“ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም”
ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኵሎም ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ኣይነበሩን። ዘሰንብድ ዘይስነ-ምግባራውነት ነበሮም: ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ከኣ ምፍልላይ ነበረ። ገሊኣቶም ከቢድ ብሕታዊ ግድላት ወይ ከኣ መልሲ ዘድልዮ ሕቶታት ነይሮዎም ኢዩ። ገለ ካብቶም ኣሕዋት ንሓድሕዶም ኣብ ቤት ፍርዲ ይካሰሱ ነበሩ፣ ካልኦት ድማ ንትንሳኤ እውን ከይተረፈ ይኽሕድዎ ነበሩ።
ከበድቲ ሕቶታት እውን ተላዒሎም ኢዮም። እቶም ኣብተን ብሃይማኖት እተኸፋፈላ ስድራቤታት ዝነበሩ ምስቲ ዘይኣማኒ ክነብሩ ኣለዎምዶ ወይስ ክፈላለዩ ኣለዎም፧ እተን ኣሓት ኣብታ ጉባኤ እንታይ ግደ ኢዩ ነይሩወን፧ ንጣኦታት ካብ እተሓርደ ስጋ ምብላዕ ግቡእ ድዩ ነይሩ፧ እቲ ኣኼባታት: እንተላይ ድራር ጐይታ: ብኸመይ ኢዩ ክምራሕ ዝነበሮ፧—1 ቈረንቶስ 1:12፣ 5:1፣ 6:1፣ 7:1-3, 12, 13፣ 8:1፣ 11:18, 23-26፣ 14:26-35
ኣካይቆስን ፈርጡናጦስን እስጢፋኖስን ብዛዕባ ድሕንነት ናይቶም ኣብቲ ጸገም ዝነበሮ መንፈሳዊ ኵነታት ዝነበሩ ኣሕዋቶም ካብ ምጭናቕ እተላዕለ ናብ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኤፌሶን ከም ዝኸዱ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ሕማቕ ወረ: ብዛዕባ እዚ ጉዳያት እዚ ዝምልከት ሕቶታት ዝሓዘ ደብዳቤታት ካብተን ጉባኤታት ተማሊኦም ነይሮም ክዀኑ ኣሎዎም። (1 ቈረንቶስ 7:1፣ 16:17) ብዛዕባ እቲ ኵነታት እቲ ዝግደሱ ዝነበሩ እዞም ሰለስተ ኣሕዋት እዚኣቶም ጥራይ ከም ዘይነበሩ እተረጋገጸ ኢዩ። ጳውሎስ ኣብ መንጎ ኣባላት እታ ጉባኤ ምስሕሓብ ከም ዝነበረ ዝገለጽ ወረ ድሮ ካብ “ሰብ ቤት ቀሎኤ” ተቐቢሉ ነይሩ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 1:11) እቲ ጸብጻብ ናይቶም ልኡኻት ንጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ንጹር ምርዳእ ንኽህልዎ: እንታይ ዓይነት ምኽሪ ከም ዝህብ ንኽውስንን ነቲ እተላዕለ ሕቶታት ድማ ብኸመይ ከም ዝምልስ ንምፍላጥን ከም ዝሓገዞ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እታ ሕጂ ቀዳማይ ቈረንቶስ ኢልና እንጽውዓ ዘሎና መልእኽቲ: ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ተመሪሑ ዝሃቦ ምላሽ ኢዩ ዝመስል። ኣካይቆስን ፈርጡናጦስን እስጢፋኖስን ድማ ነቲ መልእኽቲ ኣብጺሖሞ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
ኣካይቆስን ፈርጡናጦስን እስጢፋኖስን እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕብኦም ዝብሎ ብምጽናዕ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
ስድራቤት እስጢፋኖስ
ስድራቤት እስጢፋኖስ: ኣብ ደቡብ ግሪኽ እትርከብ ኣውራጃ ሮሜ ዝዀነት ኣካይያ: ብ50 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ጳውሎስ ዘፍረዮም “በዅሪ” ኣገልግሎቱ ኢዮም ነይሮም፣ ጳውሎስ ባዕሉ ኸኣ ኢዩ ኣጠሚቕዎም። ጳውሎስ: ስድራቤት እስጢፋኖስ ንሰብ ቈረንቶስ ኣብነትን ከርግእዎም ዝኽእሉ ብሱላትን ገይሩ ከም ዝቘጸሮም ጉሁድ ኢዩ። ኣብ ክንዲ እታ ጉባኤ ኰይኖም ብዘርኣይዎ ንጥፈት ካብ ልቢ ንኢድዎም ኢዩ:- “ኣሕዋተየ: ቤት እስጢፋኖስ እታ በዅሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት: ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ: ትፈልጡ ኢኹም: ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም: እልምነኩም አሎኹ።” (1 ቈረንቶስ 1:16፣ 16:15, 16) “ቤት” እስጢፋኖስ ተባሂሎም ዘለዉ ብዓል መን ምዃኖም ብንጹር ኣይተገልጸን። እቲ መግለጺ ኣባላት ስድራቤት ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን ባሮትን ሰራሕተኛታትን እውን ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ: ብላቲን ኣካይቆስ ንባርያ ፈርጡናጦስ ከኣ ናጻ ንዝወጸ ዝወያቡ ኣስማት ስለ ዝዀኑ እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ምናልባት ናይቲ ስድራቤት እቲ ኣባላት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም ብምባል ግምት ይህቡ።
እዚ ይኹን እቲ: ጳውሎስ ንስድራቤት እስጢፋኖስ ከም ኣብነት ጠቒስዎም ኣሎ። ኣባላታ ‘ነፍሶም ንምግልጋል ቅዱሳን መዲቦም’ ኢዮም። ስድራቤት እስጢፋኖስ ንሰናይ እታ ጉባኤ ዝውዕል ዕዮ ከም ዘሎ ተገንዚቦም ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም: ነዚ ኣገልግሎት እዚ ድማ ከም ብሕታዊ ሓላፍነት ገይሮም ብፍታው ተቐቢሎምዎ ኢዮም። እዚ ኣገልግሎት እዚ ነቶም ቅዱሳን ንኽህብዎም ዝነበሮም ባህጊ ሞራላዊ ደገፍን ኣፍልጦን ክወሃቦ ዝግባእ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ።
“ንመንፈሰይን መንፈስኩምን ኣቕሲኖም እዮም”
ሽሕ’ኳ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ኵነታት ተጨኒቑ እንተነበረ: ምምጻእ ናይቶም ሰለስተ ልኡኻት ግን ንመንፈሱ ሓፍ ኣቢልዎ ኢዩ። ጳውሎስ “ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ: ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ አለዉ [?] እሞ: ባህ ይብለኒ አሎ። ንመንፈሰይን መንፈስኩምን ኣቕሲኖም እዮም” በለ። (1 ቈረንቶስ 16:17, 18) ጳውሎስ ብኣካል ካብቶም ሰብ ቈረንቶስ ተፈልዩ ስለ ዝነበረ እቲ ኣብ ቈረንቶስ ተላዒሉ ዝነበረ ኵነታት ክሓስቦ ከሎ ናይ ምጭናቕ ምኽንያት ኰይንዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ልኡኻት ናይታ ጉባኤ ምስ መጽዎ ግን: ነቲ ምስታ ጉባኤ ብምልእታ ዘይምህላዉ ዝመጾ ዝነበረ ሻቕሎት: ከም ዝድቅስ ገይርዎ ኢዩ። እቲ ሒዞምዎ ዝመጹ ጸብጻብ ንጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ምሉእ ሓበሬታ ሂብዎ ኢዩ: እንተወሓደ ንገለ ካብቲ ዝነበሮ ፍርሒ ኸኣ ከም ዝጥፍእ ገይርዎ ኢዩ። ምናልባት እቲ ኵነታት ክንድቲ ሓሲብዎ ዝነበረ ሕማቕ ዘይኰነ ነይሩ ይኸውን።
ካብቲ ጳውሎስ ዝበሎ ክንርድኦ ከም እንኽእል እቲ ናይቶም ሰለስተ ልኡኻት ጸብጻብ ንመንፈሱ ኣሐዲስዎ ጥራይ ዘይኰነስ ንመንፈስ ጉባኤ ቈረንቶስ ሓፍ ንምባል እውን ሓጊዙ ኢዩ። እቶም ልኡኻቶም ነቲ ኵነታት ብዅሉ መዳያቱ ኣነጺሮም ንጳውሎስ ከም ዝገልጹሉን ነቲ ዝሃቦም ምኽሪ ሒዞም ከኣ ከም ዝምለሱ ምፍላጦም ንጉባኤ ቈረንቶስ ቅሳነት ተሰሚዕዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ስለዚ ድማ እስጢፋኖስን እቶም ክልተ ብጾቱን: ኣብ ክንዲ ሰብ ቈረንቶስ ኰይኖም ንዝገበርዎ ዕዮ ልባዊ ናእዳ ተዋሂብዎም ኢዩ። ጳውሎስ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብታ ተመቓቒላ ዝነበረት ጉባኤ ቈረንቶስ ምስ ተመልሱ መሪሕነት ክሕዙ ሓላፍነት ብምሃቡ ሞሳኡ ኣርእይዎም ኢዩ። እቲ ሃዋርያ ነቶም ኣሕዋት “ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዚዐዩን ዚጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም . . . ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም” ብምባል ተማሕጺንዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 16:16, 18) ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ምሕጽንታ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብታ ጉባኤ ውጥረት እናሃለወ ኸሎ ምሉእ ተኣማንነት ከም ዝነበሮም ኣነጺሩ ዘመልክት ኢዩ። ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ክብረት ክወሃቦም ይግባእ።—ፊልጲ 2:29
እሙን ምትሕብባር ሰናይ ፍረ የፍሪ
ምስ ማሕበር የሆዋን ወኪላታን ጠቢቕካ ምትሕብባር: ሰናይ ፍረ ከም ዘፍሪ ምንም ጥርጥር የብሉን። ጳውሎስ ነታ ደድሕሪ እታ ቀዳማይቲ መልእኽቲ ኣስዒቡ ሕጂ ካልኣይ ቈረንቶስ ተባሂላ እትፍለጥ ዘላ መልእኽቲ ክጽሕፍ ከሎ: እቲ ኣብታ ጉባኤ ዝነበረ ኵነታት ድሮ ተመሓይሹ ኢዩ ነይሩ። እቶም ከም እኒ ኣካይቆስን ፈርጡናጦስን እስጢፋኖስን ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ዘርኣይዎ ዘየቋርጽ ትዕግስቲ ዝመልኦ ንጥፈታትን ምብጻሕ ናይ ቲቶስን ሰናይ ሳዕቤን ኣፍርዩ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 7:8-15፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5 ኣረኣእዮ።
ኣባላት ናይዘን ሎሚ ዘለዋ ናይ ህዝቢ የሆዋ ጉባኤታት ዝዀኑ: ካብዞም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብሕጽር ዝበለ መገዲ ተጠቒሶም ዘለዉ እሙናት ሰባት ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣብነት: ኣብቲ ጉባኤኻ ብገለ ምኽንያት ብቕልጡፍ ክፍታሕ ዘይከኣለ ነቶም ኣሕዋት ከኣ ዘተሓሳስቦም ዘሎ ቀጻሊ ኵነታት ኣሎ ንበል። እንታይ ኢዩ ክግበር ዘለዎ፧ እቶም ብዛዕባ እቲ ኵነታት ሰገጥ ከይበሉ ንጳውሎስ ብምሕባር ሓላፍነቶም ዝገበሩ እሞ ድሕሪኡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ዝሓደግዎ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ምሰሎም። እቲ ንጽድቂ ዝነበሮም ቅንኢ ባዕሎም ስጕምቲ ከም ዝወስዱ ወይ ከኣ ‘ኣብ እግዚኣብሄር ከም ዘንጸርጽሩ’ ክገብሮም ፈጺሞም ኣይፈቐድሉን።—ምሳሌ 19:3
እተን ጉባኤታት ናይ የሱስ ክርስቶስ ኢየን: ንሱ ድማ ኣብቲ ግቡእ ግዜ: ከምቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝገበሮ ንመንፈሳዊ ድሕንነቶምን ሰላሞምን ኣብ ስግኣት ከውድቕ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ጸገማት ንምፍታሕ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። (ኤፌሶን 1:22፣ ራእይ 1:12, 13, 20፣ 2:1-4) ክሳዕ ሽዑ ግን: ነቲ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ዝገደፉልና ሰናይ ኣብነት ንስዕብ እንተድኣ ኴንና: ንኣሕዋትና ንምግልጋል ከኣ ንዓዪ እንተድኣ ኴንና: ንሕናውን ንስርዓታት እታ ጉባኤ ብተኣማንነት ንድግፍ: ንኣሕዋትና ንሃንጽ: ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ከኣ ነነቓቕሖም’ ኣሎና ማለት ኢዩ።—እብራውያን 10:24, 25