ሓበሬታ ዘለዎ ስምምዕ ናይ ምግባር መሰል እንደገና ተረጋጊጹ
ኣብዚ ቐረባ እዋን ቤት ፍርዲ ናይ መሲና ኢጣልያ ብዳኛ ናይ መጀመርያ መርመራታት ኣብ እተወሰነ ፍርዲ: ድልየታት ናይ ሓደ በጽሒ ዝዀነ ሕሙም ንሓካይም ከም ዝቕይዶም ደጊሙ ኣረጋጊጹ። እቲ ውሳነ እተመሓላለፈ ኣብ ጕዳይ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ጥሪ 1994 ኣንቶኒኖ ስቴላርዮ ለንቲኒ እተባህለ: ወዲ 64 ዓመት ዝዀነ ደም ናይ ዘይምርጋእ ሕማም ዝነበሮ ምስክር: ኣብ ታውርሚና መሲና ናብ እትርከብ ሆስፒታል ብህጹጽ ተወስደ። ካቴና በዓልቲ ቤቱ ንኣንቶኒኖ ንኣባላት እቲ ሆስፒታል ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ንሳን በዓል ቤታን ደም ብምትሕልላፍ ንዝግበር ሕክምና ከም ዘይሰማምዕሉ ኣፍለጠቶም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:20, 28, 29) ነቲ ድልየቶም ከኣ ኣኽበሩሎም።
ይኹን እምበር: ኣንቶኒኖ ናብ ካልእ ናይ ጥዕና ማእከል እናኸደ ኸሎ ምትንፋስ ሰኣነ: ኣብ ኣስጋኢ ኵነታትውን በጽሐ። ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ሞተ። ካቴና ምንም እኳ ብሓዘን እንተ ተዋሕጠት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርከብ ተስፋ ናይ ትንሳኤ ግን ዓቢ ምጽንናዕ ረኺባ ኢያ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቲ ኣዝዩ ዘደንጸዋ ግን ብድሕሪኡ እቶም ፈራዶ ምናልባት በቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘናፈሳኦ ዘይቅኑዕ ወረ ተታሊሎም ይዀኑ: ነቲ ሓኻይም ብቕልጡፍ ከም ዘድሊ ዝኣመኑሉ ሕክምና ስለ ዝኣበየት ንሞት ሰብኣያ ምኽንያት ከም ዝዀነት ገይሮም ከሰስዋ።
ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዓመት: 11 ሓምለ 1995: ካቴና ዋላ ሓንቲ ገበን ብዘይምፍጻማ ናጻ ኰነት። እቶም ናይ ሕክምና ክኢላታት ዝሃብዎ ምስክርነት: እቲ ዝነበረ ኵነታት ናይቲ ሕሙም ኣብ ግምት ብምእታው ሕክምናዊ ሓገዝ ምግባር ዝዀነ ይኹን ጥቕሚ ከም ዘይነበሮ እኳ ደኣ ኣመልከተ።
ናይቲ ዳኛ መግለጺታት ግን ነቲ ቀንዲ ጕዳይ ዝሕብር ነበረ። በቲ ሕሙም ወይ ንዕኡ ብዝዉክሉ ሰባት ሓደ ዓይነት ሕክምና እንተድኣ ተነጺጉ: ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ጣልቃ ክኣትዉ ኣለዎም ንዝብል ሓሳብ ክትቅበሎ ኣዝዩ ዘጸግም ኢዩ ብምባል ኣፍለጠ። ወሲኹ ኸኣ ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ሕጊ ናይ ዲኦንቶሎጂካል (ሞራላዊ ግዴታ) ሕክምና: “ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ጣልቃ ምእታው: ምስቲ ዝምልከቶ ሰብ ሓበሬታ ዘለዎ ስምምዕ ክግበር ኣድላዪ ምዃኑ ዝእምት ኢዩ” በለ። በዚ ኸምዚ ካቴና “ንሰብኣያ ከምዚ ዝበለ መጥባሕቲ ካብ ምግባር ዝኸልከለት ብሕጋዊ መገዲ” ምዃና ገለጸ።
እዚ ፍርዲ እዚ ንሓደ በጽሒ ሰብ ምስ ድሌታቱ ዝጋጮ ሕክምናዊ ክንክን ንምእባይ ዘለዎ ወይ ዘለዋ መሰል እንደገና ዘረጋግጽ ኢዩ።