣይ ኣብነት ምስ ዝዀኑ ሽማግለታት: ኣንስቶም: ከምኡውን እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎቶም ቅንኢ ከርእዩ ከም ዝተባብዑ ሓቂ ኢዩ። ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “ኣብ ኣገልግሎት ቀናእ ኵን” ኢሉ ይምዕድ። ወሲኹ ድማ “ብሓፈሻ ክርአ ከሎ: እታ ጉባኤ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ቀናእ ምስ እትኸውን: እቶም ዘጋጥሙ ግድላት ዝወሓዱ ከም ዝዀኑ ተገንዚበ ኣሎኹ” በለ። ካልእ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ሓሳባት ሃበ:- “እቶም ሽማግለታት ምስቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስ ዝዓዩ ከምኡውን ነገልግሎት ከስተማቕርዎ ምስ ዝሕግዝዎም: ናይ ኣእምሮ ሰላምን ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ድማ ዝዓበየ ዕግበትን ከም ዘምጽእ እኣምን ኢየ” በለ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብሓይለ ገደል [ንሰብ ተሰሎንቄ] ወንጌል ንምንጋር ብኣምላኽ ተብዐ።’ ስለዚ ሰብ ተሰሎንቄ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ምብጻሕን ናይ ስብከት ኣገልግሎቱን ጽቡቕ ተዘክሮታት ሒዞም ምንባሮም ከምኡውን ካልኣይ ግዜ ክበጽሖም ብሃንቀውታ ምጽባዮም ዘገርም ኣይኰነን!—1 ተሰሎንቄ 2:1, 2፣ 3:6
13. ገያሺ ተዓዛቢ ምስቶም ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክዓዪ ከሎ: ኣብ ግምት ዘእትዎ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
13 ገያሺ ተዓዛቢ ምስቶም ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክዓዪ ከሎ: ኵነታቶምን ዓቕምታቶምን ኣብ ግምት የእቱ ኢዩ። እቲ ዝህቦ ርእይቶታት ሓጋዚ እኳ እንተዀነ: ገሊኣቶም ምስ ተመክሮ ዘለዎ ሽማግለ ክዓዩ ከለዉ ከም ዝርበሹ ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣብ ክንዲ ምኽሪ ምትብባዕ ዝያዳ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣስፋሕቲ ወይ ፓይነራት ምስቲ ገያሺ ተዓዛቢ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ክኸዱ ከለዉ: ነቲ ጽንዓት ንሱ ክመርሖ ይመርጹ ይዀኑ። እዚ ድማ ናይ ኣመሃህራኦም ኣገባብ ከመሓይሽሉ ዝኽእሉ ገለ መገድታት ንኽዕዘቡ ኢሎም ኢዮም ዝገብርዎ።
14. ቀናኣት ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ኣብ ካልኦት ቅንኢ ከለዓዕሉ ይኽእሉ ኢዮም ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ቀናኣት ገየሽቲ ተዓዘብቲ: ካልኦት ሰባት ቀናኣት ንኽዀኑ የለዓዕልዎም ኢዮም። ኣብ ኡጋንዳ ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ንሓደ ሓው ናብቶም ብዙሕ ዕብየት ዘይገብሩ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱሱ ከሰንዮ በቲ ጽዑቕ ዱር ኣቢሎም ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ተጓዕዙ። ኣብ መገዲ ብርቱዕ ማይ ስለ ዝሃረመ ኣዝዮም ጠልቀዩ። እታ ሽዱሽተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራቤት እቲ ክበጽሖም ዝመጸ ገያሺ ተዓዛቢ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ኣዝዮም ተመሰጡ። ናይ ቤተ-ክርስትያኖም ኣገልገልቲ ኣብተን መጓሰ ከምዚ ዝበለ ተገዳስነት ፈጺሞም ከም ዘየርእዩ ይፈልጡ ኢዮም። ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ሰንበት: ንመጀመርታ ግዜኦም ኣኼባ ተኻፈሉ: ናይ የሆዋ መሳኻኽር ክዀኑ ዘለዎም ባህጊ ድማ ገለጹ።
15. ኣብ ሜክሲኮ ሓደ ቀናእ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: እንታይ ጽቡቕ ተመክሮ ኢዩ ዘስተማቐረ፧
15 ኣብ ሓንቲ ኦሳካ እተባህለት ናይ ሜክሲኮ ኣውራጃ: ሓደ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ብሓቂ ካብኡ ዘይትጽበዮ ጻዕሪ ገበረ። ነቶም ኣስፈሕቲ ናይታ መንግስቲ ዝዀኑ: ብሓንሳብ ዝነበሩ ሸውዓተ እሱራት ንኽበጽሕ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣርባዕተ ለይቲ ክሓድር መደበ። ንገለ መዓልትታት እቶም እሱራት ካብ ሓንቲ ክፍሊ ናብታ ሓንቲ ክፍሊ እናኸዱ ክምስክሩ ከለዉ ኣሰነዮም: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ መርሐ። እቶም ዘጽንዑ ተገዳስነት ስለ ዘርኣዩ: ገለ ካብቲ ዝገብርዎ ጽንዓታት ክሳዕ ለይቲ ቀጸለ። እዚ ቀናእ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ እዚ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብ መወዳእታ ናይቲ ምብጻሕ ብምኽንያት እቲ ዝረኸብናዮ ሓባራዊ ምትብባዕ እቶም ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝቕመጡ እሱራትን ኣነን ምሉእ ሓጐስ ተሰማዓና።”
16. ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ምትብባዕ ክህቡ ከለዉ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዘተባብዑ ክዀኑ ኢዮም ዝፍትኑ። ጳውሎስ ነተን ኣብ መቄዶንያ ዝነበራ ጉባኤታት ክበጽሐን ከሎ: ‘ብብዙሕ ቃል መዓዶም [“ኣተባብዖም:” NW ]።’ (ግብሪ ሃዋርያት 20:1, 2) ንመንእሰያትን ዓበይትን ናብ መንፈሳዊ ሸቶ ኣቢልካ ንኽትመርሖም: ናይ ምትብባዕ ቃላት ኣጸቢቑ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓደ ዓቢ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተገብረ ዘይወግዓዊ መጽናዕቲ: ካብቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ዳርጋ 20 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ወለንተኛታት ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዘተባብዕዎም ምዃኖም የርኢ። በዓልቲ ቤቱ ንገያሺ ተዓዛቢ እውን በቲ ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂት መጠን እተርእዮ ሰናይ ኣብነት: ናይ ዓቢ ምጽንናዕ ምንጪ ኢያ።
17. ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዘለዎ መሰል ከመይ ተሰምዖ፧
17 ዓበይትን መንፈስ ጭንቀት ዘለዎምን ሰባት ብፍላይ ምትብባዕ የድልዮም ኢዩ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ክግለጽ ዘይክኣል ውሽጣዊ ሓጐስ ዘምጽኣለይ ናይ ዕዮይ ክፍሊ: እቲ ነቶም ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ መጓሰ ኣምላኽ ነይሮም ዝዛሕተሉን ኣካላዊ ድኻም ዘለዎምን ሰባት ንምሕጋዝ ዘሎኒ መሰል ኢዩ። ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ‘ከጸናንዕን ገለ መንፈሳዊ ውህበት ከማቕልን’ ከሎኹ: ዓቢ ምትብባዕን ሓይልን ስለ ዝረክብ: እቲ ናይ ሮሜ 1:11, 12 ቃላት ንዓይ ፍሉይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።”
ዓስቢ ናይቲ ዘሐጕስ ዕዮኦም
18. ገየሽቲ ተዓዘብቲ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዕላማታት ኢዩ ዘለዎም፧
18 ገየሽቲ ተዓዘብቲ ንኣመንቲ ብጾቶም ንምሕጋዝ ዓሚቝ ተገዳስነት ኣለዎም። ነተን ጉባኤታት ከደልድልወንን ብመንፈስ ክሃንጽወንን ኢዮም ዝደልዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:41) ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ “ምትብባዕ ክህብ: መንፈሶም ከሐድስ: ከምኡውን ኣገልግሎቶም ንምፍጻም ባህጊ ከሕድሩን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ተግባር እናኣውዓሉ ክነብሩን ከለዓዕሎም” ኣበርቲዑ ይሰርሕ። (3 ዮሃንስ 3) ካልእ ድማ ንኣመንቲ ብጾት ኣብ እምነት ጸኒዖም ንኽመላለሱ ክሕግዞም ይደሊ። (ቈሎሴ 2:6, 7) ገያሺ ተዓዛቢ “ሓቀኛ መተዓይይቲ” (NW) ድኣ እምበር: ኣብ እምነት ካልኦት ጐይታ ከም ዘይኰነ ዘክር። (ፊልጲ 4:3፣ 2 ቈረንቶስ 1:24) እቲ ንሱ ዝገብሮ ምብጻሕ ምትብባዕን ተወሳኺ ንጥፈታት ንምግባርን: ከምኡውን እቶም ኣካል ሽማግለታት ነቲ እተገብረ ምዕባለ ክምርምሩን መጻኢ ሸቶታቶም ክውስኑን ዘኽእል ኣጋጣሚ ኢዩ። ካብቲ ገያሺ ተዓዛቢ ዝብሎ ቃላትን ዘርእዮ ኣብነትን: ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ: ፓይነራት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ከምኡውን ሽማግለታት ክህነጹን ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ዕዮ ክለዓዓሉን ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም። (ምስ 1 ተሰሎንቄ 5:11 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እምበኣር: ነቲ ምብጻሕ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ብምሉእ ልብኹም ደግፍዎ: ከምኡውን ካብቲ ብናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዝዋሃብ ኣገልግሎት ምሉእ ጥቕሚ ርኸቡ።
19, 20. ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ካብቲ ዝገብርዎ እሙን ኣገልግሎት ዓስቢ ዝረኽቡ ብኸመይ ኢዮም፧
19 ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶምን ካብቲ ዝገብርዎ እሙን ኣገልግሎት ብዙሕ ዓስቢ ይረኽቡ ኢዮም: ስለቲ ዝገብርዎ ሰናይ ነገራት ድማ የሆዋ ከም ዝባርኾም ርግጸኛታት ኢዮም። (ምሳሌ 19:17፣ ኤፌሶን 6:8) ጆርጅን ማግዳሌናን ኣብቲ ናይ ምጋሽ ዕዮ ንብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይን ሰበይትን ኢዮም። ኣብቲ ኣብ ሉክሰምበርግ ዝነበረ ዓቢ ኣኼባ: ማግዳሌና ልዕሊ 20 ዓመታት ይገብር ዝመስከረትላ ሰብ ረኸበታ። እዛ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ እዚኣ በቲ ማግዳሌና ዝገደፈትላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ ንሓቂ ዝነበራ ተገዳስነት ተለዓዓለ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ተጠምቀት። ጆርጅ ድማ 40 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ናብ ገዝኣ ዝገበሮ ምብጻሕ ዝዘከረት መንፈሳዊት ሓብቲ ረኸበቶ። እቲ ዘርኣዮ ውዕዉዕ ኣቀራርባ ናይቲ ብስራት: ንዕኣን ንሰብኣያን ኣብ መወዳእታ ንሓቂ ከም ዝቕበሉ ገበሮም። ክልቲኦም ጆርጅን ማግዳሌናን ከም እተሓጐሱ ርዱእ ኢዩ።
20 ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ዝገበሮ ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ሓጐስ ኣምጽኢሉ ኢዩ: ከምኡውን ነቲ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዝብል ናይ የሱስ ቃላት ንኽጠቅስ ኣለዓዒልዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ናይ መገሻ ዕዮ ብቐጻሊ ምሃብ ዘጠቓልል ስለ ዝዀነ: እቶም ኣብኡ ዝካፈሉ ሰባት: ብፍላይ እቲ ሰናይ ዝዀነ ፍረ ጻዕሮም ምስ ዘስተብህልሉ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። ንሓደ ተስፋ ዝቘረጸ ሽማግለ ዘተባብዐ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ከምዚ ዝብል ደብዳበ መጾ:- “ካብቲ ንስኻ እትፈልጦ ንላዕሊ: ኣብ መንፈሳዊ ህይወተይ ‘ዘበራትዕ ሓጋዚ’ ኴንካኒ ኢኻ። . . . ነቶም ‘ኣእጋሮም ሰንከልከል ዝበላ’ ዘመናውያን ኣሳፍ ክሳዕ ክንደይ ሓጋዚ ምዃንካ ምሉእ ብምሉእ ፈጺምካ ኣይትፈልጦን ኢኻ።”—ቈሎሴ 4:11፣ መዝሙር 73:2
21. 1 ቈረንቶስ 15:58 ኣብ ንጥፈታት ናይ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ትውዕል ኢያ ክትብል እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧
21 ኣብ ናይ ወረዳ ዕዮ ንዓመታት ዝዓየየ ብዕድመ ዝደፍአ ክርስትያን: ነቲ ጳውሎስ ኣብ 1 ቈረንቶስ 15:58 “ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ዅሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ” ብምባል ዝሃቦ ምትብባዕ ከስተንትነሉ ይፈቱ። ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኣብ ናይ ጐይታ ዕዮ ብሓቂ ብዙሕ ዝዕየ ነገራት ኣለዎም። ከም እሙናት መገብቲ ናይቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ መጠን: ኣዝዮም ተሓጒሶም ዘገልግሉ ምዃኖምሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን መመስገንቲ ኢና!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1991 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዘኛ) ገጽ 28-31 “ብዙሕ ዝዕየ እናሃለወካ ሕጕስ ክትከውን ትኽእልዶ፧” ዝብል ዓንቀጽ ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ከም “ሕያዎት መገብቲ” ክርኣዩ ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ናይ ወረዳን ኣውራጃን ተዓዘብቲ ብዙሕ ሰናይ ነገራት ንኽፍጽሙ ክሕግዞም ዝኽእል ገለ ረቛሒታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ነቶም ኣብ ናይ ምጋሽ ዕዮ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት: ትሕትናን ቅንእን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ገየሽቲ ተዓዘብቲ እንታይ ሰናይ ዕላማታት ኢዩ ዘለዎም፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ገየሽቲ ተዓዘብቲ ንኣመንቲ ብጾት ከተባብዑ ኢዮም ዝደልዩ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
መንእሰያትን ዓበይትን ካብቲ ምስ ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣንስቶም ዝገብርዎ ሕብረት ረብሓ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ዝገብሮ ቅንኢ ዘለዎ ኣገልግሎት ኣብ ካልኦት ቅንኢ ከለዓዕል ይኽእል ኢዩ